ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/5 ገጽ 30-31
  • ጳውሎስ ኣብ ግዜ ጸበባ ተዓወተ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጳውሎስ ኣብ ግዜ ጸበባ ተዓወተ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይታ መርከብ ምስባር
  • ኣብ መሊጠ እተፈጸመ ተኣምር
  • ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
  • “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • መርከብ ኣብ ሓንቲ ደሴት ተሰብረት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኸደ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/5 ገጽ 30-31

ፍቓድ የሆዋ ገይሮም

ጳውሎስ ኣብ ግዜ ጸበባ ተዓወተ

ጳውሎስ ኣብ ሓደ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። ንሱን 275 ዝዀኑ ካልኦትን ኣብ ሓንቲ መርከብ ከለዉ: ኤውሮክሊዶን ዝበሃል ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝርአ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኣጋጠሞም እሞ ኣብ ከቢድ ሽግር ወደቑ። እቲ ማዕበል ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ ብመዓልቲ ጸሓይ ብለይቲ ኸኣ ከዋኽብቲ ኣይረኣዩን ኢዮም ነይሮም። እቶም ገየሽቲ ከይሞቱ ምፍርሆም ከኣ ርዱእ ኢዩ። ጳውሎስ ግን “እዛ መርከብ ደኣ እምበር: ካብኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ” ዝብል ብመለኮታዊ መገዲ እተገልጸሉ ሕልሚ ብምንጋር ኣጸናንዖም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠14, 20-22

ኣብ መበል 14 ለይቲ እቶም ባሕረኛታት ሓደ ዘሰንብድ ነገር ሰምዑ​—⁠ዕምቈት እቲ ባሕሪ 20 ቝመት ሰብ ምዃኑ ፈለጡ።a ካብኡ ቁሩብ ሕልፍ ኢሎም እንደገና ለክዑ። ሕጂ ዕምቈት እቲ ባሕሪ 15 ቍመት ሰብ ኰነ። መሬት ኣብ ቀረባኦም ኢዩ ዘሎ! እዚ ብስራት እዚ ግን ጥንቃቐ ምግባር ዝሓትት ምዃኑ እውን ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። እታ መርከብ ለይቲ ኣብቲ ዕምቈት ዘይብሉ ባሕሪ ናብዝን ናብትን ብምባል ምስ ኣኻውሕ ክትጋጮን ክትስበርን ትኽእል ኢያ። ነዚ ብምስትውዓል እቶም ባሕረኛታት ነቲ መልህቅ ኣውረድዎ። ገሊኣቶም ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውሪዶም ዘጋጠመ የጋጥሞም ክፍትኑ ደለዩ።b ጳውሎስ ግን ከልከሎም። ነቲ ሓለቓ ሰራዊትን ነቶም ዓቀይቶትን ከኣ “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸንሑ: ንስኻትኩም ኣይትድሕኑን ኢኹም” በሎም። እቲ ሓለቓ ሰራዊት ንጳውሎስ ሰምዖ: ስለዚ ኸኣ ኵሎም እቶም 276 ገየሽቲ ክወግሓሎም ተሃንጠዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠27-32

ናይታ መርከብ ምስባር

ንጽባሒቱ ንግሆ እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ገየሽቲ ልሳን ምድሪ ረኣዩ። እቶም ባሕረኛታት ተስፋ ስለ ዝረኸቡ ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንፋስ ገተሩ። እታ መርከብ ናብ ገምገም ክትከይድ ጀመረት: ብሓጐስ ከም ዝጨደሩ ኸኣ ዘጠራጥር ኣይኰነን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠39, 40

ብሃንደበት ግን እታ መርከብ ኣብ ድበት ተሸኽለት። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ ሓያል ማዕበል ብድሕሪኣ ይጸፍዓ ስለ ዝነበረ ተሰብረት። ኵሎም ገየሽቲ ነታ መርከብ ጠንጢኖምዋ ክወጹ ነበሮም! (ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠41) እንተዀነ ግን እዚ ጸገም ዘምጽእ ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ንጳውሎስ እውን ሓዊስካ መብዛሕትኦም እሱራት ኢዮም ነይሮም። ብመሰረት ሕጊ ሮሜ ኸኣ እቲ ንሓደ እሱር ክሃድም ዝሓደጎ ሓላዊ: ነቲ እሱር ተሓሲቡ ዝነበረ መቕጻዕቲ ይቕበል ነበረ። ንኣብነት: ሓደ ቀታል ነፍሲ እንተ ሃዲሙ እቲ ሓላዊኡ ክቕተል ነበሮ።

እቶም ዓቀይቶት ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤናት ስለ ዝፈርሁ ንዅሎም እቶም እሱራት ክቐትልዎም ወሰኑ። ይኹን እምበር: እቲ ምስ ጳውሎስ ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮ ሓለቓ ሰራዊት ኣብ መንጎ ኣተወ። ንዅሎም እቶም ሓምቢሶም ዝኽእሉ ኸኣ ሓምቢሶም ክወጹ ኣዘዘ። እቶም ሓምቢሶም ዘይክእሉ ድማ ሉሕ ሒዞም ወይ በቲ ኣብታ መርከብ ዝረኸብዎ ካልእ ነገራት ገይሮም ክወጹ ነበሮም። ኵሎም እቶም ገየሽቲ በብሓደ ካብታ እተሰብረት መርከብ ኣብ ምድሪ በጽሑ። ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ዋላ ሓንቲ ህይወት ኣይጠፍአትን!​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠42-44

ኣብ መሊጠ እተፈጸመ ተኣምር

እቶም ደኺሞም ዝነበሩ ገየሽቲ ኣብታ መሊጠ እትበሃል ደሴት ተዓቝቡ። እቶም ተቐማጦ እታ ደሴት “ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት” ወይ ቃል ብቓሉ “ባርባራውያን” (ብግሪኽ ቫርቫሮስ) ኢዮም ነይሮም።c እንተዀነ ግን ሰብ መሊጠ ጨካናት ኣይነበሩን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ እቲ ንጳውሎስ መጋይሽቱ ዝነበረ ሉቃስ “ኣዝዮም ደንገጹልና: ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን: ስለቲ ቝርን ድማ: ሓዊ ኣንዲዶም ንዅላትና ተቐበሉና” በለ። ጳውሎስ እውን ምስቶም ደቂ መሊጠ ዀይኑ ቀሸም ኣኪቡ ኣብ ሓዊ የእቱ ነበረ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠1-3 NW እግረ-ጽሑፍ።

ሃንደበት ሓደ ተመን ኣብ ኢድ ጳውሎስ ነኺሱ ጠልጠል በለ! እቶም ተቐማጦ እታ ደሴት ድማ ጳውሎስ ቀታል ነፍሲ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ሓሰቡ። ኣምላኽ ንሓጥኣን ዝቐጽዕ ነታ ሓጢኣት ዝገበረት ክፍሊ ኣካላቶም ብምጕዳእ ኢዩ ኢሎም ሓሲቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ግን ጳውሎስ ነቲ ተመን ናብቲ ሓዊ ጸግ ኣበሎ። ሉቃስ ብዓይኑ ርእዩ ከም ዝጸሓፎ ኸኣ “ኪሐብጥ ወይስ ሕጅሕጂ ሞይቱ ኺወድቕ እዩ: ኢሎም ይጽበይዎ ነበሩ።” ደሓር ግን እቶም ተቐማጦ እታ ደሴት ሓሳቦም ለዊጦም ንጳውሎስ ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ጀመሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠3-6

ጳውሎስ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መሊጠ ጸንሐ። ንኣቦ እቲ ንጳውሎስ ጽቡቕ ገይሩ እተቐበሎ ጱብልዮስ ዝበሃል ኣውራ እታ ደሴትን ንኻልኦት ሕሙማትን ኣሕወየ። ኣብ ርእሲ እዚ ጳውሎስ ዘርኢ ሓቂ ዘርአ: እዚ ኸኣ ነቶም ተቐበልቲ ጋሻ ዝነበሩ ተቐማጦ መሊጠ ብዙሕ በረኸት ኣምጽኣሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠7-11

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ

ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ ግዜ ብዙሕ ጸገማት ኣጋጢምዎ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠23-27) ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጸብጻብ ነቲ ብስራት ክብል እሱር ኰይኑ ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ዘይተጸበዮ ፈተናታት: ሓያል ማዕበልን ምስባር መርከብን ኣጋጢምዎ ኢዩ። እዚ ዅሉ ከሕልፍ ከሎ ግን ነቲ ብስራት ብቕንኢ ንኽሰብኽ ኣብ ዝገበሮ ውሳነ ኣይተወላወለን። ካብቲ ዝረኸቦ ተመክሮ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን: ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”​—⁠ ፊልጲ 4:⁠12, 13

እቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ጸገማት ነቲ ቀናኣት ኣገልገልቲ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንኽንከውን ዝገበርናዮ ውሳነ ከም እንቕይሮ ፈጺሙ ክገብረና የብሉን! ዘይተጸበናዮ ፈተና ምስ ዝለዓል ንዅሉ ጾርና ናብ የሆዋ ኢና እንድርብዮ። (መዝሙር 55:⁠22) ድሕርዚ የሆዋ ነቲ ፈተና ብኸመይ ክንጻወሮ ከም ዘኽእለና ክንርኢ ብትዕግስቲ ንጽበ። ክሳዕ ሽዑ ግን ከም ዝሓልየልና ብምትእምማን: ኣገልግሎትና ብተኣማንነት ንቐጽል። (1 ቈረንቶስ 10:⁠13፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠7) ዝዀነ ይኹን ጸገም የጋጥም ብዘየገድስ: ጸኒዕና ብምቕጻል ልክዕ ከም ጳውሎስ ኣብ ግዜ ጸበባ ክንስዕር ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብልምዲ ሓደ ቝመት ሰብ ማለት 4 እመት ወይ 1.8 ሜትሮ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝውሰድ።

b ጃልባ: መርከብ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ መልህቅ ምስ ደርበየት ናብቲ ንቑጽ ምድሪ ንምብጻሕ ዝጥቀሙላ ኢያ። እቶም መርከበኛታት ነቶም መርከብ ብኸመይ ከም እትምራሕ ምንም ፍልጠት ዘይነበሮም ገየሽቲ ራሕሪሖም ህይወቶም ከድሕኑ ኢዮም ዝፍትኑ ነይሮም።

c እታ ዊልፍረድ ፉንክ ዝጸሓፋ ዎርድ ኦሪጅንስ እትበሃል ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቶም ግሪኻውያን ካብ ቋንቋኦም እተፈልየ ዝዀነ ይኹን ቋንቋ ይንዕቁ ነበሩ: ‘ቫር-ቫር’ ይጥዕም ከኣ ይብሉ ነበሩ: ንዅሉ እቲ ብኻልእ ቋንቋ ዝዛረብ ሰብ ከኣ ቫርቫሮስ ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ