ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • CO-pgm19 ገጽ 7-8
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
  • መደብ ኣኼባ ዞባ 2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍሉይ ኣኼባ
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
    መደብ ኣኼባ ዞባ 2018
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
    መደብ ኣኼባ ዞባ 2020
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
    መደብ ኣኼባ ዞባ 2024
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
    መደብ ኣኼባ ዞባ 2023
ዝያዳ ርአ
መደብ ኣኼባ ዞባ 2019
CO-pgm19 ገጽ 7-8

ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ኣአንገድቲ፦ እቶም ኣአንገድቲ ኺሕግዙኻ እዮም ተመዲቦም። ከም ማካይን ደው ምባልን ጻዕቒ ሰብ ምቍጽጻርን ኮፍ መበሊ ምሕዛእን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ብዚምልከት ንዚህቡኻ መምርሒ በጃኻ ኻብ ልቢ ተሓባበሮም።

ጥምቀት፦ ንናይ ጥምቀት ሕጹያት እተሓዝአ ቦታ ፊት ንፊት እቲ መድረኽ ኣብ ዚርከብ ቅድሚት ዘሎ መናብር እዩ። ናይ ጥምቀት ሕጹያት፡ ቀዳም ንግሆ ናይ ጥምቀት መደረ ቕድሚ ምጅማሩ ኣብቲ እተሓዝኣሎም ክፋል ኮፍ ኪብሉ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሽጎማኖን ሕንኪ ዘለዎ ንጥምቀት ዚኸውን ክዳንን ሒዙ ኺመጽእ ኣለዎ።

ወፈያ፦ እቲ ኣኼባ ባህ ዜብልን ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ዚሕግዘናን ምእንቲ ኪኸውን እኹል ኮፍ መበልን ናይ ድምጺ መሳርሕን ናይ ቪድዮ መሳርሕን ካልእ ሓያሎ ኣገልግሎታትን ንምድላው ዚኣክል ወጻኢታት ተገይሩ እዩ። እቲ ብፍታው እትገብርዎ ወፈያ ነዚ ወጻኢታት እዚ ንምሽፋንን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድንፋዕን ዚሕግዝ እዩ። እዚ ውጽኢት እዚ ንምሃብ ምእንቲ ኺጥዕመኩም ብንጹር ምልክት እተገብረሉ ሳጹን ውጽኢት ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ተዳልዩ ኣሎ። ኵሉ እቲ እትገብርዎ ወፈያ ኣዝዩ ዚነኣድ እዩ። ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ነቲ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ኢልኩም እትገብርዎ ልግሲ ኺንእደኩም ይፈቱ።

ቀዳማይ ረድኤት፦ እዚ ንሃንደበታዊ ዅነታት ጥራይ እተዳለወ ምዃኑ ፍለጡ።

ጠፊኡ እተረኽበ፦ ኵሉ እተረኽበ ኣቕሑ ናብ ክፍሊ ጠፊኡ እተረኽበ ኺውሰድ ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ደኣ ጠፊኡካ፡ ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ኼድካ ድለዮ። ካብ ወለዶም ተፈልዮም ዝጠፍኡ ቘልዑ እውን፡ ናብዚ ኽፍሊ እዚ ኺውሰዱ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣብኡ ዜገልግሉ ዘየድሊ ውጥረት ኣይትፍጠሩሎም፡ በጃኻትኩም ንደቅኹም ተኸታተልዎም፡ ካባኻትኩም ድማ ኣይትፍለይዎም።

ኮፍ መበሊ፦ በጃኻ ንኻልኦት ሰባት ሕሰበሎም። ኮፍ መበሊ ንኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ብማኪና ምሳኻ ንዚመጹ፡ ምሳኻ ኣብ ሓደ ቤት ንዚነብሩ፡ ወይ ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጽንዑ ሰባት ጥራይ ኢኻ ኽትሓዝኣሎም እትኽእል። በጃኻ፡ ኣብ ዘይሓዛእካዮ ኾፍ መበሊታት ኣቕሑ ኣይተቐምጥ።

ብወለንታ ዚግበር ኣገልግሎት፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኸተገልግል እንተ ደኣ ደሊኻ፡ በጃኻ ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ወለንታን ኣመልክት እሞ ኣብቲ ሓገዝ ዜድልየሉ ቦታ ኽትምደብ ኢኻ።

ፍሉይ ኣኼባ

ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ፦ ካብ 23 ክሳዕ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዚደልዮ ፈለምቲ፡ ኣብቲ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ምስቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ዚደልዩ ኣመልከትቲ ዚግበር ኣኼባ ኺእከቡ ዕድመ ቐሪቡሎም ኣሎ። እዚ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ኣቐዲሙ ኺንገር እዩ።

ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ