ነቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት ስዓቦ
“ንቕሑን ጸልዩን።”—ማቴ. 26:41።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
እነቕርቦ ጸሎት፡ ንቑሓት ከም ዝዀንና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
ኣብ ኣገልግሎትና ንቑሓት ከም ዝዀንና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣብ ግዜ ፈተና ንቑሓት ክንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧
1, 2. (ሀ) እቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት፡ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜልዕል፧ (ለ) ሓጥኣን ደቂ ሰብ ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ፍጹም ኣብነት ኪመሃሩ ይኽእሉ ድዮም፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
‘ነቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት ክንቀድሖ ንኽእል ዲና፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ከመይሲ፡ የሱስ ፍጹም እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ መጻኢ ኼስተውዕል፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ኪፈልጥ ይኽእል ነይሩ እዩ። እሞኸ ንቑሕ ኪኸውን የድልዮ ነይሩ ድዩ፧ (ማቴ. 24:37-39፣ እብ. 4:15) ንቑሕ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስን ህጹጽን ምዃኑ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ፈለማ እስከ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘበገስናዮ ሕቶታት ንመርምሮ።
2 ሓጥኣን ደቂ ሰብ ካብ ፍጹም ኣብነት ኪመሃሩ ይኽእሉ ድዮም፧ ከምቲ ሓደ ተመሃራይ ካብ ኣብነት ንፉዕ መምህሩ ኺመሃር ዚኽእል፡ ንሳቶም እውን ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ቐስተኛ ኪኸውን ዚመሃር ዘሎ ሰብኣይ እሞ ሕሰብ። ኣብ ፈለማ ዚውርውሮ ፍላጻ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዕላማ እውን ኣይዓልብን ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ኸይቈረጸ ይመሃርን ይፍትንን እዩ። ምምሕያሽ ምእንቲ ኺገብር ከኣ፡ ንኣብነት እቲ ኽኢላ ቐስተኛ ዝዀነ መምህሩ ተጠንቂቑ ይመሃሮ እዩ። እቲ መምህሩ ብኸመይ ደው ከም ዚብል፡ ብኸመይ ነቲ ፍላጻን ነቲ ቐስትን ከም ዚሕዞ፡ ከምኡውን ብኸመይ ነቲ ተወጣሪ ጅማት ብኣጻብዕቱ ኸም ዚውጥሮ ብኣቓልቦ ይዕዘብ እዩ። ቀስ ብቐስ፡ ነቲ ጅማት ክሳዕ ክንደይ ኪውጥሮ ኸም ዘለዎ ይመሃር፣ ንንፋስ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ከይተሓለለ ይጽዕር። ነቲ መምህሩ ዚገብሮ ነገራት እናደገመ፡ እታ ፍላጻ ብዝያዳ ኣብ ጥቓ ሕምብርቲ እቲ ዕላማ ኸም እትዓልብ ገይሩ ኺውርውራ ይጅምር። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ንመምርሒታት የሱስ ብምስዓብን ነቲ ዝሓደጎ ፍጹም ኣብነት ብምቕዳሕን፡ በብእዋኑ ምምሕያሽ ክንገብር ኣሎና።
3. (ሀ) የሱስ፡ ንቑሕ ኪኸውን ከም ዝነበሮ ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
3 እሞኸ የሱስ ንቑሕ ኪኸውን የድልዮ ነይሩ ድዩ፧ እወ፡ የድልዮ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ፡ “ምሳይ . . . ንቕሑ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን” በሎም። (ማቴ. 26:38, 41) ዋላ እኳ ወትሩ ንቑሕ እንተ ነበረ፡ ብፍላይ ኣብተን ጽንኩራት ናይ መወዳእታ ሰዓታት ግና፡ ንቑሕ ኪኸውንን ብዝያዳ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኪቐርብን ነበሮ። ሰዓብቱ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተላይ ኣብ መጻኢ ንቑሓት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ ንቑሓት ክንከውን ዝደለየሉ ምኽንያት እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ፡ ነቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኽንስዕቦ እንኽእለሉ ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና።
የሱስ ንቑሓት ክንከውን ዝደለየና ስለምንታይ እዩ፧
4. ኣብ መንጎ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘይንፈልጦ ነገራትን ኣብ መንጎ ንቑሕ ምዃንን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ፧
4 ብሓጺሩ፡ የሱስ ንቑሓት ክንከውን ዝደለየና፡ ብምኽንያት እቲ ዘይንፈልጦን እንፈልጦን ነገራት እዩ። የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበሮ ፍልጠት እተማልአ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን፣ ከመይሲ፡ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን” ብምባል ብትሕትና ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:36) ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ወዲ፡” ማለት የሱስ፡ መወዳእታ እዛ እክይቲ ዓለም መዓስ ከም ዝነበረ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ንሕናኸ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ፍልጠት እተማልአ ድዩ፧ ኣይኰነን። የሆዋ ንወዱ ብምልኣኽ፡ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ መዓስ ከም ዜጥፍኦ ኣይንፈልጥን ኢና። እንተ ንፈልጥ ኔርና፡ ንቑሓት ክንከውን መድለየናዶ፧ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ መወዳእታ ብሃንደበትን ብዘይሓሰብናዮ ግዜን እዩ ዚመጽእ፣ ስለዚ፡ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና።—ማቴዎስ 24:43 ኣንብብ።
5, 6. (ሀ) ብዛዕባ መጻእን ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽን ዘሎና ፍልጠት፡ ንቑሓት ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ሰይጣን ዘሎና ፍልጠት፡ ብዝያዳ ንቑሓት ንኽንከውን ኪድርኸና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
5 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ የሱስ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ንላዕሊ፡ ብዛዕባ መጻኢ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ይፈልጥ ነበረ። ንሕና ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ፍልጠት ምስ ናይ የሱስ ዚወዳደር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሳላኡ ግና፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ መጻኢ ብዛዕባ እትገብሮ ነገራትን ብዙሕ ክንፈልጥ ክኢልና ኢና። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ እንሰርሓሉ ቦታ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ እነገልግለሉ ኽልና እንረኽቦም መብዛሕትኦም ሰባት፡ ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ሓቅታት እዚ ኣይፈልጡን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ኸኣ ንቑሓት ክንከውን ዘሎና። ንሕና እውን ልክዕ ከም የሱስ፡ ወትሩ ንቑሓት ክንከውንን ነቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ፍልጠትና ንኻልኦት እነካፍለሉ ኣጋጣሚታት ከነናድን ኣሎና። ነፍሲ ወከፍ እንረኽባ ኣጋጣሚ ኽብርቲ ስለ ዝዀነት፡ ከነባኽና የብልናን። ከመይሲ፡ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ።—1 ጢሞ. 4:16።
6 የሱስ ብንቕሓት ዚመላለስ ዝነበረ፡ ካልእ ዚፈልጦ ነገር እውን ስለ ዝነበረ እዩ። እወ፡ ሰይጣን ንዕኡ ንኺፍትኖን መስጐጕቲ ንኼውርደሉን ንጽህናኡ ኸም ዜበላሹ ንኺገብሮን ቈሪጹ ኸም እተላዕለ ይፈልጥ ነበረ። እዚ ሕሱም ጸላኢ እዚ፡ ንየሱስ ኣብ ፈተና ምእንቲ ኼእትዎ፡ ምሹእ ግዜ ንምርካብ ብንቕሓት ይከታተል ነበረ። (ሉቃ. 4:13) የሱስ ግና ኣይተዳህለለን። ንዝዀነ ይኹን ካብ ሰይጣን ዝመጾ ነገራት፡ ማለት ንፈተና፡ ንምጽራር፡ ወይ ንመስጐጕቲ፡ ተዳልዩሉ ኺጸንሕ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ንሕና እውን ከምኡ ደይኰንናን ክንገብር ዘሎና፧ ሰይጣን “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ” ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ቓል ኣምላኽ ንዅሎም ክርስትያናት፡ “ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ” ኢሉ ዚምዕዶም። (1 ጴጥ. 5:8) ኰይኑ ግና፡ ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧
ብጸሎት ንቑሓት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
7, 8. የሱስ ንጸሎት ብዚምልከት እንታይ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧ እንታይ ኣብነትከ እዩ ሓዲጉልና፧
7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ንቕሓትን ጸሎትን ድልዱል ርክብ ከም ዘሎ ይገልጽ እዩ። (ቈሎ. 4:2፣ 1 ጴጥ. 4:7) የሱስ ንሰዓብቱ ንቑሓት ኪዀኑ ምስ ነገሮም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን” በሎም። (ማቴ. 26:41) ነቲ ሽዑ ዝነበረ ጽንኩር እዋን ምእንቲ ኺሓልፍዎ ኢሉ ጥራይ ድዩ ኸምኡ ኢልዎም፧ ኣይፋሉን፣ እቲ ዝሃቦ ምኽሪ፡ በብመዓልቱ ኽንስዕቦ ዘሎና መሰረታዊ ስርዓት ዜጠቓልል እዩ።
8 የሱስ ብጸሎት ዝመጸ፡ ብሉጽ ኣብነት እዩ ሓዲጉ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ምሉእ ለይቲ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ሓደረ። ነቲ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ። (ሉቃስ 6:12, 13 ኣንብብ።) እዋኑ፡ ጽድያ እዩ ነይሩ፣ የሱስ ከኣ ኣብ ጥቓ እታ ዚቕመጠላ ዝነበረ ኸተማ ቅፍርናሆም እዩ ነይሩ። ምስ መሰየ፡ ናብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ዝነበረ ኣኽራን ከደ። ኣብኡ ዀይኑ፡ ምናልባት ነቲ ኣብ ኣባይቲ ቅፍርናሆምን ኣብ ጥቓኣ ኣብ ዝነበራ ኣቝሻትን ዝነበረ ቐንዴል ዘይቲ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናብ የሆዋ ኺጽሊ ምስ ጀመረ ግና፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጸሎቱ ኣተኰረ። ደቓይቕ ብሰዓታት እናተተክአ ኸኣ ነዊሕ እዋን ሓለፈ። ምድሪ ኣዝዩ ስለ ዝመሰየ፡ እተን ካብ ርሑቕ ዚረኣያ ዝነበራ ቐንዴላት በብሓደ ኺጠፍኣ ኸለዋ ወይ ወርሒ ቐስ እናበለት ቦታኣ ኽትቅይር ከላ ወይ ከኣ ናይ ለይቲ እንስሳታት ምግቦም ኬናድዩ ኸለዉ፡ ኣየስተብሃለን። ጸሎቱ ኣብቲ ኺገብሮ ዝነበሮ ዓብዪ ውሳነ፡ ማለት 12 ሃዋርያት ኣብ ምምራጽ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። የሱስ ንኣቦኡ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ዘለዎ ሓሳባትን ሻቕሎትን ብምግላጽ፡ መምርሕን ጥበብን ምእንቲ ኺወሃቦ ኣዕሚቑ ኺጽሊ ኸሎ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና።
9. ካብቲ የሱስ ምሉእ ለይቲ ብምጽላይ ዝሓደጎ ኣብነት፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
9 ካብ ኣብነት የሱስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ንነዊሕ ሰዓታት ክንጽሊ ኸም ዘሎና ዲና እንመሃር፧ ኣይፋልን፣ የሱስ እውን እንተ ዀነ ብዛዕባ ሰዓብቱ ኺዛረብ ከሎ፡ “መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:41) ይኹን እምበር፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ንዓና፡ ንስድራ ቤትና፡ ወይ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብመንፈስ ኪጸልዎም ዚኽእል ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ነማኽሮ ዲና፧ ኣብ ሓቂ ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንጽልየሎም ዲና፧ ካብ ልቢ ዲና እንጽሊ ወይስ እተለምደ መግለጺታት ኢና እንደጋግም፧ የሱስ ምስ ኣቦኡ ናይ ልቡ ኣውጺኡ ይዘራረብ ከም ዝነበረ እውን ኣስተብህል። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዕግርግርን ላዕልን ታሕትን ዝበዝሓ ዓለም፡ ብቐሊሉ ብናብራና ስለ እንዋጠር፡ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ንርስዖ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ እኹል ግዜ መዲብና፡ ዓሚቝን ናይ ብሕትን ጸሎት ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ብዝያዳ ብመንፈስ ንቑሓት ክንከውን ኢና። (ማቴ. 6:6, 7) ብዘይካዚ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኣብ ርእሲ ምቕራብና፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ከነደልድሎን ንርክብና ዜዳኽም ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ምግባር ክንርሕቕን ኢና።—መዝ. 25:14።
ኣብ ዕዮ ስብከት ንቑሓት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
10. የሱስ፡ ምስክርነት ኪህብ ዚኽእለሉ ኣጋጣሚታት ብንቕሓት የናዲ ኸም ዝነበረ ዚሕብር ኣብነት ኣየናይ እዩ፧
10 የሱስ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ብንቕሓት ይዓይዮ ነበረ። ብዙሕ ኣትኵሮ ኸይገበርካ ኺስራሕ ዚኽእል ዓይነት ስራሕ ኣሎ። መብዛሕትኡ ስራሕ ግና፡ ብኣትኵሮን ብንቕሓትን ኪዕየ ኣለዎ፣ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከኣ ሓደ ኻብኡ እዩ። የሱስ ብንቕሓት እዩ ዚዓዪ ዝነበረ፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኬካፍል ዚኽእለሉ ኣጋጣሚታት ድማ ብንቕሓት የናዲ ነበረ። ንኣብነት፡ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ብእግሮም ኪጐዓዙ ኣርፊዶም ኣብ ከተማ ሲካር ምስ በጽሑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምግቢ ኺዕድጉ ኸዱ። የሱስ ግና ኣብ ጥቓ ዒላ እታ ኸተማ ኾፍ በለ፣ ንቑሕ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ምስክርነት ኪህብ ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ረኣየ። ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ኪድቅስ ወይ ከኣ ገለ ምኽንያት ፈጢሩ፡ ስቕ ኪብል ይኽእል ነበረ። ይኹን እምበር፡ ነታ ሰበይቲ ኣዘራረባ፣ ነቶም ኣብ ከተማ ሲካር ዚነብሩ ሰባት ዝጸለወ ሓያል ምስክርነት ከኣ ሃበ። (ዮሃ. 4:4-26, 39-42) ነቶም በብመዓልቱ እንረኽቦም ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከነካፍሎም ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ብንቕሓት ብምንዳይ፡ ነቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት ብዝያዳ ኽንስዕቦ ንኽእልዶ፧
11, 12. (ሀ) የሱስ ነቶም ካብ ዕዮኡ ኼስግልዎ ዝፈተኑ ሰባት እንታይ ምላሽ ሃቦም፧ (ለ) የሱስ ምስ ዕዮኡ ብዚተሓሓዝ፡ ሚዛኑ ዝሓለወ ብኸመይ እዩ፧
11 ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ሰባት ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም፡ ንየሱስ ካብ ዕዮኡ ናብ ካልእ ከም ዜስግል ኪገብርዎ ፈቲኖም ነይሮም እዮም። ኣብ ቅፍርናሆም ዚነብሩ ሰባት፡ በቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራዊ ምሕዋይ ስለ እተተንከፉ፡ ምስኦም ኪቕመጥ ደለዩ። ከምኡ ምግባሮም ዜገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቶም ኣብ ቅፍርናሆም ዝነበሩ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅለን “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ኪሰብከለን እዩ ተላኢኹ ነይሩ። (ማቴ. 15:24) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቶም ሰባት፡ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በሎም። (ሉቃ. 4:40-44) ብንጹር እምበኣር፡ ህይወት የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዘተኰረት እያ ነይራ። ዝዀነ ይኹን ነገር ኬስግሎ ድማ ኣይፈቐደን።
12 የሱስ ኣብ ዕዮኡ የተኵር እኳ እንተ ነበረ፡ ጥሩፍ ወይ መናኒ ድዩ ነይሩ፧ ብኣገልግሎት ተዋሒጡ ስለ ዝነበረ፡ ንሰባት ዜድልዮም ነገራት ዘይፈልጥ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፣ ሚዛኑ ዚሕሉ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ፍጹም ኣብነት እዩ ዚዀነና። ህይወት ይፈቱን ምስ ፈተውቱ ባህ ዜብል ግዜ የሕልፍን ነበረ። ንስድራ ቤታት ኣኽቢሩ ይርእየን፡ ነቲ ዜድልየን ነገራትን ንጸገማተንን ከኣ ይርድኣለን ነበረ፣ ንቘልዑ ዘለዎ ፍቕሪ እውን ኣርእዩ እዩ።—ማርቆስ 10:13-16 ኣንብብ።
13. ምስ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ፡ ነቲ የሱስ ንቑሕን ሚዛናውን ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
13 ንሕናኸ ነቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ሚዛንና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዛ ዓለም እዚኣ ኻብ ዕዮና ንኸተስግለና ኽንፈቕደላ የብልናን። ፈተውትናን ኣዝማድናን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም፡ ኣገልግሎትና ኽንንኪ ወይ ከኣ ከምቲ ንዕኦም ንቡር ዚመስሎም ዓይነት ህይወት ክንነብር የተባብዑና ይዀኑ። ኣብነት የሱስ ንስዕብ እንተ ዄንና ግና፡ ንኣገልግሎትና ኸም ምግቢ ጌርና ኽንርእዮ ኢና። (ዮሃ. 4:34) እቲ ዕዮ እቲ ኸኣ እዩ ብመንፈስ ዚዕንግለናን ሓጐስ ዜምጽኣልናን። ይኹን እምበር፡ ሚዛንና ብምስሓት፡ ክንመጻደቕን ናብራ መናኒ ኽንነብርን የብልናን። ልክዕ ከም የሱስ፡ ሕጉሳትን ሚዛኖም ዚሕልዉ ኣገልገልቲ እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ”ን ክንከውን ኣሎና።—1 ጢሞ. 1:11፡ NW።
ኣብ ግዜ ፈተና ንቑሓት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
14. ኣብ ግዜ ፈተና፡ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
14 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ኣብ ግዜ ኸቢድ ፈተና ኸሎ እዩ ንቑሓት ክንከውን ከም ዘሎና ዚገልጽ ማዕዳ ሂቡ። (ማርቆስ 14:37 ኣንብብ።) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብዝያዳ ኽንስዕቦ ኣሎና። ከመይሲ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ፡ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ይርስዑ እዮም፣ እዚ ሓቂ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ኽልተ ሳዕ ተገሊጹ ኣሎ፣ “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” ድማ ይብል። (ምሳ. 14:12፣ 16:25) ብፍላይ ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ኣተሓሳስባ ንምርኰስ እንተ ዄንና፡ ንርእስናን ነቶም እነፍቅሮም ሰባትን ኢና ኣብ ሓደጋ እነእቱ።
15. ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ኣብ ጽንኩር ቍጠባዊ ዅነታት እንታይ ፈተና እዩ ኼጋጥሞ ዚኽእል፧
15 ንኣብነት፡ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ “ነቶም ናቱ” ዘበሉ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኣሎም ኪጽዕር ከሎ፡ ከቢድ ጸቕጢ የጋጥሞ ይኸውን። (1 ጢሞ. 5:8) ብተደጋጋሚ ኻብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ካብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ወይ ካብ ኣገልግሎት ዜትርፎ ዓይነት ስራሕ ኪጅምር ይፍተን ይኸውን። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዚውከል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ስራሕ ምጅማር ቅቡልን ቅኑዕን ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። እዚ ግና፡ መንፈሳዊ ሕማም ወይ ሞት ኬስዕበሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዚርከብ ምኽሪ ምስዓብ ይሓይሽ። ኣብታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲኣ፡ ሰሎሞን፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” በለ።
16. (ሀ) የሱስ ኣብ ጥበቡ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጥበብ የሆዋ ይውከል ከም ዝነበረ ዜርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧ (ለ) ብዙሓት ርእስታት ስድራ ቤት፡ ኣብ ጽንኩር እዋናት ኣብ የሆዋ ብምውካል ንኣብነት የሱስ ዚስዕቡ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧
16 የሱስ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ልቦናኡ ኣይተጸግዐን። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ሰባት ንላዕሊ ጥበበኛ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ጥበቡ ኣይኰነን ዚምልስ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሰይጣን ኪፍትኖ ኸሎ፡ ብተደጋጋሚ፡ “ጽሑፍ እዩ” ኢሉ ይምልስ ነበረ። (ማቴ. 4:4, 7, 10) ኣብቲ ኣቦኡ ዚህቦ ዝነበረ ጥበብ ተመርኲሱ እዩ ንፈተናታት ዚቃወሞ ነይሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንትሕትና ዚጸልኣን ዕቡይን ዝነበረ ሰይጣን ዘይኰነስ፡ ትሑት ከም ዝነበረ ኣርኣየ። ንሕናኸ ኸምኡ ዲና እንገብር፧ ነቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት ዚስዕብ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ብፍላይ ኣብ ጽንኩር እዋናት ብቓል ኣምላኽ ኪምራሕ እዩ ዚጽዕር። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ርእስታት ስድራ ቤት ከምኡ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ። ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንንጹህ ኣምልኾን ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ይህብዎ ኣለዉ። ከምኡ ሳላ ዝገበሩ ኸኣ፡ ንስድራ ቤቶም ብጽቡቕ ኪከናኸንዎም ክኢሎም እዮም። የሆዋ ድማ ብመሰረት እቲ ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ነቲ ንስድራ ቤቶም ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኡሎም ዚገብርዎ ጻዕሪ ይባርኾ ኣሎ።—ማቴ. 6:33።
17. ነቲ የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝሓደጎ ኣብነት ንኽትስዕቦ ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧
17 የሱስ ንቑሕ ብምዃን ዝመጸ፡ ብሉጽ ኣብነት ከም ዚዀነና ዜተሓታትት ኣይኰነን። እቲ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ግብራውን ጠቓምን ህይወት ዜድሕንን እዩ። ሰይጣን ብመንፈስ ከም እትብዕዝዝ፡ እምነትካ ኸም እትደክም፡ ንኣምልኾ የሆዋ ዘሎካ ቕንኣት ከም ዚንኪ፡ ከምኡውን ንጽህናኻ ኸም ዚበላሾ ኺገብር እዩ ዚደሊ። (1 ተሰ. 5:6) ስለዚ፡ ንኺዕወት ኣይተፍቅደሉ። ልክዕ ከም የሱስ፡ ብጸሎትን ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ግዜ ፈተናን ንቑሕ ኩን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ናብ ጥፍኣት ዚቐርብ ዘሎ ስርዓት፡ ሕጉስን ዜዕግብን ህይወት ኪህልወካ እዩ። የሱስ ነዚ ስርዓት እዚ ኼጥፍኦ ኣብ ዚመጽኣሉ እዋን ድማ፡ ነቒሕካን ፍቓድ ኣምላኽ እናፈጸምካን ኪረኽበካ እዩ። የሆዋ ንተኣማንነትካ ኪኽሕሶ ኸሎስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ!—ራእ. 16:15።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነታ ኣብ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ ሰበኸላ። ንስኻኸ በብመዓልቱ ንኽትሰብኽ ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ተናዲ ዲኻ፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ንመንፈሳዊ ጥዕና ስድራ ቤትካ ምክንኻን፡ ንቑሕ ምዃንካ የርኢ