ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ የሐጕስኦዶ ኢየን፧
ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ዘሐጕስኦዶ ይመስለካ፧ ምናልባት ንስኻ እትፈልጦ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣምልኾ እንተወሓደ ብገለ መገዲ ጽቡቕ ጠባይ ንኽህሉ የተባብዕ ይኸውን። እዚ ግን ንኣምላኽ ንምሕጓስ እኹል ድዩ፧
ገለ ሰባት ‘ኣብ ኣምልኾኻ ቅኑዕ ጥራይ ኵን እምበር: ኣምላኽ ክሕጐስ ኢዩ። ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ጽቡቕ ነገር ኣሎ’ ይብሉ ይዀኑ። ንኣብነት: ናይ ባሃኢ እምነት ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኢዩ ዘለዎ: ነተን ትሽዓተ ቀንዲ ናይ ዓለም ሃይማኖታት ኣብ እምነቱ ክሳዕ ምቕባልውን በጺሑ ኢዩ። እዚ ሃይማኖታዊ ጕጅለ እዚ: ኵለን እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን መለኮታዊ መበቈል ኢዩ ዘለወን: ናይ ሓንቲ ሓቂ ክፍልታት ከኣ ኢየን: ዝብል እምነት ኣለዎ። እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
ብተወሳኺ: ሓንቲ ሃይማኖት ንኣባላታ: ኣብቲ ሰባት ብብዝሒ ዝርከበሉ ከባቢታት ነቲ ከም ዘይተተንፍስ ብምግባር ብዙሓት ሰባት ክቐትል ዝኽእል ጋዝ ከጻውዱ ትእዝዝ እንተድኣ ኰይና ከመይ ገይራ ድኣ ኢያ ንኣምላኽ ከተሐጕሶ እትኽእል: ኢልካ ክትውከስ ምኽንያት ኣሎካ። እዚ ክሲ እዚ ኣንጻር ሓንቲ ኣብ ጃፓን እትርከብ ሃይማኖታዊት ጉጅለ ዝቐረበ ኢዩ። ወይስ ኣምላኽ ብሓንቲ ንኣባላታ ርእሰ-ቕትለት ከም ዝፍጽሙ እትገብር ሃይማኖት ይሕጐስዶ ኢዩ፧ እዚ: ሒደት ዓመታት ይገብር ንሰዓብቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ጂም ጆንስ ዘጋጠመ ኢዩ።
ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንጥምት: ሃይማኖታት ከምቲ ካብ 1618 ክሳዕ 1648 እተገብረ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ ዝኣመሰለ ኲናት ዘተባብዓ እንተድኣ ኰይነን ንኣምላኽ ከሐጕስኦዶ ይኽእላ ኢየን፧ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ብመሰረት ዘ ዩኒቨርሳል ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ (እንግሊዝኛ) እተባህለ መጽሓፍ: እቲ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ዝነበረ ውግእ “ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ኣውሮጳ እተገበረ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ውግኣት” ኢዩ ነይሩ።
እቲ ካብ መበል 11 ክሳዕ 13 ክፍለ-ዘበን እተኻየደ ሃይማኖታዊ ውግእ መሰቀላውያን እውን ዘስካሕክሕ ምፍሳስ ደም ኢዩ ኣስዒቡ። ንኣብነት: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ውግእ መስቀላውያን: እቶም ክርስትያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ መስቀላውያን: ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ኣስላምን ኣይሁድን ብጭከና ሓሪዶምዎም ኢዮም።
እቲ ኣብ መበል 13 ክፍለ-ዘበን ዝጀመረ: ን600 ዓመታት ከኣ ዝቐጸለ: ካቶሊክ ኣብ ልዕሊ መናፍቓን ዘውርድዎ ዝነበሩ ዘሰቅቕ ናይ ሞት ፍርዲ እስከ ርአ። ብትእዛዝ ሃይማኖታውያን መራሕቲ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክሳዕ ሞት ተሳቕዮምን ተቓጺሎምን ኢዮም። ኣብታ ቪካርስ ኦቭ ክራይስት— ዘ ዳርክ ሳይድ ኦቭ ዘ ፓፓሲ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ: ፒተር ደ ሮዛ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቶም ብስም ጳጳስ [ኣብ ልዕሊ መናፍቓን ዘሰቅቕ ናይ ሞት ፍርዲ ዘውርዱ ዝነበሩ ሰባት] ነቲ ኣብ ታሪኽ [ሰብኣዊ] ዓሌት እተራእየ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወድሰብ እዱብ ጠባያት ዝወርድዎ ዝነበሩ ባርባራውን ኣዝዩ ሕሱም ተግባራትን ተሓተቲ ኢዮም ነይሮም።” ብዛዕባ እቲ ኣባል ማሕበር ዶመኒካ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ መናፍቓን ድማ ዘሰቅቕ ናይ ሞት ፍርዲ ዘውረደ ቶርኲማዳ እተባህለ ወዲ ስጳኛ: ደ ሮዛ ከምዚ ይብል:- “ብ1483 ምስ ተሾመ: ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ብጭቆና ገዚኡ ኢዩ። ግዳያቱ ልዕሊ 114,000 ዝዀኑ ኢዮም ነይሮም: ካብኣቶም ከኣ 10,220 ብሓዊ ተቓጸሉ።”
ናይ ደም ገበነኛታት ዝዀና ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት ጥራይ ከም ዘይኰና ፍሉጥ ኢዩ። ፈረንሳዊ ፈላስፋ ብላዝ ፓስካል ኣብታ ፖንሳ (ቋንቋ ፈረንሳ) እተባህለት መጽሓፉ ከምዚ በለ:- “ሰባት ንሓደ ሕማቕ ነገር ምሉእ ብምሉእን ብሓጐስን ዝገብርዎ: ከምቲ ብሃይማኖታዊ እምነት ክደፋፍኡ ከለዉ ኣይኰነን።”
ብፍሪኦም እተለለዩ
ብኣረኣእያ ኣምላኽ ሓንቲ ሃይማኖት ተቐባልነት ክትርከብ እትኽእል ብሓደ ረቛሒ ጥራይ ኣይኰነትን። ሓንቲ ሃይማኖት ብእኡ ተቐባልነት ምእንቲ ክትረክብ: እቲ እትምህሮ ትምህርትን ንጥፈታታን ምስቲ ሓቂ ዝሓዘ እተጻሕፈ ቃሉ: ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። (መዝሙር 119:160፣ ዮሃንስ 17:17) እቲ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎ ኣምልኾ ዘፍርዮ ፍረ ምስ ስርዓታት የሆዋ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ።
የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ብሓሶት ንኣምላኽ ንውክሎ ኢና ዝብሉ ነብያት ክህልዉ ምዃኖም ኣመልኪቱ ኣሎ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ: ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ: ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም። ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ ይቕንጠብ: ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ: ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ: ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” (ማቴዎስ 7:15-20) እዘን ቃላት እዚኣተን ብመንፈሳዊ መገዲ ንቑሓት ክንከውን ከም ዘሎና ኢየን ዝሕብራ። ሓደ ሃይማኖታዊ መራሒ ወይ ከኣ ጕጅለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ክርስቶስን ተቐባልነት ኣለዎ ኢልና ንሓስብ ንኸውን: ግናኸ ተጋጊና ክንከውን ንኽእል ኢና።
ምጥንቃቕ ዘድልየሉ ምኽንያት
ሽሕ’ኳ ሓንቲ ሃይማኖት ስምረት ኣምላኽ ኣሎኒ ትብል እንተዀነት: ኣባላታ ድማ ገለ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብቡ እንተዀኑ: በዚ ጥራይ ንኣምላኽ ዘሐጕስ ዓይነት ኣምልኾ ኣለዋ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። መራሕታ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ይዓዪ ከም ዘሎ ዘምስሎም መሳጢ ነገራት እውን ከይተረፈ ይገብሩ ይዀኑ። ይኹን እምበር: እታ ሃይማኖት እቲኣ: ኣምላኽ ዝቕበሎ ፍረ ዘይትፈሪ: ናይ ሓሶት ክትከውን ትኽእል ኢያ። ኣብ ግዜ ሙሴ ዝነበሩ ናይ ጥንቁልና ተግባራት ዝገብሩ ግብጻውያን ካህናት መሳጢ ዝዀነ ነገራት ክገብሩ ክኢሎም ኢዮም: ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይነበሮም ግን እተረጋገጸ ኢዩ።—ዘጸኣት 7:8-22
ሎሚውን ከምቲ ዝሓለፈ: ብዙሓት ሃይማኖታት ኣብ ክንዲ ነቲ ኣምላኽ ዝብሎ ሓቂ ዝሕልዋ ንሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናታትን ኢየን ክብ ዘብላ። ስለዚ እምበኣር እቲ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጠንቀቕታ ብፍላይ ዝሰማማዕ ኢዩ።—ቈሎሴ 2:8
የሱስ ብዛዕባ ሕማቕን ጽቡቕን ፍረ ምስ ተዛ ረበ ከምዚ በለ:- “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት: ጐይታይ: ጐይታይ: ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ: ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ: ክብሎም እየ።”—ማቴዎስ 7:21-23
ነቲ ፍረ መርምሮ
እምበኣር ሓንቲ ሃይማኖት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዋ ኢልና ቅድሚ ምድምዳምና ፍሪኣ ክንምርምሮ ኣድላዪ ምዃኑ: ንጹር ኢዩ። ንኣብነት: እታ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኢዳ ተእቱ ድያ፧ እስከ እምበኣር: ነዘን ኣብ ያእቆብ 4:4 ተመዝጊበን ዘለዎ ቃላት ኣስተብህለለን:- “ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።” ብተወሳኺ የሱስ ብዛዕባ እቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:16) እታ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅንዕቲ ዝዀነት ሃይማኖት: ኣብ ፖለቲካ ናይዛ “በቲ እኩይ” ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር: ሰይጣን ድያብሎስ: ‘ተታሒዛ ዘላ’ ዓለም ኢዳ ኣይተእቱን ኢያ። (1 ዮሃንስ 5:19) ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ: እታ ኣምላኽ ዝሰምራ ሃይማኖት: ነታ ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ትጣበቐላ: ብዛዕባ እታ ሰማያዊት ምምሕዳር እቲኣ ድማ ብስራት ትእውጅ ኢያ።—ማርቆስ 13:10
ሓንቲ ሃይማኖት: ኣንጻር መንግስቲ ንዝግበር ኣድማ ትድግፍ እንተድኣ ኰይና ብኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዋዶ ኢዩ፧ ነቲ “ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ: ንመራሕቶም ኪእዘዙ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ . . . ኣዘክሮም” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ እንተድኣ ስዒብናዮ እቲ መልሲ ንጹር ኢዩ። (ቲቶስ 3:1, 2 Text adjusted) እወ የሱስውን ሰዓብቱ ‘ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ክህቡ’ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ ኢዩ።—ማርቆስ 12:17
ንኣብነት ሓንቲ ሃይማኖት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣብ ዝግበር ውግእ ንኽትሳተፍ ተተባብዕ ኢያ ንበል። ቀዳማይ ጴጥሮስ 3:11 ‘ሰናይ ክንገብር’ ከምኡውን ‘ንሰላም ክንደልያን ክንስዕባን’ ተተባብዓና ኢያ። ናይ ሓንቲ ሃይማኖት ኣባላት: ደቂ ካልእ ሃገር ንዝዀኑ ከምቲ ናታቶም ዓይነት ኣምልኾ ዘለዎም ብጾቶም ኣብ ውግእ ክቐትሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ እንተድኣ ኰይኖም: ከመይ ገይራ ኢያ ንኣምላኽ ከተሐጕሶ እትኽእል፧ ኣባላት ናይ ሓንቲ ስምረት ኣምላኽ ዘለዋ ሃይማኖት: ነታ ቀንዲ ባህሪ ኣምላኽ ዝዀነት ፍቕሪ የንጸባርቕዋ ኢዮም። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ምስቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝካየድ ውግኣት ዝንጸባረቕ ብርቱዕ ጽልኢ ምንም ዘራኽብ ነገር የብላን።
ሓቀኛ ሃይማኖት ነቶም ውግእ ዘፍቅሩ ሰባት ናብ ኣፍቀርቲ ሰላም ትልውጦም ኢያ። እዚ ድማ በዚ ዝስዕብ ቃላት ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ:- “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።” (ኢሳይያስ 2:4) እቶም ሓቀኛ ኣምልኾ ዘዘውትሩ ሰባት ብምንጽርጻር ናይ ጽልኢ ቃላት ኣብ ክንዲ ዘውጽኡ ምስቲ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዝብል ትእዛዝ ኢዮም ተሰማሚዖም ዝኸዱ።—ማቴዎስ 22:39
እቶም ሓቀኛ ሃይማኖት ዘዘውትሩ ሰባት ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብራ ብምንጻግ ምስቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሰርዖ ዝለዓለ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታት ተሰማሚዖም ክኸዱ ኢዮም ዝጽዕሩ። ቃል ኣም ላኽ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።”—1 ቈረንቶስ 6:9-11
ወሳኒ ስጕምቲ ዝውሰደሉ ግዜ
ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ሓሶት ኣምልኾን ሓቀኛ ሃይማኖትን ዘሎ ፍልልይ ከነስተውዕሎ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ: እታ ‘ነገስታት ምድሪ ምስኣ ዝመንዘሩ’ ናይ ዓለም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸይ ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን:” ምሳልያዊት ኣመንዝራ ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። ንሳ ናይ ደም ገበነኛ ኢያ: “ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን” ጽዋእ ወርቂ እውን ሒዛ ኣላ። (ራእይ 17:1-6) ኣብ ቅድሚ ኣም ላኽ ተቐባልነት ከውህባ ዝኽእል ነገር ዋላ ሓንቲ የብላን።
እዚ ግዜ እዚ ወሳኒ ስጕምቲ ዝውሰደሉ እዋን ኢዩ። እቲ ፈቃር ፈጣሪና ነቶም ጌና ኣብ ዓባይ ባቢሎን ዘለዉ ቅኑዓት ሰባት እዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ይገብረሎም ኣሎ:- “ኣቱም ህዝበይ . . . ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ።”—ራእይ 18:4
ንኣምላኽ እተሐጕስ ሓቀኛ ሃይማኖት ክትሕዝ ትደሊ እንተድኣ ኴንካ: ንምንታይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቕካ ዘይትላለ፧ እዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሰሌዳ ገለ ካብቲ ዝኣምንዎ እምነታትን ንዕኡ ዝሰማማዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታትን ዘርዚርዎ ኣሎ። እቲ መሰኻኽር ዝኣምንዎ እምነታት ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕ እንተድኣ ኰይኑ ንምፍላጥ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ኣረጋግጽ። ሃይማኖቶም ነቲ ንስኻ ካብ ሓቀኛ ኣምልኾ እትጽበዮ ነገራት ተፍሪ እንተድኣ ዀይና ንምፍላጥ መርምር። ነዚ እተፍሪ ኰይና እንተድኣ ረኺብካያ: ነታ ንኣምላኽ እተሐጕስ ሃይማኖት ረኺብካያ ኣሎኻ ማለት ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ከም ዝኣምኑ
እምነት መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት
ስም ኣምላኽ የሆዋ ኢዩ ዘጸኣት 6:3 ናይ 1879 ናይ ኣምሓርኛ ትርጕም፣መዝሙር 83:18 ትሓዓ
መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ማቴዎስ 3:16, 17፣ ዮሃንስ 14:28
ወድሰብ ዝፈለቐ ዘይኰነስ ዘፍጥረት 1:27፣ 2:7
እተፈጥረ ኢዩ
ሰብኣዊ ሞት ብምኽንያት ሮሜ 5:12
እቲ ቀዳማይ ሰብ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኢዩ መጺኡ
ነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት ምንባር ተቋርጽ ኢያ መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4
ሲኦል ናይ ደቅሰብ ተራ መቓብር ኢዩ እዮብ 14:13፣ ራእይ 20:13
ተስፋ ምዉታት ትንሳኤ ኢዩ ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:25፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15
ክርስቶስ ምድራዊ ህይወቱ ማቴዎስ 20:28፣ 1 ጴጥሮስ 2:24፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2
ንእዙዛት ደቅሰብ ከም በጃ ኢዩ ሂቡ
ጸሎት ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ማቴዎስ 6:9፣ ዮሃንስ 14:6, 13, 14
ናብ የሆዋ ጥራይ ክቐርብ ኣለዎ
እቲ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዝዛረብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10
ስርዓታት ክሕሎ ይግባእ
ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ምጥቃም ግቡእ ኣይኰነን ዘጸኣት 20:4-6፣ 1 ቈረንቶስ 10:14
ሓተታ-መናፍስቲ ክውገድ ይግባእ ዘዳግም 18:10-12፣ ገላትያ 5:19-21
ደም ናብ ናይ ካልእ ሰብ ኣካላት ክመሓላለፍ የብሉን ዘፍጥረት 9:3, 4፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29
ሓቀኛታት ሰዓብቲ የሱስ ካብ ዓለም ፍሉያት ኢዮም ዮሃንስ 15:19፣ 17:16፣ ያእቆብ 1:27፣ 4:4
ክርስትያናት ነቲ ብስራት ብምእዋጅ ይምስክሩ ኢሳይያስ 43:10-12፣ ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20
ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ማርቆስ 1:9, 10፣ ዮሃንስ 3:22፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:4, 5
ዝግበር ጥምቀት ህይወትና ንኣምላኽ ከም ዝወፈና ዘመልክት ኢዩ
ሃይማኖታዊ መዓርጋት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እዮብ 32:21, 22፣ ማቴዎስ 23:8-12
እተመርኰሰ ኣይኰነን
ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ዳንኤል 12:4፣ ማቴዎስ 24:3-14፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5
ኢና እንነብር ዘሎና
ህላወ ክርስቶስ ኣይርአን ኢዩ ማቴዎስ 24:3፣ ዮሃንስ 14:19፣ 1 ጴጥሮስ 3:18
ሰይጣን ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘይርአ ገዛኢ ኢዩ ዮሃንስ 12:31፣ 1 ዮሃንስ 5:19
ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ክድምስሶ ኢዩ ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 16:14, 16፣ 18:1-8
እታ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ እትመሓደር ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ዳንኤል 7:13, 14፣ ማቴዎስ 6:10
መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ብጽድቂ ክትገዝእ ኢያ
“ሒደት መጓሰ” ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ክገዝኡ ኢዮም ሉቃስ 12:32፣ ራእይ 14:1-4፣ 20:4
ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ካልኦት ሰባት ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 3:16 ራእይ 21:1-4
ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክቕበሉ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ግዜ እቲ ካቶሊክ ኣብ ልዕሊ መናፍቓን ዝውርድዎ ዝነበሩ ዘሰቅቕ ናይ ሞት ፍርዲ ኣሽሓት ተቐቲሎም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ውግእ መስቀላውያን ዘስካሕክሕ ምፍሳስ ደም ኣስዓበ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ሓቀኛ ሃይማኖት በቲ ጽቡቕ ፍሪኣ ኢያ እትልለ
[ኣብ ገጽ 2ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Cover: Garo Nalbandian