እቶም ዝሞቱ ፍቑራትካ እንደገና ዶኾን ትርእዮም ትኸውን?
ዮሃንስ ኣዲኡ ክትመውት ከላ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ሬሳ ኣዲኡ ገና ኣብቲ ቅድሚ ምቕባሩ ዝቕመጠሉ ቤት ዓሪፉ ከሎ እንታይ ከም ዝገበረ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብምዝካር ከምዚ ይብል:- “ሓንቲ ስእሊ ብኢደይ ሲኢለ ምስኣ ድማ ኣብ ሰማይ ንኹልና ክትጽበየና ልመና ዝሓዘት ጽሕፍቲ ንኣኣ ኢለ ኣዳሎኹ። ሽሕኳ ሞይታ እንተነበረት: ነታ ናይ መወዳእታ መልእኽተይ ዝበልኩዋ ከም ዝበጽሓታ ገይረ ክሓስብ ስለ ዝደለኹ: ነታ ዘዳለኹዋ ጽሕፍቲ ኣብቲ ሳንዱቕ መታን ከእትዋ ንባባ ሃብኩዎ:” ሃው ኢት ፊልስ ዌን አ ፓረንት ዳይዝ ዝተባህለት መጽሓፍ ብጂል ክረመንትስ ዝተዳለወት።
ዮሃንስ ነዲኡ ኣዝዩ የፍቅራ ምንባሩ ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ነቲ ጽቡቕ ባህርያታን ክእለታን ምስ ገለጸ: ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ምናልባት እቲ ምኽንያት ብዛዕባኣ ክፉእ ክሓስብ ስለ ዘይደለኹ ከይከውን: ግን ብዛዕባኣ ክሓስቦ ዝኽእል ክፉእ ነገር ከኣ ፈጹሙ የብለይን: ከምኣ ዝበለት ምጭውቲ ሰበይቲ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ርእየ ኣይፈልጥን።”
ከም ዮሃንስ ዝበሉ ብዙሓት: ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ፍቑራቶም ደስ ዘብሉ ተዘክሮታት ዘለዎምን ከምኡውን እንደገና ክርእይዎም ልባዊ በህጊ ከም ዘለዎም ዝእመኑ ኣለዉ። ኢዲት 26 ዓመት ዝዕድሜኡ ወዳ ብምኽንያት መንሽሮ ምስ ሞተ ከምዚ በለት:- “ኣብዚ እኳ ክብሎ እንተዘይከኣልኩ ወደይ ኣብ ገለ ቦታ ይነብር ከም ዘሎ ገይረ ክኣምን የድልየኒ ኣሎ። እንደገና ዶኾን እርእዮ እኸውን? ዝፈልጦ ነገር የብለይን: ክርእዮ ግን ተስፋ እገብር።”
ብርግጽ: እቲ ፈቃር ፈጣሪ ናይ ሰብ ብዛዕባዚ ንቡር ዝኾነ ባህጊ ናይ ሰብ ድንጋጽ ዘይስምዖ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ምስቶም ዝሞቱ ፍቑራቶም እንደገና ዝራኸቡላ መዓልቲ ክትመጽእ ኢያ ኢሉ ኣተስፍዩ ዘሎ። ቃል ኣምላኸ ብዛዕባ እዚ መጻኢ ተስፋ ትንሰኤ ምዉታት ዝገልጽ ብዙሕ ጥቕስታት ሒዙ ይርከብ። — ኢሳይያስ 26:19፣ ዳንኤል 12:2, 13፣ ሆሴእ 13:14፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ ራእይ 20:12, 13
ሰማያዊ ትንሳኤ ዝረኽቡ መን ኢዮም?
እስከ ነቲ ዮሃንስ እታ ፍቕርቲ ኣዲኡ ኣብ ሰማይ ክትጽበዮ ዝነበሮ ተስፋ ንመርምሮ። መብዛሕትኦም እቶም ንቤተ ክርስትያን ዝመላለሱ ከምዚ ዝበለ ተስፋ ወይ እምነት ኢዩ ዘለዎም። ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ንምድጋፍ: ገለ ኣቕሽሽትን ማሕበራዊ ናብራ ንምምሕያሽ ዝሰርሑን ንገለ ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይቦትኦም ከውዕልዎም ፈቲኖም ኢዮም።
ንኣብነት እታ ዘኽታማት ብምጽንናዕ ኪኢላ ዝኾነት ዶክተር ኤልሳቤጥ ኩብለር–ሮዝ: ኣብታ ኦን ቺልድረን ኤንድ ደዝ [ቆልዑን ሞትን] ዝተባህለት መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ሙማት ማለት ልክዕ ከም ንሓደ ዝኣረገ ጁባ ኣውጽእ ኣቢልና ንድርብዮ ገይርና ንኣካላትና ድርብይ ምባላ ማለት ኢዩ: ወይ ድማ ካብ ሓደ ክፍሊ ናይ ሓደ ገዛ ናብቲ ሓደ ክፍሊ ምሕላፍ ማለት ኢዩ። ኣብ መክብብ 12:7 ‘መሬት ድማ ከምቲ ዝነበሮ: ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ: መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ኸይተመልሰ:’ ዝብል ኢና እነንብብ። የሱስ ድማ ‘ስፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑ:’ በለ። ነቲ ሰራቒ ክዛረቦ ከሎ ድማ: ‘ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትኸውን ኢኻ’” በሎ።
እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ብሓቂ እቶም ዝሞቱ ፍቑራትና ሕጂ ህያዋን ኮይኖም ከም ዘለዉን ኣብ ሰማይ ድማ ይጽበዩና ከም ዘለዉ እየን ዘመልክታ ዘለዋ? እስከ ብመክብብ 12:7 ጀሚርና ኣጸቢቕና ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን ብጥንቃቐ ንመርምረን:- እዚ ጥበበኛ ጸሓፊ ናይዘን ቃላት እዚኣተን ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብዛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝኾነት መክብብ ጽሒፉዎ ዝነበረ ክጋጮ ኢሉ ኣይኰነን ዝጸሓፈን: ንሱ ኣቐዲሙ ከምዚ ኢሉ ነበረ:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።” (መክብብ 9:5) ኣብዚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ሞት ናይ ወዲ ሰብ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። እዞም ኩሎም ዕሉላት ህላዌ ኣምላኽ ዝኽሕዱን ሕሱማት ገበነኛታትን ምስ ሞቱ ናብ ኣምላኽ ይምለሱ ኢልካ ምእማንስ ምኽንያታዊ ድዩ? ፈጺሙ ምኽንያታዊ ኣይኰነን። እኳ ደኣ: ጻድቃናት ንኹን ሓጥኣን ብዘየገድስ ቃል ብቓሉ ናብ አምላኽ ከም እንምለስ ገይሩ ክዝረበልና ዝከኣል አይኰነን። እሞኸ ደኣ ዋላ ሓደኳ ይኹን ካባና ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ዝቕመጥ ዝነበረ ካብ ዘይህሉስ: ከመይ ኢልካ ናብ ኣምላኽ ንምለስ ክበሃል ይከኣል?
እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ኣብ ግዜ ሞት ‘መንፈስ ናብ ኣምላኽ ይምለስ’ ክብል ከሎ ደኣ እንታይ ማለቱ ኢዩ? ኣብዚ ነታ “መንፈስ” ተተርጒማ ዘላ እብራዊት ቃል ክጥቀመላ ከሎ: ንሓንቲ ንሐደ ሰብ ካብቲ ሓደ ካልእ ሰብ ንእትፈልዮ ነገር ከመልክት ደልዩ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣብ መክብብ 3:19 እዚ ብመንፈስ ዝተመርሐ ጸሓፊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ: ንሰብን እንስሳን “ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ [መንፈስ ትሓዓ ] ኣላቶም” እናበለ ገሊጹ ኣሎ። “መንፈስ” ክብል ከሎ እምበኣር: ብዘየጠራጥር መገዲ ነቶም ኣብ ኣካላት ናይ ሰብን እንስሳን ዘለዉ ዋህዮታት (ሰልስ) ዘንቀሳቕሶም ሓይሊ ህይወት ማለቱ ኢዩ። ነዚ መንፈስ እዚ ብቐጥታ ካብ ኣምላኽ ኣይተቐበልናዮን። እዝስ ካብቶም ሰብኣውያን ወለድና ኣብ ግዜ ጥንስን ደሓር ከኣ ምውላድን ዝተመሓላለፈልና ነገር ደኣ ኢዩ። ብተወሳኺ እዚ መንፈስ ተባሂሉ ዘሎ ኣብ ግዜ ሞት ቃል ንቓሉ ንመሬት ሓዲጉ: ነዚ ኩሉ ጠፈር ሰንጢቑ ናብ ኣምላኽ ይምለስ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ‘መንፈስ ናብ ኣምላኽ ይምልስ’ ዝብል ኣዘራርባስ ብምሳልያዊ መገዲ ዝተዘርበ: ትርጉሙ ድማ መጻኢ ዕድል ናይቲ ዝሞተ ሰብ: ኣብ ኢድ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ። ኣምላኽ ንመን ከም ዝዝክርን ኣብ መወዳእታኡ ድማ ንመን ከም ዘተንስእን ዝውስኖ ባዕሉ ጥራይ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነገር እዚ ከመይ ገይሩ ብግልጺ ኰፍ ኣቢልዎ ከም ዘሎ ባዕልኻ ኣብ መዝሙር 104:29, 30 ተመልከት።
የሆዋ ኣምላኽ ካብቶም እሙናት ሰዓብቲ ናይ ክርስቶስ: 144, 000 ጥራይ ዝኣኽሉ ዝተወሰነ ቁጽሪ ዘለዎም: መንፈሳውያን ውሉድ ኣምላኽ ኰይኖም ንሰማያዊ ህይወት ክትንስኡ ዓሊሙ ኣሎ። (ራእይ 14:1, 3) እዚኣቶም ምስ ክርስቶስ ኰይኖም: ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ደቂ ሰብ በረኸት እተምጽኣሎም ናይ ሰማይ መንግስቲ ዘቑሙ ኢዮም።
ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ንምፍላጥ ቀዳሞት ኮይኖም ዝተረኽቡ እቶም እሙናት ሃዋርያት ናይ የሱስ ኢዮም ነይሮም: ምኽንያቱ ንእኦም ከምዚ ኢልዎም ነበረ:- “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ: ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ: ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።” (ዮሃንስ 14:2, 3) ሃዋርያትን ካልኦት ቀዳሞት ክርስትያናትን ክሳዕ እቲ የሱስ መጺኡ ብሰማያዊ ትንሳኤ ገይሩ ዓስቦም ዝህቦም: ሞይቶም ምንም ዘይሰምዑን ዘይርእዩን ኰይኖም ደቂሶም ክጽበዩ ነበሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ክርስትያን ሰማእት እስጢፋኖስ ከምዚ እነንብብ: “እዚ ምስ በለውን ዓረፈ [ብሞት ደቀሰ ትሓዓ]።” — ግብሪ ሃዋርያት 7:60፣ 1 ተሰሎንቄ 4:13
ኣብ ምድሪ ንምንባር ዝትንስኡ ምዉታት
ብዛዕባ እቲ የሱስ ነቲ ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ዓመጸኛ ዝሃቦ ተስፋ ደኣ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ? ከም ኵሎም ኣይሁዳውያን: እዚ ሰብኣይ እዚ: ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ኣብዛ ምድሪ ስላምን ደሓንን እተምጽኣሎም መንግስቲ ዝተክል መሲሕ ክሰደሎም ምዃኑ ይኣምን ነበረ። (ን1 ነገስት 4:20–25 ምስ ሉቃስ 19:11፣ 24:21 ከምኡውን ምስ ግብሪ ሃዋርያት 1:6 ኣነጻጽሮ) ብተወሳኺ: እዚ ዓመጸኛ ሰብኣይ እዚ: እቲ ብኣምላኽ ንጉስ ክኸውን ዝተሓረየ: የሱስ ምዃኑ እምነት ኣርእዩ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ከም ሓደ ገበነኛ ንሞት ተፈሪድዎ ኣብ ኣፍ ሞት ቀሪቡ ከም ዝነበረ ምስ ረኣየ እቲ ሰብኣይ ትጽቢቱ ዘይፍጸም ኮይኑ ተሰምዖ። እዚ ስለ ዝተረድአ ከኣ ኢዩ የሱስ: እቲ ዓመጸኛ ሰብኣይ ርግጸኛ መታን ክኸውን: ነቲ ተስፋኡ በዘን ቃላት እዚኣተን ዝጀመሮ:- “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ: ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ።” — ሉቃስ 23:42, 43 ትሓዓ
ተርጐምቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ምሳይ” እትብል ቃል ድሕሪ እታ “ሎሚ” እትብል ቃል ብምቕማጦም ነቶም ንቓላት የሱስ ክርድኡ ዝደልዩ ሰባት ጸገም ፈጢሮምሎም ኣለዉ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: የሱስ ናብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ገነት ኣይከደን። ኣብ ክንድኡስ: ክሳዕ’ቲ ኣምላኽ ዘተንስኦ ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ምንም ምንቅስቓስ ዘይብሉ ምዉት ኰይኑ ነበረ። ዋላ ድሕሪ ትንሳኤኡን ናብ ሰማይ ምዕራጉን እውን እንተኾነ: ክሳዕ እቲ ከም ንጉስ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዝገዝኣሉ ግዜ ዝበጽሕ ኣብ የማን ኣቦኡ ኰይኑ ክጽበ ነበሮ። (እብራውያን 10:12, 13) ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ: እቲ መንግስታዊ ግዝኣት ናይ የሱስ: ንደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ከምጽኣሎምን ንምልእቲ ምድሪ ድማ ናብ ገነት ክልውጣን ኢዩ። (ሉቃስ 21:10, 11, 25–31) ሽዑ ድማ ኢዩ: ነቲ ዓመጸኛ ሰብኣይ ኣብ ምድሪ ክነብር ኢሉ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ተስፋኡ ዝፍጽመሉ። የሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ ብዘድልዮ ዘበለ ክሓልየሉን ንኣነባብርኡ እውን ከይተረፈ ምስቲ ጻድቕ ሕግታት ናይ ኣምላኽ ንኸሰማምዖ ዘድልዩ ሓገዝ ክገብረሉ ስለ ዝኾነ በዚ መገዲ እዚ የሱስ ምስ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።
ትንሳኤ ናይ ብዙሓት
ትንሳኤ ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ልክዕ ከምቲ ናይቲ ንስሓ ዘርኣየ ዓመጸኛ ሰብኣይ: ኣብ ምድሪ ንምንባር ኢዩ። እዚ ምስቲ ኣምላኽ ንሰባት ክፈጥር ከሎ ዝነበሮ ናይ መጀመርያ ዕላማ ይሰማማዕ። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ገነት ኣቐሚጡ ንምድሪ ድማ ክገዝእዋ ወይ ክመልክዋ ኣዘዞም። ንኣምላኽ እዙዛት ኰይኖም እንተዝቕጽሉ ነይሮም እርጋንን ሞትን ዝበሃል ፈጺሙ ኣይምሃለወን። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ድማ: ምልእቲ ምድሪ ብኣዳምን በቶም ፍጹማት ዘርኡን ክትመሓደርን ሓንቲ ዓለምለኻዊት ገነት ክትከውንን ነበራ። ዘፍጥረት 1:28፣ 2:8, 9
እንተኾነ ግና: ኣዳምን ሄዋንን ኰነ ኢሎም አብ ሓጢኣት ስለ ዝወደቑ: ናብ ገዛእ ርእሶምን ናብቲ ዝሰዓበ ዘርኦምን ሞት ኣምጽኡ። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:17–19) በዚ ድማ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል:- “ከምቲ ብሰሪ ሐደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ።” — ሮሜ 5:12
ካብ ኩሎም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሰባት: ሓደ ሰብ ጥራይ ኢዩ ካብዚ ብውርሻ ዝመሓላለፍ ሓጢኣት ናጻ ኰይኑ ዝተወልደ። እዚ እቲ ህይወቱ ካብ ሰማይ ናብ ማህጸን እታ ማርያም ዝተባህለት ኣይሁዳዊት ድንግል ዝተሓላለፈት: ፍጹም ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። የሱስ ሓጢኣት ዘይብሉ ስለ ዝኾነ: ክመውት ዘይግብኦ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ሞቱ ኣብ ክንዲ “ሓጢኣት ዓለም” ናይ በጅነት ዋጋ ክኸፍል ብቑዕ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:29፣ ማቴዎስ 20:28) በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ የሱስ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ዝኸኣለ:- “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር ኢዩ።” — ዮሃንስ 11:25
እምበኣርከስ: ብርግጽ ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትካ እንደገና ክትራኸብ ከም ዝኾንካ ተስፋ ክትገብር ትኽእል ኢኻ: እንተኾነ ግና: ነዚ ንክትረኽቦ ንየሱስ ከም ተበጃዊኻን ከም ብኣምላኽ ዝተሾመ ንጉስን ገይርካ ክትእዘዞን ከድልየካ ኢዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንኹሉ ክፍኣት ካብዛ ምድሪ እዚኣ ጸራሪጋ ከተጥፍኦ ኢያ። ንኹሎም እቶም ንግዝኣታ ዝሕሰምዎ ሰባት ከተጥፍኦም ኢያ። እቶም ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ካብቲ ጥፍኣት ክድሕኑን ንምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥ ድማ ኣበርቲዖም ክዓዩን ኢዮም። — መዝሙር 37:10, 11፣ 21:3–5
ብድሕሪኡ እቲ ኣዝዩ መሳጢ እዋን: እዋን ትንሳኤ ክጅምር ኢዩ። ንምዉታት ክትቅበሎም ኣብኡዶ ብኣካል ክትህሉ ኢኻ? እዚ በቲ ሕጂ እትገብሮ ዘሎኻ ኢዩ ዝውሰን። ኩሎም እቶም ሕጂ ንግዝኣት ናይታ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ የሆዋ እሺ ኢሎም ዝተቐበሉ: ዘደንቕ በረኸት ይጽበዮም ኣሎ።