ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/6 ገጽ 8
  • የሆዋ ‘ኣየዳሉን’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ‘ኣየዳሉን’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ይበጽሖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ተራእየ
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ቆርኔሌዎስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ነታ ኽብርቲ እምነትና ኣጽኒዕና ንሓዛ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/6 ገጽ 8

ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ ‘ኣየዳሉን’

ኣድልዎ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ብምኽንያት ሕብሪ ቘርበትካ፡ ዓሌትካ፡ ወይ ማሕበራዊ ደረጃኻ ዝደለኻዮ ነገር ተኸሊእኻ ወይ ከኣ ተናዒቕካዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ንዓኻ ጥራይ ከም ዘይኰነ ፍለጥ። ይኹን እምበር፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ኽብሪ ዚትንክፍ ኣተሓሕዛ፡ ሽሕ እኳ ኣብ ምድሪ ልሙድ እንተ ዀነ፡ ኣብ ሰማይ ግና የለን። እቲ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ብምትእምማን ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ኣንብብ።

ጴጥሮስ ነዘን ቃላት እዚአን፡ ኣብ ዘይልሙድ ኵነታት፡ ማለት ኣብ ቤት እቲ ኻብ ኣህዛብ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ እዩ ኣውሲእወን። እቲ ብትውልዱ ኣይሁዳዊ ዝነበረ ጴጥሮስ፡ ኣብቲ ኣይሁድ ንኣህዛብ ከም ርኹሳት ገይሮም ስለ ዚርእይዎም፡ ምስኣቶም ዘይቀራረቡሉ ዝነበረ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣብ ቤት ቆርኔሌዎስ ዝኸደ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ኣኼባ ዘዳለዎ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ኣምላኽ ንጴጥሮስ ብራእይ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ” በሎ። ሽሕ እኳ ጴጥሮስ እንተ ዘይፈለጠ፡ ኣብ ድሮኡ፡ ሓደ መልኣኽ ንቆርኔሌዎስ ተራእይዎ ነይሩ እዩ፣ ንጴጥሮስ ኪጽውዖ ድማ ነጊርዎ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:1-15) ሽዑ ጴጥሮስ እቲ ጕዳይ ኢድ የሆዋ ኸም ዘለዎ ምስ ፈለጠ፡ ኪዛረብ ተደረኸ።

ጴጥሮስ፡ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ብሓቂ ተገንዘብኩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ብዛዕባ እታ “ኣድልዎ” እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል፡ ሓደ ምሁር ከምዚ ይብል፦ “[እታ ቓል] ንሓደ ገጽ ሰብ ርእዩ፡ ማለት ነቲ ጕዳይ ኣብ ግምት ብምእታው ዘይኰነስ፡ ኣብ ትርኢት እቲ ሰብ ተመርኲሱ ዚፈርድ ዳኛ እያ እተመልክት።” ኣምላኽ ግና፡ ንሓደ ሰብ፡ ኣብ ዓሌቱ፡ ዜግነቱ፡ ማሕበራዊ ደረጃኡ፡ ወይ ካልእ ረቛሒታት ተመርኲሱ፡ ካብ ካልእ ሰብ ኣብሊጹ ኣይርእዮን እዩ።

ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ልቢ እዩ ዚርኢ። (1 ሳሙኤል 16:7፣ ምሳሌ 21:2) ጴጥሮስ ቀጺሉ፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:35) ንኣምላኽ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ፡ ንዕኡ ምኽባር፡ ኣብኡ ምውካል፡ ከምኡውን ዜጕህዮ ዘበለ ነገር ዘይምግባር ማለት እዩ። ቅኑዕ ምግባር ኪብሃል ከሎ ኸኣ፡ ብፍታው ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ነገር ምግባር የጠቓልል። ብኣኽብሮታዊ ፍርሃት ተደሪኹ ቕኑዕ ዘበለ ዚገብር ሰብ፡ ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ።—ዘዳግም 10:12, 13።

የሆዋ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺጥምት ከሎ፡ ሓደ ዓሌት፡ ማለት ዓሌት ሰብ ጥራይ እዩ ዚርኢ

ቅድሚ ሕጂ ኣድልዎ ኣጋጢሙካ እንተ ነይሩ፡ ካብቲ ጴጥሮስ ብዛዕባ ኣምላኽ እተዛረቦ ቓላት ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ንዝዀኑ ሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይስሕቦም ኣሎ። (ዮሃንስ 6:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27) ነቲ ኣገልገልቱ—ዓሌቶም፡ ዜግነቶም፡ ወይ ማሕበራዊ ደረጃኦም ብዘየገድስ—ዜቕርብዎ ጸሎት ሰሚዑ፡ ምላሽ ይህበሉ እዩ። (1 ነገስት 8:41-43) የሆዋ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺጥምት ከሎ፡ ሓደ ዓሌት፡ ማለት ዓሌት ሰብ ጥራይ ከም ዚርኢ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እዚ ዘየዳሉ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትመሃር ተደሪኽካዶ፧

ንሰነ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ዮሃንስ 17-21–ግብሪ ሃዋርያት 1-10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ