ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/5 ገጽ 3-8
  • ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ከነመስግነሉ እንኽእለሉ መገድታት
  • ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዝዝመረሉ ዝነበረ ምስጋና
  • መዝሙር ምስጋና ምዝማር እቲ ቀንዲ ክፍሊ ኣምልኾና ኢዩ
  • ንለውሃት የሆዋ ብመዝሙር ጌርና ነማስወሉ
  • ብታሕጓስ ዘምር!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ሙዚቃ ኣብ ዘመናዊ ኣምልኾ ዘለዎ ቦታ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተሓጒስካ ንየሆዋ ብመዝሙር ወድሶ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ንየሆዋ ዘምሩሉ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/5 ገጽ 3-8

ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ

“ንሱ ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ፡ [ንየሆዋ ትሕዓ] እዝምር ኣሎኹ።”–ዘጸኣት 15:1

1. ንየሆዋ ክንውድሶ ዝድርኸና እንታይ ጠባያትን ባህርያትን ስለ ዘለዎ ኢዩ?

መዝሙር 150 ዓሰርተ ሰለስተ ግዜ ዝኣክል ንየሆዋ ወይ ንያህ ከነመስግኖ ትእዝዘና እያ። እታ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ “ትንፋስ ዘለዎ ኵሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። [ሃሌ ሉያ ኣቱም ህዝቢ ንያህ ኣመስግንዎ! ትሓዓ]” ትብል። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን የሆዋ ካባና ምስጋና ክቕበል ከም ዝግብኦ ንፈልጥ ኢና። ንሱ ናይዚ ኹሉ ኣድማስ ጐይታ፡ ኣዝዩ ልዑል፡ ንጉስ ዘለአለም፡ ፈጣሪናን ናባይናን ኢዩ። ንሱ ብብዙሕ መገድታት መዘና ዘይብሉ ብርቅን መወዳድርቲ ዘይርከቦን ኢዩ። ንሱ ፈላጤ-ኵሉ፡ ከኣሌ ኵሉ፡ ብፍትሒ ፍጹምን ኣርኣያ ናይ ፍቕርን ኢዩ። ንሱ ልዕሊ ኵሎም ካልኦት ሰናይ ኢዩ፡ ንሱ እሙን ዘይጠልም ኢዩ። (ሉቃስ 18:19፣ ራእይ 15:3, 4) እሞ ምስጋናና ዝግብኦ ድዩ? ብርግጽ ይግብኦ ኢዩ!

2. ንየሆዋ ሞሳና ክንገልጸሉ ዘኽእለና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና?

2 የሆዋ ስለቲ ኵሉ ዝገበረልና፡ ከነምልኾን ክንውድሶን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሞሳናን ምስጋናናንውን ክንገልጸሉ ይግብኦ እዩ። ንሱ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝህብ ወሃቢ ኢዩ። (ያእቆብ 1:17) ንሱ ናይ ኵሉ ህይወት ፈልፋልን ምንጭን ኢዩ። (መዝሙር 36:9) ኵሉ እቲ ከም ኣባላት ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት መጠን እንሕጐሰሉ ዘሎና ነገራት ኻብኡ ዝረኸብናዮ ኢዩ፡ ከመይሲ ንሱ እቲ ዓቢ ፈጣሪና ኢዩ። (ኢሳይያስ 42:5) ናይቲ ኵሉ ብመንፈሱ፡ ብማሕበሩን ብቓሉን ዝመጽእ ዘሎ በረኸታት ወሃቢውን ንሱ ኢዩ። ንወዱ በጃና ገይሩ ብምሃቡ ድማ ብእኡ መሰረት ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና። (ዮሃንስ 3:16) እቲ “ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ዘለዎ ተስፋ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኣሎና።’ (2 ጴጥሮስ 3:13) ምስ ብጾትና ክርስትያናትውን ሰናይ ሕብረት ኣሎና። (ሮሜ 1:11, 12) መሰኻኽሩ ብምዃንናውን ክብረትን በረኸትን ኣሎና። (ኢሳይያስ 43:10-12) እቲ ክቡር መሰል ናይ ጸሎትውን ኣሎና። (ማቴዎስ 6:9-13) ብርግጽ ንየሆዋ ከነመስግነሉ እንኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና!

ንየሆዋ ከነመስግነሉ እንኽእለሉ መገድታት

3. ብኸመይ ዝበለ ዝተፈላለየ መገድታት ኢና ንየሆዋ ክንውድሶን ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ክንገልጽን እንኽእል?

3 ከም ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ከመይ ገይርና ኢና ንእኡ ምስጋናን ሞሳን ክንገልጽ እንኽእል? ነዚ ከነርእዮ እንኽእል ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብምክፋል ኢዩ፦ እዚ ኸኣ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምምስካር፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር፡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕን ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ብምጽማድን ኢና ክንገብሮ እንኽእል። ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉውን ናይ እግረ መገዲ ምስክርነት ብምሃብ ከነመስግኖ ንኽእል ኢና። እንደገናውን ቅኑዕ ጠባይ ብምርኣይናን ብጽፈትናን ብውርዙው ኣከዳድናናን ንየሆዋ ከነመስግኖ ወይ ክንውድሶ ንኽእል ኢና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ መዳያት እዚ ኣርኣያ ኰይኖም ብምርካቦም ብዙሕ ግዜ ተናኢዶም ኢዮም። ብተወሳኺውን ብጸሎት ጌርና ንየሆዋ ክንውድሶን ከነመስግኖን ንኽእል ኢና።​—1 ዜና መዋእል 29:10-13 ርአ።

4. ሓደ ካብቲ ነዚ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ክንውድሰሉ እንኽእል ኣዝዩ ዝጸበቐ መገዲ እንታይ ኢዩ?

4 ኣብ ርእሲዚ፡ ሓደ ካብቲ ነዚ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ከነመስግነሉ እንኽእል ምልኩዕ መገዲ ብምኡዝ ዝኾነ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዛሙራት ጌርና ንእኡን ነቲ ዝገበሮ ደግነትን ብምንኣድ ኢዩ። ብዙሓት ሙዚቀኛታትን ደረስትን እቲ ኣዝዩ ዝጸበቐ ናይ ሙዚቃ መሳርያ ሰብኣዊ ድምጺ ከም ዝኾነ ይሰማምዕሉ ኢዮም። እቲ ናይ ሰብ ድምጺ ብመዝሙር ክትሰምዖ ከሎኻ ብዙሕ ዘደስት ስለ ዝኾነ ኸአ ኢዮም እቶም መምህራን ናይ ክላሲካዊ ሙዚቃ ኦፐራታት ክጽሕፉ ዝተደረኹ።

5. ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትና ኣርዚንና ክንርእዮ ዝግብኣና ምኽንያታት እንታይ ኢዩ?

5 የሆዋ ሰባት ክዝምሩ ከለው ብሕልፊ እኳ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን ምስ ዝኸውን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ባህ ዘብሎ! ብሓቂ እምበኣር፡ ኣብቲ ዝተፈላለየ ኣኼባታትና፡ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት፡ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት፡ ፍሉይ ናይ ኣሰምብሊ መዓልትታት፡ ዓበይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣህጉራዊ ኣኼባታትን ንናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትና ምዝማር ኣርዚንና ክንወስዶ ይግብኣና። እቲ ናይ መዝሙራት መጽሓፍና ባህ ዘብል ምኡዝ ዜማታት ዝመልአ ብምዃኑ ጽባቔኡ ብተደጋጋሚ በቶም ካብ ማሕበር የሆዋ ወጻኢ ዘለዉ ብዙሕ ናእዳ ኣትሪፉ ኢዩ። ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ተገዲስና ብዝዘመርናዮ መጠን ብእኡ መጠን ንኻልኦት ባህ ነብሎም፡ ንገዛእ ርእስና ኸኣ ንረብሕ።

ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዝዝመረሉ ዝነበረ ምስጋና

6. እስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ደሓኑ ምስጋንኦም ከመይ ገይሮም ገለጹ?

6 ቃል ኣምላኽ፡ ሙሴን እቶም ዝተረፉ እስራኤላውያንን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሰራዊት ፈርኦን ምስ ደሓኑ ናይ ዓወት መዝሙር ከም ዝዘመሩ ይነግረና። መዝሙሮም በዘን ቃላት እዚአን ይጅምር፦ “ንሱ ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር ኣሎኹ። ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን ኢዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ ኢዩ እሞ፡ ከኽብሮ እየ።” (ዘጸኣት 15:1, 2) እስራኤላውያን ድሕሪ እቲ ተኣምራታዊ ድሕነቶም፡ ነዘን ቃላት እዚአን ክዝምርወን ከለዉ ዝነበሮም ሙቐትን ሓጐስን ንምግማት ኣየሸግረናን ኢዩ!

7. ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት፡ እስራኤላውያን ኣብ ከመይ ዝበለ ፍሉጥ ኣጋጣሚታት ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ይዝምርሉ ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝገልጸልና?

7 ኣብ 1 ዜና መዋእል 16:1, 4-36 ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ የሩሳሌም ከምጽኦ ከሎ ንየሆዋ ብመዝሙርን ብመሳርያታት ሙዚቃን ከም ዝወደሶ ኢና እነንብብ። እቲ እዋን እቲ ብሓቂ ናይ ሓጐስ እዋን ኢዩ ዝነበረ። ንጉስ ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ኣብ የሩሳሌም ክጽምብላ ኸሎውን ብመሳርያ ሙዚቃ ዝተሰነየ ናይ ምስጋና መዝሙር ንየሆዋ ይዝመረሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብ 2 ዜና መዋእል 5:13, 14 ከምዚ ነንብብ፦ “ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሐደ ምስ ኣስምዑ፡ ብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ኢሎም፤ ንሱ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡ እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዐሉ፡ ሽዑ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት ኣምላኽ መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከአሉን።” እዚኸ እንታይ ዘመልክት ኢዩ? የሆዋ ነዚ ምሉእ ዜማ እዚ ይሰምዖ ከም ዝነበረን ከም ዝተሐጐሰን በቲ መለኮታዊ ደበና ተራእዩ ኢዩ። ዳሕራይ ድማ፡ ብመዓልትታት ነህምያ እቲ መካበብያ የሩሳሌም ክጽንበል ከሎ ክልተ ጉጅለ መዘምራን እናተቐባበሉ ይዝምሩ ነበረ።​—ነህምያ 12:27-42

8. እስራኤላውያን ንመዝሙር ኣርዚኖም ይወስድዎ ከም ዝነበሩ እንታይ መረድኢ ኣሎ?

8 መዝሙር፡ ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ኣምልኾ ስለ ዝነበረ ኸአ ኢዩ 4,000 ሌዋውያን ንኣገልግሎት ሙዚቃ ተፈልዮም ዝነበሩ። (1 ዜና መዋእል 23:4, 5) እዚኣቶም ነቶም ዘመርቲ ዘሰንዩ ኢዮም ነይሮም። ሙዚቃ፡ ብፍላይ ከኣ ዘመርቲ ኣብቲ ኣምልኾ ኣገዳሲ ቦታ ሒዞም ዝነበሩ፡ ነቲ ከቢድ ጉዳያት ናይ ሕጊ ግድን ከም ዝሰርጽ ንምግባር ዘይኮነስ፡ ቅኑዕ መንፈስ ናይ ኣምልኾ ከም ዝህሉ ንምግባር ኢዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ንየሆዋ ብውዕዉዕ ስምዒት ከምልኽዎ ዝሕግዞም ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝተወፈየ ምድላዋትን ቆላሕታን እሞ ተዓዘቦ፦ “ቍጽሮም ድማ፡ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ፡ ኵሎም ፈላጣት ኣሕዋቶም ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን ኰነ።” (1 ዜና መዋእል 25:7) መዝሙር ምስጋና ንየሆዋ ምዝማር ክሳዕ ክንደይ ኣርዚኖም ይርእይዎ ከም ዝነበሩ ተዓዘብ። ንሳቶም መዝሙር ዝተለማመዱ ክኢላታት ኢዮም ነይሮም!

9. ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት፡ ንመዝሙር ከመይ ዝበለ ትኹረት ኢዩ ተዋሂብዎ ዘሎ?

9 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ናይ ኣቆጻጽራ ዘበንና እንተ መጻእናኸ እንታይ ንረክብ? የሱስ፡ ኣብታ ዝተኻሕደላ ምሸት፡ ሽሕኳ ብዙሕ ከቢድ ጉዳያት ኣብ ኣእምሮኡ እንተነበረ፡ ጌና ግን ንምብዓል በዓል ፋሲካን ምምስራት ዝኽሪ ሞቱን ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ብምዝማር ክዓጽዎ አድላይነት ከም ዘለዎ ተሰሚዑዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:30) ከምኡውን ጳውሎስን ሲላስን ብሸመል ድሕሪ ምዝባጦምን ምእሳሮምን “ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ . . . ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ።”​—ግብሪ ሃዋርያት 16:25

መዝሙር ምስጋና ምዝማር እቲ ቀንዲ ክፍሊ ኣምልኾና ኢዩ

10. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ብመዝሙር ጌርና ንኣምላኽ ምውዳሱ እንታይ ትእዛዛት ኢዩ ዝህበና?

10 ምናልባሽዶ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ምዝማር ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳስነት የብሉን ዝብል ስምዒት ስለ ዘሎካ ልባዊ ኣቓልቦ ካብ ምግባር ዘንጊዕካ ትህሉ? ከምኡ እንተደኣ ኾይኑ ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ የሱስ ክርስቶስን መዝሙር ምስጋና ምዝማር ክሳዕ ክንደይ ኣድላይነት ከም ዝህልዎ ብምፍላጥ ነቲ ጉዳይ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉዶ ኣይምሐሸን? አረ ቃል ኣምላኽ ንየሆዋ ከነመስግኖን መዝሙር ምስጋና ክንዝምረሉን ኢዩ ዝእዝዘና! ንኣብነት ኣብ ኢሳይያስ 42:10 ከምዚ ነንብብ፦ “ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኣ ዘሎ ዘበለ ኹሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩን፡ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋንኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።”​—ከምኡውን መዝሙር 96:1፣ 98:1 ተመልከቱ።

11. ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ መዝሙር ዝምልክት እንታይ ማዕዳ ኢዩ ዝሃበና?

11 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ መዝሙር ንመንፈስና ክብ ከብሎ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈለጠ ኢዩ፡ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ክልተ ግዜ ምዒዱና ዘሎ። ኣብ ኤፌሶን 5:18, 19 ከምዚ ነንብብ፦ “ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዘራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።” ኣብ ቈሎሴ 3:16 ኸኣ ከምዚ ነንብብ፦ “ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዐዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብኹሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።”

12. ካብ መዝሙራትና ንሓድሕድና ክንመሃሃርን ክንመዓዓድን ዝሕግዙና እንታይ ኣብነታት ኣለዉና?

12 ጳውሎስ ኣብ ክልቲኡ ጥቕሲ “ብመዝሙር ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቅኔን ብልብኹም . . . እናተቐኔኹም” ኢሉ ብምጥቃሱ ብዛዕባ መዝሙር ብምድግጋም ተዛሪቡ ኸም ዘሎ ተዓዘብ። ከምኡውን ጳውሎስ ካብቲ ንሰብ ቈሎሴ ዝሃቦ ሓሳባት ብመዝሙር ጌርና ንሓድሕድና ‘ከነስተምህርን ክንምዕድን’ ከም እንኽእል ገሊጹ ኣሎ። ነዚ ድማ ብርግጽ ንገብሮ ኢና፡ ንርእሱ እቲ ኣርእስትታት ናይቲ መዝሙርናውን ነዚ ዝሕብር ኢዩ። እስኪ ገለ ሒደት ኣብነታት ንርአ፦ “ኹሉ ፍጥረት ንየሆዋ የመስግኖ!” (ቍጽሪ 5) “ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኵኑ!” (ቍጽሪ 10) “ብተስፋ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጐሱ!” (ቍጽሪ 16) “ኣይትፍርህዎም!” (ቍጽሪ 27) “ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!” (ቍጽሪ 100)

13. እቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንመዝሙር ከም ክፍሊ ናይ ኣምልኾና ገይርና ክንግደሰሉ ከምዝግብኣና ዘርኣየ?

13 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ ምስዚ ትእዛዛት እዚ ብምስምማዕ፡ ኣኼባታትና፡ ማለት ናይ ጉባኤ ኣኼባታት፡ ናይ ወረዳ ኣሰምብልታት፡ ፍሉይ ናይ ኣሰምብሊ መዓልትታት፡ ናይ ኣውራጃ ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታትን ብመዝሙር ክኽፈትን ክዕጾን ሰሪዑዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45) ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ናይዚ ኣኼባታት እዚ ናይ መዝሙር መደብ ይግበር ኢዩ። ኣኼባታትና መብዝሕትኡ ግዜ ብመዝሙር ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዝማር ዝጅመር ካብ ኮነ ኣብዚ ክፍሊ ናይ ኣምልኾና ዝኾነ ምእንቲ ክንካፈል ኣቐዲምና ብምምጻእዶ ቆጸራና ከነኽብር ኣይምተገብአን? እቲ ኣኼባታት ብመዝሙር ዝዕጾ ካብ ኰነ ኸኣ፡ ክሳዕ እታ ናይ መዕጸዊት መዝሙርን እቲ ደድሕሪኣ ዝስዕብ ጸሎትን ክንጸንሕዶ ኣይምተገብአን?

14. ምስ ፕሮግራማትና ዝሰማማዕ መዝሙር ክንመርጽ ከም ዝግብኣና ዝሕብሩ እንታይ ኣብነታት ኣለዉና?

14 እቲ ኣብ ኣኼባታትና ዝዝመር መዝሙራት ምስቲ ፕሮግራም ምእንቲ ክሰማማዕ ብጥንቃቐ ዝተመርጸ ኢዩ። ንኣብነት ኣብቲ ብ1993 ዝተኻየደ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ዓበይቲ ኣኼባታት እታ “ንሓቂ ጥሪትኩም ግበርዋ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ መዝሙር ቍጽሪ 191 ንክርስትያናት ምስ ሰይጣንን ዓለምን እዚ ሓጢኣተኛ ስግኦምን ክቃለሱ እትምዕድ፡ ደድሕሪ እተን ነዞም ጸላእቲ እዚኦም ከመይ ጌርና ከም እነሸንፎም ዝገልጻ ተኸታተልቲ ዝርርባት ኢያ ተዘሚራ። ብተመሳሳሊ እታ “ቆልዑ ክቡር ውህበት የሆዋ ኢዮም” እትብል ንወለዲ ማዕዳ ዝመልአት መዝሙር ቍጽሪ 164 ደድሕሪ እታ ወለዲ ንደቆም ከለማምዱ ግዴታ ከም ዘለዎም እተጕልሕ ዝርርብ ኢያ ተዘሚራ። እታ “ከም ኤርምያስ ኩኑ” እትብል መዝሙር ቍጽሪ 70 ቀቅድሚ እተን ብመሰረት ትንቢት ኤርምያስ ዝተዋህባ ተኸታተልቲ ዝርርባት ተዘመረት። ከምኡውን ደድሕሪ እቲ ብዛዕባ ኣገልግሎትና ዘርኢ ዝተፈላለዩ መዳያት ዝሕብር ሲምፖዝየም እታ “ድልየት ኣሎኒ” እትብል ንኣገልግሎት እተተባብዕ መዝሙር ቍጽሪ 156 ኢያ ዝተዘመረት፡ ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምሀርትን ዝኸውን መዝሙራትውን ብኸምዚ ዝመሰለ ጥንቃቐ ኢዩ ዝምረጽ። ሽማግለታት ህዝባዊ ዝርርብ ክህቡ ከለዉውን እታ መኽፈቲት ናይቲ ፕሮግራም ክትከውን ዝመርጽዋ መዝሙር ምስቲ ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ እትሰማማዕ ክትከውን ኣለዋ።

15. እቲ ናይቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር፡ ከመይ ገይሩ ኢዩ ነታ ክትዝመር ዘለዋ መዝሙር ሞሳና ከነዕቢ ክሕግዘና ዝኽእል?

15 እቲ ኣቦ መንበር፡ ኣርእስቲ ወይ ፍረ ነገር ናይታ ክትዝመር ዘለዋ መዝሙር ኣቐዲሙ ነቶም ሰማዕቲ ብምፍላጡ፡ ነታ መዝሙር ዘርእይዎ ኣኽብሮት ከም ዝዓቢ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ነቲ ጽሑፋዊ ፍረ ነገር ደኣምበር ነቲ ቍጽሪ ኣይኮንናን እንዝምሮ። ከምኡውን እታ ጉባኤ ነቲ ምስቲ ኣርእስቲ ተተሓሒዙ ዘሎ ጥቕሲ እንተደኣ ፈሊጣቶ ነቲ መዝሙር ዝያዳ ብሞሳ ኢያ እትቕበሎ። እንደገናውን እቲ መዝሙር ብኸመይ ክዝመር ከም ዘለዎ ገለ ሓሳባት ክወሃብ ሰናይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ መንፈስ ናይቲ ኵነታት ዘፍቅዶ ብሙቐት፡ ብስምዒት፡ ብትብዓት፡ ዝመልኦ ምትእምማን ክኸውን ይኽእል።

ንለውሃት የሆዋ ብመዝሙር ጌርና ነማስወሉ

16. ከመይ ገይርና ኢና ኣብ መንፈስ ናይቲ መዝሙራትና ጥልቕ ኢልና ክንኣቱ ዝግብኣና?

16 እቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትና፡ ትርጕም ዝመልኦ ስለ ዝኾነ፡ እናዘመርናዮ ኸሎና ኣብቲ ቃላት ከነስተንትን ይግብኣና። ኣብ መንፈስ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዝሙር ጥልቕ ኢልና ክንኣቱ ይግብኣና። ገለ ከምቶም ብዛዕባ እታ ፍረ መንፈስ ዝኾነት ፍቕሪ ዝገልጹ ልብኻ ዝትንክፉ ኢዮም። (ገላትያ 5:22) ነዚኣቶም ብዓሚቍ ስምዒትን ሙቐትን ኢና እንዝምሮም። ካልኦት ከኣ ዘሐጕሱ ኢዮም፡ ሕጉሳት ኴንና ክንዝምሮም ድማ ይግብኣና። ገና ገሊኣቶም ድማ ሓያላትን ዝምርሹን መዝሙራት ኢዮም፡ እዚኣቶም ድማ ብዉዕውዕ ስምዒት ዘለዎ ወንን ብጽኑዕ ምትእምማንን ክዝመሩ ይግብኦም። ኣብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትና ክፍሊ ከነቕርብ ከሎና፡ ሙቐትን ስምዒትን፡ ምህንጣይን ከነርኢ ንመዓድ ኢና። መዝሙራትና ክንዝምር ከሎናውን ሙቐትን፡ ስምዒትን ምህንጣይን ከነርኢ ብዝያዳ ተደላዪ ኢዩ።

17. (ሀ) እንታይ ነቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ዝተዋህበ ወቐሳ ኢዩ ኣብቲ ኣዘማምራና ክውዕል ዘይንደልዮ? (ለ) ነቲ ኣብ መዝሙራትና ዘሎ ማዕዳ ኣርዚንና እንተደኣ ወሲድናዮ፡ እንታይ የፍሪ?

17 ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትና፡ ሓሳባትና ኣብ ካልእ ብምግባር፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ቃላት ትርጉሙ ከየቕለብናሉ እንተንዝምርሲ፡ ከምቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ንኣምላኽ ብኣፎም ዘኽብርዎ፡ ብልቦም ግን ካብኡ ርሑቓት ዝነበሩዶ ክንከውን ኣይምኸኣልናን? (ማቴዎስ 15:8) መዝሙራት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክንዝምር ከሎና እቲ ወቐሳ እቲ ኣባና ክውዕል ኣይንደልን ኢና። ኣይኮነንዶ? ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትና፡ ዝግብኦ ሞሳ ብምርኣይና፡ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ጥቓና ኰፍ ኢሎም ዘለዉ፡ ነቶም ንኣሽቱ ከይተረፈ ክንሃንጾም ኢና። እወ ኵሎም እቶም ኣብ ኣደራሻት መንግስትና ኮይኖም ዝዝምሩ፡ ነቲ ኣብዞም መዝሙራት እዚኦም ዘሎ ማዕዳ ኣርዚኖም እንተዝርእይዎ፡ እዚ ኣብቲ ኣገልግሎት ቀናኣት ክኾኑ ሓያል መተባብዒ ምኾኖም፡ ንመፈንጠራ ኣበሳ ድማ መርሓቕዎ።

18. እቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትና ምዝማር ኣብ ሓንቲ ሰበይቲ እንታይ ኣስዓበ?

18 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ ብተደጋጋሚ ኢዮም በቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ዝምሰጡ። ሓደ ግዜ ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ኣውጺኣ ነበረት፦ “እቲ መዝሙርና፡ ንሰባት ምስ የሆዋ ኣምላኽ ከፋልጦም ከም ዝኽእል፡ ካብ ተመኵሮ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ክርአ ይከኣል ኢዩ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብ1973 ኣብቲ “መለኮታዊ ዓወት” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ ኣብ ያንኪ ስታድዩም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ተጠመቐት። ንመጀመርያ ግዜኣ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይቲ ዞባኣ ክትመጽእ ዝኸኣለት ብናይ ገዛእ ርእሳ ተበግሶ ኢያ ነይራ። ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት ከኣ ተኻፈለት። እታ ጉባኤ ብምልእታ . . . ነታ “ኣዒንትኹም ኣብቲ ዓስቢ ይጠምታ” እትብል መዝሙር ክትዝምር ከላ በቲ ቃላትን፡ በቲ ኣገባብ ኣዘማምርኡን ኣዝያ ስለ ዝተመስጠት፡ እቲ እትምነዮ ዝነበረት ቦታ እዚ ምዃኑ ኣርጊጻ ፈለጠት። ብድሕሪኡ ናብ ሓደ ካብቶም መሰኻኽር ቅርብ ኢላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ክግበረላ ሓተተት እናማዕበለት ብምኻድ ድማ ክርስትያን ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን በቕዐት።”

19. ንናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትና ብምሉእ ነፍስና ብዛዕባ ምዝማር እንታይ ናይ መወዳእታ መተባብዒ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ?

19 ኣብ መብዝሕትኡ ኣኼባታትና፡ እቶም ተኣከብቲ ስምዒቶምን ሞስኦምን ክገልጽሉ ዝኽእሉሉ ብመጠኑ ውሑድ ኣጋጣሚታት ኢዩ ዘሎ። ይኹን ’ምበር ኵላትና ብዛዕባ ለውሃት የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ልባዊ መዝሙር ብምዝማር ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ብሓደ ክንእከብ ከሎና፡ ሕጕስ መንፈስዶ ኸይኰነ ዘሎና? ስለዚ ክንዝምር ክንድረኽ ኣሎና። (ያእቆብ 5:13) ብሓቂ ብመጠን እቲ ንለውሃት የሆዋን ጸግዑን ዘሎና ሞሳ ብምሉእ ነፍስና ክንዝምረሉ ኢና።

ከመይ ጌርካ ምመለስካ?

◻ ንየሆዋ ክንውድሶ ዝድርኸና እንታይ ክልተ ቀንዲ ምኽንያታት እየን ዘለዋ?

◻ ብኸመይ ዝበለ ዝተፈላለየ መገድታት ኢና ንየሆዋ ክንውድሶ እንኽእል?

◻ ሓደ ካብቲ ነዚ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ክንውድሰሉ እንኽእል ኣዝዩ ዝጸበቐ መገዲ እንታይ ኢዩ?

◻ ንየሆዋ ብመዝሙር ጌርና ክንውድሶ እንታይ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኢዩ ዘሎና?

◻ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትና ከመይ ኢልና ኢና እቲ ዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ እንኽእል?

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

በቶም መዝሙራት ተሓጐሱ

ገለ ኣሕዋት ንገለ ካብዞም ሓደስቲ መዝሙራት ክመሃርዎም ቍሩብ ክብድ ዝበሎም ኢዮም ዝመስሉ። ይኹን’ምበር ገለ ጉባኤታት ነዞም መዝሙራት እዚኣቶም ክመሃርኦም ጸገም ኣይነበረንን። ነቲ ኣብ መጀመርያኻ ግር ዝብለካ ንምምሃር ምናልባሽ ቍሩብ ጻዕሪ ጥራይ ዝሓትት ይኸውን። እታ ጉባኤ ነቲ ግር ዘብለካ ዝመስል መዝሙራት ሓንሳብ እንተደኣ ተላልያቶ ካብቶም ክትመሃሮም ከላ ጻዕሪ ዘይገበረትሎም መዝሙራት ዝያዳ ኢያ ትፈትዎም። ካብኡ ኩላ እታ ጉባኤ ትዝምር። እቲ መዝሙር ብሓቂ የሐጉሶም ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ግዜ ሕውነታዊ ምትእኽኻብ ዘምሩ

እቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ምዝማርና ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ጥራይ ተወሲኑ ክተርፍ ኣይግባእን። ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለዉ መዝሙር ምስጋና ንየሆዋ ዘሚሮምሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 16:25) ወደ መዝሙር ያእቆብ ድማ “ሕጕስዶ ኣሎ? ይዘምር” በለ። (ያእቆብ 5:13) ኣብ ግዜ ሕውነታዊ ምትእኽኻብ ኵሉ ሰብ ሕጕስ መንፈስ ኢዩ ዘለዎ። እሞ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ደኣ ዘይንዝምር? እዚ ብሕልፊኳ ብፕያኖ ወይ ብጊታር ዝተሰነየ እንተደኣ ኾይኑ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ ዝኸውን። እንተዘይኰነ ኸኣ ብፒያኖ ዝተዳለወ ካሰታት ናይ መንግስቲ ኣምለኽ መዝሙራትና ኣለዋና። ብዙሓት ስድራቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይዘን ካሰታት እዚኣተን አልቡም ኣለዎም። እዚ ኣልቡማት እዚ ንመዝሙር ጽቡቕ ገይሩ ከሰንዮ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ደሓኑ ሐጐሶም ብመዝሙር ገለጽዎ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚውን ሓጐስ ዝመልኦ መዝሙር ክፍሊ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ