ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 112
  • መርከብ ኣብ ሓንቲ ደሴት ተሰብረት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መርከብ ኣብ ሓንቲ ደሴት ተሰብረት
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ኬዕቝበና ይኽእል እዩ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ብማየ ማይ ከደ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ጳውሎስ ኣብ ግዜ ጸበባ ተዓወተ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብ ባሕሪ ገሊላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 112

ዛንታ 112

መርከብ ኣብ ሓንቲ ደሴት ተሰብረት

ርአ እሞ! እዛ መርከብ ኣብ ሽግር ኢያ ዘላ! ትሰባበር ኢያ ዘላ! እቶም ናብቲ ባሕሪ ዘሊሎም ዝኣተዉ ሰባት ትርእዮምዶ ኣሎኻ፧ ገሊኦም ኣብ ገምገም በጺሖም ኢዮም። እትስ ጳውሎስ ድዩ፧ እንታይ ከም ዘጓነፎ እስከ ንርአ።

ጳውሎስ ንኽልተ ዓመት ኣብ ቂሳርያ እሱር ኰይኑ ኸም ዝጸንሐ ዘክር። ብድሕሪኡ ንሱን ካልኦት እሱራትን ብመርከብ ናብ ሮሜ ተበገሱ። ብጥቓ ደሴት ቅሬጥስ ክሓልፉ ኸለዉ ብርቱዕ ማዕበል ወቕዖም። እቲ ንፋስ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ እቶም ሰባት ነታ መርከብ ክኣልይዋ ኣይከኣሉን። ብቐትሪ ጸሓይ ብለይቲ ኸኣ ከዋኽብቲ ክርእዩ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእትኡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት እቶም ኣብ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ንኽድሕኑ ዝነበሮም ተስፋ ጠፍአ።

ብድሕርዚ ጳውሎስ ደው በለ እሞ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:⁠-‘ዋላ ሓደ ካባኻትኩም ኣይክመውትን ኢዩ፣ እዛ መርከብ ጥራይ ኢያ እትስበር። ምኽንያቱ ሎሚ ለይቲ መልኣኽ የሆዋ መጺኡ: “ጳውሎስ: ኣጆኻ ኣይትፍራሕ! ኣብ ሮሜ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። ነዞም ምሳኻ ዘለዉ ኵሎም እውን ኣምላኽ ከድሕኖም ኢዩ” በለኒ።’

እቲ ማዕበል ካብ ዝጅምር ኣብ መበል 14 መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ይኸውን እቶም ባሕረኛታት ዕምቈት ናይቲ ባሕሪ እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣስተብሃሉ! በቲ ጸልማት ምስ ከውሒ ከይጋጨዉ ስለ ዝፈርሑ ኸኣ መልህቕ ደርበዩ። ንጽባሒቱ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ። ነታ መርከብ ክሳዕ እቲ ገምገም ከብጽሕዋ ድማ ወሰኑ።

ናብቲ ገምገም እናቐረቡ ምስ ከዱ እታ መርከብ ኣብ ሑጻ ተሸኽለት። ካብኡ ኸኣ እቲ ማዕበል በርትዓ እሞ ተሰባበረት። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ከምዚ በሎም:⁠-‘ሓምቢስኩም እትኽእሉ ናብ ባሕሪ እተዉ እሞ ናብ ገምገም ኪዱ። እቶም ካልኦት ከኣ ደድሕሪኦም እተዉ እሞ ካብቲ ስብርባር ናይታ መርከብ ሓዙ።’ ከምኡ ኸኣ ገበሩ። በዚ መገዲ እዚ ብምሉኦም እቶም ኣብታ መርከብ ዝነ​በሩ 276 ሰባት ልክዕ ከምቲ እቲ መል​ኣኽ እተመባጽዖ: ብድሓን ኣብ ገም​ገም በጽሑ።

እታ ደሴት መሊጠ ኢያ እትብሃል። እቶም ህዝቢ ሕያዎት ኢዮም: ነቶም ካብታ መርከብ ዝወጹ ኸኣ ተኸናኸንዎም። እቲ ማዕበል ምስ ሃድአ: ጳው​ሎስ ብኻልእ መርከብ ናብ ሮሜ ተወስደ።

ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠1⁠-​44፣ 28:⁠1⁠-​14

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ