ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • CO-pgm23 ገጽ 7-8
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
  • መደብ ኣኼባ ዞባ 2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
    መደብ ኣኼባ ዞባ 2024
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
    መደብ ኣኼባ ዞባ 2020
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
    መደብ ኣኼባ ዞባ 2025
  • ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ
    መደብ ኣኼባ ዞባ 2019
ዝያዳ ርአ
መደብ ኣኼባ ዞባ 2023
CO-pgm23 ገጽ 7-8

ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ብወለንታ ዚግበር ኣገልግሎት፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኸተገልግል እንተ ደኣ ደሊኻ፡ በጃኻ ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ወለንታን ኣመልክት እሞ ኣብቲ ሓገዝ ዜድልየሉ ቦታ ኽትምደብ ኢኻ።

ኣአንገድቲ፦ እቶም ኣአንገድቲ ኺሕግዙኻ እዮም ተመዲቦም። ከም ማካይን ደው ምባልን ጻዕቒ ሰብ ምቍጽጻርን ኮፍ መበሊ ምሕዛእን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ብዚምልከት ንዚህቡኻ መምርሒ በጃኻ ኻብ ልቢ ተሓባበሮም።

ኮፍ መበሊ፦ በጃኻ ንኻልኦት ሰባት ሕሰበሎም። ኮፍ መበሊ ንኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ብማኪና ምሳኻ ንዚመጹ፡ ምሳኻ ኣብ ሓደ ቤት ንዚነብሩ፡ ወይ ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጽንዑ ሰባት ጥራይ ኢኻ ኽትሓዝኣሎም እትኽእል። በጃኻ፡ ኣብ ዘይሓዛእካዮ ኾፍ መበሊታት ኣቕሑ ኣይተቐምጥ።

ወፈያ፦ እቲ ኣኼባ ባህ ዜብልን ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ዚሕግዘናን ምእንቲ ኪኸውን እኹል ኮፍ መበልን ናይ ድምጺ መሳርሕን ናይ ቪድዮ መሳርሕን ካልእ ሓያሎ ኣገልግሎታትን ንምድላው ዚኣክል ወጻኢታት ተገይሩ እዩ። እቲ ብፍታው እትገብሮ ወፈያ ነዚ ወጻኢታት እዚ ንምሽፋንን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድንፋዕን ዚሕግዝ እዩ። እዚ ውጽኢት እዚ ንምሃብ ምእንቲ ኺጥዕመካ ብንጹር ምልክት እተገብረሉ ሳጹን ውጽኢት ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ተዳልዩ ኣሎ። ብኢንተርነት እውን ኣብ donate.jw.org ወፈያ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ኵሉ እቲ እትገብሮ ወፈያ ኣዝዩ ዚነኣድ እዩ። ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ነቲ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ኢልካ እትገብሮ ልግሲ ኺንእደካ ይፈቱ።

ቀዳማይ ረድኤት፦ እዚ ንሃንደበታዊ ዅነታት ጥራይ እተዳለወ ምዃኑ ፍለጥ።

ጠፊኡ እተረኽበ፦ ኵሉ እተረኽበ ኣቕሑ ናብ ክፍሊ ጠፊኡ እተረኽበ ኺውሰድ ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ደኣ ጠፊኡካ፡ ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ኼድካ ድለዮ። ካብ ወለዶም ተፈልዮም ዝጠፍኡ ቘልዑ እውን፡ ናብዚ ኽፍሊ እዚ ኺውሰዱ ኣለዎም። ነቶም ኣብኡ ዜገልግሉ ዘየድሊ ውጥረት ኣይትፍጠረሎም፡ በጃኻ ንደቅኻ ተኸታተሎም፡ ካባኻ ድማ ኣይትፍለዮም።

ጥምቀት፦ ፍልይ ዝበለ መምርሒ እንተ ዘይተዋሂቡ ንናይ ጥምቀት ሕጹያት እተሓዝአ ቦታ ፊት ንፊት እቲ መድረኽ ኣብ ዚርከብ ቅድሚት ዘሎ መናብር እዩ። ናይ ጥምቀት ሕጹያት፡ ቀዳም ንግሆ ናይ ጥምቀት መደረ ቕድሚ ምጅማሩ ኣብቲ እተሓዝኣሎም ክፋል ኮፍ ኪብሉ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሽጎማኖን ሕንኪ ዘለዎ ንጥምቀት ዚኸውን ክዳንን ሒዙ ኺመጽእ ኣለዎ።

ፍሉይ ኣኼባ

ኣሕዋትን ኣሓትን ንዚውሃቦም ትምህርቲ ብኣቓልቦ ይሰምዑ፡ መዘኻኸሪታት እውን ይምዝግቡ።

ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ

ኵሎም እቶም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዚኽእሉ፡ ኣብቲ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ምስቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ ዚደልዩ ኣመልከትቲ ዚግበር ኣኼባ ኺእከቡ ዕድመ ቐሪቡሎም ኣሎ። እዚ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ኣቐዲሙ ኺንገር እዩ።

ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ

© 2023 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ