ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/6 ገጽ 9-11
  • ንዘመናት እተሰወረ መዝገብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዘመናት እተሰወረ መዝገብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስፍሕፋሕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ—ንጉሳዊ ጕዳይ
  • ኣብ ጆርጅያ ኣብ እተገብረ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ እተራእየ ኽልተ “ተኣምራት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ሀ3 መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና በጺሑ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • የሆዋ፡ ሓሳቡ ብንጹር ዜመሓላልፍ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/6 ገጽ 9-11

ንዘመናት እተሰወረ መዝገብ

ሓደ ምሁር፡ ቍርጽራጽ እቲ ብጆርጅያንኛ እተዳለወ ፍሉጥ ጥንታዊ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኸበ ደንጽይዎ እዩ። ነቲ ጽሑፍ እቲ ደጋጊሙ ብጥንቃቐ ምስ መርመሮ ድማ፡ በቲ ጽባቐ ጽሕፈትን ሰዋስውን ኪኣምን ክኢሉ እዩ።

እቲ መዝገብ እቲ ኣብ መወዳእታታት ታሕሳስ 1922፡ ብሓደ ኢቫኔ ጃቫኪሽቪሊ ዝስሙ ጆርጅያዊ ምሁር እዩ ተረኺቡ። ንሱ ብዛዕባ ፊደላት ጆርጅያንኛ ምርምር ኪገብር ከሎ፡ ሓደ ቕዳሕ ናይ የሩሳሌም ታልሙድ ረኸበ። ነቲ ጽሑፍ እቲ ምስ መርመሮ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ፡ ኣጸቢቑ ዘይተደምሰሰ ፊደላት ጆርጅያንኛ ረኣየ።a

እቲ ኣብ ትሕቲ ታልሙድ “ተሰዊሩ” ዝነበረ ጽሑፍ፡ ሓደ ኽፋል እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ኤርምያስ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓምሻይ ዘመን ድ.ክ. ከኣ እዩ ተጻሒፉ። እዚ ቕድሚ ምርካቡ ዝነበረ ፍሉጥ ጥንታዊ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ጆርጅያንኛ፡ ኣብ መበል ታሽዓይ ዘመን ድ.ክ. እተጻሕፈ እዩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ብሓምሻይ ዘመን ድ.ክ. ወይ ቅድሚኡ እውን ከይተረፈ እተጻሕፈ ኽፋላት ካልእ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተረኽበ። ካብቲ የሱስን ሃዋርያቱን ዝነበሩሉ ዘመን፡ ሒደት ዘመናት ጥራይ ጸኒሑ እተጻሕፈ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርከብሲ፡ ኣየ ኽንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ!

ነቲ ጽሑፍ እቲ፡ መን እዩ ተርጒምዎ፧ ሓደ ሰብ ድዩ ወይስ ውፉያት ተርጐምቲ ዝሓቘፈት ጕጅለ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚምልስ ታሪኻዊ ጸብጻብ ክሳዕ ሕጂ ኣይተረኽበን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ራብዓይ ዘመን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ ከኣ እንተ ወሓደ ገለ ኽፋሉ፡ መን ከም ዝተርጐሞ ብዘየገድስ፡ ብጆርጅያንኛ ተተርጒሙ ኸም ዝነበረ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኸኣ ህዝቢ ጆርጅያ ቃል ኣምላኽ ብቛንቋ ኣዴኦም ኪረኽቡ ኸም ዝጸንሑ እተረጋገጸ እዩ።

ጆርጅያውያን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ክሳዕ ክንደይ ሌላ ኸም ዝነበሮም ዚሕብር ጸብጻብ፡ ኣብታ ዘ ማርቲርደም ኦቭ ሰይንት ሹሻኒክ ዘ ኲን ዘርእስታ መጽሓፍ ይርከብ። እታ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታታት መበል ሓምሻይ ዘመን እያ ተጻሒፋ ኽትከውን እትኽእል። እቲ ደራሲ ብዛዕባ እቲ ዜሕዝን ታሪኽ እታ ንግስቲ ንምዝንታው፡ ካብ መዝሙራትን ወንጌላትን ካልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዝወሰዶ ዚሕብር ጥቕስታት ተጠቒሙ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ካርቲሊ ኣመሓዳሪ መንግስቲ ጆርጅያ ዝነበረ ቫርዝኬን ዝስሙ ሰብኣይ ሹሻንኪ ንጐይቶት ፋርስ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ፡ “ክርስትና” ገዲፉ፡ እምነቱ ናብ ዞሮኣስተርነት ፋርስ ከም ዝቐየረን ንሰበይቱ እውን ኣሰሩ ኽትስዕብ ከም ዝደለያ፡ እቲ ደራሲ ሓቢሩ ኣሎ። እታ ንግስቲ እምነታ ኽትሓድግ ከም ዘይደለየት፡ ቀቅድሚ ሙማታ ኣብ ዝነበራ መዓልትታት ከኣ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽንናዕ ትረክብ ከም ዝነበረት እውን፡ ኣብታ መጽሓፍ ተሓቢሩ ኣሎ።

ካብ ሓምሻይ ዘመን ኣትሒዙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይምቍራጽ ናብ ጆርጅያንኛ ኺትርጐምን ኪቕዳሕን ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። እቲ ብጆርጅያንኛ እተጻሕፈ ማእለያ ዘይብሉ ጽሑፋት፡ ውፉያት ቀዳሕትን ተርጐምትን ከም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ። ብዛዕባ እዚ ማራኺ ታሪኽ እዚ ዚገልጽ ክልተ መዳያት፡ ማለት ምትርጓምን ምሕታምን መጽሓፍ ቅዱስ ንርአ።

ምስፍሕፋሕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ

“ኣነ፡ ጆርጂ፡ ትሑት ፈላሲ፡ ነዛ መጽሓፍ መዝሙር እዚኣ፡ ካብ ሓድሽ ግሪኽኛ ናብ ጆርጅያንኛ ብትግሃትን ብብርቱዕ ጻዕርን እየ ተርጒመያ።” ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበን፡ ጆርጂ ምታጽሚንደሊ ዝስሙ ኣብ መበል 11 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጆርጅያዊ ፈላሲ እዩ። ብጆርጅያንኛ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘመናት ዚኣክል ካብ ነበረ፡ ካልእ ትርጕም ዘድለየ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ መበል 11 ዘመን፡ ብኢድ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ጆርጅያንኛ ኣዝዩ ሒደት እዩ ነይሩ። ገሊኡ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ቛንቋ ብመጠኑ ስለ እተቐየረ፡ ኣንበብቲ ነቲ ናይ ቅድም ቅዳሓት ኪርድእዎ የሸግሮም ነይሩ እዩ። ሓያሎ ተርጐምቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ጆርጅያንኛ ብሓድሽ መልክዕ ክትርጕምዎ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ብዝያዳ ጐሊሑ ዚርአ ግና እቲ ጆርጂ ዘዳለዎ ትርጕም እዩ። ንሱ ነቲ ዝረኸቦ ቕዳሓት ጆርጅያንኛ ምስቲ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ጽሑፋት ኣነጻጸሮ፡ ነቲ ዘይተረኽበ ኽፋላትን መጻሕፍትን ከኣ ተርጐሞ። ብመዓልቲ ነቲ ኸም ሓላፊ እቲ ገዳም መጠን ዝነበሮ ዕዮታቱ ይፍጽም፡ ብለይቲ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ይትርጕም ነበረ።

ኣብ ግዜ ጆርጂ ዝነበረ ኤፍሬም ምጺረ፡ ትርጕም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንተርጐምቲ ዚኸውን መምርሒ እውን ኣዳለወ። እቲ መምርሒ፡ ብእተኻእለ መጠን ካብቲ በዅሪ ቛንቋ ኽትርጐም ከም ዚግባእ ከምኡውን ካብቲ ምንጪ ኸይወጻእካ ብባህርያዊ መገዲ ኽትርጐም ከም ዘለዎ ዚሕብር መሰረታዊ ስርዓታት ትርጕም ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ እግረ ጽሑፍን ኣብ ሕድጋት ዚርከብ መወከሲታትን ኣብ ትርጕማት ጆርጅያንኛ ኣተኣታተወ። ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ዝዀነ ትርጕም ሓያሎ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣዳለወ። እቲ ጆርጂን ኤፍሬምን ዘዳለውዎ ትርጕማት ንተወሳኺ ንጥፈታት ትርጕም፡ ጽኑዕ መሰረት ኣንጺፉ እዩ።

ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዘመን፡ ኣብ ጆርጅያ መጻሕፍቲ ኣንበሽበሸ። ኣብ ከተማ ጌላቲን ከተማ ኢካልቶን ኣብያተ ትምህርቲ ተመስረተ። መብዛሕትኦም ምሁራት እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ “ሃገራዊ ማእከል ጆርጅያ ኢደ ጽሑፋት” ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ጌላቲ ተባሂሉ ዚፍለጥ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሓደ ኻብቶም ኣብ ጌላቲ ወይ ኢካልቶ ዚነብሩ ምሁራት እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ።

እዚ ንጥፈት ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ህዝቢ ጆርጅያ እንታይ ጽልዋ ገይሩ፧ እቲ ኣብ መበል 12 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ሾታ ሩስታቨሊ ዝስሙ ገጣሚ ቨፕኪስ-ትኳኦሳንት (ኣብ ግስላ ዘሎ ፈረሰኛ) ዘርእስቱ ጽሑፍ ጸሓፈ። እዚ ጽሑፍ እዚ ንዘመናት ዚኣክል ዓብዪ ጽልዋ ስለ ዝነበሮ፡ “ካልኣይ መጽሓፍ ቅዱስ ጆርጅያውያን” ዚብል ስያመ ተዋሂብዎ ነበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዚነብር ጆርጅያዊ ምሁር ኬከይሊድዘ ኸም ዝበሎ፡ እቲ ገጣሚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ይጥቀስ ኣይጥቀስ ብዘየገድስ፡ “ገሊኡ ሓሳባቱ ንእተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜንጸባርቕ እዩ።” እቲ ግጥሚ ብዙሕ እተጋነነ ሓሳባት ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ናይ ሓቂ ዕርክነት፡ ልግሲ፡ ኣኽብሮት ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡውን ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ወጻእተኛታት ዝኣመሰለ ተደጋጋሚ ፍረ ነገራት ሓቚፉ ኣሎ። እዝን ካልእን ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዘመናት ዚኣክል፡ ክሳዕ እዚ ግዜና እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ጆርጅያ ጽልዋ ኺገብር ጸኒሑ እዩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ጆርጅያ ነዚ ነገራት እዚ ኸም ስነ ምግባራዊ መምርሒኦም ገይሮም ይርእይዎ ኣለዉ።

ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ—ንጉሳዊ ጕዳይ

ኣብ መወዳእታ መበል 17 ዘመን፡ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ጆርጅያ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕተም ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሻድሻይ ንጉስ ቫክታን ኣብታ ርእሰ ኸተማ ዝዀነት ቲቢሊሲ ቤት ማሕተም ተኸለ። ይኹን እምበር፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሕተም ኣይተዳለወን ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጆርጅያንኛ ኸም ብሓድሽ ዳርጋ ተሰዊሩ ነበረ። ንገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ፡ ጐደሎ ኢደ ጽሑፋት ጥራይ እዩ ተረኺቡ ነይሩ፣ እቲ ቛንቋ ኸኣ ዘመናዊ ኣይነበረን። ሱልካን ሳባ ኦርቤልያኒ ዝስሙ ብዙሕ ቋንቋታት ዚፈልጥ ክኢላ፡ ንጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኪእርሞን ኪመልሶን ሕድሪ ተዋህቦ።

ኦርቤልያኒ ነቲ ዕዮ ብጥንቃቐ ጀመሮ። ግሪኽኛን ላቲንን ሓዊስካ ሓያሎ ቛንቋታት ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ርእሲ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ጆርጅያንኛ እተፈላለየ ኻልእ ምንጪ ጽሑፋት እውን ተጠቒሙ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ጆርጅያ፡ ነቲ ሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ኣይፈተወቶን። እቶም ኣቕሽሽቲ ንኦርቤልያኒ፡ ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኸሓደ ገይሮም ከሰስዎ፡ ነቲ ንጉስ ኣእሚኖም ከኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ዝጀመሮ ዕዮኡ ኸም ዚቋረጽ ገበሩ። ብጆርጅያንኛ እተጻሕፈ ገሊኡ ምንጭታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ሓደ ባይቶ ቤተ ክርስትያን፡ እቶም ኣቕሽሽቲ ንኦርቤልያኒ ነቲ ንዓመታት ዝጸዓረሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼቃጽሎ ኣገደድዎ።

ሓደ ኻብቲ ኽሳዕ እዚ ግዜና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ሳባ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ኢደ ጽሑፍ ኣምጽክየታ (ምጼታ)፡ ገለ ኻብቲ ኦርቤልያኒ ብኢዱ ዝጸሓፎ ሓሳባት ይርከቦ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ እቶም ካህናት ዚቃወምዎ ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ንገሊኣቶም የጠራጥሮም እዩ። ብርግጽ ናቱ ምዃኑ ዚእመነሉ፡ እቲ መመላእታ ጽሑፍ ጥራይ እዩ።

ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሽሕ እኳ ብድሆታት እንተ ኣጋጠሞ፡ ገሊኦም ኣባላት ቤተ ሰብ ንጉስ ከም ኣዝዩ ኣገዳሲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ካብ 1705 ክሳዕ 1711 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ እዩ። እቶም መሳፍንቲ ጆርጅያ ዝነበሩ ባካሪን ቫኩሽቲን ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ኣብ መወዳእታ ብ1743 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓትመ። ካብኡ ንደሓር ድማ ተሰዊሩ ኣይተረፈን።

a ጥንቲ፡ ናውቲ ጽሕፈት ክቡርን ዘይርከብን ስለ ዝነበረ፡ ንጥንታዊ ኢደ ጽሑፍ ደምሲስካ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓድሽ ጽሑፍ ምጽሓፍ ልሙድ እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኢደ ጽሑፋት፡ ፓሊምፕሴት ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እዚ ኸኣ፡ ካብቲ፡ “እንደገና እተደምሰሰ” ዚብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽኛ ቓል እተወስደ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጆርጅያንኛ ዚርከብ ስም ኣምላኽ

እቲ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጸልና፡ የሆዋ (ብእብራይስጢ יהוה) ዚብል ናይ ብሕቲ ስሙ፡ ኣብቲ በቲ በዅሪ ቛንቋ እተዳለወ ኢደ ጽሑፋት፡ ኣስታት 7,000 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። መብዛሕትኦም ጆርጅያውያን ተርጐምቲ፡ ነዚ ስም እዚ በቲ “ጐይታ” ዚብል ማዕርግ ተኪኦምዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሳባ ተባሂሉ ዚፍለጥ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ ሓደ መመላእታ ጽሑፍ፡ ሱልካን-ሳባ ኦርቤልያኒ፡ ንትርጕም እቲ የሱስ ዚብል ስም፡ “ኢሰስ፦ ካብ እብራይስጢ እተወስደ፦ ኢዮቫ እቲ መድሓኒ ጐይታ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ፡ ኣብቲ ብ2006 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ ኵሉ እቲ ልክዕ ቦታኡ ተጠቒሱ ኣሎ።

National Center of Manuscripts

ክርስትና ኣብ ጆርጅያ

ክርስትና ኣብ ጆርጅያ ዝጀመረ መዓስ እዩ፧ ክሳዕ ሕጂ፡ ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ዜተኣማምን ዓለማዊ ጸብጻብ ኣይተረኽበን። ይኹን እምበር፡ ንገለ ኻብቶም ብጰንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዑ ሰባት፡ ካብ ጶንጦስ ዝመጹ ኣይሁድ ወይ ጵሮሰሊት ከም ዚርከብዎም፡ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተሓቢሩ ኣሎ። እቶም ሰባት ናብ ዓዶም ተመሊሶም፡ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብ62 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ኣብ ጶንጦስ ናይ ክርስትያን ጉባኤታት ከም ዝነበራ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ጶንጦስ ንሰሜናዊ ምብራቕ እዛ ሎሚ ቱርኪ እትብሃል ንጆርጅያ እተዳውብ ሃገር እዩ ዜመልክት።—ግብሪ ሃዋርያት 2:9፣ 1 ጴጥሮስ 1:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ