ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 5
  • ሜላ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሜላ
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንጳውሎስ ምሰሎ
  • “ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ትሕትና
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ብዛዕባ እቲ ግራውቲ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ‘ናብ ምምሃር ኣቕልብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 5

ዝርርብ ምጅማር

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ይዛረቦም።

ግብ. 17:22, 23

ትምህርቲ 5

ሜላ

ስርዓት፦ “ዘረባኹም . . . ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”—ቈሎ. 4:6።

ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ይዛረቦም።

ቪድዮ፦ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ሰበኸሎም

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣቴና ዝረኣዮ ልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከመይ ተሰሚዕዎ፧—ግብ. 17:16 ርአ።

  2. ለ. ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ኣብ ክንዲ ዚዅንኖም፡ በቲ ዚኣምኑሉ ነገር ገይሩ ብሜላ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘካፈሎም ብኸመይ እዩ፧

ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

2. እንታይ ከም እንዛረብን ብኸመይ ከም እንዛረብን መዓስ ከም እንዛረብን ተጠንቂቕና እንተ ሓሪና፡ ሰባት ብዝያዳ ኺሰምዑና ይኽእሉ እዮም።

ንጳውሎስ ምሰሎ

3. ሰሓቢ ቓላት ሕረ። ንኣብነት፡ ክርስትያን ምስ ዘይኰነ ሰብ ክትዛረብ ከለኻ፡ ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ እተላልየሉ መገዲ ወይ ኣብቲ ንየሱስ እትረቝሓሉ መገዲ ምትዕርራይ ክትገብር የድልየካ ይኸውን።

4. ተቐላጢፍካ ንሰብ ኣይትኣርም። ሓሳቡ ኸይተሰከፈ ኺገልጽ ፍቐደሉ። ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ነገር እንተ ተዛሪቡ፡ ኣይትማጐቶ። (ያእ. 1:19) እንተ ሰሚዕካዮ፡ ንኣረኣእያኡ ኸተስተውዕሎ ኢኻ።—ምሳ. 20:5።

5. ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ ምስቲ ሰብ ተሰማማዕ፡ ንኣዶ እውን። እቲ ሰብ ሃይማኖታዊ እምነታቱ ቕኑዕ ከም ዝዀነ፡ ካብ ልቡ ይኣምን ይኸውን። ፈለማ፡ ሓባራዊ ባይታ ኣንጽፍ፡ ድሕሪኡ በብደረጃኡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረድኣዮ።

ኣብዚ እውን ርአ

ምሳ. 25:15፣ 2 ጢሞ. 2:23-26፣ 1 ጴጥ. 3:15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ