መዝሙር 116
ለውሃት እተሕድሮ ጽልዋ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	- 1. የሆዋ ኣምላኽ ንውድሰካ፡ - ድንቂ’ዩ ለውሃትካ፣ - ሓይልኻ ዓብዪ፡ ጥበብካ ብዙሕ፡ - ’ኳ ’ተ ዀነ ፈቃር ኢኻ። 
- 2. የሱስ ዓዲሙ ንእተገፍዑ፡ - ጾሮም ኪጾረሎም፣ - ኣርዑቱ ምሹእ፡ ልቡ’ውን ትሑት፡ - ዕረፍቲ ዚህብ’ዩ ልኡም። 
- 3. ንያህ ኣምላኽናን ንክርስቶስን - ክንመስሎም ኣሎና፣ - ለውሃት ’ተ ዀይና ኽፍሊ ህይወትና፡ - ኣምላኽ ይረክብ ምስጋና። 
(ሚክ. 6:8፣ ማቴ. 11:28-30፣ ቈሎ. 3:12፣ 1 ጴጥ. 2:3 እውን ርአ)