ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 38
  • ኬበርትዓካ እዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኬበርትዓካ እዩ
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እምነት ትሃልወና
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንስብከት ንዳሎ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንስብከት ንዳሎ
    ንየሆዋ ዘምሩሉ—ሓድሽ መዝሙራት
  • ናብቲ “ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም” ተመለሱ
    ናብ የሆዋ ተመለስ
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 38

መዝሙር 38

ኬበርትዓካ እዩ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(1 ጴጥሮስ 5:10)

  1. 1. ብምኽንያት’ዩ ኣምላኽ ናብኡ ስሒቡካ፣

    ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውጺኡካ።

    ኣብ ልብኻ ርእዩ ዅሉ ሃረርታኻ፣

    ፈታው ጽድቅን ቅንዕናን ምዃንካ፣

    ቃል ኣቲኻ ኽትገብር ፍቓዱ፣

    ኪረድኣካስ ጽናዕ ኣብ መገዱ።

    (ኣዝማች)

    ብደም የሱስ ዓዲጉ፡

    ገይሩካ ጥሪቱ፣

    ኬበርትዓካ’ዩ

    ብምዃንካ ናቱ።

    ከውሕኻ’ዩ ዕቝባኻ

    ኣብ ምሉእ ህይወትካ፡

    ኬበርትዓካ’ዩ፡

    እወ ኼጽንዓካ።

  2. 2. ኣምላኽ ሂቡ ወዱ፡ እወ፡ ምእንታኻ፣

    ድሌቱ’ዩ ዅሉ ኺሰልጠካ።

    ብልግሲ ኻብ ሃበ ነቲ ሓደ ወዱ፡

    የበርትዕ’ዩ በታ ሓያል ኢዱ።

    ኣይርስዖን እምነትካ፡ ፍቕርኻ፣

    ኪሕብሕበካ’ዩ፡ ኪሓልየልካ።

    (ኣዝማች)

    ብደም የሱስ ዓዲጉ፡

    ገይሩካ ጥሪቱ፣

    ኬበርትዓካ’ዩ

    ብምዃንካ ናቱ።

    ከውሕኻ’ዩ ዕቝባኻ

    ኣብ ምሉእ ህይወትካ፡

    ኬበርትዓካ’ዩ፡

    እወ ኼጽንዓካ።

(ሮሜ 8:32፣ 14:8, 9፣ እብ. 6:10፣ 1 ጴጥ. 2:9 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ