ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/3 ገጽ 29-31
  • “ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ባሕሪ ንግዲ ንሮሜ ኣድላዪ ነበረ
  • ገያሾ ኣብ ናይ ጽዕነት መራኽብ፧
  • ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ​—⁠ክሳዕ ክንደይ ዘስግእ ኢዩ፧
  • እቲ ብስራት ክሳዕ ስግር ባሕሪ በጽሐ
  • “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ጳውሎስ ኣብ ግዜ ጸበባ ተዓወተ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኸደ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/3 ገጽ 29-31

“ኣብ ባሕሪ   ብፍርሃት”

ኣብታ ጸላም ዝመልኣ ለይቲ: ሓንቲ 276 ሰባት ጽዒና እትኸይድ ዝነበረት መርከብ ናብ ሓንቲ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን እትርከብ ደሴት ገጻ ትጽጋዕ። እቶም ሰራሕተኛታት እታ መርከብን እቶም ተጓዓዝትን ኣብቲ ማዕበል ዝመልኦ ባሕሪ ን14 መዓልቲ ንየው ነጀው ብምባሎም ደኺሞም ኢዮም ዘለዉ። ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ገምገም ባሕሪ ምስ ረኣዩ ድማ ነታ መርከብ ኣብኡ ንኸጸግዕዋ ይቃለሱ። እንተዀነ ግን ብወገን ቅድሚታ ትሽከል እሞ ከም ዘይትነቓነቕ ትኸውን: ማዕበል ምስ በርትዐ ድማ እቲ ዳሕረዋይ ኣካላ ይስበር። ኵሎም እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ካብታ መርከብ ወጺኦም ብምሕንባስ ወይ ድማ ሉሕ ወይ ካልእ ነገራት ሒዞም ናብ ገምገም ባሕሪ መሊጠ ክበጽሑ ይቃለሱ። ካብቲ ብርቱዕ ማዕበል ምስ ወጹ ድማ ይቘሩን ይደኽሙን። ኣብ መንጎ እቶም ገያሾ ድማ እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣሎ። ንኽፍረድ ድማ ኢዩ ናብ ሮሜ ዝጓዓዝ ዘሎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠27-44

እቲ ኣብ ደሴት መሊጠ ዘጋጠመ ምስባር መርከብ ንጳውሎስ ኣብ ባሕሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወትካ ዘስግእ ፍጻመ ከጋጥሞ ንመጀመርታ ግዚኡ ኣይነበረን። ሒደት ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ: “ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት: ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዐልኩ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። ወሲኹውን “ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት” ከም ዝነበረ ተዛረበ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠25-27) ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ነቲ ጳውሎስ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ክኸውን ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ክፍጽሞ ሓጊዝዎ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 11:⁠13

ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ክሳዕ ኽንደይ ሰፊሕ ኢዩ ነይሩ፧ ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ከመይ ዝበለ ግደ ነበሮ፧ ክሳዕ ክንደይ ዘስግእከ ኢዩ ነይሩ፧ ዝጥቀሙለን ዝነበሩ እንታይ ዓይነት መራኽብ ኢየን ነይረን፧ ነቶም ገያሾ ተባሂሉ እተዳለወ ቦታ ነይሩዶ፧

ናይ ባሕሪ ንግዲ ንሮሜ ኣድላዪ ነበረ

ሮማውያን ንባሕሪ ሜዲተራንያን ማረ ኖስትሩም​—⁠ባሕርና​—⁠ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። ነቲ ባሕሪ እቲ ምቍጽጻር ድማ ንሮሜ ካብ ወተሃደራዊ ምኽንያት ንላዕሊ ኣዝዩ ኣድላዪ ነበረ። ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝነበራ ብዙሓት ከተማታት ወደባት ወይ ከኣ ካብ ወደባት ዝጥቀማ ኢየን ነይረን። ንኣብነት: ሮሜ ኣብ ጥቓ ኦስትያ ናይ ገዛእ ርእሳ ወደብ ነበራ: ቈረንቶስ ከኣ ንሎኪዩምን ክንክርኤን ትጥቀም ነበረት: ናይ ሶርያ ኣንጾክያ ድማ ብናይ ሰሉሽያ ወደብ ትጥቀም ነበረት። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ወደባት እዚኣተን ዝነበረ ጽቡቕ ናይ ባሕሪ ርክባት ምስተን ቀንዲ ከተማታት ቅልጡፍ ርክብ ንኽህሉ ሓጊዙ: ንኣውራጃታት ሮሜ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንምምሕዳር ድማ ከም ዝቐልል ገይሩ ኢዩ።

ሮሜ እውን መግቢ ንምርካብ ኣብቲ ብባሕሪ ዝግበር ንግዲ እተመርኰሰት ነበረት። ሮሜ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ብዝሒ ህዝቢ ስለ ዝነበራ: ዓመት ዓመት ዳርጋ ካብ 250,000 ክሳዕ 400,000 ቶን ዝበጽሕ እኽሊ የድልያ ነበረ። ክንድዚ ዝኣክል እኽሊ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ ነይሩ፧ ሄሮድስ ኣግሪጳ ኻልኣይ: ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ዓመት ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝኸውን መግቢ ንሮሜ ትቕርብ: ግብጺ ድማ ኣብተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነታ ኸተማ ዝኸውን እኹል እኽሊ ትሰድድ ምንባራ ከም እተዛረበ ፍላቪዩስ ጆሰፈስ ይጠቅስ። ብኣሽሓት ዝቝጸራ መራኽብ ነታ ኸተማ እቲኣ ዝኸውን እኽሊ ኣብ ምቕራብ ትሑዛት ነበራ።

ነቲ ሮማውያን ንምቾት ዝነበሮም ፍቕሪ ንምርዋይ: እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ባሕሪ ንግዲ ኵሉ ዓይነት ናይ ንግዲ ኣቝሑ የቕርብ ነበረ። ማዕድናት: ክቡር እምኒ: ከምኡውን እምነ-በረድ ካብ ቆጵሮስ: ግሪኽ: ግብጺ: ዕንጨይቲ ድማ ካብ ሊባኖስ ይለኣኽ ነበረ። ወይኒ ካብ ሰሚርና: ካዕካዕ ካብ ደማስቆ: ከምኡውን ተምሪ ካብ ፍልስጥኤም ይመጽእ ነበረ። ቅብእን ጐማን ካብ ቂልቅያ: ጸምሪ ካብ ሚሊጦስን ሎዴቅያን: ዓለባ ካብ ሶርያን ሊባኖስን: ጁኽ ዝሕብሩ ክዳን ካብ ጢሮስን ሲዶናን ይለኣኽ ነበረ። ቀለም ካብ ትያትራ: ጥርሙዝ ድማ ካብ ኣለክሳንድርያን ሲዶናን ይለኣኽ ነበረ። ሃሪ: ጡጥ: ስኒ ሓርማዝን ቀመማትን ካብ ቻይናን ህንድን ይመጽእ ነበረ።

ብዛዕባ እታ ጳውሎስ ተሰቒልዋ ዝነበረ ኣብ መሊጠ እተሰብረት መርከብከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ “ናብ ኢጣልያ እትኸይድ” እኽሊ እተመላልስ ናይ “እስክንድርያ” መርከብ ነበረት። (ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠6 NW እግረ-ጽሑፍ) እተን እኽሊ ዘመላልሳ ጭፍራ መራኽብ ብግሪኻውያንን ፊንቃውያንን ሶርያውያንን ዝውነና ነበራ። እዚኣቶም ድማ ይእዝዝወንን የስርሕወንን ነበሩ። ይኹን እምበር: መንግስቲ ነዘን መራኽብ እዚኣተን ይካረየን ነበረ። ጸሓፍ ታሪኽ ዊልያም ኤም. ራምሳይ ከም ዝበሎ “መንግስቲ ነዚ ዓቢ ኣገልግሎት እዚ ዘድሊ ሰብን መሳርሕን ዝሓዘ ሰፊሕ ስራሕ ባዕሉ ካብ ዘማሓድሮ: ከምቲ ግብሪ ኣብ ምእካብ ዝገብሮ ዝነበረ ንተኾናተርቲ ክህቦም ቀሊል ኰይኑ ረኸቦ።”

ጳውሎስ ነቲ ናይ ሮሜ ጕዕዞኡ በታ ኣርማ ናይ “ድዮስቆሮስ” ዘለዋ መርከብ ዛዘሞ። እዛ መርከብ እዚኣውን ናይ እስክንድርያ ነበረት። ኣብታ ኣብ ወሽመጥ ናፕልስ እትርከብ ኵለን እተን እኽሊ ዘመላልሳ መራኽብ ዝራገፋሉ ወደብ ጱተዮሉስ ድማ ተዓሸገት። (ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠11-13) እቲ ጽዕነት ካብታ ሎሚ ፖሱኦሊ እትብሃል ጱተዮሉስ እንተ ብምድሪ እንተ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ሰሜን ገጹ ብገምገም ባሕርን ብፈለግ ታይበርን ኣቢሉ ናብ ማእከል ሮሜ ይኸይድ።

ገያሾ ኣብ ናይ ጽዕነት መራኽብ፧

ጳውሎስን እቶም ሓለውቱ ወተሃደራትን ብናይ ጽዕነት መርከብ እተጓዕዙ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ: ኣብቲ ግዜ እቲ ከም ገያሻይ ኴንካ ብባሕሪ ምጕዓዝ ከመይ ከም ዝነበረ ክንፈልጥ ከድልየና ኢዩ።

ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ናይ ገያሾ መራኽብ ዝበሃላ ኣይነበራን። እቶም ተጓዓዝቲ ዝጥቀሙለን ዝነበሩ መራኽብ ናይ ንግዲ ኢየን ነይረን። ሰበ-ስልጣን መንግስቲ: ምሁራት: ሰበኽቲ: ጠንቈልቲ: ስነ-ጥበባውያን: ስፖርታውያን: ነጋዶ: በጻሕቲ ሃገር: ናብ ቅዱስ ቦታታት ንንግደት ዝኸዱ ሰባት ሓዊስካ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ይጓዓዙለን ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።

ርግጽ ኢዩ: ተጓዓዝትን ጽዕነትን ዘመላልሳ ብገማግም ባሕሪ ዝኸዳ ንኣሽቱ መራኽብ ነይረን ኢየን። ጳውሎስ ካብ ጥሮኣስ ‘ናብ መቄዶንያ ክሓልፍ’ ከሎ ከምዚኣተን ዝኣመሰለት መርከብ ተጠቒሙ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ሓደ ኣብ ዝበዝሕ ኣጋጣሚታት ካብን ናብን ኣቴንስ ክኸይድ ከሎ ብንኣሽቱ መራኽብ ተመላሊሱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በቲ ኣብተን ጥቓ ገማግም ባሕሪ ንእሽቶ እስያ ዝርከባ ደሴታት ኣቢሉ ካብ ጥሮኣስ ናብ ጳጥራ ዝገበሮ ዳሕረዋይ ጕዕዞኡ እውን ንእሽቶ መርከብ ተጠቒሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠8-11፣ 17:⁠14, 15፣ 20:⁠1-6, 13-15፣ 21:⁠1) ከምዚአን ዝኣመሰላ ንኣሽቱ መራኽብ ምጥቃም ግዜ ዝቝጥብ ነበረ: ካብ መሬት ኣዝየን ኣርሒቐን ክኸዳ ግና ኣይክእላን ነበራ። ስለዚ እተን ንጳውሎስ ናብ ቆጵሮስ ድሕሪኡ ድማ ናብ ጰምፍልያ ዝወሰደኦ: ከምኡውን እተን ካብ ኤፌሶን ናብ ቂሳርያ: ካብ ጳጥራ ናብ ጢሮስ ክኸይድ ከሎ እተጓዕዘለን መራኽብ ዕብይ ዝበላ ነይረን ክዀና ኣለወን። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠4, 13፣ 18:⁠21, 22፣ 21:⁠1-3) እታ ኣብ መሊጠ እተሰብረት ጳውሎስ ተሰቒልዋ ዝነበረ መርከብ እውን ዕብይ ዝበለት ነይራ ክትከውን ኣለዋ። እዘን መራኽብ እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ኢየን ዓበይቲ ነይረን ክዀና ዝኽእላ፧

ክኢላታት ዝጸሓፍዎ ምንጭታት ንሓደ ምሁር ከምዚ ንኽብል መርሖ:- “እታ ነቶም ናይ ጥንቲ ሰባት ጠቓሚት ዝነበረት ሒደት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዝነበራ [መርከብ] ካብ 70 ክሳዕ 80 ቶን ትጽዕን ነበረት። ኣብ መዋእል ግሪኽ 130 ቶን ዝጽዕና መራኽብ ልሙዳት ነበራ። 250 ቶን ዝጽዕና መራኽብ እኳ እንተ ነበራ: ካብቲ ገምጋም ንላዕሊ ምንባሩ ርዱእ ኢዩ። ኣብ ግዜ ሮማውያን እተን ናይ መንግስቲ ንብረት ንምምልላስ ዝጥቀሙለን ዝነበሩ መራኽብ ዓበይቲ ማለት 340 ቶን ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዝነበረን ኢየን ነይረን። እተን ዓበይቲ ዝበሃላ መራኽብ ክሳዕ 1,300 ቶን ምናልባት እውን ቁሩብ ካብኡ ብዝሕ ዝብል ይስከማ ብምንባረን ካብዚኣተን ኣጸቢቐን ዘይዓብያ ነይረን ክዀና ይኽእላ ኢየን።” ብመሰረት እቲ ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ መግለጺ: እታ ኣይሲስ ዝስማ እኽሊ እትጽዕን ናይ እስክንድርያ መርከብ ንውሓታ ልዕሊ 55 ሜትሮ: ጐድና ድማ ዳርጋ 14 ሜትሮ ዝበጽሕ ነበረ: ዳርጋ 13 ሜትሮ ዝኸውን ዕምቈት ዘለዎ መኽዘን ነበራ: ልዕሊ ሓደ ሽሕ ቶን እኽልን ምናልባትውን ሒደት ኣማእታት ገያሾን ክትሕዝ ትኽእል ነይራ እውን ክትከውን ትኽእል ኢያ።

እቶም ብናይ እኽሊ መርከብ ዝኸዱ ገያሾ ብኸመይ ይጐዓዙ ነበሩ፧ እተን መራኽብ ብቐንዱ ናይ ጽዕነት ስለ ዝነበራ: ንገያሾ ካልኣይ ቦታ ኢዩ ዝዋሃብ ነይሩ። ማይ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ መግቢ ይኹን ካልእ ኣገልግሎት ኣይዳለዎሎምን ነበረ። ኣብ ባይታ ናይታ መርከብ ምናልባት ኣብ ትሕቲ ምሸት ተሰሪሑ ንግሆ ዝፈርስ ዳስ መሳሊ መጽለሊ ይሓድሩ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ገያሾ መግቢ ንምድላው ነቲ ናይታ መርከብ ክሽነ ክጥቀምሉ ይፍቀደሎም ነይሩ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተ ዀነ: ከም ድስትን ኣንሶላን ኮበርታን ዝኣመሰለ ሓዊስካ መግቢ ንምድላው: ንምብላዕ: ንምሕጻብ: ከምኡውን ንመደቀሲ ዘድልዮም ኵሉ ነገራት ክማልኡ ነበሮም።

ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ​—⁠ክሳዕ ክንደይ ዘስግእ ኢዩ፧

እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ባሕረኛታት መሳርሒ​—⁠ኮምፓስ እውን ከይተረፈ​—⁠ስለ ዘይነበሮም: ጕዕዝኦም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምርኣይ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ: ጕዕዞ ዘየስግእ ዝኸውን ኣነጺርካ ክትርእየሉ ኣብ እትኽእል: ብሓፈሻ ካብ መወዳእታ ግንቦት ክሳዕ መፋርቕ መስከረም ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ቅድሚ እዚ ኣዋርሕ እዝን ብድሕሪኡን ዘሎ ክልተ ኣዋርሕ: ነጋዶ ብዕድል ኢዮም ዝኸዱ ነይሮም። ኣብ እዋን ክረምቲ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ግመን ደበናን ነቲ መለለዪ ምልክታት: ብግዜ ቐትሪ ንጸሓይ ከምኡውን ብግዜ ለይቲ ንከዋኽብቲ ይኽውሎም ነበረ። ኣዝዩ ኣድላዪ ወይ ህጹጽ ጕዳይ እንተ ዘይሃልዩ ናይ መርከብ ጕዕዞ ካብ 11 ሕዳር ክሳዕ 10 መጋቢት ይዕጾ (ብቛንቋ ላቲን ማረ ክላውሱም  ) ነበረ። እቶም ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይዚ ወቕቲ እዚ ዝጓዓዙ ሰባት ኣብ ናይ ካልእ ዓዲ ወደብ ምኽራም ከጋጥሞም ይኽእል ነበረ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠12፣ 28:⁠11

ሓደጋን ምልውዋጥ ኵነታትን ይሃሉ ብዘየገድስ: ናይ መርከብ ጕዕዞ ካብ ናይ እግሪ ጕዕዞ ዝበልጽ ጥቕምታት ነይርዎዶ ኢዩ፧ እወ: ነይርዎ ኢዩ! ብመርከብ ምኻድ ብዙሕ ድኻም ዘይብሉን ዝሓሰረን ዝቐልጠፈን ነበረ። ምቹእ ኵነታት ኣየር ምስ ዝህሉ: ሓንቲ መርከብ ኣብ መዓልቲ ምናልባት 150 ኪሎ ሜተር ክትሽፍን ትኽእል ነበረት። ኣብ ሓደ ነዊሕ ጕዕዞ ብእግርኻ እትኸዶ መገዲ ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ካብ 25 ክሳዕ 30 ኪሎ ሜተር ዝበጽሕ ነበረ።

ናህሪ መርከብ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኵነታት ንፋስ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ካብ ግብጺ ናብ ኢጣልያ ምጋሽ ኣብቲ ዝበለጸ ግዝያት እውን ከይተረፈ ምስቲ ነታ መርከብ ብኣንጻራ ዝመጽእ ዝነበረ ንፋስ ከየቋረጽካ ምቅላስ ዝሓትት ነበረ። እቲ ዝሓጸረ መገዲ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝርከብ መገዲ ሮዶስ: ወይ ሚራ: ወይውን ብኻልእ ወደብ ናይ ገማግም ሉቅያ ምኻድ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እታ ናይ እኽሊ መርከብ ዝነበረት ኣይሲስ ካብ እስክንድርያ ተበጊሳ 70 መዓልትታት ድሕሪ ምኻድ ማዕበል ኣጋጢምዋ መገዳ ምስ ሰሓተት: ኣብ ፒራቪስ ደው በለት። በቲ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝመጽእ ንፋስ ብድሕሪኣ እናተደፍአት: ካብ ኢጣልያ ክትምለስ ከላ እቲ መገዲ ካብ 20 ክሳዕ 25 መዓልትታት ይወስደላ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጽቡቕ ኵነታት ኣየር እናሃለወ ካብቲ ናይ እግሪ መገድታት ብሓዲኡ ተጠቒምካ ነዚ ጕዕዞ እዚ ክትከዶ እንተድኣ ዄንካ ልዕሊ 150 መዓልትታት ክወስድ ዝኽእል ኢዩ ነይሩ።

እቲ ብስራት ክሳዕ ስግር ባሕሪ በጽሐ

ጳውሎስ ኣብ ዘይእዋኑ ብባሕሪ ኣብ ምጕዓዝ ዘሎ ሓደጋታት ይርድኦ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ። “ኣቱም ሰብ: ንነፍስና ድማ እምበር: ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ: መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጕድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ አሎኹ” ብምባል ኣብ መወዳእታ መስከረም ወይ መጀመርታ ጥቅምቲ ብመርከብ ከይጓዓዙ ከይተረፈ ምዒዱ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠9, 10) እቲ በዓል ስልጣን ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ግን ነዚ ቓላት እዚ ነጸጎ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ መሊጠ ዘጋጠመ ምስባር መርከብ ኣስዓበ።

ጳውሎስ ሚስዮናዊ ዕዩኡ ክውድእ ከሎ: እንተወሓደ ኣርባዕተ ግዜ ምስባር መርከብ ኣጋጢምዎ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠41-44፣ 2 ቈረንቶስ 11:⁠25) እንተዀነ ግን: እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ዘምጽኦ ዘየድሊ ፍርሂ ነቶም ቀዳሞት ሰበኽቲ እቲ ብስራት ብመርከብ ክጓዓዙ ኣይዓገቶምን። ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ንምስፋሕ ንዅሉ እቲ ክርከብ እተኻእለ መጓዓዝያ ምሉእ ብምሉእ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ንትእዛዝ የሱስ ብምኽባር ድማ ኣብ ኵሉ ቦታ ምስክርነት ሃቡ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) ሳላ ቅንኦምን: እምነት ናይቶም ኣብነቶም ዝሰዓቡ ሰባትን: መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ የሆዋን እቲ ብስራት ክሳዕ እቲ ዝረሓቐ ሰባት ዝነብርሉ ክፍልታት ምድሪ በጺሑ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ