ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ
ኣምላኽ ኣየዳሉን ኢዩ
ልዕሊ 1900 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ሓለቓ ሰራዊት ቆርኔሌዎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል መስከረሉ :- “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዝፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ከም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሃልኩ ።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ቆርኔሌዎስ ፍርሃት ኣምላኽን ቅንዕናን ብምርኣይ ነቲ ብጴጥሮስ ዝተዋህቦ ምስክርነት ተቐቢሉ ክርስትያን ኮነ ።
ሎሚ እውን እንተኾነ ከምኡ ዝኣመሰለ ስርዓት ኢዩ ዝዝውተር ዘሎ ። ኣምላኽ ኣየዳሉን ኢዩ ። ከምኡ ምዃኑ እኳ ካብቲ ናይ ጀርመን ተመክሮ ተመልኪትና ኣሎና ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል :-
“ኣብቲ ዞባ ናይ ጉባኤና ሓደ ገፊሕ ናይ ወተሃደራት ሩስያ መዓስከር ኣሎ ። እቲ መንደቕ ናይ በርሊን ብ1989 ምስ ፈረሰ ቁሩብ ጽንሕ ኢሎም እቶም ሽማግሌታት ገለ ካብቶም ኣስፋሕቲ: ቋንቋ ሩስያ ዝፈልጥ እንተሎ ሓተቱ ። ገለ ካባታትና ንፈልጥ ስለ ዝጸናሕና ኣብቲ ዞባ ክንዓዪ ከድና እሞ ኣዝዩ ዘሐጉስ ኮይኑ ኸኣ ረኸብናዮ ። ገለ ካብቲ ዘጋጠመና ብዙሕ ተመክሮ ሓንቲ እንሆ :-
“ምስ ሓደ ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ከሎና (ሕጂ ግን ተጠሚቑ ኣሎ) ንሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ኣዘራረብናዮ ። እቲ ኩሉ ክንብሎ ዝነበረና ብምልኡ ምስ ሰምዓና ነቶም ወተሃደራቱ ክንዛረቦም ዓደመና ። ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ግዲ ክሰምዑ ኣለዎም በለ ። ንኽንምለስ ከኣ ቆጸራ ወሲድና ከድና ።
“ንሓንቲ ጽቡቕ ቋንቋ ሩስያ ሰጋእ ከይበለት እትዛረብ ሓብቲ ክትርጉመልና ምሳና ክትከይድ ዓደምናያ ። ኣብቲ መአከቢ ናይቲ መዓስከር ሓደ ንጽሑፋት ዝኸውን ጠረጴዛ ኣዳሊና ን68 ዝኣኽሉ ወተሃደራት ክንዛረብ ክኢልና: ሕቶታቶም ከኣ መሊሽናሎም ። ብድሕሪኡ ደስ እናበሎም 35 መጽሓፍትን 100 ዝኸውን መጽሔታትን ተቐበሉና ። ካብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ክንወጽእ ከሎና ድሮ ነቲ ጽሑፋት ብጉጅለ ኮይኖም ክመያየጥሉ ጀመሩ ።
“ን4 ሓምለ ናይ 1992 ክንምለስ ቆጸራ ጌርና ከድና ። ከም ቆጸራና ሰዓት 10:50 ቅድሚ ቀትሪ ኣብኡ ምስ በጻሕና ፣ እቲ ዋርድያ ናይቲ መዓስከር እቶም ወተሃደራት ይጽበዩና ከም ዘለዉ ነገረና ። ሓደ ወተሃደራዊ መኮንን ተቐቢሉ ናብቲ መአከቢ ቦታ መሪሑ ወሰደና ። ድሮ ሓንቲ ነቲ ቤት ንባብ ናይቲ መዓስከር ክኸውን ኢላ ጽሑፍ ካባና ወሲዳ ዝነበረት ሰበይቲ ምምጻእና ዝሕብር ጽሑፍ ኣብቲ መዓስከር ጠቂዓ ጸንሐት ። ሰለስተ ኣሕዋት ብዛዕባ ናይ ዓለምለኸ ዕዮናን ስለምንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እሙንቶ ክህልወና ከም ዝግባእን ሕጽር ዝበለ ዝርርብ በብተራ ሃቡ ። ሽዑ ካብቶም ሰማዕቲ ዝቐረበልና ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መሊሽናሎም ። ገለ ካብቲ ዝቐረበልና ሕቶታት : ብዛዕባ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሕዝዎ መርገጽ እንታይ ኢዩ ? ገለ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ወተሃደራት ኮይኖም ዘገልገሉ ኣለዉዶ ? ዝብል ኢዩ ። በዚ ድማ እቲ ምሳይ ዝኸደ ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ናይቲ ኣብ ናይ ምብራቕ ጀርመን ውትህድርና ዘገልገሎ 25 ዓመትን ኣብዘን መወዳእታ ዓመታት ድማ ከም ካፕቴን ናይ ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ዘሕለፎ ተመክሮን ንምግላጽ ኣጋጣሚ ረኸበ ። ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ብኸመይ ከም ዝተማህረን ሕጂ ድማ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን ድላዩ ከም ዝኾነ ኣዘንተወሎም ። እቶም ወተሃደራት በቲ ዝሰምዕዎ ብዙሕ ተመሰጡ ። ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ደቒቕ ኩሉ እቲ ዘምጻእናዮ ጽሑፋት ኣብ ኣእዳዎም በጽሐ: ብዙሓት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልዎም ደለዩ ። ካብ ሓደ መኽዘን መጽሓፍቲ ብቋንቋ ሩስያ ሸውዓተ መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ ክአልና: እቶም ወተሃደራት ከኣ ደስ ኢልዎም ተቐበልዎ ። ነዞም ብመንፈስ ዝጠመዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓበሬታ ክትህቦምሲ ከመይ ዘሐጉስ ኢዩ : ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ኸኣ ተስፋ ንገብር ።”
ብሓቂ እምብኣር ኣምላኽ ኣየዳሉን ኢዩ ። ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ህዝቢ መንነቶም ብዘየገድስ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብቓሉ ይጽውዖም ኢዩ ። ብዛዕብኡን ብዛዕባ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ክመሃሩ ይዕድሞም: ብዙሓት ካብ ኩሉ ወገን ከኣ ዕድሚኡ ኣኽቢሮም ይውሕዙ ኣለዉ ። — ዮሃንስ 17:3