ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 7
  • ባህርያትን እንታይነትን የሆዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ባህርያትን እንታይነትን የሆዋ
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ባህርያት የሱስ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ድሕሪ ጥምቀት እውን ‘ሓድሽ ስብእና ልበስ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ብመንፈስ ኣምላኽ እንምራሕ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 7
ትምህርቲ 7. ጽልግልግ ምስ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣኻውሕ ኣብ ዝመልኦ ገምገም ደው ኢሉ ናብቲ ውቅያኖስ የማዕዱ።

ትምህርቲ 07

ባህርያትን እንታይነትን የሆዋ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ክትሓስብ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጽእ፧ ከምቶም ኣብ ርሑቕ ጋላክሲ ዘለዉ ኸዋኽብቲ ኣዝዩ ኽቡርን ርሑቕን ከም ዝዀነ ጌርካ ዲኻ እትስእሎ፧ ወይ ከኣ ከም ነጐዳ ኣዝዩ ሓያል፡ ግናኸ ብርእሱ ሓሲቡ ዚውስን ኣካል ከም ዘይኰነ ጌርካ ዲኻ እትስእሎ፧ ባህርያትን እንታይነትን የሆዋ ብኸመይ ትገልጾ፧ የሆዋ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ገለ ኻብ ባህርያቱን ብኣኻ ኸም ዚግደስን ገሊጹ ኣሎ።

1. ንኣምላኽ ክንርእዮ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

“ኣምላኽ መንፈስ እዩ።” (ዮሃንስ 4:24) የሆዋ ኸማና ሰብነት የብሉን። የግዳስ፡ ኣብ ሰማይ፡ ማለት ክንርእዮ ኣብ ዘይንኽእል ቦታ ዚነብር መንፈስ እዩ።

2. ገለ ኻብ ባህርያት የሆዋ እንታይ እዩ፧

ንየሆዋ ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ምስ ፈለጥናዮ ግና ጽቡቕ ባህርያት ዘለዎ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ንፈትዎ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣ ንእሙናቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎምን እዩ” ይብል። (መዝሙር 37:28) ብዘይካዚ፡ ምናዳ መከራ ንዚወርዶም ሰባት፡ “ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን እዩ።” (ያእቆብ 5:11) “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኸኣ የድሕኖም።” (መዝሙር 34:18፡ እግረ ጽሑፍ) የሆዋ ብተግባርካ ኺጽሎ ኸም ዚኽእልከ ትፈልጥዶ፧ ሕማቕ ዚገብር ሰብ ኬጕህዮ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 78:40, 41) ቅኑዕ ዚገብር ግና የሐጕሶ እዩ።—ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

3. የሆዋ ፍቕሪ ዜርእየና ብኸመይ እዩ፧

እታ ኻብ ኵለን ዝበለጸት ባህርይ የሆዋ ፍቕሪ እያ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 4:8) የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ዝፈጠሮ ነገራት ኣቢሉ እውን ፍቕሩ ይገልጸልና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ብኸመይ ከም ዝፈጠረና እሞ ንሕሰብ። ውቁብ ሕብርታት ክንርኢ፡ ደስ ዜብል ሙዚቃ ኽንሰምዕ፡ ከምኡ እውን ጥዑም ምግብታት ከነስተማቕር ከም እንኽእል ገይሩ ፈጢሩና። ንህይወት ከነስተማቕራ ይደልየና እዩ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

የሆዋ ዜደንቕ ነገራት ንምዕማም እንታይ ከም ዚጥቀም ፍለጥ። ድሕሪኡ ነቲ ማራኺ ባህርያቱ ብኸመይ ከም ዚገልጾ ርአ።

4. መንፈስ ቅዱስ—ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ

ስእልታት፦ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝገበሮ ነገራት። 1. ፕላነታትን ዩኒቨርስን። 2. ሓደ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ኣብ እትጥቕለል መጽሓፍ ይጽሕፍ።

ከምቲ ሓደ ነገር ንምግባር ኣእዳውና እንጥቀም፡ የሆዋ ድማ ንመንፈስ ቅዱሱ ይጥቀመሉ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚውስን ኣካል ከም ዘይኰነ፡ የግዳስ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ሉቃስ 11:13ን ግብሪ ሃዋርያት 2:17ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣምላኽ ኣብቶም መንፈስ ቅዱስ ኪውሃቦም ዚልምኑ፡ መንፈሱ ‘የፍስስ’ እዩ። እሞ ደኣ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚውስን ኣካል ድዩ፡ ወይስ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ፧ ስለምንታይ ከምኡ ትብል፧

የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ዜደንቕ ነገራት ይዓምም እዩ። መዝሙር 33:6ን 2 ጴጥሮስ 1:20, 21ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ገለ ኻብቲ የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ እተጠቕመሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

ስእልታት፦ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝገበሮ ነገራት። 1. ፕላነታትን ዩኒቨርስን። 2. ሓደ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ኣብ እትጥቕለል መጽሓፍ ይጽሕፍ።

5. የሆዋ ዚስሕብ ባህርያት ኣለዎ

ሙሴ እሙን ኣምላኺ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንፈጣሪኡ ብዝያዳ ኺፈልጦ ደልዩ። ስለዚ፡ ሙሴ ንየሆዋ፡ “ምእንቲ ኽፈልጠካ . . . መገድታትካ ኣፍልጠኒ” ኢሉ ለሚንዎ። (ዘጸኣት 33:13) የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ ገለ መዳያት ባህርያቱ ገሊጹሉ። ዘጸኣት 34:4-6 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንሙሴ እንታይ መዳያት ባህርያቱ እዩ ገሊጹሉ፧

  • እንታይ ባህርያት የሆዋ እዩ ንዓኻ ብፍላይ ዚስሕበካ፧

6. የሆዋ ንሰባት ይሓልየሎም

ሓንቲ ሰበይቲ ትጽሊ።

እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እብራውያን፡ ኣብ ግብጺ ባሮት እዮም ነይሮም። እሞኸ መከራኦም ንየሆዋ ብኸመይ ጸልይዎ፧ ኣውድዮ ኣጻዊትካ ተኸታተል፡ ወይ ዘጸኣት 3:1-10 ኣንብብ። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

ኣውድዮ፦ የሆዋ መከራኦም ኣተሓሳሲብዎ (2:45)

  • የሆዋ ብዛዕባ መከራ ደቂ ሰብ ከመይ ከም ዚስምዖ ኣብዚ ዛንታ እዚ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧—ፍቕዲ 7ን 8ን ርአ።

  • የሆዋ ብሓቂ ንሰባት ኪሕግዝ ዚደልን ዚኽእልንዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

7. ተፈጥሮ ባህርያት የሆዋ ይገልጽ

ስእልታት፦ ሓንቲ ዓሳ ኣንበሪ ምስ ውላዳን ዕምባባታትን ሓንቲ ጭሩ በለስን።

የሆዋ በቲ ዝፈጠሮ ነገራት ኣቢሉ ባህርያቱ ገሊጹ ኣሎ። ቪድዮ ኣጻውት። ድሕሪኡ ሮሜ 1:20 ኣንብብ፡ በዚ ዚስዕብ ሕቶ እውን ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ፍጥረት ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ይገልጽ—ሰብነትና (1:57)

  • ኣብቲ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት እንታይ ካብ ባህርያቱ ትርኢ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚውስን ኣካል ኣይኰነን፣ ኣብ ኵሉ ዘሎ ሓይሊ እዩ።”

  • እንታይ ይመስለካ፧

  • ስለምንታይ ከምኡ ኢልካ ትሓስብ፧

ጽማቝ

የሆዋ ፍቕርን ብዙሕ ካልእ ዚስሕብ ባህርያትን ዘለዎ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈስ እዩ።

ክለሳ

  • ንየሆዋ ኽንርእዮ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

  • መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

  • ገለ ኻብ ባህርያት የሆዋ እንታይ እዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ርድኢት ንምዕማቝ፡ ብዛዕባ እቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያቱ ፍለጥ።

“ኣምላኽ እንታይ ባህርያት ኣለዎ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2019)

የሆዋ ኣብ ኵሉ ኸም ዘይርከብ ዚሕብር መርትዖ ርአ።

“ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ድዩ ዚርከብ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ኣእዳው ኣምላኽ ገይሩ ዝገለጾ ስለምንታይ ምዃኑ ርአ።

“መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ሓደ ዓይነ ስዉር፡ ኣምላኽ ከም ዚሓልየሉ ምእማን የጸግሞ ነይሩ እዩ። ንኣተሓሳስባኡ ዝቐየሮ እንታይ ከም ዝዀነ ፍለጥ።

“ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥቅምቲ 2015)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ