ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/7 ገጽ 3-8
  • ካበየናይ መኣዲ ኢኹም እትምገቡ ዘሎኹም?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካበየናይ መኣዲ ኢኹም እትምገቡ ዘሎኹም?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንመኣዲ ኣጋንንቲ” ወጊድ በልዎ
  • ‘እቲ እሙን ባርያ’ መኣዲ የሆዋ የሳሲ
  • ካብቲ ኣብ መኣዲ ኣጋንንቲ ዝቕረብ መርዛም መግቢ ተጠንቀቑ
  • ቀጻልነት ዝህልዎ መኣዲ የሆዋ ጥራይ ኢዩ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2024
  • የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ስልጣን
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ኣብ መንጎ መለኮታዊ ትምህርትን ትምህርቲ ኣጋንንትን ዘሎ ውግእ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኣጋንንቲ ብኸመይ ክንጻረሮም ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/7 ገጽ 3-8

ካበየናይ መኣዲ ኢኹም እትምገቡ ዘሎኹም ?

“ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከአለኩምን እዩ ።” — 1 ቈረንቶስ 10 : 21

1. ከመይ ዝበለ መኣድታት ኢዩ ኣብ ቅድሜና ተቐሪቡ ዘሎ ? ብዛዕባኡኸ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ ?

እዘን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዘመልክትኦ ኣብ ቅድሚ ደቅ ሰብ ክልተ ምሳልያዊ መኣድታት ኢዩ ተቐሪቡ ዘሎ ። ነፍሲ ወከፍ መኣዲ ኸኣ : በቲ ኣብኡ ተቐሪቡ ዘሎ ምሳልያዊ መግቢ ኢዩ ክፍለጥ ዝኽእል : ኵላትና ድማ ካብ ሓዲኡ ንበልዕ ኣሎና ። ዝኾነ ኾይኑ ግን ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተደኣ ንብህግ ኴንና ካብቲ ናቱ መኣዲ እናተመገብና ኸሎና ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ ኸኣ ከነቋላምጽ ኣይንኽእልን ኢና ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ :- “ኣይፋሉ : ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር : ንኣምላኽ ኣይኰነን ። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ ። ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን : ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን አይከኣለኩምን እዩ ።” — 1 ቈረንቶስ 10 : 20, 21

2. (ሀ) ብመዓልታት ጥንታዊት እስራኤል እንታይ መኣዲ የሆዋ ኢዩ ዝቐርብ ዝነበረ ? ኣብቲ መስዋእቲ ምስጋና ወይ መስዋእቲ ሕብረት መን ኢዮም ዝምቀሉ ዝነበሩ ? (ለ) ሎሚኸ ካብ መኣዲ የሆዋ ምምቓል ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ ?

2 እዘን ናይ ጳውሎስ ቃላት : ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ሕጊ የሆዋ ዘቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ ምስጋና ወይ ናይ ሕብረት መስዋእቲ እየን ዘዘኻኽራና ። እቲ ናይ ኣምላኽ መሰውኢ መኣዲ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ነይሩ : እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን እንስሳ ዘምጽእ ሰብ ከኣ ምስ የሆዋን ምስቶም ካህናትን ሕብረት ይህልዎ ነበረ ። ብኸመይ ? ቀዳማይ ነገር የሆዋ ኣብቲ መስዋእቲ ግደ ነይርዎ ኢዩ : ከመይሲ እቲ ደም ኣብቲ ናቱ መሰውኢ ኢዩ ዝንጸግ ዝነበረ : እቲ ስብሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ ብሃልሃልታ ሓዊ ይሓርር ነበረ ። ካልኣይ ከኣ እቲ ካህን (ምስ ስድርኡ) ነቲ ዝተጠብሰ ሓኸለን የማነይቲ እግርን ናይቲ ዝተሰውአ እንስሳ ብምብልዑ ኣብቲ መስዋእቲ ግደ ነይርዎ ኢዩ ። ሳልሳይ ከኣ እቲ ነቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ ካብቲ ዝተረፈ ብምብልዑ ኣብኡ ግደ ይህልዎ ነበረ ። (ዘሌዋውያን 7 : 11 – 36) ሎሚ ካብ መኣዲ የሆዋ ምምቓል ክበሃል ከሎ ናይ የሱስን ሃዋርያቱን ኣብነት ብምስዓብ ነቲ ንሱ ዝደልዮ ዓይነት ኣምልኾ ምሃብ ማለት ኢዩ ። ነዚ ንምግባር ከኣ ካብቲ የሆዋ ብቓሉን ብማሕበሩን ገይሩ ዘዳልዎ ዘሎ መንፈሳዊ መግቢ ክንምገብ ይግብኣና ። እስራኤላውያን ምስ የሆዋ ኣብ መኣዱ ፍሉይ ሕብረት ስለ ዝነበሮም ኣብ መኣዲ ኣጋንንቲ ከይዶም መስዋእቲ ከየቕርቡ ክልኩላት ኢዮም ነይሮም ። እቶም መንፈሳውያን እስራኤልን እቶም ብጾቶም ዝኾኑ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኣብ ትሕቲ ከምኡ ዝበለ መለኮታዊ ክልክል ኢዮም ዘለዉ ። — ዮሃንስ 10 : 16

3. ኣብዚ ግዜና ሓደ ሰብ ከመይ ኢሉ ኢዩ ካብ መኣዲ አጋንንቲ ብምምቃሉ በደለኛ ኰይኑ ክርከብ ዝኽእል ?

3 ኣብዚ ግዜና ከመይ ኢሉ ኢዩ ሓደ ሰብ ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ ብምምቓሉ በደለኛ ክኸውን ዝኽእል ? ንረብሓታት ናይ ዝኾነ ይኹን ኣንጻር የሆዋ ዝኾነ ነገር ብምግልጋል ኢዩ ። መአዲ ኣጋንንቲ ኵሉ እቲ ከስሕተናን ካብ የሆዋ ከርሕቐናን ዝዓለመ ጋኔናዊ መናፍሕ ወይ ፕሮፓጋንዳ ዘጠቓለለ ኢዩ ። እንታዋይ ካባና ኢዩ ንልቡን ኣእምሮኡን ብኸምዚ ዝበለ መርዚ ክምግብ ዝደሊ ? ሓቀኛታት ክርስትያናት : ኣብቲ ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት ንኣማልኽቲ ውግእን ሃብትን ዘቕርብዎ ዘለዉ : መስዋእትታት ካብ ምክፋል ይኣብዩ ኢዮም ። — ማቴዎስ 6 : 24

“ንመኣዲ ኣጋንንቲ” ወጊድ በልዎ

4. ኵላትና እንታይ ሕቶ ኢዩ ዘጋጥመና ? ዓይንና እናረኣና ፈሊጥና ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ ክንምቀል ዘይንደሊኸ ስለምንታይ ኢዩ ?

4 ሕጂ እቲ ንኹላትና ዝገጥመና ሕቶ ኣበየናይ መአዲ እየ ዝምገብ ዘለኹ ዝብል ኢዩ ። ካብዚ ክልተ መኣድታት ኣብ ሓዲኡ ክንምገብ ናይ ግድን ኢዩ ። (ምስ ማቴዎስ 12 : 30 ኣነጻጽሮ ።) ርግጽ ኢዩ ዓይንና እናረኣና ደይመደይ ኢልና ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ ክንምቀልሲ ኣይንውዕሎን ። ከመይሲ ከምኡ ምግባር ስምረት ናይቲ በይኑ ሓቀኛን ህያውን ዝኾነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ንስእን ክገብረና ኢዩ ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቲ ንምቀሎ መግቢ ካብ መኣዲ የሆዋ ጥራይ ምስ ዝኸውን ኣብ ሓጐስ ዝመልኦ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሓና ኢዩ ! (ዮሃንስ 17 : 3) ሰብ ነቲ ዝምገቦ ኢዩ ዝመስል ዝበሃል ኣዘራርባ ኣሎ ። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ ኣካላውን ኣእሙራውን ጥዕና ዓቂቡ ክነብር ዝደሊ ሰብ ነቲ ዝምገቦ ተጠንቂቑ ክምርምሮ ኣለዎ ። ከምቲ ስብሒ ዝመልኦ ሓሸርበሸር መግቢ ሽሕኳ ብቐመማት ምቁር ኮይኑ እንተ ተዳለወ ንጥዕናና ብቀጻሊ ክጠቕመና ዘይክእል : እቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፕሮፓጋንዳ ኸኣ ብጋኔናዊ ኣተሓሳስባ መቂሩ ዝቐረበ ንኣእምሮና ከበላሹ ዝኽእል ሕማቕ ምሳልያዊ ሓሸርበሸር ኢዩ ።

5. ሎሚ ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ጋኔናዊ ትምህርቲ ወጊድ ኢልና ከነርሕቖ እንኽእል ?

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት “ብምህሮ ኣጋንንቲ” ተታሊሎም ክህውትቱ ምዃኖም ተነብዩ ነይሩ ኢዩ ። (1 ጢሞቴዎስ 4 : 1) እዚ ከምዚ ዝመሰለ ምህሮ ኣጋንንቲ ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ እምነታት ጥራይ ዘይኮነ ዝርከብሲ ብኻልእ መገድታትውን ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኣሎ ። ንኣብነት ንሕናን ደቅናን እንታይ ዓይነት መጻሕፍትን መጽሔታትን ከም እነንብብ : እንታይ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት ከም እንርኢ ከምኡውን እንታይ ዓይነት ተዋስኦታትን ፊልምታትን ከም እንዕዘብ ተጠንቂቕና ክንግምግምን ከነመዛዝንን ይግብኣና ። (ምሳሌ 14 : 15) ንመዘናግዒ ኢልና ልብ ወለድ እንተደኣ ነንብብ ኴንና ጭከና ዝመልኦ ዓመጽ : ዘይሕጋዊ ጾታዊ ርክብ ወይ ጥንቁልና ዘተባብዕ ድዩ ? ምእንቲ ክንመሃር ልብ ወለድ ዘይኮኑ መጽሓፍቲ ነንብብ እንተደኣ ኴንናኸ : ፍልስፍና ወይ “ብክርስቶስ ዘይኮነ” ፍልስፍናን ናብራንዶ ይገልጸልና ኢዩ ? (ቈሎሴ 2:8) ባዶ ዝኾነ ግምታትዶ ኣትዮም ኣለዉ ? ወይስ ኣብ ናይ ዓለም ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ኢድካ ከተእቱ ጸቡቕ ከም ዝኾነዶ የተባብዕ ኢዩ ? ኣጸቢቕካ ኽትህብትም ዝብል ቆራጽነት ዘዕብየልካ ድዩ ? (1 ጢሞቴዎስ 6 : 9) ናይ ክርስቶስ ዘይኮነ ፈላላዪ ትምህርትታት ተረቂቑ ዘቕርብ ጽሑፍ ድዩ ? እቲ መልሲ እወ እንተደኣ ኰይኑ እሞ ንኸምዚ ዝበለ ጽሑፍ ድማ ነንብቦን ንምልከቶን ኴንና ኣብ መኣዲ ኣጋንንቲ ንምገብ ኣሎና ማለት ኢዩ ። ሎሚ ንቕሓት ዘለዎን እዋናውን ዝመስል ዓለማዊ ፍልስፍናታት ክብ ኣቢሎም ዘቕርቡ ብኣማእት ኣሽሓት ዝኾኑ ጽሑፋት ኣለዉ ። (መክብብ 12 : 12) ይኹን እምበር ካብዚ ፕሮፓጋንዳ እዚ ዋላ ሓደውን ይኹን እዝስ ብሓቂ ሓድሽ ኢዩ ዝበሃል የብሉን ። ልክዕ ከምቲ ሰይጣን ተበላሒቱ ንሄዋን ንጥቕማ ክዓዪ ዝበሎ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘይከኣለ : እዚ ነገርዚ ጥቕምን ምምሕያሽን ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ ። — 2 ቈረንቶስ 11 : 3

6. ሰይጣን ካብቲ ሓሸርበሸር ዝኾነ ጋኔናዊ መግቡ ክንጥዕም ክዕድመና ኸሎ ከመይ ጌርና ኢና ክንምልሸሉ ዘሎና ?

6 ስለዚ : ሰይጣን ካብዚ ጋኔናዊ ዝኾነ ሓሸርበሸር መግቡ ክንጥዕም ክዕድመና ኸሎ ከመይ ኢልና ክንምልሸሉ ኢዩ ዝግብኣና ? ልክዕ ከምቲ የሱስ ነቲ እምኒ ናብ እንጌራ ክልውጦ ብሰይጣን ምስ ተፈተነ ገይሩ ዝመለሸሉ ገይርና ብምምላሽ ኢና ክንገብሮ እንኽእል ። የሱስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ኢሉ ኢዩ መሊሽሉ ። ድያብሎስ : ንየሱስ ፍግም ኢሉ እንተደኣ ሰጊድሉ “መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ከም ዝህቦ ምስ ገለጸሉ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ : ንእኡ በይኑ ኸኣ ተገዛእ : ጽሑፍ ኣሎ እሞ : ኪድ ርሐቕ ሰይጣን” ኢሉ መለሸሉ ። — ማቴዎስ 4 : 3, 4, 8 – 10

7. ካብ መአዲ የሆዋ እናተመገብና ካብ መኣዲ ኣጋንንቲውን ክንምገብ ከም እንኽእል ንሓስብ እንተደኣ ኮይንና ስለምንታይ ኢዩ ርእስና ንጥብር ኣሎና ክበሃል ዝኽእል ?

7 መኣዲ የሆዋን : እቲ በቶም ጸላእቱ ዝኾኑ ኣጋንንቲ ዝተዳለወ መኣድን ፈጺሙ ክትዓረቕ ኣይክእልን ኢዩ ! አረ ቅድሚ ሕጂውን ተፈቲኑ ነይሩ ኢዩ ። እስከ ነቶም ብመዓልታት ነቢ ኤልያስ ዝነበሩ ጥንታውያን እስራኤል ንዘክሮም ። እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ነምልኽ ኢና በሃልቲ ኢዮም ነይሮም : ይኹን’ምበር ካልኦት ከም እኒ በዓል ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ከም ዝጽግዉዎም ይኣምኑ ነበሩ ። ኤልያስ ናብቶም ህዝቢ ቀሪቡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ ? እግዚኣብሄር [የሆዋ ትሓዓ] እንተኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ስዓቡ : በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኸኣ ንእኡ ስዓቡ :” በሎም ። ብርግጽ ከኣ እስራኤላውያን “ቅድም በታ ሓንቲ እግሮም ደሓር ከኣ በታ ካልኣይቲ” ኢዮም ደርገፍገፍ ዝብሉ ነይሮም ። (1 ነገስት 18 : 21 ፣ ዘጀሩሳሌም ባይብል) ኤልያስ ነቶም ነብያት በዓል ንኣምላኽነት ናይ ኣምላኾም ከመስክሩ ብድሆ ኣቕረበሎም ። እቲ ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ ሓዊ ከውርድ ዝኽእል ንሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ የረጋግጽ ። ብዙሕኳ እንተፈተኑ ካህናት በዓልሲ ፈሸሉ ደኣ ። ብድሕሪዚ ኤልያስ ብሕጽር ዝበለ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾንካ . . . ኺፈልጡስ ምላሽ ሃበኒ” ኢሉ ጸለየ ። ብኡብኡ ኸኣ ሓዊ ካብ የሆዋ ካብ ሰማይ ወሪዱ ንኹሉ እቲ ማይ ዝመልአ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ልቑምጽ ኣቢሉ በልዖ ። እቶም ህዝቢ በቲ ብግብሪ ዝተጋህደ ናይ የሆዋ ኣምላኽነት ኣሚኖም ንኤልያስ ተኣዘዝዎ ነቶም 450 ነብያት በዓል ከኣ ቀተልዎም ። (1 ነገስት 18 : 24 – 40) ስለዚ ሎሚውን : ቅድሚ ሕጂ ዛጊት ዘይገበርናዮ እንተደኣኾይንና : ንየሆዋ ከም ሓቀኛ ኣምላኽ ገይርና ኣፍልጦ ብምሃብ : ብቖራጽነት ካብ መኣዲ የሆዋ ጥራይ ክንምገብ ይግብኣና ።

‘እቲ እሙን ባርያ’ መኣዲ የሆዋ የሳሲ

8. የሱስ ኣብ ግዜ ህላዌኡ ወይ ምጽኣቱ ንደቀ መዛሙርቱ ንምምጋብ ከመይ ዝበለ ባርያ ከም ዝጥቀም ኢዩ ዝገለጸ ? መንነት ናይቲ ባርያኸ ብኸመይ ይፍለጥ ?

8 ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ህላዌኡ ሓደ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ንደቀ መዛሙርቱ መንፈሳዊ መግቢ ከም ዝቕርበሎም ተነብዩ ነይሩ ኢዩ :- “ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ : ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ : ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ከም ዚሾሞ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ።” (ማቴዎስ 24 : 45 – 47) እዚ ባርያ እዚ : ሓደ ውልቀሰብ ዘይኮነስ በቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ቅቡኣት ክርስትያናት ጉጅለ ዝቖመ ኢዩ ። እዚ ጉጅለ እዚ : ነቶም ቅቡኣት ተረፍን ነቶም ዓቢ ጭፍራን ዝኸውን ኣዝዩ ብሉጽ ዝኾነ መንፈሳዊ መግቢ ኣብቲ መኣዲ የሆዋ ቀሪቡ ኣሎ ። እዞም ቍጽሮም ብዘደንቕ መገዲ ልዕሊ አርባዕተ ሚልዮን በጺሑ ዘሎ ‘ዓቢ ጭፍራ’ ነቲ ጠቕላላዊ ልዕልነት የሆዋ ኣምላኽን ነታ ብእኣ ገይሩ ስሙ ዝቕድሶ መንግስቲ ኣምላኽን ንምድጋፍ ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ተሰሊፎም ኣለዉ ። — ራእይ 7 : 9 – 17

9. እቲ ክፍሊ ባርያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መንፈሳዊ መግቢ ንምቕራብ ከመይ ዝበለ መሳርያ ኢዩ ክጥቀም ጸኒሑ ? እቲ መንፈሳዊ ድግሶምከ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብትንቢት ተገሊጹ ዘሎ ?

9 እዚ ክፍሊ እሙን ባርያ እዚ : ንኹሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንፈሳዊ መግቢ ንምዕንጋል ንናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣሽቱ ጽሑፋትን ኢዩ ዝጥቀም ዘሎ ። ህዝበ ክርስትያንን ካልኦት ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘለዉን ህይወት ዝህብ መንፈሳዊ ምግቢ ብምስኣኖም ብጥሜት ክስሓጉ ኸለዉ ህዝቢ የሆዋ ብሓጐስ የብዕሉ ኣለዉ : (ኣሞጽ 8 : 11) እዚ ኸኣ መፈጸምታ ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ 25 : 6 ዘሎ ትንቢት ኢዩ :- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንኹሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ : ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ : ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ : ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ ።” ቍጽሪ 7 ከምኡውን ቍጽሪ 8 ከም ዘመልክትኦ እዚ ድግስ እዚ ንዘልኣለም ክቕጽል ኢዩ ። ኣየወ እዝስ ሕጂ ነታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ከመይ ዝበለ በረኸት ኢዩ : ንመጻኢ ግዜውን ንዘልኣለም ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ክኸውን ኢዩ !

ካብቲ ኣብ መኣዲ ኣጋንንቲ ዝቕረብ መርዛም መግቢ ተጠንቀቑ

10. (ሀ) እንታይ ዓይነት መግቢ ኢዩ በቲ ክፉእ ባርያ ዝዕደል ዘሎ ? ድራኼኦምከ እንታይ ኢዩ ? (ለ) እቲ ክፉእ ባርያ ነቶም ቀደም ብጾቱ ዝነበሩ ባሮት ከመይ ገይሩ ኢዩ ዘጋፍዖም ?

10 እቲ ኣብ መኣዲ ኣጋንንቲ ዘሎ መግቢ መርዛም ኢዩ ። ንኣብነት ነቲ በቲ እኩይ ባርያን በቶም ዓለወኛታትን ዝዕደል መግቢ እሞ ሕሰብሉ ። ዝዕንግል ወይ ዝሃንጽ ኣይኮነን : ጥዑይውን አይኮነን ። ክኸውን ከኣ ኣይክኣልን ኢዩ : ከመይሲ እቶም ዓለወኛታት ካብ መኣዲ የሆዋ ካብ ምምጋብ ኣቋሪጾም ኢዮም ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ሃኒጾሞ ዝነበሩ ሓዲሽ ሰብነት ተቐንጢጡ ኢዩ ። እቲ ዝድርኾም : መንፈስ ቅዱስ ዘይኮነስ መርዛም ስምዒት ናይ ምረት ኢዩ ። ነእምሮኦም ዓብሊልዎ ዘሎ ስምዒት ሐደ ኢዩ : ንሱ ኸኣ ከምቲ የሱስ ዝተነበዮ ነቶም ቀደም ብጾቶም ዝነበሩ ባሮት ምውቃዕ ኢዩ ። — ማቴዎስ 24 : 48, 49

11. ሲ. ቲ. ራስል መንፈሳዊ መግቢ ብዝምልከት ናይ ሓደ ሰብ ምርጫ እንታይ ኪኸውን ከም ዝኽእል ኢዩ ዝጸሓፈ ? ነቶም ንመአዲ የሆዋ ረጊጾም ዝኸዱኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዎም ዘሎ ?

11 ንኣብነት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተርኢና ብ1909 እቲ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበረ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሲ. ቲ. ራስል ብዛዕባ እቶም ካብ መኣዲ የሆዋ ዘላገሱ እሞ ነቶም ቀደም ብጾቶም ዝነበሩ ባሮት ምውቅዖም ዝጀመሩ ጽሒፉ ነበረ ። እታ ናይ 1 ጥቅምቲ 1909 ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ በለት :- “ኵሎም እቶም ካብዛ ማሕበር እዚኣን ዕዮኣን ዝፍለዩ ዘበሉ : ኣብ ክንዲ ክብልጽጉን ወይ ከኣ ንኻልኦት ብእምነትን ብምኹስኳስ ፍረ መንፈስን ክሃንጽዎም ዝረኣዩ ልክዕ ኣንጻሩ ክገብሩ ኢዮም ዝረኣዩ : ነቲ ቀደም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ዕላማ ክጐድኡ : ይብዛሕ ይውሓድ ወረ ዘርጊሖም ድማ ኣማስይኡ ቀሰይ እናበሉ ክቕህሙ ኢዮም ዝተራእዩ : ከምዚ ብምግባሮም ድማ ንገዛእ ርእሶምን ነቶም ከምቲ ናታቶም ዝበለ ናግራም መንፈስ ዘለዎም ሰባትን ጥራይ ኢዮም ዝጐድኡ ። . . . ምናልባሽ ኣብ ካልእ መኣዲ ከምዚ ዝምጽባቑ ወይ ካብኡ ዝበልጽ መግቢ ክንረክብ ንኽእል ኢና ዝብሉ : ወይውን ባዕላቶም ከምዚ ዝምጽባቑ ወይ ካብኡ ዝበልጽ መግቢ ከነዳሉ ንኽእል ኢና ዝብሉ እንተኣልዮም ሃየ መገዶም ይስዓቡ ። . . . እቲ ዘገርም ግን ንሕና : ካልኦት ኣብ ቃሕ ዝበሎም ቦታ ከይዶም መግብን ከዕግቦም ዝኽእል ብርሃንን ክረኽቡ ከነፍቅደሎም ከሎና : እቶም ተጻረርትና ዝኾኑ ግን ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ መስመር ኢዮም ዝወስዱ ። ብስብእነት ተደሪኾም ‘እቲ ዝመረጽክዎ ነገር ረኺበ ኣሎኹ ደሓን ኩኑ !’ ኣብ ክንዲ ዝብሉ : እዚኣቶም ከም እኒ ቍጥዓ : ክፍኣት : ጽልኢ : ባእሲ ዝመሰለ ‘ግብሪ ስጋን ግብሪ ድያብሎስን’ ዝኾነ ኣብ ዓለማውያን ሰባት እኳ ከምኡ ዝበለ ርኢና ዘይንፈልጥ ባህርያት ኢዮም ከንጸባርቑ ዝረኣዩ ። ብጽላለን ሰይጣናዊ ዕብዳንን ዝተለኽፉ ኢዮም ዝመስሉ ። ገለ ኻብኣቶም ከኣ ይወቕዑና እሞ ነቲ መውቃዕቲ ንሕና ከም ዝፈጸምናዮ ገይሮም ይዛረቡ ። ንዑቕ ዝኾነ ሓሶታት ንምዝራብን ንምጽሓፍን : ከምኡውን ሕሰም ንምግባር ክጐናብሑ ቅሩባት ኢዮም ።”

12. (ሀ) እቶም ዓለወኛታት ከመይ ገይሮም ኢዮም ነቶም ብጾቶም ባሮት ዝወቕዕዎም ? (ለ) ብህንጥዮት ተደሪኽካ ካብቲ ጽሑፋት ናይቶም ዓለወኛታት ምምጋብ ሓደገኛ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ ?

12 እወ ዓለወኛታት ሰባት ዝጽሕፍዎ ጽሑፋት ኣብ ጥውይዋያትን ፍርቂ ሓቅን ወይ ከኣ ግሁድ ሓሶት ዝተጸግዐ ኢዩ ። አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሰለይቲ ኾይኖም ብምምጻእ ነቶም ግሩሃት ክፍንጥርዎም ይፍትኑ ኢዮም ። ስለዚ ብህንጥዩነት ተደሪኽና ካብ ጽሑፋቶም ክንምገብን ወይውን ነቲ ጽዩፍ ዘረብኦም ክንሰምዕንሲ ሓደገኛ ኢዩ ! ምናልባሽ ብብሕትና ኣብ ሓደጋ የብጽሓና ኢዩ ኢልና ኣይንሓስብን ንኸውን : ይኹን እምበር እቲ ሐደጋስ ኣሎ ። ስለምንታይ ? ቀዳማይ ነገር ገለ ካብቲ ናይቶም ዓለወኛታት ጽሑፋት ንሓሶት “ብጥዑም ዘረባን” “ብዘረባ ጥበራን” ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ ። (ሮሜ 16 : 17, 18 ፣ 2 ጴጥሮስ 2 : 3) እዚዶ ኣይኮነን ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ እትጽበዮ ? እዞም ዓለወኛታት ሽሕ እኳ ሓደ ሓደ ጭብጥታት ከቕርቡ ዝኽእሉ እንተኾኑ : ዕላምኦም ንኻልኦት ካብ መኣዲ የሆዋ ከም ዝርሕቁ ንምግባር ስለ ዝኾነ እቲ ዘቕርብዎ ሓሳባት ፋይዳ የብሉን ። ብሓጺሩ ኵሉ ጽሑፋቶም ዝወቅስን ዘናውጽን ጥራይ ኢዩ ! ዋላ ሓንቲኳ ዝሃንጽ የብሉን ።

13, 14. ናይቶም ዓለወኛታትን ፕሮፓጋንዳኦምን ፍረ እንታይ ኢዩ ?

13 የሱስ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” በለ ። (ማቴዎስ 7 : 16) እሞኸ ደኣ እቲ ፍረ ናይቶም ዓለወኛታትን ጽሑፋቶምን እንታይ ኢዩ ? እቲ ፕሮፓጋንድኦም ኣርባዕተ መለለይታት ኣለዎ ። (1) ሕማቕ ብልሒ ። ኤፌሶን 4 : 14 “ንምፍሓስ ስሕተት ዝኸውን ተንኰል” እናበለ ይገልጾ ። (2) ትዕቢት ዝመልኦ ብልሃት (3) ፍቕሪ ዘይምህላው (4) ብብዙሕ መገድታት ምድንጋር ምርኣይ ። እቲ ኣብቲ መኣዲ ኣጋንንቲ ዝቐርብ መግቢ ቀመማቱ እዚ ኢዩ : ኵሉ ኸኣ ንእምነት ናይ ህዝቢ የሆዋ ንምንኣስ ዝዓለመ ኢዩ ።

14 ካልእ መዳይውን ኣሎ ። እቶም ዓለወኛታት ናበይ ኢዮም ተመሊሶም ዘለዉ ? ብብዙሕ መገድታት አብቲ ጸልማት ናይ ህዝበ ክርስትያንን ኣብቲ ከም እኒ ኵሎም ክርስትያናት ናብ ሰማይ ኢዮም ዝኸዱ ዝብል ሰረት ትምህርትን ኢዮም ተመሊሶም ዘለዉ ። ብተወሳኺ : መብዛሕትኦም ብዛዕባ ደምን : ገለልትነትን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምምስካርን ዝምልከት ጽኑዕ ጽሑፋዊ ኣቕዋም ኣይሕዙን ኢዮም ። ንሕና እሞ ካብ ጸልማት ናይ ዓባይ ባቢሎን ሃዲምና ወጺእና ኢና : ፈጺምና ኸኣ ናብኡ ክንምለስ ኣይንደልን ኢና ። (ራእይ 18 : 2, 4) ከም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ። ኣብ ፕሮፓጋንዳ ናይቶም ንመኣዲ የሆዋ ነጺጐም : ሕጂ ነቶም ነቲ “ጥዑይ ቃል” ክንወስድ ዝሕግዙና ድማ ብቓላት ገይሮም ዝወቅዕዎም ዘለዉ ሰባት ብጩራውን ይኹን ክንጥምቶም አይንደልን ኢና ። — 2 ጢሞቴዎስ 1 : 13

15. እቶም ዓለወኛታት ዝህብዎ ወቐሳታት ክንሰምዕ ከሎና እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መሰረታዊ ሕጊ ኢዩ ጥበባዊ መገዲ ንኽንወስድ ክድግፈና ዝኽእል ?

15 ገሊኣቶም ከኣ እዞም ዓለወኛታት ዝብልዎ ወቐሳታት ክሰምዑ ወጠምጠም ይብሉ ይኾኑ ። እንተኾነ ግን ነቲ ኣብ ዘዳግም 12 : 30, 31 ዘሎ መሰረታዊ ሕጊ ኣብ ልብና ከንሕዞ ይግባእ ። ኣብዚ የሆዋ ብሙሴ ገይሩ ንእስራኤላውያን ነቶም ኣረማውያን ካብታ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣጥፍእዎም ብዛዕባ ክውግድዎ ዘለዎም ነገራት ኣጠንቀቖም ። “ካብ ቅድሜኻ ምስ ጠፍኡ : ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰል : ብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ : እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ : ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር : ኢልካ ኸይትሓትት ተጠንቀቕ . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ ።” እወ የሆዋ ኣምላኽ : ናይ ወድሰብ ምህንጣይ ከመይ ገይሩ ከም ዝዓዪ : ይፈልጥ ኢዩ ። ንሄዋንን ንሰበይቲ ሎጥን ዘክረን ! (ሉቃስ 17 : 32 ፣ 1 ጢሞቴዎስ 2 : 14) ነቲ ዓለወኛታት ዝብልዎ ወይ ዝገብርዎ ዘለዉ እዝኒ ኣይንሃቦ ። የግዳስ ንሰባት ንምህናጽን እሙናት ኰይንና ኣብ መኣዲ የሆዋ ብምምጋብን ትሑዛት ንኹን !

ቀጻልነት ዝህልዎ መኣዲ የሆዋ ጥራይ ኢዩ

16. (ሀ) ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ነቲ ናይ ዓለም ህዝብታት ክምገቡሉ ዝጸንሑ ምሳልያዊ መኣድን እንታይ ክወርዶ ኢዩ ? (ለ) ንኹሎም እቶም ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ ምምጋብ ዝቕጽሉ ደቅ ሰብከ እንታይ ክወርዶም ኢዩ ?

16 ድሕሪ ሓጺር እዋን እቲ ዓቢ ጸበባ ብሃንደበት ክጅምር ኢዩ ። ብዝቐልጠፈ ግዜ “በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ” ብውግእ ክዛዘም ኢዩ ። (ራእይ 16 : 14, 16) የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብን ነቲ ናይ ዓለም ህዝብታት ክምገብሉ ዝጸንሑ ምሳልያዊ መኣድን ከጥፍኦ ከሎ ድማ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ ክበጽሕ ኢዩ ። ከምኡውን የሆዋ ንብምሉኡ እቲ ዘይርኤ ማሕበር ሰይጣን ድያብሎስ ምስ ኵሉ ጭፍራታት ኣጋንንቱን ከዕንዎ ኢዩ ። እቶም ብዘይምቍራጽ ካብቲ መንፈሳዊ መኣዲ ናይ ሰይጣን ማለት ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ ዝምገቡ ኣብ ሓደ ቃል ብቓሉ ስጋዊ መኣዲ ክካፈሉ ኢዮም : ሕጂ ግን ተማቐልቲ ናይቲ መኣዲ ዘይኮነስ ንርእሶም ኢዮም ከም መግቢ ንጥፍኣቶም ክብልዑ ! — ህዝቅኤል 39 : 4 ፣ ራእይ 19 : 17, 18

17. ነቶም ካብ መኣዲ የሆዋ ጥራይ ዝምገቡ እንታይ በረኸት ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ ?

17 ቀጻልነት ዝህልዎ መኣዲ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ። እቶም መማሰውቲ ኮይኖም ካብኡ ዝምገቡ ዘለዉ ጥራይ ከኣ ኢዮም ብህይወት ዝዕቆሩን ንዘለኣለም ካብኡ ንምምጋብ መሰል ዝረኽቡን ። ድሕሪ ደጊም ናይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዋሕዲ መግቢ ኣይከስግኦምን ኢዩ ። (መዝሙር 67 : 6 ፣ 72 : 16) ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ንየሆዋ ኣብ ገነት ንዘልኣለም ክውድስዎ ኢዮም ! ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ውኖኻ ዝመስጥ ቃላት ራእይ 21 : 4 ብግርማ ዝመልኦ መገዲ ፍጻሜኡ ክረክብ ኢዩ :- “እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ : ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን : ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን : ወይ ጫውጫው : ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ ።” ድሕሪ ደጊም ምጽራር ዝበሃል ስለ ዘይህሉ እቲ ጠቕላላዊ ልዕልነት የሆዋ ንዘልኣለም ኣለም ኣብ ኵሉ ክሰፍን መወዳእታ ዘይብሉ መለኮታዊ መጎስ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ንገነታዊት ምድሪ ዝነብርዋ ድሑናት ደቅሰብ እናፈሰሰ ክነብር ኢዩ ። ነዚ ዓስቢ እዚ ምእንቲ ክንረኽቦ : ኵላትና ካብቲ ኣዝዩ ብሉጽ መንፈሳዊ መግቢ ጀርቢቡ ዘሎ መኣዲ የሆዋ ጥራይ ንኽንምገብ ቈራጽነት ይሃልወና !

ከመይ ገይርካ ምመለሽካ ?

◻ ብምህሮ ኣጋንንቲ ከይንታለል እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል ?

◻ ስለምንታይ ኢና ብሓደ ግዜ ካብ መኣዲ የሆዋን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክንምገብ ዘይንኽእል ?

◻ በቶም ዓለወኛታት ዝቐርብ መግቢ : እንታይ ዝዓይነቱ ኢዩ ?

◻ ነቲ ዓለወኛታት ዘቕርብዎ ኽሲ : ክንፈልጦ ኢልና ምህንጣይ ሓደገኛ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ ?

◻ ናይቶም ዓለወኛታት ፍረ እንታይ ኢዩ ?

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መኣዲ የሆዋ በቲ ኣዝዩ ብሉጽ መንፈሳዊ መግቢ ይጅርብብ ኣሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ