ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/12 ገጽ 13-17
  • ብመንፈስ ኣምላኽ እንምራሕ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብመንፈስ ኣምላኽ እንምራሕ ስለምንታይ ኢና፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
  • ንርእስና ናይ ምምራሕ ብቕዓት የብልናን
  • የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመርሐ
  • መንፈስ ዓለም ኬታልለና ይኽእል
  • መንፈስ ቅዱስ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ
  • መንፈስ ቅዱስ ኪመርሓካ ትፈቅድዶ ኣለኻ፧
  • ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ብመንፈስ ተመላለስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መንፈስ ቅዱስ— መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ
    ስላሴ
  • መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/12 ገጽ 13-17

ብመንፈስ ኣምላኽ እንምራሕ ስለምንታይ ኢና፧

“ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ . . . ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።”​—መዝ. 143:10።

1. ብዓይኒ ዘይርአ ሓይሊ ንሓደ ሰብ ኪመርሖ ኸም ዚኽእል ብኣብነት ኣረድእ።

ኣንፈትካ ንምፍላጥ፡ ኮምፓስ ተጠቒምካዶ ትፈልጥ፧ ኮምፓስ ቀላል መሳርሒት ክትከውን ከላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሰሜን እትሕብር ማግነታዊት መርፍእ ኣላታ። ብምኽንያት እቲ ማግነትነት ዚብሃል ብዓይኒ ዘይርአ ሓይሊ፡ እታ መርፍእ ምስቲ ንምድሪ ኸቢብዋ ዚርከብ ማግነታዊ ዓውዲ ብምስምማዕ እያ እትንቀሳቐስ። ዳህሰስትን ተጓዓዝትን ብመሬትን ብባሕርን ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣንፈቶም ንምፍላጥ፡ ንብዙሕ ዘመናት ብኮምፓስ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም።

2, 3. (ሀ) የሆዋ ቕድሚ ነዊሕ እዋን እንታይ ብርቱዕ ሓይሊ እዩ ተጠቒሙ፧ (ለ) እቲ ብዓይኒ ዘይርአ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ሎሚ ንህይወትና ኺጸልዎ ኽንጽበ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 ካልእ ኪመርሓና ዚኽእል ብዓይኒ ዘይርአ ኣገዳሲ ሓይሊ ኣሎ። እዚ ሓይሊ እዚ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብ መጀመርታ ቝጽርታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሓይሊ እዩ። ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ቕድሚ ነዊሕ እዋን ዝገበሮ ነገራት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ትብል። የሆዋ ብርቱዕ ሓይሊ ብምልኣኽ እዩ ኸምኡ ገይሩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ” ይብል እዩ። (ዘፍ. 1:1, 2) እወ፡ የሆዋ በቲ ብርቱዕ ሓይሊ፡ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ ተጠቒሙ እዩ ዚፈጥር ነይሩ። ንመንፈስ ቅዱስ ተጠቒሙ ህይወት ስለ ዝሃበናን ካልኦት ነገራት ስለ ዝፈጠረን፡ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ይግብኣና እዩ።​—እዮ. 33:4፣ መዝ. 104:30።

3 የሆዋ ነቲ ንጡፍ ሓይሉ ተጠቒሙ ህይወትን እስትንፋስን ከም ዝሃበና ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ሎሚ እቲ ሓይሊ ኣብ ህይወትና ኺጸልወና ኽንጽበ ኣሎናዶ፧ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ኪጸልወና ኽንጽበ ኸም ዘሎና ይፈልጥ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ፡ ንሱ ናብ ኵሉ ሓቂ ኺመርሓኩም እዩ’ ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 16:13) እዚ መንፈስ እዚ እንታይ እዩ፧ ብእኡ ኽንምራሕ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

4, 5. (ሀ) ኣመንቲ ስላሴ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ንናይ ሓቂ እንታይነት መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

4 ገሊኣቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም ሰባት፡ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይተመስረተ እምነት ይህልዎም ይኸውን። ኣመንቲ ስላሴ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስቲ ኣቦ ዝዀነ ኣምላኽ ማዕረ ኸም ዝዀነ እዮም ብጌጋ ዚኣምኑ። (1 ቈረ. 8:6) ይኹን እምበር፡ ሰረተ ትምህርቲ ስላሴ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጋጮ እዩ።

5 መንፈስ ቅዱስ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ፡ ኣብ ዘፍጥረት 1:2 ዚርከብ እግረ ጽሑፍ፡ “እታ [ብእብራይስጢ] ሩዋሕ እትብል ቃል፡ ‘መንፈስ’ ጥራይ ተባሂላ ዘይኰነትስ፡ ‘ንፋስ’ ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብዓይኒ ንዘይርአ ንጡፍ ሓይሊ እያ እተመልክት” ይብል። (ምስቲ ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ፡ ኣብ ዘፍጥረት 3:8፣ 8:1 ዚርከብ እግረ ጽሑፍ ኣረኣእዮ።) ከምቲ ንፋስ ዘይርአ ኽነሱ ሓይሊ ዘለዎ፡ እቲ ረቂቕ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ዘይርአ ኽነሱ፡ ጽልዋኡ ግና ግሁድ እዩ። እዚ መንፈስ እዚ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሓይሊ ዀይኑ፡ ንሰባት ወይ ንነገራት ፍቓድ ኣምላኽ ንኺፍጽሙ የበርትዖምን የሐይሎምን እዩ። እዚ ዜደንቕ ሓይሊ እዚ፡ ካብቲ ቕዱስ ምንጪ ዝዀነ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዚምንጭው ምእማኑ ኼጸግመና ይግባእዶ፧ ፈጺሙ ኣይግባእን እዩ።​—ኢሳይያስ 40:12, 13 ኣንብብ።

6. ዳዊት ንየሆዋ እንታይ ኣገዳሲ ነገር እዩ ለሚንዎ፧

6 የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ኣብ ህይወትና ብቐጻሊ ኺመርሓና ይኽእል ድዩ፧ የሆዋ ነቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ “ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ” ኢሉ ተመባጺዑሉ ነይሩ እዩ። (መዝ. 32:8) እሞኸ ዳዊት ከምኡ ኺግበረሉ ይደሊ ነይሩ ድዩ፧ እወ፡ ይደሊ ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንየሆዋ፡ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ” ኢሉ ለሚንዎ ነይሩ እዩ። (መዝ. 143:10) ንሕና እውን ብመንፈስ ኣምላኽ ንኽንምራሕ፡ ድሌትን ፍቓደኛነትን ኪህልወና ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ኣርባዕተ ምኽንያት እስከ ንርአ።

ንርእስና ናይ ምምራሕ ብቕዓት የብልናን

7, 8. (ሀ) ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ንርእስና ኽንመርሕ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብዚ እኩይ ስርዓት እዚ ብርእስና ኽንምራሕ ዕሽነት ምዃኑ ብምሳሌ ኣረድእ።

7 ቀዳማይ፡ ንርእስና ናይ ምምራሕ ክእለት ስለ ዘይብልና፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ክንምራሕ ኣሎና። “መርሐ” ኺበሃል ከሎ፡ “ኣርኣየ፡ ኣመተ፡ ሓበረ፡ ወሰደ፡ (ናብ ዘይፍለጥ ወይ ዘይርአ ቦታ፡ ሰብ)” ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ንርእስና ኸም እንመርሕ ገይሩ ኣይኰነን ፈጢሩና፣ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናሉ ዘይፍጹም ኵነታት፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ነብዪ ኤርምያስ፡ “ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤር. 10:23) ስለምንታይ እዩ ወዲ ሰብ ስጕምትታቱ ኬቕንዕ ዘይክእል፧ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ ስጓመና ኸነቕንዕ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ገሊጹልና ኣሎ። ብዛዕባ ውሽጣዊ እንታይነትና ኺገልጽ ከሎ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧” በለ።​—ኤር. 17:9፣ ማቴ. 15:19።

8 ሓደ ተመክሮ ዘይብሉ ሰብ፡ ዚመርሖ ኽኢላ ሰብን ኮምፓስን ዘይብሉ ኽነሱ፡ ጭው ናብ ዝበለ ጫካ ንበይኑ ኪኸይድሲ ዕሽነትዶ ኣይኰነን፧ እዚ ሰብ እዚ፡ ነቲ ኣብቲ በረኻ ኼጋጥሞ ዚኽእል ሕማቕ ኵነታት ብኸመይ ከም ዚዋጽኣሉ ዘይፈልጥን ነታ ቕንዕቲ መገዲ ኺረኽባ ዘይክእልን እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ሓደጋ እዩ ዚኣቱ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ኪመላለስ ከም ዚኽእል ዚሓስብ ሰብ፡ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዋ። ኣብዚ ስርዓት እዚ ብዓወት ክንመላለስ እንኽእል፡ ልክዕ ከም ዳዊት ንየሆዋ፡ “ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽናዕ፡ ኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን” ኢልና እንተ ለሚንናዮ ጥራይ እዩ። (መዝ. 17:5፣ 23:3) እሞኸ ኸምዚ ዓይነት መምርሒ ኺርከብ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

9. እቲ ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ ኸም ዚሕብሮ፡ መንፈስ ኣምላኽ ብዜተኣማምን መገዲ ኺመርሓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 ብትሕትናን ብፍታውን ኣብ የሆዋ ንውከል እንተ ዄንና፡ ንሱ ድማ መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ ንስጕምትታትና ብዜተኣማምን መገዲ ኺመርሖ እዩ። እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ኺገልጸሎም ከሎ፡ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” በሎም። (ዮሃ. 14:26) ኣዘውቲርና ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ የሱስ እተዛረቦ ነገራት ነጽንዕ እንተ ዄንና፡ መጽናዕትና ኸኣ ብጸሎት እተሰነየ እንተ ዀይኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ እቲ ዓሚቝ ጥበብ የሆዋ ዘሎና ግንዛበ ኼስፍሖ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንፍቓድ የሆዋ ንኽንእዘዞ ይድርኸና። (1 ቈረ. 2:10) ብዘይካዚ፡ ኣብ ህይወትና ዘይተጸበናዮ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ነቲ ኣቐዲምና እተመሃርናዮ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንዝክሮን ብኸመይ ከም እንትግብሮ ንኽንርዳእን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመርሐ

10, 11. እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ኪገብረሉ እዩ ዚጽበ ነይሩ፧ መንፈስ ቅዱስ ዝሓገዞኸ ብኸመይ እዩ፧

10 ካልኣይ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብመንፈሱ ስለ ዝመርሖ፡ ንሕና እውን ብመንፈስ ኣምላኽ ክንምራሕ ኣሎና። እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ነቲ፡ “ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፡ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ” ዚብል ትንቢት ይፈልጦ ነበረ። (ኢሳ. 11:2) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ኪረክብ ይህንጠ ነበረ።

11 እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቓላት የሆዋ ተፈጸመ። እቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ጸብጻብ፡ ንየሱስ ደድሕሪ ጥምቀቱ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገራት ኪገልጽ ከሎ፡ “የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ” ይብል። (ሉቃ. 4:1) የሱስ ኣብ በረኻ ዀይኑ ይጸውምን ይጽልን የስተንትንን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ንወዱ ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገራት ኣፍሊጥዎ ኪኸውን ኣለዎ። ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮን ኣብ ልብን የሱስ ይዓዪ ስለ ዝነበረ፡ ንኣተሓሳስባኡን ንውሳነኡን መርሖ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ይፈልጥን ወትሩ ፍቓድ ኣቦኡ ይፍጽምን ነበረ።

12. መንፈስ ኣምላኽ ንኺመርሓና ኽንሓትት ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 የሱስ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዘሕደሮ ኣወንታዊ ጽልዋ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦም ኪሓትቱን ብእኡ ኺምርሑን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሓሎም። (ሉቃስ 11:9-13 ኣንብብ።) እዚ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ ንኣተሓሳስባና ብምቕያር፡ ሓሳብ ክርስቶስ ከም ዚህልወና ኺገብር ስለ ዚኽእል እዩ። (ሮሜ 12:2፣ 1 ቈረ. 2:16) መንፈስ ኣምላኽ ንህይወትና ኺመርሖ ምስ እንፈቅድ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወናን ንኣብነቱ ኽንቀድሖን ኢና።​—1 ጴጥ. 2:21።

መንፈስ ዓለም ኬታልለና ይኽእል

13. መንፈስ ዓለም እንታይ እዩ፧ እንታይ ፍረኸ እዩ ዜፍሪ፧

13 ሳልሳይ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዚዓዪ ዘሎ ርኹስ መንፈስ ኬታልለና ስለ ዚኽእል፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ክንምራሕ ኣሎና። እዛ ዓለም እዚኣ፡ ምስቲ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ኼፍርዮ ዚኽእል ነገራት ምሉእ ብምሉእ ዚጻረር ብርቱዕን ደራኽን ሓይሊ ኣለዋ። መንፈስ ዓለም ንሰባት፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸም ዚህልዎም ዘይኰነስ፡ ንኣተሓሳስባን ተግባርን እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን ከም ዚቐድሑ እዩ ዚገብሮም። (ኤፌሶን 2:1-3፣ ቲቶስ 3:3 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ብመንፈስ ዓለም ዚምራሕን ግብሪ ስጋ ዚገብርን እንተ ዀይኑ፡ ሳዕቤኑ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ዚኸውን፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስን እዩ።—ገላ. 5:19-21።

14, 15. ንመንፈስ ዓለም ክንቃወሞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 የሆዋ ንመንፈስ ዓለም ምእንቲ ኽንቃወሞ፡ ብዚግባእ ኣዕጢቑና ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣሕዋተየ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ . . . በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ” ኢሉ ነበረ። (ኤፌ. 6:10, 13) የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ፡ ነቲ ሰይጣን ንዓና ንምትላል ዚገብሮ ጻዕሪ ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ፡ የጽንዓና እዩ። (ራእ. 12:9) መንፈስ ዓለም ሓያል ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ጽልዋኡ ኸነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ብእኡ ኽንብከል የብልናን። መንፈስ ቅዱስ ካብኡ ስለ ዚሕይል፡ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

15 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ካብ ክርስትና ዝወጹ ሰባት ኪዛረብ ከሎ፡ “ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ” በለ። (2 ጴጥ. 2:15) ‘ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ብዘይምቕባልና’ ኣዚና ኸነመስግን ኣሎና። (1 ቈረ. 2:12) በቲ መንፈስ ቅዱስ ዜሕድሮ ጽልዋን በቲ የሆዋ መንፈሳዊ መስመርና ንኸይንስሕት ኢሉ ዝገበረልና መሰናድዎን ኣቢልና፡ ነቲ ብሰይጣን ዚጽሎ መንፈስ እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኽንቃወሞ ንኽእል ኢና።​—ገላ. 5:16።

መንፈስ ቅዱስ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ

16. መንፈስ ቅዱስ ኣባና እንታይ ፍረ እዩ ኼፍሪ ዚኽእል፧

16 ራብዓይ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ብእኡ ዚምርሑ ሰባት ጽቡቕ ፍረ ስለ ዚፈሪ፡ ኣባና ንኺዓዪ ኽንፈቕደሉ ኣሎና። (ገላትያ 5:22, 23 ኣንብብ።) ብዝያዳ ፈቃርን ሕጉስን ሰላማውን ኪኸውን ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ፧ ብዘይካዚ፡ ዓቃልን ለዋህን ሕያዋይን ኪኸውን ዘይደሊ ሰብ የልቦን። ድልድልቲ እምነትን ልእመትን ርእሰ ግትኣትን ኪህልዎ ዘይደሊ ሰብ እውን የልቦን። መንፈስ ኣምላኽ ንዓናን ነቶም ምሳና ዚነብሩን ንኣባላት ጉባኤናን ዚጠቅም ጽቡቕ ባህርያት ከም ዚህልወና ኺገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ፍረ መንፈስ ንምፍራይ ብቐጻሊ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ብዝሒ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ኺፈርዮ ዚኽእል ፍረ መንፈስ፡ እተደረተ ኣይኰነን።

17. መዳያት ፍረ መንፈስ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ፡ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ቃላትናን ተግባራትናን ብመንፈስ ቅዱስ ንምራሕን ፍሪኡ ነፍርን ከም ዘሎና ዚሕብር እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ክንሓስበሉ ኣሎና። (2 ቈረ. 13:5ሀ፣ ገላ. 5:25) ገለ መዳያት ፍረ መንፈስ ብዝያዳ ኸነርኢ ኸም ዘሎና እንተ ተገንዚብና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንምራሕን ንመዳያት ፍረ መንፈስ ንኸነርእን ብዝያዳ ኽንጽዕር ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጽሑፋትናን ዝወጸ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ፍረ መንፈስ ዚገልጽ ሓበሬታ ብምጽናዕ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንፍረ መንፈስ ብኸመይ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸነንጸባርቖ ኸም እንኽእል ክንሓስብን ነታ ባህርይ ንምንጽብራቕ ኣበርቲዕና ክንዓዪን ንኽእል።a ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወትናን ኣብ ህይወት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ዘሕደሮ ኣወንታዊ ጽልዋ ምስ እንርኢ፡ ስለምንታይ ብእኡ ኽንምራሕ ከም ዘሎና ብንጹር ኪርድኣና እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ኪመርሓካ ትፈቅድዶ ኣለኻ፧

18. ካብቲ የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ እተመርሓሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

18 የሱስ ንግኡዝ ዩኒቨርስ ኣብ ምፍጣር ወሓለ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ይዓዪ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ኺዞሩ ኸለዉ ዚጥቀምሉ ማግነታዊ ዓውዲ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 8:30፣ ዮሃ. 1:3) ይኹን እምበር፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ሓይሊ እቲ ተጠቒሙ ንገዛእ ርእሱ ይመርሕ ከም ዝነበረ ዚሕብር ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሓይሊ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወቱ ኸም እተመከሮ ኢና እነንብብ። የሱስ በቲ መንፈስ እቲ ኺምራሕ ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ንዝዀነ ይኹን ካብቲ መንፈስ ዚመጽእ መምርሒ፡ ብፍቓደኛነት እዩ ዚገብሮ ነይሩ። (ማር. 1:12, 13፣ ሉቃ. 4:14) ንስኻኸ ብመንፈስ ኣምላኽ ትምራሕዶ ኣለኻ፧

19. መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺመርሓና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

19 ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣእምሮን ልብን እቶም ብእኡ ዚምርሑ ሰባት ይዓዪ እዩ። እሞኸ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ንኺመርሓካ ኽትፈቕደሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ የሆዋ መንፈሱ ብምሃብ ምእንቲ ኺመርሓካ፡ ኣዘውቲርካ ናብኡ ጸሊ። (ኤፌሶን 3:14-16 ኣንብብ።) ኣብቲ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብምንዳይ፡ ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ዕየ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ መምርሒ ተኣዘዞ፣ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ድማ ተቐበሎ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ በቲ የሆዋ ንዓኻ ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኺመርሓካ ዘለዎ ኽእለት ከም እትተኣማመን ከተርኢ ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ፍረ መንፈስ ዚገልጽ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዚ ዚስዕብ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ርአ፦ w07 15/7 24-25፣ w03 15/1 11፣ w02 15/1 17፣ w95 15/1 16፣ w01 1/11 14-15፣ w03 1/7 6፣ w01 1/1 22፣ w03 1/4 15, 19-20፣ w03 15/10 14።

ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ትዝክሮዶ፧

• መንፈስ ቅዱስ ንህይወትና ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ብመንፈስ ኣምላኽ እንምርሓሉ ኣርባዕተ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

• ካብ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኣብ ህይወቱ ብመንፈስ ኣምላኽ ይምራሕ ነበረ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮን ልብን እቶም ብእኡ ዚምርሑ ሰባት ይዓዪ እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ