ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ
“እዚ ዅሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ . . . እዩ ዚገብሮ።”—1 ቈረ. 12:11።
1. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ነጥብታት ኢና ኽንምርምር፧
ጴንጠቆስጠ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ብዛዕባ ሓደ ዜደንቕ ፍጻመ እያ እተዘኻኽረና። (ግብ. 2:1-4) ኣምላኽ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱሱ ምስ ኣፍሰሰ፡ ኣብቲ ምስ ኣገልገልቱ ዝነበሮ ርክብ ለውጢ ተራእየ። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ መንፈስ ኣምላኽ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት፡ ኣጸጋሚ ዕዮ ንኺፍጽሙ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ርኢና ኔርና። ይኹን እምበር፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ሰባት ዝዓየየሉ መገዲ፡ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝዓየየሉ መገዲ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ክርስትያናት ካብ መሪሕነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዚጥቀሙ ብኸመይ እዮም፧ ነዚ እስከ ንመርምሮ።
‘እኔኹ፡ ኣነ ባርያ የሆዋ’
2. ማርያም ንጽልዋ መንፈስ ቅዱስ እተመከረቶ ብኸመይ እያ፧
2 እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ደርቢ እተኣከቡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪፈስስ ከሎ፡ ማርያም ኣብኡ ነበረት። (ግብ. 1:13, 14) ኰይኑ ግና፡ ልዕሊ 30 ዓመት ይገብር፡ መንፈስ የሆዋ ብኸመይ ብዜደንቕ መገዲ ኸም ዚዓዪ ርእያ ነይራ እያ። የሆዋ ንህይወት ወዱ ኣብ ማሕጸን እታ ድንግል ዝነበረት ማርያም ብምንባር፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣመሓላለፎ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ማሕጸን ማርያም ዝነበረ ውሉድ “ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ” ነይሩ።—ማቴ. 1:20።
3, 4. ማርያም እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዋ፧ ብኸመይከ ኢና ንዓኣ ኽንመስላ እንኽእል፧
3 ማርያም ከምዚ ዝኣመሰለ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍሉይ መሰል እተዋህባ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ መልኣኽ መጺኡ ብዛዕባ እቲ ንዓኣ ዚምልከት ፍቓድ የሆዋ ምስ ነገራ፡ ማርያም፡ “እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW]፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” ኢላ መለሰትሉ። (ሉቃ. 1:38) ከምዚ ኢላ ምምላሳ፡ ብዛዕባ እቲ ድሮ ኣምላኽ ኣስተብሂሉሉ ዝነበረ ዝንባለ ልባ እዩ ዚሕብር። እቲ ዝሃበቶ ቕልጡፍ ምላሽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክትፍጽም ድልውቲ ምንባራ እዩ ዜርኢ ነይሩ። ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ጥንሳ እንታይ ኪብሉ ኸም ዚኽእሉ ወይ ከኣ እቲ ምስ ሕጹያ ዘለዋ ርክብ ብኸመይ ኪጽሎ ኸም ዚኽእል ኣየተሓሳሰባን። የግዳስ፡ ንገዛእ ርእሳ ‘ባርያ የሆዋ’ ኢላ ብምጽዋዕ፡ ኣብቲ ኸም ጐይታኣ ገይራ እትርእዮ ዝነበረት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም እትውከል ኣርኣየት።
4 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝኸበደካ ዀይኑ ይስምዓካዶ፧ ነፍሲ ወከፍና ንርእስና፡ ‘የሆዋ ንዅሉ ነገራት ምስ ፍቓዱ ብዚሰማማዕ መገዲ ኸም ዚገብሮ ምሉእ ብምሉእ እኣምን ድየ፧ ነቲ የሆዋ ዝሃበኒ ዕዮ ብፍታው ድየ ዝዓዮ ዘለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ጽቡቕ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ብምሉእ ልቦም ኣብኡ ዚውከሉን ንልዑላውነቱ ዚቕበሉን ሰባት፡ መንፈሱ ኸም ዚህቦም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ግብ. 5:32።
ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓገዘ
5. ጴጥሮስ ቅድሚ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝረኣየ ብኸመይ እዩ፧
5 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ልክዕ ከም ማርያም፡ ቅድሚ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ንሓይሊ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብውልቁ ተመኪርዎ እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ ንዕኡን ንኻልኦት ሃዋርያትን፡ ኣጋንንቲ ንኼውጽኡ ስልጣን ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ማር. 3:14-16) ዋላ እኳ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ ዝርዝር ሓበሬታ ዘይህብ እንተ ዀነ፡ ጴጥሮስ ነዚ ስልጣን እዚ ተጠቒምሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ንጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ገሊላ ብእግሩ ኪኸይድ ምስ ፈቐደሉ እውን፡ ሓይሊ ኣምላኽ ተራእዩ እዩ። (ማቴዎስ 14:25-29 ኣንብብ።) ብንጹር እምበኣር፡ ጴጥሮስ ሓያል ግብርታት ኪገብር ዝኸኣለ፡ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ መንፈስ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ካልእ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ንኺገብሩ ሓይሊ ሃቦም።
6. ጴጥሮስ ብመንፈስ ኣምላኽ እናተሓገዘ፡ ኣብ እዋን ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኰነ ድሕሪኡ እንታይ ኪገብር ከኣለ፧
6 ኣብ በዓል ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ጴጥሮስን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ብተኣምራዊ መገዲ ነቶም ናብ የሩሳሌም ዝመጹ በጻሕቲ በብቛንቋኦም ኬዘራርብዎም ከኣሉ። ድሕሪኡ ድማ፡ ጴጥሮስ ነቶም እተኣከቡ ሰባት ተዛረቦም። (ግብ. 2:14-36) እወ፡ እዚ ኣብ ሓደ እዋን ህዉኽ ወይ ፈራህ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ምፍርራህን መስጐጕትን እናወረዶ ኽነሱ፡ ብትብዓት ኪሰብኽ ከኣለ። (ግብ. 4:18-20, 31) ኣምላኽ ድማ ብመንፈሱ ገይሩ ንጴጥሮስ ፍሉይ ፍልጠት ይህቦ ነበረ። (ግብ. 5:8, 9) ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ንዝሞተ ሰብ ኬተንስእ ክኢሉ ነይሩ እዩ።—ግብ. 9:40።
7. ጴጥሮስ ምስ ተቐብአ፡ ነየናይ ትምህርትታት የሱስ እዩ ብንጹር ተረዲእዎ፧
7 ጴጥሮስ፡ ቅድሚ ጴንጠቆስጠ እውን እንተ ዀነ፡ ንመብዛሕትኡ ኻብቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ሓቅታት ይርድኦ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 16:16, 17፣ ዮሃ. 6:68) ኰይኑ ግና፡ ንገሊኡ ትምህርትታት የሱስ ድሕሪ ጴንጠቆስጠ እዩ ብንጹር ተረዲእዎ። ንኣብነት፡ ክርስቶስ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ ኸም ዚትንስእን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ከም እትኸውንን ኣይተረድኦን ነይሩ። (ዮሃ. 20:6-10፣ ግብ. 1:6) ነቲ ሰባት መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኺገዝኡ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓሳብ እውን ኣይተረድኦን ነይሩ። ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተጠምቀን ሰማያዊ ተስፋ ምስ ተዋህቦን ግና፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝመሃሮ ትምህርቲ ተረድኦ።
8. ቅቡኣትን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ከመይ ዝኣመሰለ ፍልጠት እዮም ዚረኽቡ ዘለዉ፧
8 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም፡ ነቲ ቕድሚኡ ዘይርድእዎ ዝነበሩ ሓቅታት ኪርድእዎ ጀመሩ። ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም፡ ዜደንቕ መዳያት ዕላማ የሆዋ ገሊጾምልና ኣለዉ። (ኤፌ. 3:8-11, 18) ሎሚ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናትን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ድማ፡ ብሓባር ኰይኖም ብዛዕባ እዚ ዕላማ እዚ ዚገልጽ መንፈሳዊ ምግቢ ይምገቡ ኣለዉ። (ዮሃ. 10:16) ነቲ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣቢልካ ኻብ ቃል ኣምላኽ እትረኽቦ ፍልጠትን ምርዳእን ተማስወሉ ዲኻ፧
ጳውሎስ “መንፈስ ቅዱስ መልኦ”
9. ጳውሎስ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ኪገብር ከኣለ፧
9 ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ዳርጋ ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ሃቦ። እዚ ሰብ እዚ፡ እቲ ደሓር ጳውሎስ እተባህለ ሳውል እዩ ነይሩ። መንፈስ ኣምላኽ ንጳውሎስ፡ ሎሚ እውን ንዓና ኺጠቕመና ዚኽእል ክእለት ሂብዎ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ 14 መጻሕፍቲ ጸሓፈን። ልክዕ ከም ጴጥሮስ ድማ፡ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚህሉ ዘይሓልፍን ዘይጠፍእን ህይወት ኪርዳእን ብንጹር ኪጽሕፍን ከኣለ። ብዘይካዚ፡ ሕሙማት ኬሕዊ፡ ኣጋንንቲ ኼውጽእ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ምዉታት ኬተንስእ ክኢሉ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እተቐበሎ ሓይሊ፡ ብዝያዳ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ነገራት ንኼውዕሎ እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ፣ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚወሃቦም ሓይሊ እውን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ዚመጽእ ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ንኼውዕልዎ እዩ ዚወሃቦም።
10. ዘረባ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ እተጸልወ ብኸመይ እዩ፧
10 እቲ “መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ” ዝነበረ ጳውሎስ፡ ብትብዓት ኣንጻር ሓደ ጠንቋሊ ተዛረበ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንብምሉኡ እቲ ዝርርብ ዚሰምዖ ዝነበረ ቐንዲ ኣመሓዳሪ ቆጵሮስ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕደረ። “ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ” ድማ፡ ሓቂ ተቐበለ። (ግብ. 13:8-12) ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ሓቂ ብትብዓት ንምዝራብ፡ ናይ ግድን ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዜድሊ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:20) ጸኒሑ ንኣባላት እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ፡ “ቃል ኪውሀበኒ፡ . . . ጸልዩለይ” በሎም።—ኤፌ. 6:18-20።
11. ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ እተመርሐ ብኸመይ እዩ፧
11 መንፈስ ቅዱስ ንጳውሎስ፡ ንኺዛረብ ኣኽኢልዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ኣብ ገሊኡ ቦታታት ንኸይዛረብ ከልኪልዎ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ዚምራሕ ነይሩ። (ግብ. 13:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:6-10 ኣንብብ።) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንዕዮ ስብከት ይመርሖ ኣሎ። ኵሎም እዙዛት ኣገልገልቲ የሆዋ ድማ፡ ልክዕ ከም ጳውሎስ ብትብዓትን ብቕንኣትን ብዛዕባ ሓቂ ይእውጁ ኣለዉ። ሎሚ ኣምላኽ ንመንፈሱ ዚጥቀመሉ መገዲ ኻብቲ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረ እተፈልየ እኳ እንተ ዀነ፡ ብመንፈሱ ተጠቒሙ ንቕኑዓት ሰባት ናብ ቤቱ ይስሕቦም ከም ዘሎ ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 6:44።
“ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ”
12-14. መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ብማዕረ ድዩ ዚዓዪ፧ ግለጽ።
12 የሆዋ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዝባረኻ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ የተባብዖም ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ተኣምራዊ ውህበት መንፈስ ጠቒሱ ጽሒፉላ ነበረ፣ ከምዚ ድማ በለ፦ “እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ።” (1 ቈረ. 12:4-6, 11) ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ እተፈላለዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚዓዪ። “ሒደት መጓሰ” ክርስቶስን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን፡ መንፈስ ቅዱስ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። (ሉቃ. 12:32፣ ዮሃ. 10:16) ይኹን እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ወትሩ ብማዕረ ኣይዓዪን እዩ።
13 ንኣብነት፡ ሽማግለታት ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ዚሽየሙ። (ግብ. 20:28) ኰይኑ ግና፡ ኵሎም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት፡ ኣብታ ጉባኤ ሓለውቲ ዀይኖም ኣየገልግሉን እዮም። እሞኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣባላት እታ ጉባኤ ብእተፈላለየ መገዲ ኸም ዚዓዪ ኢና ኽንድምድም እንኽእል።
14 የሆዋ በቲ ንቕቡኣት ክርስትያናት “መንፈስ ውልድነት” ዚህበሉ መንፈስ ገይሩ እዩ ነቲ ሓደ ወዱ ኻብ ሞት ኣተንሲኡ፡ ኣብ ሰማይ ዘይሓልፍ ህይወት ሂብዎ። (ሮሜ 8:11, 15 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ነዚ መንፈስ እዚ ተጠቒሙ እዩ ንብምሉኡ ዩኒቨርስ ፈጢርዎ። (ዘፍ. 1:1-3) ንበሳልኤል ኣብቲ ማሕደር ፍሉይ ዕዮ ንኺዓዪ ብቑዕ ዝገበሮ፡ ንሲምሶን ዜደንቕ ነገራት ንኺገብር ዘሐየሎ፡ ንጴጥሮስ ድማ ብማየ ማይ ንኪኸይድ ዘኽኣሎ፡ በቲ መንፈሱ ገይሩ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣሎና ኺበሃል ከሎ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተቐቢእና ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ምቕባእ፡ ሓደ ፍሉይ መዳይ ዕዮ እቲ መንፈስ እዩ። ነቶም ብመንፈስ ዚቕብኡ ዚመርጾም፡ ኣምላኽ እዩ።
15. ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ ንሓዋሩ ኪቕጽል ድዩ፧ ግለጽ።
15 እቲ ንጡፍ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ የሆዋ ብመንፈስ ኪቐብእ ቅድሚ ምጅማሩ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ልዕሊ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ብእተፈላለየ መገዲ ዓይዩ እዩ። ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ንነጀው ድማ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ኪቐብእ ጀመረ፣ እዚ ግና ንሓዋሩ ዚቕጽል ኣይኰነን። ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ ኬቋርጽ እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘለኣለም ፍቓዱ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ምዕያዩ ኪቕጽል እዩ።
16. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧
16 ሎሚ ብሓገዝ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምድሪ እንታይ እዩ ዚዕየ ዘሎ፧ ራእይ 22:17 ነዚ ትምልሰልና እያ፣ እታ ጥቕሲ፡ “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ትብል። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም፡ ‘ንዝደለየ ሰብ፡’ ማይ ህይወት ንኺወስድ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ። ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብዚ ዕዮ እዚ መሪሕ ግደ እዩ ዘለዎም። ካልኦት ኣባጊዕ እውን ምስኦም ሓቢሮም ይዓዩ ኣለዉ። እቲ ንኽልቲኦም ጕጅለታት ዚመርሖም መንፈስ ቅዱስ፡ ሕደ እዩ። ክልቲኦም ጕጅለታት፡ ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንምርኣይ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ተጠሚቖም እዮም። (ማቴ. 28:19) ኵሎም ድማ ንመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ይግዝኡን ኣብ ህይወቶም ፍረ መንፈስ ኪፈርዩ ይጽዕሩን እዮም። (ገላ. 5:22, 23) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ፡ ልክዕ ከምቶም ቅቡኣት ኣብ መንፈስ ኣምላኽ እዮም ዚውከሉ። ኣብቲ ኻብኡ ዚረኽብዎ ሓገዝ ብምምርኳስ ድማ፡ ምስቲ ንቕድስና ዚምልከት ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ይጽዕሩ እዮም።—2 ቈረ. 7:1፣ ራእ. 7:9, 14።
መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበካ ጸሊ
17. መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
17 ተስፋኻ ናብ ሰማይ ክትከይድ ይኹን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር፡ ንጽህናኻ ምእንቲ ኽትሕሉን ዓስብኻ ምእንቲ ኽትረክብን፡ የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኺህበካ ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 4:7) ገሊኣቶም ሰባት፡ ነቲ እትገብሮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ የላግጹሉ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ፡ “ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም” ዚብል ጥቕሲ ዘክሮ።—1 ጴጥ. 4:14።
18, 19. የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧ ንስኻኸ እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
18 ኣምላኽ ነቶም መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦም ብቕንዕና ዚልምንዎ ሰባት፡ ብኸምኡ እዩ ዚህቦም። እዚ መንፈስ እዚ፡ ንኽእለትካ ኼመሓይሾ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዚከኣለካ ንኽትገብር ዘሎካ ባህጊ እውን ኪውስኾ ይኽእል እዩ። “እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ።” ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ምስቲ ‘ነቲ ቓል ህይወት ንምሓዝ’ እንገብሮ ጻዕሪ ተደሚሩ፡ ‘ብፍርሃትን ብራዕድን ንምድሓንና ንኽንፍጽም’ ኪሕግዘና እዩ።—ፊል. 2:12, 13, 16።
19 ስለዚ፡ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን፡ ኣብ ዕዮ የሆዋ ብትግሃት ተኻፈል፡ ነቲ ዕዮ ብውሕልና ዕየዮ፡ ከምኡውን ካብ የሆዋ ሓገዝ ድለ። (ያእ. 1:5) ንሱ ድማ፡ ንቓሉ ንኽትርድኦን ኣብ ህይወትካ ንዜጋጥመካ ጸገማት ንኽትዋጽኣሉን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትሰብኽን ዜድልየካ ሓገዝ ኪህበካ እዩ። ነቲ፡ “ለምኑ ኺውሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ” ዚብል ምኽሪ ዘክሮ፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበካ እዩ። (ሉቃ. 11:9, 13) ስለዚ እምበኣር፡ ከምቶም ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዚምርሑ ዝነበሩ ጥንቲ ዀነ ሎሚ ዘለዉ እሙናት ሰባት ምእንቲ ኽትከውን፡ ንየሆዋ ለምኖ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
• ነየናይ ማርያም ዝነበራ ኣረኣእያ እንተ ቐዲሕና ኢና ኽንባረኽ እንኽእል፧
• ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ እተመርሐ ብኸመይ እዩ፧
• ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ብኸመይ እዮም፧
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
መንፈስ ኣምላኽ ንጳውሎስ፡ ንጽልዋ እኩያት መናፍስቲ ንኺዋጽኣሉ ሓገዞ
[ኣብ ገጽ ዘሎ ስእሊ]
ተስፋኦም ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ፡ መንፈስ ቅዱስ ንክርስትያናት ኪሕግዞም ይኽእል እዩ