መዝሙር 107
ፍቕሪ ኣምላኽ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ’ታ ዓይነት ፍቕሪ፡ ኣምላኽ ዘርኣየና፡
ትመርሕ ነእጋርና፣
ኣብ ኵሉ ግብሩ፡ ክንቀድሓ ዚግባእ
ፍቕሪ እዩ ኣርእዩና።
ወዱ ሂቡና፡ ዜፍቅሮ ኻብ ኵሉ፡
ሕድገት ሓጥያትና፡ ምሕረት ’ንረኽበሉ፡
ፍቕሩ ንምግላጽ፡ ብዙሕ’ዩ ኸፊሉ፡
ኵሉ ግብሩ ፍቕሪ ’ደኣሉ።
2. ብመገዲ ያህ ’ተ ተመላሊስና፡
ነፍቅር ሓውና፣
ንተሓለለ እወ ንሓድሕድና፡
ብቓል ኰነ፡ ብተግባርና።
ፍቕሪ ንኣምላኽ እንተ ኣልያትና፡
ትንጸባረቕ’ያ ኣብ ፍቕሪ ኣሕዋትና፣
ይቕረ’ውን ንብል ካብ ውሽጢ ልብና፣
በዚ ኸምዚ ነርኢ ፍቕርና።
3. ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት’ያ፡
ትፈጥር ሓድነት፣
የሆዋ ኣምላኽ ይደሊ ኽንነብር
ብዘይ ህውከት፡ ’ወ ብስኒት።
ብፍቕሪ ንንበር ወትሩ ተሓጒስና፣
ኣምላኽ ብቓሉ እናኣጽረየና፣
ምስ ፈተውትና ብሓደ ሰሚርና፣
ነንጸባርቕ ፍቕሪ ኣምላኽና።