ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 9
  • ድንጋጸ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድንጋጸ
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንየሱስ ምሰሎ
  • ሓልዮት ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዝ ባህሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ድንጋጽ ብምርኣይ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ደንግጸሎም
    ንቕሑ!—2020
  • “ደንገጸ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 9

ንግዱሳት ምክትታል

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ጃልባ ወሪዶም ናብቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚጽበይዎም ዝነበሩ ህዝቢ ገጾም ይኸዱ።

ማር. 6:30-34

ትምህርቲ 9

ድንጋጸ

ስርዓት፦ “ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐሱ፣ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።”—ሮሜ 12:15።

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ጃልባ ወሪዶም ናብቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚጽበይዎም ዝነበሩ ህዝቢ ገጾም ይኸዱ።

ቪድዮ፦ የሱስ ነቶም ህዝቢ ደንገጸሎም

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ማርቆስ 6:30-34 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. የሱስን ሃዋርያቱን “በይኖም” ኪዀኑ ደልዮም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

  2. ለ. የሱስ ነቶም ህዝቢ ኺምህሮም ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ድንጋጸ ብዛዕባ መልእኽትና ጥራይ ክንሓስብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ሰባት እውን ክንሓሊ ተለዓዕለና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ብኣቓልቦ ስማዕ። ነቲ ሰብ ሓሳቡ ኺገልጽ ፍቐደሉ። ኣይትዅለፎ፣ ንስምዒቱ፡ ንሻቕሎቱ፡ ወይ ንተቓውሞኡ ዕሽሽ ኢልካ ኣይትሕለፎ። ብኣቓልቦ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ብዛዕባ ሓሳቡ ኸም እትግደስ ኢኻ እተርእዮ።

4. ብዛዕባ እቲ ግዱስ ሕሰብ። ብመሰረት እቲ ምስኡ ዝገበርካዮ ዝርርብ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  1. ሀ. ‘ሓቂ ኺፈልጥ ዜድልዮ ስለምንታይ እዩ፧’

  2. ለ. ‘መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልታዊ ህይወቱ ዀነ ንመጻኢኡ ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧’

5. ንዕኡ ዜድልዮ ሓበሬታ ኣካፍሎ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታቱ ብኸመይ ከም ዚምልሰሉን ብግብራዊ መገድታት ብኸመይ ከም ዚሕግዞን ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ኣርእዮ።

ኣብዚ እውን ርአ

ሮሜ 10:13, 14፣ ፊል. 2:3, 4፣ 1 ጴጥ. 3:8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ