ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w19 ሚያዝያ ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጳውሎስ ኣብ ግዜ ጸበባ ተዓወተ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
w19 ሚያዝያ ገጽ 31
ኣብ ጥቓ ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓደ ሸቃሊ ይዛረቦ

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ ጥንቲ፡ ሓደ ተጓዓዛይ ከመይ ገይሩ እዩ ብባሕሪ ዚገይሽ ነይሩ፧

ብሓፈሻኡ፡ ብግዜ ጳውሎስ ንገየሽቲ ሰባት ጥራይ ዚሕዛ መራኽብ ኣይነበራን። ገየሽቲ ናብ ዚደልይዎ ኣንፈት እትኸይድን ንገየሽቲ እትማላእን መርከብ ነጋዳይ (ጽዕነት) ዚፈልጥ እንተ ኣልዩ የጣይቑ ነይሮም እዮም። (ግብ. 21:2, 3) ዋላ እውን እታ መርከብ ናብቲ እቲ ገያሻይ ዝደለዮ ዘይትኸይድ እንተ ነበረት፡ ኣብ መገዲ ኣብ ዚርከብ ወደባት፡ ናብ ጥቓ እቲ ዝደለዮ ቦታ ኽትወስዶ እትኽእል ካልእ መርከብ ኬናዲ ይኽእል ነይሩ እዩ።—ግብ. 27:1-6።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጕዕዞ ባሕሪ ኣብ እተወሰነ ወቕቲ እዩ ዚግበር ነይሩ፣ መራኽብ ከኣ ንጹር መደብ ኣይነበረንን። ኣብ ርእሲ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ከኣ፡ ማሪታዊ እምነት ዝነበሮም ባሕረኛታት ሕማቕ ፋል እንተ ርእዮም፡ ንኣብነት ኣብቲ መዋደዲ ጋንጽላ ዚንቁ ኳዅ እንተ ርእዮም ወይ ኣብ ገማግም ስባር መርከብ እንተ ርእዮም፡ ነቲ ጕዕዞኦም የደናጕይዎ ነይሮም እዮም። ጽቡቕ ንፋስ ኣብ ዚነፍሰሉ እዋን ከኣ፡ ጋንጽላኦም ገቲሮም ብምስፋፍ፡ ነቲ ዅነታት ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። ሓደ ገያሺ፡ እትማልኦ መርከብ ምስ ረኸበ፡ ሮዖኡ ጠቒሊሉ ኣብ ጥቓ እቲ ወደብ ይጸንሕ፣ ኣብኡ ዀይኑ ኸኣ ንቕሎ እታ መርከብ ከም ዝኣኸለ ጻውዒት ክሳዕ ዚቐርብ ይጽበ።

ምስዚ ብዚተሓሓዝ ላዮነል ካሰን ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ሮሜ ንሰባት ካብ ከርተት ዚሰትር ምሹእ ኣገልግሎት ዝነበሮ ገማግም ነይርዋ። ወደባ ኣብ ኣፍ ፈለግ ታይበር እዩ ነይሩ። ኣብታ ኣብ ጥቓኡ እትርከብ ከተማ ኦስትያ፡ ብኣብያተ ጽሕፈት እተኸብበ ፒያሳ ነይሩ። ሓያሎ ኻብዚ ኣብያተ ጽሕፈት ድማ ናብ እተፈላለየ ወደባት ናይ ዚልእኩ ለኣኽቲ እዩ ነይሩ፦ ለኣኽቲ ነኣርቦነ [ዘመናዊ ፈረንሳ] ሓደ ነይርዎም፡ ለኣኽቲ ካርቴጅ [ዘመናዊ ቱኒዝያ] ሓደ ነይርዎም፡ . . . ወዘተ። ብመርከብ ኪጐዓዝ ዚደሊ ዘበለ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት እተን ኣብ መገዱ ዚርከባ ኸተማታት ጥራይ እዩ ኸይዱ ኺሓትት ዝነበሮ።”

ጕዕዞ መርከብ ንገየሽቲ ግዜ ይቝጥበሎም እኳ እንተ ነበረ፡ ሓደጋታት ግና ነይርዎ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞታቱ ብተደጋጋሚ እታ ዝነበራ መርከብ ተሰይራ እያ።—2 ቈረ. 11:25።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ