ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 87 ገጽ 204-ገጽ 205 ሕ.ጽ. 3
  • ናይ መወዳእታ ድራር የሱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ መወዳእታ ድራር የሱስ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ናይ የሱስ ናይ ስንብታ ቃላት ብምቕላብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ድራር ጐይታ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረት ክፍሊ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 87 ገጽ 204-ገጽ 205 ሕ.ጽ. 3
የሱስ ምስ ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያቱ ድራር ጐይታ ሰርዐ

ትምህርቲ 87

ናይ መወዳእታ ድራር የሱስ

ኣይሁድ ዓመት ዓመት ኣብ ወርሒ ኒሳን፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ፋስጋ የብዕሉ ነበሩ። እዚ ኸኣ የሆዋ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺኡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዘእተዎም ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ። ኣብ ዓመተ 33 ድ.ክ. ግና፡ የሱስን ሃዋርያቱን ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ደርቢ፡ ፋስጋ ኣብዓሉ። ኣብ መወዳእታ እቲ ድራር ከኣ፡ የሱስ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” በሎም። እቶም ሃዋርያት ድማ በዚ ሰምበዱ፣ ‘መን እዩ፧’ ኢሎም እውን ሓተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ‘እቲ እንጌራ ዝህቦ እዩ’ በሎም። ሽዑ፡ ቍራስ እንጌራ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ሃቦ። ብኡብኡ፡ ይሁዳ ተንሲኡ ኻብታ ኽፍሊ ወጸ።

ሽዑ፡ የሱስ ጸልዩ፡ ነቲ እንጌራ ቘሪሱ፡ ነቶም ዝተረፉ ሃዋርያቱ ሃቦም። ‘ካብዚ እንጌራ ብልዑ። እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ’ በሎም። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ወይኒ ጸልዩ፡ ነቶም ሃዋርያቱ ሃቦም። ‘ካብዚ ወይኒ ስተዩ። እዚ ንሕድገት ሓጢኣት ዚውሃብ ደመይ ማለት እዩ። ኣብ ሰማይ ነገስታት ከም እትዀኑ ቓል እኣትወልኩም ኣለኹ። እዚ ንመዘከርታይ ዓመት ዓመት ግበርዎ’ በሎም። ሰዓብቲ የሱስ ክሳዕ ሎሚ ዓመት ዓመት በታ ምሸት እቲኣ ኣኼባ ይገብሩ ኣለዉ። እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ሕጂ ድራር ጐይታ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ድሕሪ እቲ ድራር፡ እቶም ሃዋርያት መኖም ከም ዚዓቢ ተኸራኸሩ። የሱስ ግና፡ ‘እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ፡ እቲ ንርእሱ ዝነኣሰት ገይሩ ዚርእያ እዩ’ በሎም።

ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ንስኻትኩም ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኣቦይ ክነግረኩም ዚደለዮ ዘበለ ዅሉ ነጊረኩም እየ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናብ ኣቦይ፡ ናብ ሰማይ ክኸይድ እየ። ንስኻትኩም ኣብዚ ኽትተርፉ ኢኹም። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም ከኣ፡ ሰባት በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኪፈልጡ እዮም። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ በሎም።

ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ናብ የሆዋ ጸለየ፣ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ኼዕቍቦም እውን ለመኖ። ብዘይካዚ ድማ፡ ብሰላም ሓቢሮም ምእንቲ ኺዓይዩ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመነሎም። ስም የሆዋ ኪቕደስ እውን ጸልየ። ድሕሪኡ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ንየሆዋ ብመዝሙር ወዲሶም ናብ ወጻኢ ኸዱ። የሱስ ዚትሓዘላ ግዜ ቐሪባ ነበረት።

“ኣታ ሒደት መጓሰ፡ መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ።”—ሉቃስ 12:32

ሕቶታት፦ የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ኢሉ እዩ ቓል ኣትዩሎም፧ የሱስ ኣብቲ ምስ ሃዋርያቱ ዝበልዖ ናይ መወዳእታ ድራር፡ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርትታት እዩ ምሂርዎም፧

ማቴዎስ 26:20-30፣ ሉቃስ 22:14-26፣ ዮሃንስ 13:1, 2, 26, 30, 34, 35፣ 15:12-19፣ 17:3-26

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ