ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቑሓት ኾይኖም ዝመላለስሉ ምኽንያት
“ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት [መዓልቲ ትሓዓ] ከም ዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ።”—ማቴዎስ 24:42።
1. እቲ “ንቕሑ” ዝብል ማዕዳ ኣብ መን ኢዩ ዝውዕል?
ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ መንእሰይ ይኹን ዓቢ፡ ሓድሽ ህይወቱ ዝወፈየ ይኹን ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ኣገልግሎት ጸብጻብ ዘለዎ እቲ “ንቕሑ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማዕዳ ይምልከቶ ኢዩ (ማቴዎስ 24:42) እዝኸ ስለምንታይ ኢዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?
2, 3. (ሀ) የሱስ እንታይ ምልክት ኢዩ ንጹር ገይሩ ዝገለጾ፡ እቲ መፈጸምታ ናይቲ ትንቢትከ እንታይ ኢዩ ዘርኢ? (ለ) እንታይ ኣብ ማቴዎስ 24:42 ተጠቒሱ ዘሎ ኵነታት ኢዩ ነሓቅነት ናይ እምነትና ዝፍትን፡ ከመይ ገይሩኸ?
2 የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ ምልክት ናይቲ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ምምጽኡ ተነብዩ ነበረ። (ማቴዎስ ምዕራፋት 24ን 25) ንሱ ነቲ ግዜ ናይ ንጉሳዊ ምህላዉ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ነበረ። እቲ ንፍጻሜ ናይቲ ትንቢት ንምርግጋጽ ዝተፈጸመ ፍጻሜታት ድማ ብ1914 ኣብ ሰማያት ከም ዝነገሰ ኢዩ ዘረጋግጽ። ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜቲ ንሓቅነት ናይ እምነትና ክፍትን ዘለዎ ኵነታት ኣመልኪቱ ተዛሪቡ ኢዩ። የሱስ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ኾኑ እኳ ወይስ ወዲ ዚፈልጣ የልቦን።” ክብል ከሎ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዓቢ ጸበባ ኣብ ልዕሊ እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ከም ፈጻም ፍርዲ መጠን ክወስዶ ዘለዎ ፍርዲ ኣመልኪቱ ዝተዛረበሉ ግዜ ኢዩ። ነዚ ግዜ እዚ ኣብ ሓሳቡ ብምምጻእ ከኣ ኢዩ “ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት [መዓልቲ ትሓዓ] ከም ዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ” ክብል ዝኸኣለ።—ማቴዎስ 24:36, 42
3 እቲ ዓቢ ጸበባ ዝጅመረሉ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና፡ ክርስትያን ኢና በሃልቲ እንተደኣ ኴንና፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ መዓልቲ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኴንና ክንነብር ዝሓተና ኢዩ። እቲ ሕጂ እትጥቀመሉ ዘሎኻ ኣነባብራስ እቲ ዓቢ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ ስምረት ጐይታ ዘፍርየልካ ድዩ? ወይውን ሞት እንተደኣ ቐዲሙካ ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትካ ብተኣማንነት ንየሆዋ ዘገልገልካ ሰብ ከም ዝኾንካ ገይሩዶ ክዝክረካ ኢዩ?—ማቴዎስ 24:13፣ ራእይ 2:10
ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ንቑሓት ክኾኑ ይጽዕሩ ነበሩ
4. ካብቲ ናይ የሱስ ናይ ምንቃሕ ኣብነት እንታይ ኢና ክንመሃር እንኽእል?
4 የሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ፡ መንፈሳዊ ንቕሓት ከም ዘድሊ፡ እቲ ዝበለጸ ኣርኣያ ገዲፉ ኢዩ። ንሱ ናብ ኣቡኡ ብምድግጋምን ብውዕዉዕ ስምዒትን ኢዩ ዝጽሊ ነይሩ። (ሉቃስ 6:12፣ 22:42-44) ፈተናታት ከጋጥሞ ኸሎውን ኣብቲ ኣብ ጽሑፋት ዝሰፈረ መምርሒ ኢዩ ኣጸቢቑ ዝምርኰስ ዝነበረ። (ማቴዎስ 4:3-10፣ 26:52-54) ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ከልግስ ፈጺሙ ኣይፈቐደን። (ሉቃስ 4:40-44፣ ዮሃንስ 6:15) እቶም ንገዛእ ርእሶም ከም ሰዓብቲ የሱስ ዝቖጽሩኸ ከምኡዶ ንቑሓት ይኾኑ?
5. (ሀ) ሃዋርያት የሱስ፡ መንፈሳዊ ሚዛኖም ክሕልዉ ጸገማት ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንሃዋርያቱ እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዝሃቦም?
5 ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ናይ የሱስ ሃዋርያት ከይተረፉ ኢዮም ሰጋእጋእ ዝብሉ ነይሮም። እምብዛ ካብ ምህንጣይን ካብ ግጉይ ኣተሓሳስባን ዝነቐለ ንዘጋጥም ፍሽለት ከለልይዎን ክጻወርዎን ነበሮም። (ሉቃስ 19:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6) መሊኦም ናብ የሆዋ ምጽጋዕ ቅድሚ ምምሃሮም፡ ሃንደበታዊ ዝኾነ ፈተናታት የደናግሮም ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም የሱስ ምስ ተታሕዘ ሃዋርያቱ ዝሃደሙ። ደሓር፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ጴጥሮስ ብፍርሂ ዝኣክል ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ደጋጊሙ ከሓደ። እቶም ሃዋርያት ነቲ “ንቕሑን ጸልዩን” ዝብል ምኽሪ ናይ የሱስ ገና ኣብ ልቦም ኣየእተዉዎን ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 26:41, 55, 56, 69-75) ብድሕሪ ትንሳኤኡ የሱስ በቲ ጽሑፋት ገይሩ ንእምነቶም ኣደልደላ። (ሉቃስ 24:44-48) ገለ ካብኣቶም ነቲ ብሕድሪ ዝተዋህቦም ኣገልግሎት ካልኣይ ቦታ ዝህብዎ ምስ መሰሉ ኸኣ የሱስ ንድራኼኦም ቀስቂሱ ኣብቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕዮ ከተኵሩ ኣበራትዖም።—ዮሃንስ 21:15-17
6. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣቐዲሙ ካብ ምንታይ ክልተ መፈንጠራታት ኢዩ ዘጠንቀቖም?
6 ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ክኾኑ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቕዎም ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:19) ከምኡውን ኣብ ንሓድሕዶም ከይጕይተቱ ኣብ ክንድኡስ ከም ኣሕዋት ብሓባር ከገልግሉ መኺርዎም ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 20:25-27፣ 23:8-12) ንምኽሩኸ ኣቕሊቦምሉዶ? ነቲ ሂብዎም ዝነበረ ዕዮኸ ቀዳማይ ቦታዶ ሂቦሞ?
7, 8. (ሀ) እቲ ናይቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ጸብጻብ እቶም ክርስትያናት ነቲ ምዕዶ ናይ የሱስ ኣብ ልቦም ከም ዘእተውዎ ከመይ ገይሩ የረድእ? (ለ) ስለምንታይ ኢዩ ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ንቕሓት ዘድሊ ዝነበረ?
7 እቶም ሃዋርያት ብህይወት ክሳዕ ዝነበሩ ነታ ጉባኤ ይከላኸሉላ ነይሮም ኢዮም። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ሃጸያዊት ሮሜ ፖለቲካዊ ጉዳያት ይጽንበሩ ከም ዘይነበሩን ክብ ኣቢልካ ዝረኣዩ ክፍሊ ናይ ቤተ ክህነት ዝበሃሉ ከም ዘይነበርዎምን ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ህንጡያት ኣወጅቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይ ሃጸያዊት ሮሜ መስኪሮም ነበሩ፡ ኣብ እስያ ኤውሮጳን ሰሜን ኣፍሪቃንውን ደቀ መዛሙርቲ ይገብሩ ነበሩ።—ቈሎሴ 1:23
8 ይኹን እምበር፡ እቲ ሽዑ ኣብ ስብከት ዝተገብረ ፍጻሜታት፡ ካብኡ ንደሓር ብመንፈስ ንቑሕ ምዃን ኣየድልን ኢዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ብትንቢት ዝተነግረ ምምጻእ የሱስ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ክፍጸም ነበሮ። እታ ጉባኤ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ከኣዘ ክትኣቱ ምስ ጀመረት ከኣ፡ ንመንፈሳውነት ናይ ክርስትያናት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኵነታት ተላዕለ። ከመይ ኢሉ?
እቶም ንቑሓት ካብ ምዃን ዘቋረጹ
9, 10. (ሀ) ደድሕሪ ሞት ናይ ሃዋርያት እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ነቒሖም ይመላለሱ ከም ዘይነበሩ ዘረድእ እንታይ ምዕባሌታት ተራእዩ? (ለ) ነቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ብመንፈስ ድልዱላት ኰይኖም ክቕጽሉ እንታይ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ክሕግዝዎም ምኸኣሉ ነይሮም?
9 ገለ ካብቶም ኣብታ ጉባኤ መጺኦም ዝነበሩ፡ ነቲ ስብከቶም ኣብቶም ናይ ዓለም ሰባት ዝያዳ ተቐባልነት ምእንቲ ኽረክብ ኢሎም ንእምነቶም ብናይ ግሪኽ ፍልስፍና ገይሮም ክገልጽዎ ጀመሩ። ቀስ እናበለ ኸኣ፡ ከም በዓል ስላሴን ነፍሲ ኣይትመውትን ዝብል ኣረማዊ ትምህርቲ ክፍሊ ናይቲ ዝተመራስሐ ዓይነት ክርስትና ኰነ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ሽሓዊ ተስፋ ከም ዝሓድግዎ ገበሮም። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እቶም ኣብ ናይ ነፍሲ ዘይሙማት ዝኣምኑ ዝነበሩ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ክርከብ ዘለዎ በረኸታት በታ ካብ ስጋ ተፈልያ ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም እትሕወስ ነፍሲ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል ኣብ ዝብል መደምደምታ ስለ ዝበጽሑ ኢዩ። ስለዚ ነቲ ክርስቶስ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ዝመጸሉ ግዜ ነቒሖም ክጽበይዎ ዘድልየሉ ምኽንያት ኣይተራእዮምን።—ምስ ገላትያ 5:7-9፣ ቈሎሴ 2:8፣ 1 ተሰሎንቄ 5:21 ኣነጻጽርዎ።
10 እዚ ኵነታት እዚ ብኻልእ ምዕባሌታት ከኣ ጐሊሑ ተራእየ። ገሊኣቶም ክርስትያናት ላዕለዎት ተዓዘብቲ ኢና በሃልቲ ነተን ጉባኤታት፡ ንናይ ገዛእ ርእሶም ዕቤት ክጥቀሙለን ጀመሩ። ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባትን ትምህርትታትን ተረቂቖም ማዕረ ናይቲ ቅዱሳት ጽሑፋት አረ ካብኡ ንላዕሊ ክብሪ ከም ዝህልዎ ገይሮም ክቖጽርዎ ጀመሩ። ምቹእ ኣጋጣሚ ምስ ረኸቡ ኸአ እታ ዓለወኛ ቤተ ክርስትያን ንረብሓ ናይቲ ፖለቲካዊ መንግስቲ ከተገልግል ጀመረት።
ፍረ ናይቲ ዝወሰኸ ንቕሓት
11, 12. ስለምንታይ ኢዩ እቲ ናይ ፕሮተስታንት ምሕዳስ ወይ ለውጢ ናብ ሓቀኛ ኣምልኾ ምምላስ ከመልክት ዘይከኣለ?
11 ብድሕሪ ናይቲ ብሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተገብረ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ስልጣን፡ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ገለ ጸገንቲ ወይ መመሓየሽቲ ብትብዓት ክዛረቡ ጀመሩ። ይኹን እምበር እዝስ ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ምምላስ ዘመልክት ኣይነበረን። ስለምንታይከ?
12 ሽሕኳ ብዙሓት ናይ ፕሮተስታንት ጉጅለታት ካብ ስልጣን ሮሜ ለቒቐን እንተወጻ፡ ብዙሕ መሰረታዊ ትምህርትታትን ልምድታት ናይ ክሕደት ከም ናይ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ኣምር፡ እምነት ስላሴ፡ ናይ ነፍሲ ዘይሙማትን ብድሕሪ ሞት ዘሎ ዘለአለማዊ ስቓይን ዝኣመሰለ ትምህርትታት ምስኦም ተማልእዎ። ከምኡውን ከምቲ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርሰትያን፡ ምስቶም ፖለቲካውያን ባእታታት ጥብቂ ርክብ ብምግባር ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ምዃን ቀጸሉ። ስለዚ ነቲ ናይ ክርስቶስ ከም ንጉስ ኰይኑ ምምጻእ ዝነበሮም ትጽበቲ ነጸግዎ።
13. (ሀ) ገለ ሰብኡት ንቓል ኣምላኽ ብሓቂ ገይሮም የኽብርዎ ከም ዝነበሩ እንታይ መረድኢ ኣሎና? (ለ) ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ነቶም ክርስትያናት ኢና በሃለቲ እንታይ ፍሉይ ተገዳስነት ዘሕድረሎም ፍጻሜ ተረኽበ? ስለምንታይከ ኢዮም ብዙሓት ዝጐሃዩ?
13 እንተኾነ ግን፡ የሱስ ደድሕሪ ሞት ናይ ሃዋርያት፡ እቶም ናይ ብሓቂ ወረስቲ ናይታ መንግስቲ (ብስርናይ ዝመሰሎም) ጐድኒ ጐድኒ ናይቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት (ብኽርዳድ ዝመሰሎም) ክሳዕ ግዜ ቐውዒ ክዓብዩ ከም ዘለዎም ተነብዩ ነበረ። (ማቴዎስ 13:29, 30) ሎሚ፡ ንኹሎም እቶም እቲ ጐይታ ከም ስርናይ ዝቖጸሮም ርግጸኛታት ኴንና ኣስማቶም ክንዝርዝር ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ መበል 14ን 15 ከምኡውን 16 ክፍለ ዘመን ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ ቋንቋ ናይቲ ተራ ህዝቢ መታን ክትርጕምዋ ህይወቶምን ናጽነቶምን ኣብ ሓደጋ ዘውደቑ ሰብኡት ነይሮም ኢዮም። ካልኦት ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ተቐቢሎሞ ጥራይ ዘይኰነስ ንስላሴ ከም ዘይጽሑፋዊ ገይሮም ነጺጐሞ ኢዮም። ገሊኣቶም ድማ ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ዝብልን ስቓይ ኣብ ሲኦል ሓዊ ዝብልን ትምህርቲ ፈጺሙ ምስ ቃል ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ብምዃኑ ነጺጐሞ ኢዮም። ከምኡውን ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ጀርመን፡ ኢንግላንድን ሩስያን፡ ዝነብሩ ጉጅለታት ዘየቋርጽ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝገበሩ ናይ ክርስቶስ ምምላስ ግዜ ቀሪቡ ከም ዝነበረ እምነቶም ክገልጹ ጀመሩ። እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ትጽቢቶም ናብ ጓሂ መርሖም። ስለምንታይ? ዝበዝሕ እኳ እምብዛ ኣብ ሰባት ሰለ ዝተጸግዑን፡ ኣብ ጽሑፋት ድማ እኹል ትውክልቲ ስለ ዘይነበሮምን ኢዩ።
እዚኣቶም ብኸመይ ንቑሓት ኮይኖም ከም ዝተረኽቡ
14. ሲ. ቲ. ራስልን ብጾቱን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገባብ መጽናዕቲ ግለጾ።
14 ብድሕርዚ ብ1870 ቻርለስ ቴዝ ራስልን ገለ ካብ ብጾቱን ኣብ ኣልገኒ ፐንሲልቫንያ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ጉጅለ ኣቖሙ። ንሳቶም ነቲ ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበልዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንምስትውዓሉ ቀዳሞት እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ዝምልከት ጥቕስታት ተጠንቂቕካ ናይ ምምርማር ልማድ ነበሮም።a ዕላምኦም ነቲ ኣቐዲሞም ዝሓስብዎ ዝነበሩ ሓሳባት ዘረጋግጸሎም ጥቕስታት ንምርካብ ዘይኰነስ እቲ ዝበጽሕዎ መደምደምታ ምስቲ ኵሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እቲ ዝተዛረቦ ነገራት ዝሰማማዕ እንተ ኾይኑ ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ።
15. (ሀ) ብዘይካ ሓው ራስል ካልኦትከ እንታይ ኢዮም ክግንዘቡ ዝኸኣሉ? (ለ) ነቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ካብ ካልኦት ፍሉያት ክገብሮም ዝኸኣለ?
15 ቅድሚኦም፡ ውሑዳት ካልኦት፡ ክርስቶስ ከም መንፈስ ኰይኑ ብዘይርአ ከም ዝምለስ ኣስተብሂሎም ነይሮም ኢዮም። ገለ ኸኣ ናይ ክርስቶስ ናይ ምምላስ ዕላማ፡ ንምድሪ ንምንዳድን ንኹሉ ሰብኣዊ ህይወት ንምድምሳስን ዘይኮነስ ንኹሎም ናይ ምድሪ ስድራቤታት ንምብራኽ ከም ዝኾነ ተረዲኦም ነይሮም ኢዮም። አረ ካልኦት ውሑዳትሲ እታ ዓመት ናይ 1914 መወዳእታ ናይ ዘመናት ኣህዛብ ከም ዝኾነት ተገንዚቦም ነይሮም ኢዮም። ነቶም ምስ ሓው ራስል ሕብረት ዝነበሮም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግን እዚ ነገራትዚ ኣብ ስነ-ሃይማኖታዊ ምምይያጥ ዝተሓጽረ ነጥብታት ጥራይ ኣይነበረን። ንሳቶም ንህይወቶም ኣብ ዙርያ ናይዚ ሓቅታት እዚ እዮም ሃኒጾማ ነይሮም፡ ኣብቲ እዋን እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ድማ ሃቦም።
16. ብ1914፡ ሓው ራስል ስለምንታይ ኢዩ “ኣብ ሓደ ፈታኒ ዝኾነ እዋን ኢና ዘሎና” ክብል ዝኸኣለ?
16 ጌና ግን ከየቋረጹ ክነቕሑ ነበሮም። ስለምንታይ? ንኣብነት፡ 1914 ብትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምልክት ዝተገብረላ ዓመት ምዃና’ኳ እንተፈለጡ፡ ብዘይጥርጥር ኣብታ ዓመት እቲኣ እንታይ ከም ዝፍጸም ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። እዚ ኸኣ ፈተና ዘቕርበሎም ኰይኑ ተረኽበ። ሓው ራስል ኣብታ ናይ 1 ሕዳር 1914 ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብ ሓደ ፈታኒ ዝኾነ እዋን ከም ዘሎና ንዘክር . . . ንሓደ ሰብ ኣብ ጐይታን ኣብቲ ናቱ ሓቅን ዝነበሮ እምነትን ከምኡውን ንረብሓ ጐይታ ኢሉ ዘቕርቦ ዝነበረ መስዋእቲ ንኸቋርጽ ዝደፋፍእ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት እንተደኣ ኣልዩ፡ እቲ ኣብ ጐይታ ከም ዝግደስ ገይርዎ ዝነበረ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ስለ ዝነበሮ ዘይኰነስ፡ ካልእ ነገር ኢዩ ማለት ኢዩ፡ ምናልባሽ እቲ ግዜ ሓጺር ኢዩ ዝብል ተስፋ ስለ ዝነበሮ ይኸውን፡ እቲ ወፈያኡ ንዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ነይሩ ማለት ኢዩ።”
17. ኤይ. ኤች. ማክሚላንን ካልኦትን ከመይ ገይሮም ኢዮም መንፈሳዊ ሚዛኖም ከጽንዑ ዝኸኣሉ?
17 ኣብቲ እዋን እቲ ገሊኣቶም ንኣገልግሎት የሆዋ ሓደግዎ። ኤይ. ኤች. ማክሚላን ግን ኣገልግሎት የሆዋ ዝሓደገ ሰብ ኣይኮነን ነይሩ። ዓመታት ጸኒሑ፡ ከይሓብኤ ብቕንዕና ተደሪኹ “ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ንዝተወሰነ ዕለት ዝነበረ ትጽቢታትና ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ውሕስነት ዝህበሉ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ” እናበለ ተኣመነ። መንፈሳዊ ሚዛኑ ንኸየጥፍእ ዝሓገዞኸ እንታይ ነበረ? ከምቲ ዝበሎ “እዚ ትጽቢታት እዚ ከይተፈጸመ ምትራፉ ንዕላማታት ኣምላኽ ክልውጦ ከም ዘይከኣለ” ተገንዘበ። ወሲኹ ኸኣ “ጌጋታትና ክንእመንን ንዝያዳ ብርሃን ድማ ብዘይምቍራጽ ቃል ኣምላኽ ክንምርምር ከም ዝግብኣና ተማሂረ።” በለ።b እቶም ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣተሓሳስብኦም ከቕንዖ ብትሕትና ተቐበልዎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
18. ከመይ ኢሉ ኢዩ እቲ ክርስትያናዊ ነንቕሓት ኣብቲ ካብ ዓለም ናይ ምፍላይ ጉዳይ ቀጻሊ ረብሓታት ከም ዝሕፈስ ክገብር ዝኸኣለ?
18 ብግዜ ናይቲ ዝስዓበ ዓመታት፡ እቲ ኣድላይነት ናይ ነቒሖም ምቕጻሎም ኣይጐደለን። ርግጽ ኢዩ ክርስትያናት ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ከም ዘይኮኑ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። (ዮሃንስ 17:14፣ ያእቆብ 4:4) ምስ’ዚ ብምስምማዕ ምስ ህዝበ ክርስትያን ብምሕባር ንማሕበር ዝተኣሳሰራ መንግስታት ከም ፖለቲካዊት መግለጫ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ገይሮም ኣይተቐበልዋን። እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ክርስትያናዊ ገለልትነት ጉዳይሲ ክሳዕ 1939 ኣይተረድእዎን ኢዮም ነይሮም።—ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ሕዳር 1939 ተመልከት።
19. እታ ማሕበር ኣብቲ ሓለዋ ነቒሓ ስለ ዝተረኽበት ኣብቲ ናይ ጉባኤ ምዕዛብ እንታይ ጥቕሚ ኣፍረየ?
19 ሽሕ’ኳ ገለ ብምርጫ ዝተሓርዩ ሽማግሌታት፡ ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበረሉ ነገር እንተደኣ ነይሩ ኣብ ጉባኤ ምስባኽ ጥራይ ከም ዝኾነ ዝሰምዖም እንተነበሩ፡ ናይ ኣቕሽሽቲ ጉጅለ ዝበሃሉ ፈጺሞም ኣይነበርዎምን። ይኹን እምበር እታ ማሕበር ምስቲ ጽሑፋት ክትሰማማዕ ዓሚቍ ባህጊ ስለ ዝነበራ፡ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ንግደ ናይቶም ሽማግሌታት ዳግመ ምርመራ ገበረትሉ፡ ነዚ ድማ ብዓምድታት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ብምድግጋም ገበረቶ። ምስቲ ጽሑፋት ዘመልከቶ ሓሳባት ብምስምማዕ ናይ ማሕበር ምትዕርራያት ተገብረ።
20-22. ከመይ ኢላ ኢያ ብምልእታ እታ ማሕበር ነቲ ብትንቢት ዝተነግረሉ ዓለምለኻዊ ዕዮ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍጻም ዝተፋጠነት?
20 ብምልእታ እታ ማሕበር፡ ነቲ ቃል ኣምላኽ ነዚ ግዜና ክኸውን ሓንጺጽዎ ዝነበረ ዕዮ ንምፍጻም ኢያ ትሸባሸብ ነይራ። (ኢሳይያስ 61:1, 2) እቲ ብስራት ኣብዚ ግዜና ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክእወጅ ነይርዎ? የሱስ “ቅድም ንኹሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ብግዲ ኢዩ” በለ። (ማርቆስ 13:10) ኣብ ቦታ ናይ ሰብ ኴንካ ክትርእዮ ከሎኻ እዚ ዕዮ እዚ ዘይከኣል መሲሉ ኢዩ ዝርአ ነይሩ።
21 ይኹን’ምበር እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ክርስቶስ ርእሲ ናይታ ጉባኤ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብኡ እምንቶ ብምግባር ንቕድሚት ክግስግስ ጸኒሑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) ብተኣማንነትን ብጽንዓትን ንህዝቢ የሆዋ ነቲ ክገብርዎ ዝግብኦም ዕዮ ሓቢሮምሎም ኢዮም። ካብ 1919 ንነጀው ንግራት ኣገልግሎት ዝዓበየ ኣትኵሮ ተዋህቦ። ንብዙሓት ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ንዘይትፈልጦም ሰባት ምዝራብ ቀሊል ኮይኑ ኣይረኸብዎን (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ይኹን’ምበር ናይ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ከም በዓል “እቶም ዘይፈርሁ ብሩኻት ኢዮም” (ብ1919) ከምኡውን “ትብዑ” (ብ1921) ዝብላ ኣርእስትታት ንገሊኣቶም እምንቶኦም ኣብ የሆዋ ብምግባር ኣብቲ ዕዮ ክጅምሩ ሓጊዘንኦም እየን።
22 እቲ ብ1922 “ነቲ ንጉስን ነታ መንግስቱን ኣፍልጡ፡ ኣፍልጡ፡ ኣፍልጡ፡” ዝብል ጻውዒት ነዚ ዕዮዚ እቲ ዝግብኦ ዕቤት ንኽረክብ እቲ ዝድለ ድፍኢት ሂብዎ ኢዩ። ካብ 1927 ንነጀው እቶም ነዚ ጽሑፋዊ ሓላፍነት እዚ ክቕበልዎ ዘይከኣሉ ሽማግሌታት ኣልጊሶም ኢዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሉ፡ እቶም ንማሕበር ዝውክሉ ገየሽቲ፡ ማለት ተጐዓዝቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ ኣውራጃ ናይ ኣገልግሎት ዲረክተራት ኰይኖም ብምምዛዝ ነቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብሕታዊ መምርሒ ይህብዎም ነበሩ። ኵሉ ሰብ’ኳ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል እንተ ዘይከኣለ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ብዙሓት ኢዮም ምሉእ መዓልቲ ንኣገልግሎት ዝውፍዩ ዝነበሩ። ኣንጊሆም ይጅምሩ’ ሞ ኣብ መንጎ ንሕጽር ዝበለ ግዜ እምበቲቶ በሊዖም ክሳዕ ኣጋምሸት ይቕጽልዎ ነበሩ። እተን መዓልትታት እቲአን፡ ቲኦክራቲካዊ ምዕባሌ ዝተራእየለን ኣገደስቲ መዓልትታትት እየን ነይረን፡ የሆዋ ንህዝቡ ከመይ ገይሩ ይመርሖም ከም ዝነበረ እንደገና ክንምርምሮ ከሎና ኸኣ ብዙሕ ኢና እንረብሕ። ሕጂውን ጌና ከየቋረጸ ከምኡ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። ብናቱ በረኸት እቲ ናይታ ቆይማ ዘላ መንግስቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮ ዕዉት መደምደምታ ክረክብ ኢዩ።
ነቒሕካዶ ኣሎኻ?
23. ብዛዕባ ክርስትያናዊ ፍቕርን ካብ ዓለም ምፍላይን ዝምልከት ነፍሲ ወከፍና ከመይ ኢልና ኢና ነቒሕና ከም ዘሎና ከነርኢ እንኽእል?
23 ማሕበር የሆዋ፡ ንመምርሒኡ ብምስዓብ፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ከይንሓልፍ ኢላ፡ ካብቲ ክፍሊ ናይዛ ዓለም ከቑጽረና ዝኽእል ልምድታትን ኣተሓሳስባን ክንሕሎ ከየቋረጸት ተጠንቅቐና ኣላ። (1 ዮሃንስ 2:17) ንሕናውን በብብሕትና ንመሪሕነት የሆዋ ብምስዓብ ንቑሓት ክንከውን ይግብኣና። ከምኡውን የሆዋ ከመይ ጌርና ሓቢርና ክንነብርን ክንዓይን ከም እንኸእል መምርሒ ይህበና ኢዩ። ማሕበሩ ትርጕም ናይ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ተረዲእና ሞሳና ከነዕቢ ሓጊዛትና ኢያ። (1 ጴጥሮስ 4:7, 8) ንቑሓት ኴንና ምቕጻልና ሽሕኳ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና እንተሎ ንምኽሩ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ምጽዓር ዝሓትት ኢዩ።
24, 25. በየኖት ኣገደስቲ መዳያት ኢና ንቑሓት ክንከውን ዘሎና? ምስ እንታይ ተስፋኸ?
24 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ ብዘይምቁራጽ እዚ ዝስዕብ መዘኻኸሪ ሂቡና ኢዩ፦ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።” (ምሳሌ 3:5) “ከየባተኽኩም ጸልዩ።” (1 ተሰሎንቄ 5:17) ነቲ እንገብሮ ውሳኔታት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመስረተ ክኸውን እዚ ቃል እዚ “ንእግርና መብራህቲ ንመገድና ኸኣ ብርሃን” ከም ዝኸውን ክንገብሮ ክንመሃር ተማዒድና ኢና። (መዝሙር 119:105) ነቲ የሱስ ኣብዚ ግዜና ክፍጸም ከም ዝኾነ ዝተነበየሉ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክንህብ ብፍቕራዊ መገዲ ተተባቢዕና ኢና።—ማቴዎስ 24:14
25 እወ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ ብርግጽ ነቒሑ ኢዩ ዘሎ። ንሕናውን በብብሕትና ክንነቅሕ ይግብኣና። ከምዚ ብምግባርና፡ ኣብ መንጎ እቶም ወድሰብ ክፈርድ ክመጸእ ከሎ ኣብ ቅድሚኡ ስምረት ረኺቦም ደው ዝብሉ እንኸውን ይግበረና።—ማቴዎስ 24:30፣ ሉቃስ 21:34-36
[እግረ-ጽሑፋት]
a ፈይዝ ኦን ዘ ማርች (እምነት ኣብ ጉዕዞ) ብ ኤይ. ኤች. ማክሚላን ማሕበር ፐረንቲስ ሆል፡ 1957፡ ገጽ 19-22
b ናይ 15 ነሓሰ 1966 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 504-10 ተመልከት።
ብድግማ
◻ ኣብ ማቴዎስ 24:42 ተራእዩ ከም ዘሎ፡ ስለምንታይ ኢና ንቑሓት ክንከውን ዝግብኣና?
◻ የሱስን እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቱን፡ ብኸመይ ኢዮም መንፈሳዊ ንቕሓቶም ክዕቅቡ ዝኸኣሉ?
◻ ካብ 1870 ኣገልገልቲ የሆዋ ነቒሖም ስለዝተረኽቡ፡ እንታይ ምዕባሌታት ተራእየ?
◻ ነፍሲ ወከፍና ነቒሕና ንመላለስ ከም ዘሎናኸ በየናይ መርትዖ ኢዩ ዝግለጽ?
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ኣብቲ ብኣቦኡ ዝተዋህቦ ዕዮ ዕዙዝ ኢዩ ነይሩ። ከምኡውን ብውዕዉዕ መንፈስ ይጽሊ ነበረ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ቻርለስ ቴዝ ራስል ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታቱ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ልዕሊ 4,700,000 ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣወጅቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንጡፋት ኮይኖም ኣለው