ነታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ረኺብካያዶ ኣሎኻ ?
“ኣብ ቅድሚ አምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ ። ” — ያእቆብ 1:27
1, 2. (ሀ) ብኣተሓሳስባ ናይ ብዙሓት ሰባት : ሃይማኖቶም ቅንዕቲ ምዃና ዝውስኖ እንታይ ኢዩ ? (ለ) ንሓንቲ ሃይማኖት ንምፍራዳ ኣርዚንካ ክውሰድ ዘለዎ እንታይ ኢዩ ?
እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘበን : ብዙሓት ሰባት ንሃይማኖት ኣብ ህይወቶም ንእሽቶ ቦታ ጥራይ ብምሃብ ዝዓግብሉ ዘበን ኢዩ ። ኣብ ገለ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ይካፈሉ ይኾኑ : ግናኸ ብዘይምቍራጽ ዝስዕብዎስ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ። መብዛሕትኦም ሰባት ኵለን ሃይማኖታት ግጕያት : እታ ናቶም ግን ቅንዕቲ ከም ዝኾነት ጌሮም እኳ ኣይኣምኑን ኢዮም ። ኣብኡ ኸለዉ ጥራይ ሃይማኖተይ ንዓይ ቅንዕቲ ኢያ ብዝብል ስምዒት ዓጊቦም ይመላለሱ ይኾኑ ።
2 በዚ መሰረት እዚ ንስኻኸ ነታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ረኺብካያዶ ኣሎኻ ? ዝብል ሕቶስ: እትፈትዋ ሃይማኖትዶ ረኺብካ ኣሎኻ ? ማለት ጥራይ ድዩ ዘሰምዕ ? ነቲ እትፈትዎ ዝውስነልካ መን ኢዩ ? ስድራቤትካ ድዮም ? መሓዙትካ ድዮም ወይስ ናይ ብሕትኻ ስምዒታት ? ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ዝምልከት ናይ አምላኽ ኣመለኻኽታ እንታይ ምዃኑ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣርዚንካ እትሓስበሉ ?
ናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ ከመይ ጌርካ ኢኻ ክትፈልጦ ትኽእል ?
3. (ሀ) ኣረኣእያ ናይ ኣምላኽ ክንፈልጥ እንተደአ ኾይኑ : እንታይ ክንረክብ ይግብኣና ? (ለ) ብብሕትና መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ እንኣምነሉ ምኽንያት ንምፍላጥ እንታይ ሕቶታት ኢና ክንሓትት ዝግብኣና ?
3 ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ : እንታይ ከም ዝሓስብ ክንፈልጥ እንተደኣ ኴንና : ካብኡ ገለ መግለጺ ክወሃበና ኣለዎ ። መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ምዃኑ ዝዛረብ ኣዝዩ ጥንታዊ መጽሓፍ ኢዩ ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 16, 17) ግናኸ ብሓቂዶ እዚ መጽሓፍ እዚ ምስ ካልኦት ኵሎም ተነጻጺሩ ንኹሎም ደቅሰብ ዝኸውን መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ ? ነዚ ሕቶዚ ከመይ ጌርካ ምምለሸካሉ ? ስለምንታይከ ? ወለድኻ ወይ ኣዕሩኽካ ከምኡ ዝበለ ኣመለኻኽታ ስለ ዘለዎም ድዩ ? ነቲ መርትዖኸ ባዕልኻዶ መርሚርካዮ ? በዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ መርትዖታት ገይርካሞ ሕጂ ዘይትጅምር ?
4. ብቐሊሉ ክርከብ ብምኽኣሉ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ብዝበልጽ ካብ ኣምላኽ ኢዩ ዘብለና እንታይ ኢዩ ?
4 ብቐሊሉ ክርከብ ምኽኣሉ :- ሓደ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ እሞ ኸኣ ንምሉኣት ስድራቤት ደቅሰብ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ : ንኹሎም ብቐሊሉ ዝርከበሎም ክኸውን ይግባእ ። እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ድዩ ? እስኪ ብዛዕባዚ ዝስዕብ ሕሰብ :- መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ወይ ብኸፊሉ ሕጂ ዳርጋ ብልዕሊ 2, 000 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ ። ብመሰረት እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምዝርጋሕ ኢሉ ዝቖመ ናይ ኣመሪካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበር ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር: እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕተመሎም ዝነበረ ቋንቋታት ዳርጋ ኣብ 98 ካብ ሚእቲ ናይ ህዝቢ ዓለም ከም ዝበጽሕ ገበርዎ ። እቲ ጊንነስ ቡክ ኦቭ ዎልድ ሪኮርድስ ዝተባህለ መጽሓፍ ከም ዝገለጾ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ” ኣብ ዓለም ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ መጽሓፍ ኢዩ ።” ካብ ሓደ ንኹሎም ዓሌታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን ተባሂሉ ብኣምላኽ ዝተዋህበ መልእኽቲ ከምኡ ኢና እንጽበ ። (ምስ ራእይ 14 : 6 ኣነጻጽሮ) ኣብ ዓለም ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ጸብጻብ ዝሓዘ ካልእ መጽሓፍ የለን ።
5. እቲ ታሪኻዊ መሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ወይ ትርጉም ሓዘል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ ?
5 ታሪኻውነት :- ጥንቃቕ ዝመልኦ መርመራ ናይ ዛንታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘብርሆ : ካብቲ ካልእ ቅዱስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፍለየሉ ካልእ መገዲ የብርህ ። መጽሓፍ ቅዱስ ክረጋገጽ ዘይክእል ጽውጽዋይ ዘይኮነስ : ታሪኻዊ ጭብጥታት ዝሓዘ መጽሓፍ ኢዩ ። ኣይዊን ሊንተን ኣብ ቤት ፍርዲ ንሓቅነት ሓደ ነገር ንምርግጋጽ : ናይ ምምርማር ልምዲ ዝነበሮ ጠበቓ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “ናይ ጅግንነትን ፍቕርን ዝገልጽ ዛንታታትን ኣፈታሪኽን ከምኡውን ናይ ሓሶት ምስክርነት : ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣብ ሓደ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታን ኣብ ዘይፍሉጥ ግዜን ከም ዝተፈጸመ ገይሮም ተጠንቂቖም ከቕርብዎ ኸለዉ : . . . እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝትርኾ ግን : ዕለትን ቦታን ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ ብዝለዓለ ልክዕነት ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ ።” (ንኣብነት 1 ነገስት 14:25 ፣ ኢሳይያስ 36:1 ፣ ሉቃስ 3:1, 2 ርአ) ነቶም ካብ ክውንነት ንምህዳም ዘይኮነስ ሓቂ ደልዮም ናብ ሃይማኖት ዝምለሱ ሰባት እዚ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ኣገዳሲ ጉዳይ ኢዩ ።
6. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንሓደ ሰብ ነቲ መዓልታዊ ግድላት ክፈትሕ ዝሕግዞ ? (ለ) በየኖት ሰለስተ መገድታት ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ነቲ ዘጋጥሞ ተሪር ኵነታት ንኽዋጽኣሉ ዝሕግዞ ?
6 ተግባራውነት :- እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብርዝነት ዝምርምርዋ ሰባት እቲ ኣብኡ ዘሎ ትእዛዛትን ስርዓታትን ንምምዝማዞም ተባሂሉ ዝተዳለወ ከም ዘይኮነ ብዝቐልጠፈ ግዜ ይግንዘብዎ ኢዮም ። ኣብ ክንድኡስ እዚ ትእዛዛትን ስርዓታትን እዚ ነቶም ጠቢቖም ዝስዕብዎ ረብሓታት ዘምጽኣሎም መገዲ ህይወት ከም ዝኾነ ኢዩ ዝሕብር ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) እቲ ነቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ሰባት ዝህቦ መጸናንዒ ኣብ ባዶ ዝኾነ ፍልስፍናታት ዝተመርኮሰ ጓንጓ ኣይኮነን ። ኣብ ክንድኡስ ንሰባት ነቲ ኣብ ህይወቶም ዘጋጥሞም ተሪር ኵነታት ንኽዋጽኡሉ ዝሕግዞም ኢዩ ። ብኸመይ ? ብሰለስተ መገድታት :- (1) ንሽግራት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ጥቅው ምኽሪ ብምሃብ (2) ነቲ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ሕጂ ዝህቦም ዘሎ ፍቕራዊ ደገፍ ከመይ ጌርካ ከም እትቕበል ብምግላጽን (3) ብዛዕባ እቲ አምላኽ ነቶም ዘገልግልዎ ዓቊሩሎም ዘሎ ዘደንቕ መጻኢ ህይወት ብምግላጽን : ኣብቲ ተስፋታቱ እምንቶ ክገብሩ ዝሕግዞም ብቑዕ ምኽንያታት ብምሃብን ።
7. (ሀ) ካብቲ ኣብ እግሪ ተጻሒፉ ዘሎ ጥቕስታት ጌርካ : ንሓደ ካብቶም ሎሚ ንሰባት ዘሸግርዎም ዘለዉ ዓበይቲ ጉዳያት ጠቒስካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ እንታይ ምዃኑ ግለጽ ። (ለ) ነቲ ዘዋጥር ኵነታት ክንዋጽኣሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ከመይ ገይሩ ከም ዘዕቍበና ወይ ከም ዝድግፈና ኣርኢ ።
7 ሽሕኳ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ መብዝሕትኡ ግዜ ኣብቶም ንስልጣን ዝነጽጉን ደድሕሪ ተድላ ዝስዕቡን ሰባት ተቐባልነት እንተዘይብሉ : ብዙሓት ሰባት : ከምዚ ዝመሰለ ህይወት ናይ ሓቂ ሓጐስ ከምጽኣሎም ከም ዘይከኣለ ክግንዘብዎ ክኢሎም ኢዮም ። (ገላትያ 6 : 7, 8) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥንሲ ምስዳድ : ፍትሕን ግብረ ሶዶምን ዝምልከት ሕቶታት ብቐጥታ ኢዩ መልሲ ዝህበሉ ። እቲ ናቱ ምኽሪ ካብ ንዕጽዋትን ንኣልኮላዊ መስተን ብዘይ ግቡእ ምዝውታር ከምኡውን ብዝተበከለ ደምን ብጾታዊ ዝርገት ምኽንያት ዝመጽእ ሕማም ኤይድስ ካብ ምልካፍ የዕቍበና ኢዩ ። ከመይ ጌርና ሕጉስ ስድራቤት ክንሃንጽ ከም እንኽእል ይሕብረና ። ንሓደ ሰብ ነቲ አብ ህይወቱ ዘጋጥሞ ኣዝዩ ዘዋጥር ኵነታት ከም ብቐረባ ኣባላት ስድራቤትካ ዝተነጸግካ ምዃን : ከቢድ ሕማም ከምኡውን ሞት ናይ ፍቑርካ ዝኣመሰሉ ጸገማት ንኽዋጽኣሎም ዝሕግዞ መልስታት የዳሉ ኢዩ ። ናብራና ኣብ ክንዲ ሃለውለው ትርጉም ዝመልአ ምእንቲ ክኸውን : ነቲ ኣብ ህይወትና ከነቐድሞ ዝግብኣና ነገራት ከነስተውዕል ይሕግዘና ኢዩ ።a
8, 9. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ከም እተጻሕፈ እንታይ ትንቢት ኢዩ ብብሕትኻ ዝምስጠካ ? (ለ) ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንጮም እንታይ መረጋገጺ ይህቡ ?
8 ትንቢት :- መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ብምዃኑ አብ መጻኢ ግዜ እንታይ ክፍጸም ከም ዘለዎ እሞ ነዚ ኸኣ ሓደ ብሓደ ብዝርዝር ዝነግር መጽሓፍ ስለ ዝኾነ ብርቂ ወይ ፍሉይ መጽሓፍ ኢዩ ። ብዛዕባ ጥፍኣት ናይ ጥንታዊት ጢሮስ : ውድቀት ናይ ባቢሎን : ብዛዕባ ካልኣይ ምህናጽ ናይ የሩሳሌም : ብዛዕባ ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ ነገስታት ሜዶ – ፋርስን ግሪኽን ከምኡውን ኣብ ህይወት የሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ብዙሕ ፍጻሜታትን ተነብዩ ነይሩ ። ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ዘበን እዚ ዝተፈጸሙ ናይ ዓለም ኵነታት ብዝርዝር ተነብዩ ኢዩ : እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎም ድማ ይገልጽ ። እቲ ንሰብኣውያን ገዛእቲ ዓብሊሉዎም ዘሎ ግድላት ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ይገልጽ : እቲ ንደቅሰብ ነባሪ ሰላምን ሓቀኛ ደሓንን ከምጽኣሎም ዝኽእል ገዛኢ ድማ መን ከም ዝኾነ ይገልጾ ኢዩ ።b — ኢሳይያስ 9:6, 7 ፣ 11:1–5 ፣ 53:4–6
9 እቲ ዘገርም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ብልክዕ ገይርካ ናይ ምንባይ ክእለት ናይ ኣምላኽነት መምዘኒ ከም ዝኾነ ኢዩ ዝገልጽ ። (ኢሳይያስ 41 : 1 –46 : 13) እቲ ነዚ ክገብሮ ዝኽእል : ወይ ከኣ እቲ ንኻልኦት ብመንፈሱ ገይሩ ከም ዝገብርዎ ክገብር ዝኽእል ሓደ ዘይጠቅም ህይወት ዘይብሉ ጣኦት ኣይኮነን ። ወይውን ሓደ ብመንፈሳዊ ነገራት ዝግደስ ሰብ ኣይኮነን ። ንሱስ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ኢዩ : እቲ ነዚ ትንቢት እዚ ሒዙ ዘሎ መጽሓፍ ከኣ ቃሉ ኢዩ ። — 1 ተሰሎንቄ 2:13
መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕዙ ኵሎም ቅኑዕ ሃይማኖትዶ ይምህሩ ኣለዉ ?
10, 11. የሱስ ገሊጽዎ ከም ዘሎ : ሓደ ቀሺ ንመጽሓፍ ቅዱስኳ ይጥቀመሉ እንተኾነ : እታ ንሱ ዝጣበቐላ ሃይማኖት ብላሽ ክትከውን እትኽእል ከመይ ኢላ ኢያ ?
10 እሞኸ : ኵለን እተን ንመጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀመሉ ኢና ኢለን ዝንየታ ሃይማኖታውያን ጉጅለታትሲ ሓቀኛ ሃይሞኖት ይምህራ እየን ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ ድዩ ? ኵሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕዝ ዘበለ ወይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቅስ ዘበለ ሰብሲ ቅንዕቲ ሃይማኖት ሒዙ ኣሎ ማለት ድዩ ?
11 ብዙሓት ካብቶም ቤተክህነት : ሽሕ’ኳ መጽሓፍ ቅዱስ እንተለዎም ንሃይማኖት ንኽብረት ርእሶም ኢዮም ዝጥቀሙሉ ። ንሳቶም ነቲ ጽሩይ ሓቅታት ምስ ባህልታትን ምስ ናይ ሰብ ፍልስፍናታትን ኢዮም ዝብርዝዎ ። ኣምልኾኦም ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ድዩ ? ነቶም ኣብ ቀደማይ ክፍለ ዘመን ኣብ የሩሰሌም ልክዕ ከምኡ ዝገብሩ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት : የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣምላኽ ብነቢዪ ኢሳይያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቃላት ኣብኦም ብምውዓል ከምዚ በለ ። “እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ : ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ : ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሃሩ ንኸንቱ የምልኹኒ ።” (ማቴዎስ 15 : 8, 9 ፣ 23 : 5 – 10) ከምዚ ዓይነት ሃይማኖት ሓቀኛ ሃይማኖት ከም ዘይኮነ ብሩህ ኢዩ ።
12, 13. (ሀ) እቲ ጠባይ ናይቶም ኣባላት ቤተ ክርስትያን ንሓደ ሰብ እቲ ናታቶም ሃይማኖት ቅኑዕ እንተኾይኑን እንተዘይኰይኑን ንኽፈልጥ ከመይ ገይሩ ክሕግዞ ይኽእል ? (ለ) ምስቶም ንሱ ዝነጽጎም ክንሓብር እንተደኣ መሪጽና ኣምላኽ ንኣምልኾና ብኸመይ ይምልከቶ ? (2 ዜና መዋእል 19 : 2)
12 እሞኸ : እቲ ገለ ሃይማኖታት ዝምህርኦ ትምህርቲ ዘፍርዮ ፍረ ኣብ ናብራ ናይቶም ጽቡቕ ኣቕዋም ኣለዎም ዝበሃሉ ኣባላተን ከም ዝግለጽ ሙሽሙሽ ኰይኑ ምስ ዝርከብከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ ? የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቖ :- “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ . . . ብፍሬኦም ከተለልይዎም ኢኹም . . . ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ : ክፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ ።” (ማቴዎስ 7 : 15 – 17) ሓቂ ኢዩ ውልቀ ሳባት ጌጋ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም : ክእረሙ ከድልዮም ድማ ግድን ኢዩ ። ይኹን እምበር ኣባላት ቤተ ክርስትያን ዋላ ኣቕሽሽቲ ከይተረፉ ኣብ ምንዝር : ዝሙት : ባእሲ : ስኽራን : ስስዐ : ሓሶት : ጥንቆላ : ኣምልኾ ጣኦታት : ብሒደት ወይ ብብዙሕ ጥሒሎም ክመላለሱ ኸለዉ ተግሳጽ እንተደኣ ዘይተዋሂቦም እቶም ኣብዚ መገድዚ እዚ ዝቕጽሉ ኸኣ ካብታ ጉባኤ እንተዘይተወጊዶም እቲ ኹነታት ፍልይ ዝበለ ኢዩ ማለት ኢዩ ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዘዘውትሩ ሰባት ካብ ጉባኤ ክስጐጉ ከም ዝግብኦም መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ኢዩ ዝዛረብ : ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ቦታ ኣይክህልዎምን ኢዩ ። (ገላትያ 5 : 19 – 21) ኣምልኾኦም ንኣምላኽ ኣየሐጕሶን ኢዩ : ንሕናውን ነቶም ንሱ ዝነጽጐም መሓዙትና ንገብር እንተ ኴንና ኣምልኾና ንኣምላኽ ኣይከሐጕሶን ኢዩ ። — 1 ቈረንቶስ 5:11–13፣ 6:9, 10፣ ራእይ 21 : 8
13 ኵለን ንመጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀመሉ ኢና ዝብላ ጉጅለታት ነቲ ንሱ ዝገልጾ ሓቀኛ ሃይማኖት ከም ዘየዘውትራ ግሉጽ ኢዩ ። እሞ : መጽሓፍ ቅዱስ መለለዪ ምልክት ናይ ሓቀኛ ሃይማኖት ኢሉ ዝገልጾ ነገራት ደኣ እንታይ ኢዩ ?
ናይታ ሓቀኛ ሃይማኖት መለለዪ ምልክት
14. (ሀ) ኵሉ እቲ ናይታ ሓቀኛ ሃይማኖት ትምህርትታት ኣብ ምንታይ ዝተመስረት ኢዩ ? (ለ) እቲ ህዝበ ክርስትያን ብዛዕባ ኣምላኽን ነፍስን እትምህሮ ትምህርትታት : ከመይ ኢሉ ኢዩ ነዚ ፈተና’ዚ ብዓወት ክዘልቆ ዝኽእል ?
14 እቲ ትምህርትታታ ኣደልዲሉ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ዝተመስረተ ኢዩ ። “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ : ንተግሳጽ : ንምቕናዕ : ይጠቅም ኢዩ ።” (2 ጢሞቴዎስ 3 : 16) ኣበይ ደኣ ኢዩ እሞ እቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ስላሴ ናይ ህዝበ ክርስትያን ዝዛረብ ? ኣበይከ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ኣቕሽሽቲ ዝምህርዎ ደቂ ሰብ ምስ ሞቱ ካብቲ ሰጋዊ ኣካሎም ተፈልያ ብህይወት እትተርፍ ነፍሲ ኣላቶም ኢሉ ዝምህር ? ነዚ ትምህርትታት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ከርእየካስ ንቐሺ ሓቲትካዶ ትፈልጥ ? እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ዝተባህለ መጽሓፍ ከምዚ ይብል :- “እቲ ስላሴ ዝብል ቃል ይኹን ፣ እቲ ትምህርቲ ስላሴ ተነጺሩ ኣብ ሓድሽ ኪዳን የለን ።” እቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፐድያ ዝተባህለ መጽሓፍ ከኣ ከምዚ ኢሉ ይእመን :- “ኣብቶም ሃዋርያዊ ኣቦታት ከምዚ ዝመሰለ ኣተሓሳስባ ወይ ግምት ፈጺሙ ኣብ ኣእምሮኦም ኣይቀርብን ኢዩ ነይሩ ።” እቲ ህዝበ ክርስትያን ነፍሲ : ሰብ ምስ ሞተ ካብኡ ተፈልያ ብህይወት ትተርፍ ኢያ ኢላ እትምህሮ ትምህርቲ : ናይ ቤተ ክርስትያን ምሁራት ነቲ ስነ ሓሳብ ካብ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ዝተለቅሕዎ ከም ዝኾነ የእመኑሉ ኢዮም ። ይኹን እምበር ሓቀኛ ሃይማኖትሲ ናይ ሰብ ፍልስፍና ምእንቲ ከተኽብር ኢላ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ሸለል ኣይትብሎን ኢያ ። — ዘፍጥረት 2 : 7 ፣ ዘዳግም 6 : 4 ፣ ህዝቅኤል 18 : 4 ፣ ዮሃንስ 14 : 28
15. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ በይኑ ክምለኽ ዝግብኦ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ ? (ለ) እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ብዛዕባ ኣብ የሆዋ ኣጸቢቕካ ምቕራብ ከመይ ይስምዖም ?
15 እታ ሓቀኛ ሃይማኖት : ንኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝኾነ የሆዋ : ኢያ እትጣበቕ ። (ዘዳግም 4 : 35 ፣ ዮሃንስ 17 : 3) የሱስ ክርስቶስ ንዘዳግም 5 : 9 ኣሕጽር ኣቢሉ ክዛረበሉ ኸሎ ኣጽኒዑ ከምዚ በለ :- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ : ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ ።” (ማቴዎስ 4 : 10) ምስዚ ብምስምማዕ የሱስ ስም ኣቡኡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣፍለጦም ። (ዮሃንስ 17 : 26) ሃይማኖትካ ንየሆዋ ከተምልኾ ምሂራትካዶ ? ነቲ በዛ ስም እዚአ ተጸዊዑ ዘሎ : ተኣማሚንካ ናብኡ ክትቀርብሲ : ዕላምኡ : ዕዮታቱ : ባህርያቱዶ ፈሊጥካዮ ኣሎኻ ? እታ ናትካ ሃይማኖት ሓቂ አንተደኣ ኾይና : እቲ መልሲ እወ ኢዩ ። — ሉቃስ 10 : 22 ፣ 1 ዮሃንስ 5:14
16. ነቶም ኣብቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ዝጽመዱ : ብክርስቶስ ምእማን ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ?
16 ሓደ ካብቲ ንኣምላኽ ዘሐጉሶ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ኣምልኾ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ እምነት ምግባር ኢዩ ። (ዮሃንስ 3 : 16 ፣ ግብሪ ሃዋርያት 4 : 12) እዚ ግን ይነብር ከም ዝነበረ ወይ ጸብለል ዝበለ ሰብ ከም ዝነበረ ምእማን ጥራይ ማለት ኣይኮነን ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክብሪ መስዋእቲ ናይ የሱስ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ዝምህሮ ትምህርቲ ብሞሳ ምቕባልን ነቲ ሎሚ ከም ሰማያዊ ንጉስ ሒዝዎ ዘሎ ስልጣን ከኣ ኣፍልጦ ምሃብ ዘጠቓለለ ኢዩ ። (መዝሙር 2 : 6 – 8 ፣ ዮሃንስ 3 : 16 ፣ ራእይ 12 : 10) ምስቶም ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ዘዘውትሩ ሰባት እንተደኣ ሓቢርካ ኣሊኻ : ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንየሱስ ክእዘዝዎን ኣብነቱ ክቐድሑን ኣብቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመዘዞም ዕዮ ኸኣ ብብሕትን ብቕንእን ክካፈሉ ጻዕሪ ከም ዝገብሩ ትፈልጥ ኢኻ ። (ማቴዎስ 28 : 19, 20 ፣ ዮሃንስ 15 : 14 ፣ 1 ጴጥሮስ 2 : 21) እቶም ብኣምልኾ ሓቢርካዮም ዘሎኻ ሰባት ከምዚ ዘይገብሩ እንተደኣ ኾይኖም : ኣብ ካልእ ክትደሊ ከድልየካ ኢዩ ።
17. ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ብዓለም ከይመራኸሱ ዝጥንቀቑ ስለምንታይ ኢዮም ? እዚኸ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ ?
17 ሓቀኛ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካን ኣብ ዓለማዊ ግጭታትን ጣልቃ ብምእታው ዝተመራስሐት ኣይኮነትን ። (ያእቆብ 1 : 27) ስለምንታይ ? ምኽንያቱ የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ : “ከምቲ አነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩ : ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ኢሉ ኣሎ ። (ዮሃንስ 17 : 16) የሱስ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጦብሎቕ ኣይበለን : ንሰዓብቱ ድማ ኣብ ስጋዊ ኣጽዋር ውግእ ከይምርኮሱ ከልኪልዎም ኢዩ ። (ማቴዎስ 26 : 52) እቶም ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ብልቦም ዘቕልብሉ ‘ውግእ ኣይመሃሩን እዮም ።’ (ኢሳይያስ 2 : 2 – 4) እታ ንስሙውን ይኹን ንስኻ እትሓብራ ሃይማኖት ነዚ መግለጺ እዚ ዘይትበቕዖ እንተደኣ ኰይና ምስኣ ዝነበረካ ሕብረት እተቋርጸሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ ። — ያእቆብ 4 : 4 ፣ ራእይ 18 : 4, 5
18. (ሀ) ዮሃንስ 13:35 ጕሉሕ ዝኾነ መለለዪ ናይታ ሓቀኛ ሃይማኖት እንታይ ከም ዝኾነ ኢዩ ዝገልጽ ? (ለ) ዮሃንስ 13:15 ብልክዕ ኣበየኖት ጉጅለ ከም ዝውዕል ንኽፈልጥ ንሓደ ሰብ ከመይ ጌርካ ምሓገዝካዮ ?
18 እታ ሓቀኛ ሃይማኖት ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኢያ እትምህርን ኣብ ግብሪ እተውዕልን ። (ዮሃንስ 13 : 35 ፣ 1 ዮሃንስ 3:10–12) ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ ኣብ ግዜ ስብከት ጥራይ ተዘሪቡላ ትተርፍ ኣይኮነትን ። ካብ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ቍጠባዊ ጉጅለታትን ኵሎም ቋንቋታትን ኵሎም ሃገራትን ንዝመጹ ሰባት ብሓቀኛ ሕውነት ገይራ እተቀራርብ ፍቕሪ ኢያ ። (ራእይ 7 : 9, 10) ነቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ካብታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም ትፈልዮም ኢያ ። ክሳዕ ሕጂ ዘይገበርካዮ እንተኴንካ ኣብቲ መሰኻኽር የሆዋ ዝእከብዎ ኣደራሽ መንግስቲ ከምኡውን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትቶም ተኻፈል ። ኣደራሽ መንግስቲ ክሃንጹ ኸለዉ ዘርእይዎ ሕብርትውን ተዓዘብ ። ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡን (እንተላይ መበለታት) ንመንእሰያትን (ነቶም ሓደ ወላዲ ጥራይ ዘለዎም ወይ ብዘይ ወላዲ ዝተረፉ) ከመይ ገይሮም ብለውሃት ከም ዝሕዝዎም ተዓዘብ ። (ያእቆብ 1 : 27) ነቲ ዝተዓዘብካዮ ምስቲ ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ዝርኤኻዮ ኣነጻጽጽሮ ። ብድሕሪኡ ንርእስኻ መን ኢዮም ብሓቀኛ ሃይማኖት ዝመላለሱ ዘለዉ ?” ኢልካ ሕተት ።
19. (ሀ) እታ ሓቀኛ ሃይማኖት ንናይ ደቅሰብ ግድላት መፍትሒ ኢዩ ኢላ እትጣበቐሉ እንታይ ኢዩ ? (ለ) እቶም ኣባላት ናይቶም ሓቀኛ ሃይማኖት ሒዞም ዘለዉ ጉጅለ ሕጂ እንታይ ክገብሩ ይግብኦም ?
19 እታ ሓቀኛ ሃይማኖት : መንግስቲ ኣምላኽ እታ ንግድላት ደቅሰብ ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ ከምዝኾነት ትጣበቕ ኢያ ። (ዳንኤል 2 : 44 ፣ 7 : 13, 14 ፣ 2 ጴጥሮስ 3 : 13 ፣ ራእይ 21 : 4, 5) ካብ ናይ ህዝበ ክርስትያን : ኣብያተ ክርስትያን ከምዚ ትገብር ኣላዶ ? ቀሺ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንሳ እትፍጽሞ ነገራትን ብጥቕሲ ገይሩ ክዛረብ ዝሰማዕካዮ ናይ መወዳእታ መዓልቲ አየነይቲ ኢያ ? እታ ዘሎኻያ ማሕበር ንካልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክትዛረቦም ተተባብዓካዶ ? ከምኡ እንተ ደኣ ኾይኑ ብምሉኣቶም እቶም ኣባላት ኣብዚ ዕዮዚ ይሳተፉዶ ? የሱስ ከምዚ ዝመሰለ ምስክርነት ይፍጽም ነይሩ ኢዩ : እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱውን ይምስክሩ ነይሮም ኢዮም ። ንስኻውን ኣብዚ ዕዮ እዚ ናይ ምክፋል መሰል ክህልወካ ይኽእል ኢዩ ። እቲ ሎሚ ኣብ ገጽ ምድሪ ዝዕየ ዘሎ ኣዝዩ ዝዓበየ ዕዮ ንሱ ኢዩ ። — ማቴዎስ 24 : 14
20. ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ኣብ ርእሲ ምልላይና እንታይ ክንገብር ይግብኣና ?
20 ሽሕኳ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ሃይማኖታት እንተኣለዋ : መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዘደናግር ነገር ብዝቐልጠፈ ግዜ ጸራሪግና ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ከነለልያ ይሕግዘና ኢዩ ። ግን ካብ ምልላይ ንላዕሊ ክንገብሮ ዝግብኣና ኣሎ ። ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኣዝዩ ተደላዪ ኢዩ ። እዚውን እንታይ ከም ዘጠቓልል ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብሰፊሑ ክግለጽ ኢዩ ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ጥንሲ ምስዳድ :- ግብሪ ሃዋርያት 17 : 28 ፣ መዝሙር 139 : 1, 16 ፣ ዘጸኣት 21 : 22, 23 ። ፍትሕ :- ማቴዎስ 19 : 8, 9 ፣ ሮሜ 7:2, 3 ። ግብረ ሰዶም :- ሮሜ 1 : 24 – 27 ፣ 1 ቈረንቶስ 6 : 9 – 11 ። ዕጽዋትን ኣልኮላዊ መስተ ብዘይግቡእ ምዝውታርን :- 2 ቈረንቶስ 7 : 1 ፣ ሉቃስ 10 : 25 – 27 ፣ ምሳሌ 23 : 20, 21 ፣ ገላትያ 5 : 19 – 21 ። ደምን ዝርገትን :- ግብሪ ሃዋርያት 15 : 28, 29 ፣ ምሳሌ 5 : 15 – 23 ፣ ኤርምያስ 5 : 7 – 9 ። ስድራቤት :- ኤፌሶን 5 : 22 – 6 : 4 ፣ ቈሎሴ 3:18–21 ። ምንጻግ (ምእባይ) :- መዝሙር 27:10 ፣ ሚልክያስ 2:13–16 ፣ ሮሜ 8:35–39 ። ሕማም :- ራእይ 21:4, 5 ፣ 22:1, 2 ፣ ቲቶስ 1:2 ፣ መዝሙር 23:1–4 ። ሞት :- ኢሳይያስ 25:8 ፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ። ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራት :- ማቴዎስ 6:19–34 ፣ ሉቃስ 12:16–21 ፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6–12
b ገለ ኣብነታት ናይዞም ትንቢታት እዚኣቶምን ፍጻሜኦምን እንተደሊኻ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ናይ ሰብ ? እትብል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 117–61 ከምኡውን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትብል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 60 – 2, 225 – 32, 234 – 40 ተመልከት ። ክልቲአን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣሽቱ ጽሑፋትን ኒውዮርክ ዝተሓትማ እየን ።
ከመይ ጌርካ ምመለሽካ ?
◻ ነታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ንምልላይ ናይ መን ኣረኣእያ ኢዩ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ?
◻ እንታይ ኣርባዕተ ጭብጥታት እየን መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጻ ?
◻ ኵለን እተን መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕዛ ሃይማኖታት ኣብ ኣምላኽ ቅቡላት ዘይኮና ስለምንታይ እየን ?
◻ ናይታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ሽዱሽተ መለለዪ ምልክታት እንታይ ኢየን ?
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር . . .
◆ ኵሉ ትምህርቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረት ኢዩ
◆ ንየሆዋ ነቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ የምልኹ
◆ ምስቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ተሰማሚዖም ይመላለሱ
◆ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ዓለማዊ ግጭታትን ኢዶም ኣየእትዉን ኢዮም
◆ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ከንጸባርቑ ይጋደሉ
◆ መንግስቲ ኣምላኽ ንግድላት ደቅሰብ ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ ምዃና ይጣበቑላ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ — ንኹሎም ደቅሰብ ዝኸውን መልእኽቲ ኣምላኽ ከም ዝሓዘ እንታይ ይሕብር ?