ነታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ምፍላጥ ሓላፍነት የሰክም
“ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልዎን ደኣ ኢዮም ።” — ሉቃስ 11 : 28
1. ሓንሳብ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት እንተደኣ ኣለልዮማ : እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም ህይወቶም ኣብኣ ዝሃንጹ ?
እታ ሓቀኛ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ምልላይ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን ። ነቲ ቅኑዕን ሓቅን ነፍቅሮ እንተደኣ ኴንና : ሓንሳብ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምስ ረኸብናያ : ህይወትና ኣብኡ ክንሃንጻ የድሊ ። እታ ሓቀኛ ሃይማኖት ናይ ኣእምሮ ፍልስፍና ኮይና እትተርፍ ኣይኮነትን : ኣብ ክንድኡስ መገዲ ህይወት ደኣ ኢያ ። — መዝሙር 119 : 105 ፣ ኢሳይያስ 2 : 3 ምስ ግብሪ ሃዋርያት 9 : 2 ኣነጻጽሮ
2, 3. (ሀ) የሱስ ኣድላይነት ምግባር ፍቓድ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣጕሊሑ ዝተዛረበሉ ? (ለ) ነፍሲ ወከፍ ነታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ዝፈለጠ ሰብ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎ ?
2 የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣምላኽ ፍቓደይ እዚ ኢዩ ኢሉ ኣብ ጽሑፍ ገሊጽዎ ዘሎ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግናን ገሊጽዎ ኣሎ ። ኣብቲ ናይ ከረን ስብከት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝርርቡ መደምደምታ ክህብ ከሎ : ኵሎም እቶም ጐይታይ ጐይታይ ዝብልዎ (ክርስትያናት ኢና በሃልቲ) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣትዉ ኣፍለጠ : እቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣትዉስ እቶም ፍቓድ ኣቦኡ ዝገብሩ ጥራይ ኢዮም ። ካልኦት ከኣ ከም “ገበርቲ ዓመጻ” ክንጸጉ ኢዮም በለ ። “ገበርቲ ዓመጻ” ተባሂሎም ዘለው ግን ስለምንታይ ኢዮም ? ምኽንያቱ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምግባር ሓጢኣት ኢዩ : ኵሉ ሓጢኣት ከአ ዓመጻ ኢዩ ። (ማቴዎስ 7 : 21 – 23 ፣ 1 ዮሃንስ 3 : 4 ፣ ምስ ሮሜ 10 : 2, 3 ኣነጻጸሮ) ሓደ ሰብ እታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ይፈልጥ ይኸውን : ነቶም ሓቀኛ ሃይማኖት ዝምህሩውን ይንእዶም ይኸውን : ነቶም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዋውን ብጽቡቕ ይዛረበሎም ይኸውን : ይኹን እምበር ንሱውን ኣብ ገዛእ ህይወቱ ከውዕሎ ሓላፍነት ኣለዎ ። (ያእቆብ 4 : 17) ነዚ ሓላፍነት እዚ እንተደኣ ተቐቢሉዎ : ህይወቱ ዝተጸገወት ኰይና ክረኽባ ኢዩ : ብኻልእ መገዲ ክርከብ ዘይክእል ሓጐስ ከኣ ክሓፍስ ኢዩ ።
3 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ሽዱሽተ ዝኾና መለለዪ ናይታ ሓቀኛ ሃይማኖት ርኢና ኔርና ። ነፍሲ ወከፈን ድማ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ንምልላይ ኣብ ርእሲ ምሕጋዘን ንነፍስ ወከፍና ብድሆን ኣጋጣሚታትን ዝኸፍታልና ኢየን ። ብኸመይ ?
ንቃል ኣምላኽ እንታይ ምላሽ ትህበሉ ?
4. (ሀ) ሓደስቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብሩ ክጅምሩ ኸለዉ : ብዛዕባ ናይቶም መሰኻኽር ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይዕዘቡ ? (ለ) ብመንፈስ ኣጸቢቕካ ምምጋብ ንኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ ይነኽኦም ?
4 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሓደስቲ ተገደስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ከለዉ : መብዛሕትኦም እዞም ሓደስቲ ሰባት እቲ ዝመሃርዎ ዘለዉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ብዝቐልጠፈ ግዜ ኢዮም ዘስተብህልሉ ። ናይ ሕቶታቶም መልሲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ : ኣብ ሰብኣዊ ባህልታት ወይ ኣብ ናይ ምርኡያት ሰባት ኣተሓሳስባ ክምርኮሱ ኣይኮኑን ዝሕበሩ ። እቲ ምንጭስ እቲ ቃል አምላኸ ኢዩ ። ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ምስ ከዱ ኣብኡውን እቲ ቀንዲ መምሃሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኾነ ኢዮም ዝዕዘቡ ። ንቕኑዓት ደለይቲ ሓቂ : ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ኣብ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርእይዎ ሓጐስ ካብ ቃል ኣምላኽ መንፈሳዊ ነገራት ብጽቡቕ ዝምግቡ ብምዃኖም ንምስትብሃል ግዜ ኣይወስደሎምን ኢዩ ። — ኢሳይያስ 65 : 13, 14
5. (ሀ) ነቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዕዘብዎም ሰባት እንታይ ብድሆ ኢዩ ዝቐርቦም ? (ለ) ኣብቲ ሓጐስ ናይቶም መሰኻኽርከ ከመይ ኢሎም ኢዮም ዝካፈሉ ?
5 ነዚ እንተደኣ ኣስተብሂልካዮ ኣሊኻ ንስኻኸ ብኸመይ ትምልሸሉ ? ሓሳቡ እንተ ደኣ ወሲድካዮ : ድንዙዝ ተዓዛባይ ኴንካ ጥራይ ከም ዘይትተርፍ ፍሉጥ ኢዩ : ከምኡ ንምዃን ክትደሊውን አይግብኣካን ። መጽሓፍ ቅዱስ እቶም “ሰማዕቲ” ጥራይ እምበር “ገበርቲ ቓል” ዘይኮኑ ሰባት : ንርእሶም ይጥብሩ ኣለዉ ኢዩ ዝብሎም ። (ያእቆብ 1 : 22) እወ ርእሶም ርእሶም ዝጥብሩ ዘለዉ ከመይሲ ዋላ ዝበሉ እኳ እንተበሉ : ንኣምላኽ ዘይምእዛዞም ብሓቂ ከም ዘየፍቅርዎ ኢዩ ዘመልከት ። ብግብሪ ዘይተሰነየት እምነት ኣላትኒ ምባል ምውትቲ እምነት ምሓዝ ማለት ኢዩ ። (ያእቆብ 2 : 18 – 26 ፣ 1 ዮሃንስ 5 : 3) ብሓደ ወገን ከኣ እቲ ብፍቕሪ የሆዋ ተደሪኹ ‘ገባር ቃል ዝኸውን’ “ብግብሩ ብጹእ” ኪኸውን ኢዩ ። እወ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ “ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልዉዎን ደኣ እዮም” — ያእቆብ 1 : 25 ፣ ሉቃስ 11 : 28 ፣ ዮሃንስ 13 : 17
6. ንቓል ኣምላኽ ብሓቂ ጌርና ነማስወሉ እንተኴንና : እንታይ ኣጋጣሚታት ንምርካብ ኢና ብብሕትና እንጽዕር ?
6 እቲ ሓጐስ እቲ ድማ ብፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ እናዓቤኻ ክትከይድ ከሎኻን እቲ ዝተምሃርካዮ ነገራት ድማ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ከሎኻን እናዓሞቐ ክኸይድ ኢዩ ። ንቓል ኣምላኽ ንምጽናዕ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ጻዕሪ ክትገብር ? ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ሓደ ግዜ ጽሒፎምን ኣንቢቦምን ዘይክእሉ ዝነበሩ ኣበርቲዖም ብምጽዓር ከንብቡን ንኻልኦት ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት ክምህሩን በቒዖም ኢዮም ። ገሊኣቶም ከኣ ንግሆ ሽዓ ተንሲኦም መጽሓፍ ቅዱስን ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዝድግፍ ከም በዓል ግምቢ ዘብዐኛ የንብቡ ። ብብሕትኻ ተኸታታሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባብ ክትገብር ከሎኻ ወይ ኣብ ካልእ መጽሓፍ ዝተጠቕሰ ከተንብብ ከሎኻ : ነቲ ናይ የሆዋ ሕግታትን ትእዛዛትን ተጠንቂቕካ ተዓዘቦ : ነቲ ንመምርሒና ክኸውን ኢሉ ዘዳለዎ ብዙሕ ስርዓታት ከኣ ከተስተብህለሉ ጸዓር ። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ናይቲ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላምኡን : ምስ ደቅሰብ ዝገበሮ ምምልላስን እንታይ ከም ዝገልጽ ኣስተንትኖ ። እዚ ኣብ ልብኻ ኣትዩ ንኽልውጠካ ዝኣክል ግዜ መድበሉ ። ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ መሊእካ ኣብ ህይወትካ ከተውዕለሉ ትኸእለሉ መገድታት እንተኣልዩውን ሕሰብ ። — መዝሙር 1 : 2, 2 ፣ 19 : 7 – 11 ፣ 1 ተሰሎንቄ 4 : 1
እቲ ንየሆዋ እትህቦ ተወፋይነት ፍጹም ድዩ ?
7. (ሀ) እቲ ትምህርቲ ስላሴ ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ሰባት ንኣምላኽ ንምምላኽ ኢሎም ዝገብርዎ ጸዕሪ ዝነኽኦ ? (ለ) ሓደ ሰብ ሓቂ ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተማህረ ፍሪኡ እንታይ ክኸውን ይኽእል ?
7 ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ስላሴ ከም ዘይኮነ ብምምሃሮም ቅሳነት ተሰሚዕዎም ኢዩ ። እቲ “ምስጢር” ኢዩ ዝብል ኣገላልጻ ፈጺሙ ከዕግቦም ኣይከኣለን ። ከመይ ገይሮም ኢዮም ኣብ ሓደ ክትርድኦ ዘይትኽእል ኣምላኸ ክቐርቡ ዝኽእሉ ? ብምኽንያት ናይዚ ትምህርቲዚ ኸኣ ነቲ (ኣብ ቤተ ክርስትያን ስሙ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡ) ኣቦ ሸለል ክብልዎን ኣብ ከንድኡ ንየሱስ ከምልኽዎን ወይ ከኣ ኣምልኾኦም ናብታ (“ወላዲት ኣምላኽ” ኢሎም ዝመሃርዎም) ማርያም ከቕንዕዎን ኢዮም ዝረኣዩ ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ምስ ኣርኣዮም ግን ልቦም ብሓጐስ ተፈንጭሐ ። (መዝሙር 83 : 18) ሓንቲ ጓል ቨነዝወላ ዝኾነት ሰበይቲ : ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ስም ምስ ተነግረት ኣዝያ ስለ ዝተሓጐሰት : ነታ ነዚ ክቡር ሓቂ ዘካፈለታ መንእሰይ ሓብቲ ቃል ንቓሉ ሓቊፋ ሰዓመታ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት ። ከምዚኦም ዘመሰሉ ሰባት የሱስ ንኣቡኡ “ኣምላኽኩምን ኣምላኸይን” ኢሉ ከም ዝተዛረበሉን ከምኡውን “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካ” ኢሉ ናብ ኣቦኡ ከም ዝጸለየ ብምፍላጦም እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝምህሮ ክርድኣካ ዘይክእል ከም ዘይኮነ ይግንዘቡ ኢዮም ። (ዮሃንስ 17:3 ፣ 20:17) ባህርያት የሆዋ ምስ ፈለጥዎ : ናብኡ ክቐርቡ ይደልዩ ናብኡ ክጽልዩ ይጅምሩ : ንእኡ ከሐጉሱ ኸኣ ይደልዩ ። ፍሪኡኸ እንታይ ኢዩ ?
8. (ሀ) ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንየሆዋ ፍቕሪ ስለ ዘለዎምን ንእኡ ከመስግኑ ባህጊ ስለ ዘለዎምን እንታይ ኢዮም ገይሮም ? (ለ) ክርስትያናዊ ጥምቀት ስለምንታይ ኢዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ?
8 ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት 2, 528, 524 ኣብ ሽዱሽተ ክፍላተ ዓለምን ዓሰርተታት ደሴታትን ዝቕመጡ ሰባት ህይወቶም ናብ የሆዋ ወፍዮም : ነዚ ወፈያኦም ድማ ብማይ ጥምቀት ኣርእዮም ኢዮም ። ሓደ ካብኣቶምዶ ኔርካ ? ወይስ ክትጥመቕ ትቀራረብ ዘሎኻ ኢኻ ? ጥምቀት ኣብ ህይወት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓቀኛ ክርስትያን ኣገዳሲ ምዕራፍ ኢዩ ። የሱስ ንሰዓብቱ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩን ከጠምቕዎምን ለኣኾም ። (ማቴዎስ 28 : 19, 20) የሱስ ተጠሚቑ ምስ ወጸ ብኡብኡ የሆዋ ባዕሉ ካብ ሰማይ ክዛረብ ከሎ “ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ” ምባሉ ክንግንዘቦ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ ። — ሉቃስ 3:21, 22
9. ምስ የሆዋ ስምረት ዘለዎ ዝምድና ንምምስራት ብወገንና እንታይ ይሓትት ?
9 ምስ የሆዋ ሞጎስ ዘለዎ ዝምድና ምምስራት ክንከናኸኖ ዝግብኣና ጉዳይ ኢዩ ። ህይወትካ ወፊኻ ብምጥማቕ ኣብዚ ዝምድና እዚ ዛጊት ኣቲኻ እንተደኣ ኣሊኻ ዝኾነ ይኹን ነዚ ዝምድናዚ ከባላሹ ዝኸእል ነገር ወግዶ ። ሓልዮት ናብራን ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ምሕላይን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዝምድና ካልኣይ ቦታ ክህቦ ኣይተፍቅደሉ ። (1 ጢሞቴዎስ 6 : 8 – 12) ብሓቂ ጌርካ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 3 : 6 ዘሎ “ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ : ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ ኢዩ ።” ዝብል ምኽሪ ተሰማሚዕካ ንበር ።
ፍቕሪ ክርስቶስ ክሳዕ ከንደይ ኢዩ ኣዕሚቑ ዝትንክፈካ ?
10. ንየሆዋ ምምላኽና : ንየሱስ ሸለል ከም እንብሎ ክገብረና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ ?
10 ርግጽ ኢዩ : ንየሆዋ : ኣምላኽ ሓቂ ንሱ በይኑ ከም ዝኾነ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብ ንሓደ ሰብ ንየሱስ ከርስቶስ ከም ዝነጽጎ ኣይገብሮን ኢዩ ። ብኣንጻሩ’ኳድኣ ራእይ 19 : 10 “ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ” ይብል ። ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ እቲ ብመንፈስ ዝተጻሕፈ ትንቢታት ብዛዕባቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ኢዩ ብዝርዝር ዝህብ ። ሓደ ሰብ ምስ እዚ ዝርዝራት እዚ ኣጸቢቑ ምስ ተላለየ : ሓደ ካብቲ ናይ ህዝበ ክርስትያን ናይ ሓሶት ትምህርትታት ጥውይዋያትን ግጉይ ኣረኣእያታትን ናጻ ዝኾነ ዝምስጥ ኣረኣእያ ኢዩ ዝምንጭ ።
11. ንሓንቲ ሰበይተ በዓልቲ ፖላንድ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኸ ዝመሃሮ ምፍላጥ ብኸመይ ነኺእዋ ?
11 ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ሓቂ ምምሃር ንሓደ ሰብ ኣዕሚቑ ክነኽኦ ይኸእል ኢዩ ። ዳኑታ ዝተባህለት ሰበይቲ በዓልቲ ፖላንድ ልክዕ ከምኡ ኢዩ ኣጋጢሙዋ ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሾመንተ ዓመታት ዝኣክል ርክብ ነይርዋ : ነቲ ትምህርቶም ትሕጐሰሉ ነይራ : ይኹን እምበር ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ መዓልታዊ ናብራአ ተንጸባርቖ ኣይነበረትን ። ብድሕርዚ እታ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል ንህይወት ክርስቶስ ክርደኣካ ብዝኽእል ቀሊል መገዲ እትቕርቦ መጽሓፍ ተቐበለት ። a ኣጸቢቑ ምስ መሰየ : ነታ መጽሓፍ ገንጺላ ሓንቲ ምዕራፍ ከተንብብ መደበት ። ይኹን እምበር ክሳዕ ወጋሕታ ኮይኑ ኣንቢባ እትውድኣ ነታ መጽሓፍ ኣየቐመጠታን ። ኣንቢባ ምስ ወድኣታ ኸኣ ፊቕ ኢላ በኸየት ። “የሆዋ ይቕረ በለለይ” ኢላ ኸኣ ለመነት ። ሳላ ዘንበበት ከኣ ነቲ የሆዋን ወዱን ዘርኣይዋ ፍቕሪ ኣጸቢቓ ከትርድኦ ጀመረት ። ንሾሞንተ ዓመታት ዝኣከል ነቲ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ዘርጊሑላ ዝነበረ ሓገዝ ብዘይ ሞሳ ዝባና ሂባቶ ከም ዝነበረት ተገንዘበት ። ብ1993 አብ የሱስ ክርስቶስ ብዘርኣየቶ እምነት መሰረት ህይወታ ብምውፋይ ተጠምቀት ።
12. ርጡብ ፍልጠት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ንህይወትና ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝነኽኦ ?
12 ‘ርጡብ ፍልጠት ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ’ ምስቲ ንጡፍን ኣፍራዪን ክርስትያን ምዃን ዝተተሓሓዘ ኢዩ ። (2 ጴጥሮስ 1 : 8) ኣብዚ ንጥፈት እዚ : መልእኸቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ብምክፋል ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ግደ ዝህልወካ ? እቲ ውልቀ ሰባት ክዓይዎ ዝኽእሉ መጠን ብብዙሕ ኵነታት ዝተተንከፈ ኢዩ ። (ማቴዎስ 13 : 18 – 23) ገለ ኵነታት ንሕና ክንቅይሮ ዘይከኣል ኢዩ : ነቲ ገሊኡ ግን ክንቅይሮ ንኽእል ኢና ። ግን ነቲ ክግበር ዝኽእል ምትዕርራይ ከነለልዮን ክንቅይሮን ዝድርኸና እንታይ ኢዩ ? ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ” ይብል ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ህይወቱ ምእንታና ከሕልፍ ከሎ ዘርኣየና ፍቕሪ ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝኾነ : ንእኡ ዘሎና ሞሳ ይዓቢ : ልብና ኸኣ ዓሚቍ ድራኸ ክህልዎ ኢዩ ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ደድሕሪ ስሱዕ ዕላማታት ክንጐዪን ብብዝሒ ንስጋዊ ባህግታትና ከነርውን ምንባር ኣመና ዘይግቡእ ምዃኑ ንግንዘብ ። ኣብ ክንድኡ : ጉዳያትና ኣመዓራሪና ነቲ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ክዓይዎ ዝመሃሮም ዕዮ ኢና ቀዳማይ ቦታ እንህብ ። — 2 ቈረንቶስ 5 : 14, 15
ካብ ዓለም ተፈለ : ክሳዕ ክንደይ ?
13. ኣብ ሓንቲ ርእሳ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝገበረት ሃይማኖት ግደ ክህልወና ዘይንደሊ ስለምንታይ ኢና ?
13 ህዝበ ክርስትያንን እተን ካልኦት ሃይማኖታትን ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ክኾና ስለ ዝደልያ : ናይቲ ዝገበርኦ ግብርታት ጸብጻብ ንምርኣይ ኣይከብድን ኢዩ ። ናይ ቤተ ክርስትያን እኩብ ገንዘብ ሰውራዊ ንጥፈታት ኣብ ምክያድ ውዒሉ ኢዩ ። ኣቕሽሽቲ ወይ ካህናት ኣድቢኻ ተዋጋእቲ ኮይኖም ተረኺቦም ኢዮም ። መዓልቲ መዓልቲ ብጋዜጣታት ጸብጻብ ከም ዝቐርብ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ናይ ምድሪ ሃይማኖታውያን ጉጅለታት ንሓድሕዶም ይዋግኡ ኣለዉ ። ኣእዳዎም ብደም ጠልቅየን ኣለዋ ። (ኢሳይያስ 1 : 15) ኣብ ምሉእ ዓለም ከኣ ኣቕሽሽቲ ነቲ ፖለቲካዊ መድረኽ ክቆጻጸርዎ ንምፍታን ከየቋረጹ ይጽዕሩ ኣለዉ ። ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ኣብዚ ክፍሊ የብሎምን ። ያእቆብ 4 : 1 – 4
14. (ሀ) ካብ ዓለም ፍሉያት ኴንና ክንርከብ እንተደኣ ኴንና ብብሕትና ክንውግዶ ዘሎና እንታይ ኢዩ ? (ለ) ብዓለማዊ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ከይንፍንጠር ክሕግዘና ዝኸእል እንታይ ኢዩ ?
14 ካብ ዓለም ምፍላይ ግን ካብኡ ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ ። ዓለም ብፍቕሪ ገንዘብን ብፍቕሪ ናይቲ ብገንዘብ ክዕድግ ዝኽእል ነገራትን ትምኒት ናይ ልዕልነትን ዘየቋርጽ ባህጊ ተድላ ምስኡ ኸኣ ንኻልኦት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘይምህላውን ሓሶትን ጸርፍን ኣንጻር ስልጣናት ምዕላውን ርእስኻ ዘይምግታእን ዝመልአት ኢያ ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 2 – 5 ፣ 1 ዮሃንስ 2 : 15, 16) ብምኽንያት ዘይፍጽምናና ሓደ ሓደ ግዜ ብገለ መገዲ ነዚ ባህርያት እዚ ነንጸባርቖ ኢና ። ከምዚ ዝበለ መፈንጠራታት ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ እንታይ ክሕግዘና ይኽእል ? ነዚ ኹሉ ዓለም እተንጸባርቖ ዘላ በህርያት ሓላፊኡ መን ከም ዝኮነ ኩሉሳዕ ክንዝክር ይግብኣና ። “ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ ።” (1 ዮሃንስ 5 : 19) ሓደ መገዲ ክሳዕ ክንደይ ዘህርር ይኹን ብዘየገድስ ክሳዕ ክንደይ ብዙሓት ሰባትውን በቲ መገዲ እቲ ይኺዱ ብዘየገድስ እቲ ናይ የሆዋ ቀንዲ ጸላኢ ዝኾነ ሰይጣን ድያብሎስ ብድሕሪኡ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ከሎና ክሳዕ ክንደይ ግናይ ከም ዝኾነ ኢና እንግንዘብ ። — መዝሙር 97 : 10
ፍቕርኻ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዝበጽሕ ?
15. እታ ዝተዓዘብካያ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ከመይ ኢላ ኢያ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ንምልላይ ዝሓገዘትካ ?
15 መጀመርያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓብር ከሎኻ : እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍቕሪ ብዘይጥርጥር ምስቲ ናይ ዓለም መንፈስ ኣነጻጺርካ ባህ ኣቢሉካ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ካብቲ ካልእ ናይ ኣምልኾ ኣገባባት ዝፈልዮ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝግበር ትኹረት ኢዩ ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቀኛ ሃይማኖት ብተግባር የርእይዎ ከም ዘለዉ ንኽትኣምን ዝሓገዘካ ምናልባሽ እዚ ነይሩ ይኸውን ። የሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም : በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢዩ ዝበለ ። — ዮሃንስ 13 : 35
16. ነፍስ ወከፍና ፍቕርና ከነግፍሓሉ እንኽእል እንታይ ኣጋጣሚታት ኢዩ ዘሎና ?
16 እዛ ባህሪ እዚኣዶኸ ከም ሓደ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኴንካ ከም እትፍለጥ ትገብረካ ኢያ ? ፍቕርኻ ብምርኣይ ከተግፍሓሉ እትኽእለሉ መገድታት ኣሎዶ ? ብዘይጥርጥር ኵላትና ፍቕርና ከነግፍሕ ንኽእል ኢና ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ንኻልኦት ዕርክነት ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ኢያ ። ነቶም ዘፍቅሩና ጥራይ ፍቕርና እንተ ንዝርግሕከ : ካብ ዓለም ብምንታይ ክንፍለ ምኸኣልና ? “ቅድሚ ኹሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም” እናበለ መጽሓፍ ቅዱስ ይምዕደና ። (1 ጴጥሮስ 4 : 8) ኣብ መን ኢና ዝዓበየ ፍቕርና ከነርኢ እንኽእል ? ኣብ ሓደ ካብ ናትና ዝተፈልየ መዕበያ ዘለዎ እሞ ሓደ ሓደ ኣገባቡ ባህ ዘየብለና ሐው ወይ ሓብቲዶ ኢና ፍቕርና ከነርኢ ? ኣብ ሓደ ብምኽንያት ሕማም ወይ እውን እርጋን ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኮይኑ ክመጽእ ዘይክኣለ ሓው ወይ ሓብቲ ድዩ ? ናይ መርዓ ብጻይና ድዩ ? ወይስ ምናልባሽ ዝሸምገሉ ወለድና ኢዮም ? ገሊኦም ነቲ ፍረ መንፈስ ፍቕሪውን ጭምር ጽቡቕ ገይሮም ዘንጸባርቕዎ ዝነበሩ : ንሓደ ከቢድ ናይ ኣካላት ስንክልና ዘጋጠሞ ኣባል ስድራቤት ዳርጋ ምሉእ ግዜኻ ክንክን ክትህቦ ዝሓትት ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞም ነዚ ፍረ መንፈስ ከም ብሓድሽ ዝመሃርዎ ዘለዉ ኰይኑ ተሰሚዑዎም ኢዩ ። ርግጽ ኢዩ ዋላኳ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እንተኣጋጢሙናውን ፍቕርና ኣብ ስድራቤትና ጥራይ ተደሪቱ ጠጠው ክብል ኣይግብኦን ።
ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስክርነት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ንዓኻ ዘገድሰካ ?
17. ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበሩልና ምብጻሕ ብብሕትና ዝረኸብናዮ ረብሓ እንተ ደኣ ኣልዩ : ሕጂ እንታይ ክንገብር ኢና ክንድረኽ ዝግብኣና ?
17 ሓደ ካብቲ ንብጾትና ደቅሰብ ፍቕርና ከነርእየሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንምስክረሎም ከሎና ኢዩ ። ነዚ የሱስ ክርስቶስ ዝተነበየሉ ዕዮ ሓደ ጉጅለ ህዝቢ ጥራይ ኢዮም ዝገብርዎ ዘለዉ ። (ማርቆስ 13 : 10) እዚኣቶም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ። ነፍሲ ወከፍና ድማ ብብሕትና በዚ ዕዮ ምስክርነት እዚ ተጠቒምና ኢና ። ሕጂ ኸኣ ንኻልኦት ክንሕግዝ መሰልና ኢዩ ። ከምቲ ናይ ኣምላኽ ዝመሰለ ኣረኣእያ እንተደኣ ኣልዩና እዚ ዕዮዚ ኣብ ህይወትና ዓቢ ቦታ ክህልዎ ኢዩ ።
18. ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝተባህለት መጽሓፍ ምንባብና ነቲ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስክርነት እነቕርቦ እጃምና ብኸመይ ክጸልዎ ምኸኣለ ?
18 እቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መልእኽቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ከመይ ኢሉ ኣብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ምድሪ ከም ዝበጽሐ ዝነግር ዝምስጥ ጸብጻብ ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር : ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኸ ዝተባህለት መጽሓፍ ተዘንትዩ ኣሎ ። እንግሊዝኛ ትፈልጥ እንተደኣ ኴንካ ንምንባባ ኣይትስነፍ ። ከተንብባ ከሎኻ ኸኣ : እቶም ውልቀ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምስካር ዝተጠቕሙሉ ኣገባባት ፍሉይ ምስትብሃል ግበረሉ ። ገለ ኣብነቶም ክንቀድሖ ዝግብኣና ኣለዉዶ ? ንኹላትና ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኢዩ ተኸፊቱልና ዘሎ ። እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ጽቡቕ ጌርና ክንጥቀመሉ ዝድርኸና ይግበሮ ።
19. ነቲ ምስ ምፍላጥ እታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ተቋሪኑ ዝኸይድ ሓላፍነት ሐንጐፋይ ኢልና ብምቕባልና ከመይ ኢልና ኢና እንረብሕ ?
19 ከምዚ ገይርና ንህይወትና ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምግባር እንተደኣ ኣውዒልናያ ነቲ ትርጉም ናይ ህይወት እንታይ ኢዩ ? ዝብል ሕቶ መልሱ ክንረኽቦ ኢና ። (ራእይ 4 : 11) ድሕሪ ደጊም ጠምበርበር እንብልን ገለ ዘይብልና ባዶ ወይ ጥራይ ቍጻር ኴንና ኣይንተርፍን ኢና ። ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ብምጽማድ ዝርከብ ዕግበት ንላዕሊ እትሕጐሰሉ ካልእ ተወፋይነት ከተርእየሉ እትኽእል መስርሕ ህይወት የለን ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ መጻኢ ህይወት ዘለዎኸ ኢዩ ! ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዘዕግብ ዘልኣለማዊ ህይወት ክህልወና ኢዩ : ኣብኡ ኸኣ ነቲ ናይ ኣእምሮ ክእለትና ምስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ክፈጥሮም ከሎ ዝነበሮ ፍቕራዊ ዕላማ ብምስምማዕ መሊእና ክንጥቀመሉ ኢና ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ንኣሽቱ ጽሑፋትን ኒው ዮርክ ዝተሓትመት
ከመይ ገይርካ ምመለስካ ?
◻ ሐንቲ ሃይማኖት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይራ ክትቅበሎን ንየሆዋ ከም ሓቀኛ ኣምላኽ ገይራ ከተኽብሮን ዝግብኣ ስለምንታይ ኢዩ ?
◻ ሓቀኛ ሃይማኖት : የሱስ ከም ተበጃዊ መጠን እንታይ ግደ ከም ዘለዎ ኢያ እትምህር ?
◻ ክርስትያናት ስለምንታይ ኢዮም ካብ ዓለም ክፍልዩን ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኣብ ግብሪ ከውዕሉን ዝግብኦም ?
◻ ኣብታ ሓቀኛ ሃይማኖት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስክርነት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ ?
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ጥመቀት ንሓላፍነታት ናይ ሓቀኛ አምልኾ ከም ዝተቐበልካ ዘረድእ ወሳኒ ስጕምቲ ኢዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ምልእቲ ዓለም ገለ 25, 000 ዝኾኑ ነዚ ስጕምቲ እዚ ይወስድዎ ኣለዉ
ሩሲያ
ሰነጋል
ፓፑዋ ኒው ጒነያ
ሕ.ሃ.ኣ.
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ምክፋል ክፍሊ ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢዩ
ሕ.ሃ.ኣ.
ሕ.ሃ.ኣ.
ብራዚል
ሆንግ ኮንግ