ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ብመንፈስ ተመላለስ
“ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም።” —ገላ. 5:16።
1. ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ኸመይ ዝበለ ጥምቀት እዩ ተኻይዱ፧
ብጴንጠቆስጠ 33 ቅ.ክ. ሰዓብቲ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተጠምቁ፡ ብቛንቋታት ኪዛረቡ ኸኣሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ተኣምራዊ ውህበት መንፈስ ከም ዘለዎም ኣርኣዩ። (1 ቈረ. 12:4-10) እዚ ውህበት እዝን እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዘቕረቦ መደረን እንታይ ፍረ ነበሮ፧ ብዙሓት ሰባት “ልቦም ተወግኤ።” ብመሰረት እቲ ጴጥሮስ ዝሃቦም ምትብባዕ ከኣ፡ ተነሲሖም ተጠምቁ። እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ፡ “እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ” ይብል። (ግብ. 2:22, 36-41) ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞ፡ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ማይ ተጠምቁ።—ማቴ. 28:19።
2, 3. (ሀ) ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕን ብስም መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕን ዘለዎ ኣፈላላይ ግለጽ። (ለ) ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብማይ ኪጥመቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
2 ኰይኑ ግን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕን ብስም መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕን ይፈላለ ድዩ፧ እወ። እቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተጠምቁ፡ ብመንፈስ እተወልዱ ደቂ ኣምላኽ ንምዃን ካብ ላዕሊ ወይ ዳግማይ እተወልዱ እዮም። (ዮሃ. 3:3) ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ነገስታትን ካህናትን ኪዀኑ እዮም ተቐቢኦም፣ ክፋል መንፈሳዊ ኣካል ወይ ስጋ ክርስቶስ ድማ እዮም። (1 ቈረ. 12:13፣ ገላ. 3:27፣ ራእ. 20:6) ስለዚ፡ እቶም የሆዋ ኻብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ኣትሒዙ ምስ ክርስቶስ ኪገዝኡ ዝሓረዮም ውልቀ-ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ዚጥመቑ። (ሮሜ 8:15-17) እቲ ወትሩ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስም መንፈስ ቅዱስ ዚግበር ናይ ማይ ጥምቀትከ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
3 እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብማይ ዚገብርዎ ጥምቀት፡ ርእሶም ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ዜርኢ ምልክት እዩ። እቶም ሰማያዊ ጽውዓ እተቐበሉ እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን እውን እንተ ዀኑ፡ ብማይ ኪጥመቑ ኣለዎም። ሓደ ሰብ ዘለዎ ተስፋ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንኺረክብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ማይ ኪጥመቕ ኣለዎ። ኵሎም እቶም በዚ ኸምዚ እተጠምቁ ክርስትያናት፡ ‘ብመንፈስ ኪመላለሱ’ ኣለዎም። (ገላትያ 5:16 ኣንብብ።) እሞኸ ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ብመንፈስ ትመላለስዶ ኣለኻ፧
‘ብመንፈስ ምምልላስ’ እንታይ ማለት እዩ፧
4. ‘ብመንፈስ ምምልላስ’ እንታይ ማለት እዩ፧
4 ‘ብመንፈስ ምምልላስ’ ኪበሃል ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ኺዓዪን ኪጸልወናን ምፍቃድ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ኣሎና። ገላትያ ምዕራፍ 5 ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ምዃን ምስ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ግብሪ ስጋ ምዃን ተነጻጽሮ እያ።—ገላትያ 5:17, 18 ኣንብብ።
5. ብመንፈስ ቅዱስ ትጽሎ እንተ ዄንካ፡ ካብ ከመይ ዝኣመሰለ ግብሪ ኢኻ እትርሕቕ፧
5 ብመንፈስ ቅዱስ ትጽሎ እንተ ዄንካ፡ ንኸም እኒ “ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቊጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ” ዝኣመሰለ ግብሪ ስጋ ኣይትገብርን ኢኻ። (ገላ. 5:19-21) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ ትቐትሎ።’ (ሮሜ 8:5, 13) ከምዚ ኽትገብር ከለኻ ኻብ ስጋዊ ትምኒት ስለ እትርሕቕ፡ ኣእምሮኻ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት የተኵር፡ ብእኡ ኸኣ ትምራሕ።
6. ፍረ መንፈስ ንምንጽብራቕ እንታይ የድሊ፧ ብኣብነት ኣረድእ።
6 መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ኺዓዪ ኸሎ፡ ኣምላኻዊ ባህርያት፡ ማለት “ፍረ መንፈስ” ተንጸባርቕ። (ገላ. 5:22, 23) ነዚ ምንጽብራቕ ግን ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ሓረስታይ ንግራቱ ይሓርሶ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ብዘይ ጸሓይን ማይን ምህርቲ ኺረክብ ኣይክእልን እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ጸሓይ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ብዘይ ብእኡ ፍረ መንፈስ ከነፍሪ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን፡ እቲ ሓረስታይ ኣበርቲዑ እንተ ዘይሰሪሑ፡ ዓስቢ ድኻሙ ኣይረክብን እዩ። (ምሳ. 10:4) ንስኻ እውን ንልብኻ እትዅስኵሰሉ መገዲ፡ ኣብ ዓይነትን ብዝሕን እቲ እተፍርዮ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ‘ምስ መንፈስ ቅዱስ ሓቢረ ብምዕያይ ኣባይ ፍረ ኼፍሪ እፈቕደሉዶ ኣለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።
7. መጽናዕትን ምስትንታንን፡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍራይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
7 ሓረስቶት ጽቡቕ ምህርቲ ኺረኽቡ እንተ ደልዮም፡ ነቲ እኽሊ ማይ ኬስትይዎ ኣለዎም። ንስኻ እውን ፍረ መንፈስ ከተፍሪ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎን ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ዚወሃብን ማይ ሓቂ ኽትረክብ ኣሎካ። (ኢሳ. 55:1) ብመሰረቱ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተጻሕፈ ትፈልጥ ኢኻ። (2 ጢሞ. 3:16) እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስ ጽሩይ ማይ ዚመሳሰል ሓቂ ንኽትርድኦ ይሕግዘካ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) ስለዚ እምበኣር፡ ብመንፈስ ቅዱስ ንኽትጽሎ፡ ንቓል ኣምላኽ ከተንብቦን ከተስተንትነሉን ኣሎካ። ከምኡ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ ነቶም “ደለዩን መርመሩን” እተባህለሎም ነብያት ክትመስሎም ኢኻ። መላእኽቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርእን ብዛዕባ ቕቡኣት ክርስትያናትን ዚገልጽ መንፈሳዊ ሓቂ ኺፈልጡ ይብህጉ እዮም።—1 ጴጥሮስ 1:10-12 ኣንብብ።
መንፈስ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧
8. መንፈሱ ኺህበካ ንየሆዋ ምሕታት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
8 ፍረ መንፈስ ከተፍሪ እትኽእል፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ስለ ዘጽናዕካን ስለ ዘስተንተንካን ጥራይ ኣይኰነን። ሓገዝን መምርሕን የሆዋ ንምርካብ ኣዘውቲርካ ኽትጽሊ ኣሎካ። የሆዋ “ኻብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር” ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 3:20፣ ሉቃ. 11:13) “ኣምላኽ ‘ከይለመንናዮ ነቲ ዜድልየና ዚፈልጥ’ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ እሞ ንልምኖ፧” ኢልካ ትሓትት ትኸውን። (ማቴ. 6:8) ብቐዳምነት፡ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ ምልማንካ፡ ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ዜርኢ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ክትሕግዞ ምስ ዚሓተካ፡ ኣባኻ ስለ እተወከለ፡ ንዕኡ ንምሕጋዝ ዚከኣለካ ዘበለ ኢኻ እትገብር። (ምስ ምሳሌ 3:27 ኣረኣኢ።) ብተመሳሳሊ፡ መንፈሱ ኺህበካ ንየሆዋ ምስ እትሓቶ፡ ባህ ኢልዎ ኺህበካ እዩ።—ምሳ. 15:8።
9. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምእካብ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ንኽትጽሎ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
9 ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታትና እውን ብመንፈስ ኣምላኽ ንኽንጽሎ ኸም ዚሕግዘና ኣይትስሕቶን ትኸውን። ኣብቲ ኣኼባታት ክትካፈልን ነቲ ኣብኡ ዚወሃብ ትምህርቲ ኸተድህበሉን ጽዓር። ከምኡ ምግባርካ፡ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ እዩ። (1 ቈረ. 2:10) ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ሓሳብ ምሃብ እውን ጥቕሚ ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ሰሙናት ብዛዕባ ዝነበረ ኣኼባታት እሞ ሕሰብ። መግለጺ እምነትካ ዝዀነ መልሲ ንምሃብ ክንደይ ሳዕ ኢድካ ኣውጺእካ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽትገብሮ እትኽእል ምምሕያሽ ኣሎዶ፧ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ኣብ ዚቕጽል ሰሙናት እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰብ። የሆዋ ነቲ ብፍቓድካ እትገብሮ ተሳትፎ ኺርእዮ እዩ፡ ካብ ኣኼባታት ብዙሕ ጥቕሚ ኽትረክብ ዜኽእለካ መንፈስ ቅዱሱ ድማ ኪህበካ እዩ።
10. ብመንፈስ ምምልላስ፡ ንኻልኦት እንታይ ዕድመ ኸተቕርበሎም እዩ ዚድርኸካ፧
10 ብመንፈስ ምምልላስ፡ ነቲ ኣብ ራእይ 22:17 ዚርከብ ዕድመ ምላሽ ምሃብ እውን ዜጠቓልል እዩ፣ እዚ ዕድመ እዚ፡ “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዚብል እዩ። እቲ መንፈስ በቶም ቅቡኣት ክፍሊ እታ መርዓት ኣቢሉ፡ ሰባት ማይ ህይወት ኪወስዱ ይዕድም ኣሎ። ነቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ ድሮ ተቐቢልካዮ እንተ ዄንካ፡ ንስኻኸ ንኻልኦት “ንዓ” ትብልዶ ኣሎኻ፧ ኣብዚ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ኽትካፈል ምኽኣልካስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!
11, 12. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧
11 እዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ፡ ሎሚ እውን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እዩ ዚዕየ ዘሎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ብስራት ኣብ ሓደስቲ ኽልታት ኣብ ምዝርጋሕ ንሚስዮናውያን ከም ዝመርሖም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስን መገላግልቱን፡ “ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ” ከልከሎም፣ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ እውን ኣይፈቐደሎምን። መንፈስ ቅዱስ ናብዚ ቦታታት ንኸይከዱ ብኸመይ ከም ዝኸልከሎም ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ንጳውሎስ ናብቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ሰፊሕ ክሊ ንኪኸይድ ግን መሪሕዎ እዩ። ሓደ ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ሓገዝ ኪልምን ከሎ ድማ ብራእይ ረኣየ።—ግብ. 16:6-10።
12 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ መንፈስ የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከት ዕዮ ይመርሖ ኣሎ። የሆዋ ኣብዚ ግዜና መምርሒ ንምሃብ ራእይ ዘይጥቀም እኳ እንተ ዀነ፡ ነቶም ቅቡኣት ግን ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚመርሖም። እዚ መንፈስ እዚ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ዚከኣሎም ኪገብሩ ይድርኾም እዩ። ንስኻ እውን ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ትካፈል ከም ዘለኻ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እሞኸ ኣብዚ ባህ ዜብል ንጥፈት ብምክፋል ዝያዳ ሕጉስ ክትከውን ትኽእልዶ፧
13. ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክትግዛእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብነት ሃብ።
13 ንህዝቢ ኣምላኽ ዚዋሃቦም መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክትግዛእ ትኽእል ኢኻ። ነታ ኣብ ጃፓን እትነብር ሚሆኮ ዝስማ ጐርዞ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ምስ ጀመረት፡ ንተገዳስነት ሓደ ብዓል ቤት ብኸመይ ከም እተለዓዕሎ ይሕርብታ ስለ ዝነበረ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኽትገብር ብቕዓት ዘይብላ ዀይኑ ተሰምዓ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብኸመይ ሕጽር ዝበለ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪግበር ከም ዚከኣል ዚገልጽ ግብራዊ ሓሳብ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ወጸ። ኤ ሳቲስፋይን ላይፍ—ሃው ቱ ኣተይን ኢት (ዜዕግብ ህይወት ብኸመይ ከም ዚርከብ) ዘርእስታ ብሮሹር ድማ ወጸት። እዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብቲ ጃፓናውያን ዚነብሩሉ ኽልታት ብዙሕ ጠቒማ እያ። ሚሆኮ ነቲ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እታ ብሮሹር ዚገልጽ መምርሒ፡ ብሕልፊ ኸኣ ነቲ ብኸመይ ሓጺር ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪግበር ከም ዚከኣል ዚገልጽ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ኣውዓለቶ። ብዙሕ ከይጸንሐት ድማ ምስቶም ቅድሚኡ መጽናዕቲ ኽትጅምረሎም ዘይትሓስቦም ዝነበረት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። “እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓሎም ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ኸደ፣ አረ ኣብ ሓደ እዋንሲ ዳርጋ 12 እዮም በጺሖም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ገሊኦም ተራ ኺጽበዩ ነበሮም” በለት። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዚህቦም መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብመንፈስ ትመላለስ እንተ ዄንካ፡ ብዙሕ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።
ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
14, 15. (ሀ) ዘይፍጹማት ሰባት ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ኺነብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ዝበለጹ ኣዕሩኽ ከተጥሪ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
14 እተመዘዘ ኣገልጋሊ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ኣገልግሎትካ ኽትፍጽም ኣሎካ። (ሮሜ 10:14) ነዚ ሓላፍነት እዚ ኽትዋጽኣሉ ዘይትኽእል ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ልክዕ ከም ቅቡኣት፡ ክእለትና ኻብ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ። (2 ቈረንቶስ 3:5 ኣንብብ።) ዝከኣለካ ብምግባርን ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ብምውካልን ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ።
15 ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንነብር ከም ዜጸግመና ዚከሓድ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ፈተውትኻ በቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ለውጥታት ኣዝዮም ስለ ዚግረሙ፡ ‘ይጸርፉኻ’ ይዀኑ። (1 ጴጥ. 4:4) ኰይኑ ግን፡ ምስ የሆዋን ምስ የሱስ ክርስቶስን ሓድሽን ዝበለጸን ዕርክነት ከም ዝመስረትካ ኣይትረስዕ። (ያእቆብ 2:21-23 ኣንብብ።) ምስቶም ክፋል እቲ ዓለምለኻዊ ‘ሕውነት’ ዝዀኑ ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ምቅርራብ እውን ጠቓሚ እዩ። (1 ጴጥ. 2:17፣ ምሳ. 17:17) የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድሩልካ ዚኽእሉ ኣዕሩኽ ንኸተጥሪ ኺሕግዘካ እዩ።
16. ከም ጳውሎስ ‘ብድኻም ክትሕጐስ’ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
16 ኣብታ ጉባኤ ብዚሓልዩልካ ኣዕሩኽ እኳ እንተ ተኸበብካ፡ ነቲ መዓልታዊ ዜጋጥመካ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ስለ ዚኸብደካ፡ ሓይልኻ ይጽንቀቕ ይኸውን። ከምዚ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺህበካ ንየሆዋ ለምኖ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 4:7-10፣ 12:10 ኣንብብ።) መንፈስ ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ድኽመታት ኪሽፍኖ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነበረ። ንስኻ እውን ምናልባት ድኹም ዝዀንካ ወይ ሓገዝ ዜድልየካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ኬበራትዓካ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ “ብድኻም . . . እሕጐስ እየ” ኢሉ እውን ጽሒፉ ነይሩ እዩ። ኣብ ዚደኽመሉ እዋን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ይዓዪ ኸም ዘሎ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ። ንስኻ እውን ከምኡ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ።—ሮሜ 15:13።
17. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧
17 ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ኽትነብር እንተ ደሊኻ፡ መንፈስ ኣምላኽ የድልየካ እዩ። ብንእሽቶ ጃልባ ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ሸቶኻ ንዘለኣለም ንየሆዋ ምግልጋል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብቲ ሸቶኻ ብዘይጕድኣት ንኽትበጽሕ ዚሕግዘካ ንፋስ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብመንፈስ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንየው ነጀው ክትድፋእ የብልካን። (1 ቈረ. 2:12) ስለዚ፡ ኣብቲ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ዚሕግዘካ ዓይነት ንፋስ ከተለልን ብእኡ ኽትድፋእ ኣሎካ። እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እወ፡ መንፈስ ቅዱስ ብቓል ኣምላኽን በታ ብመንፈስ እትምራሕ ውድብን ኣቢሉ ናብቲ ቕኑዕ ኣንፈት ኪመርሓካ እዩ።
18. እንታይ ቈራጽነት እዩ ኺህልወካ ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧
18 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጽንዕን ትቀራረብን ክነስኻ፡ ርእስኻ ወፊኻ ዘይተጠመቕካ እንተ ዄንካ፡ ‘ንኸይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። መንፈስ ቅዱስ፡ ሎሚ ኣብ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ትኣምንን ንመሪሕነቱ ትቕበልን እንተ ዄንካ፡ ስጕምቲ ውሰድ። የሆዋ ኸኣ ኣብዚሑ ኺባርኸካን መንፈሱ ኺህበካን እዩ። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት እንተ ተጠሚቕካ፡ ኣብ ህይወትካ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝረኣኻ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እወ፡ ኣምላኽ ብመንፈሱ ኣቢሉ ኼበራትዓካ ኸሎ ርኢኻ ኢኻ። እዚ ኸኣ ንዘለኣለም ዚቕጽል እዩ። ስለዚ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክትመላለስ ቈራጽነት ግበር።
ትዝክሮዶ፧
• ‘ብመንፈስ ምምልላስ’ እንታይ ማለት እዩ፧
• ‘ብመንፈስ ንኽትመላለስ’ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
• ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ኽትነብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ልብኻ ምዅስኳስ ጻዕሪ ይሓትት
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
መንፈስ ኣምላኽ ይጸልወካዶ ኣሎ፧