በታ ፍጽምቲ ማእሰር ፍቕሪ ዝሓበሩ
‘ብፍቕሪ ብሓደ ስመሩ።’—ቈሎሴ 2:2
1, 2. እንታይ ፈላላዪ ተጽዕኖ ኢዩ ብፍላይ ሎሚ ኣሰፋሕፊሑ ዘሎ?
ጽን ኢልካ እሞ ስማዕ! ሓደ ብርቱዕ ድምጺ “ኣቱም ምድርን ባሕር ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ: ወይለኹም” ዝብል ድምጺ ኣብ ሰማያት የቃልሕ ኣሎ። (ራእይ 12:12) ነፍሲ ወከፍ ዓመት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ድማ እዚ መልእኽቲ እዚ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብዝያዳ እቲ ክፉእ እናኣንጸላለዎም ኢዩ።
2 እቲ ናይ የሆዋ ዝዓበየ ጸላኢ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ከም ተቓዋሚ (ሰይጣን) ጠቃኒ (ድያብሎስ) ተባሂሉ ኢዩ ክፍለጥ ጸኒሑ። እዚ መታለሊ እዚ ሕጂ ካልእ ክፉእ መልክዕ ኢዩ ወሲዱ ዘሎ—ቍጡዕ መልኣኽ ኰይኑ ኣሎ! ስለምንታይ? ምኽንያቱ ኣብቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ ዝጀመረ ውግእ ብሚካኤልን መላእኽቱን ካብ ሰማይ ስለ እተሰጐ ኢዩ። (ራእይ 12:7-9) ሰይጣን ነቲ ንኹሎም ሰባት ንኣምላኽ ካብ ምምላኽ ከርሕቖም ይኽእል ኢየ ዝብል ብድሆኡ ንኸረጋግጽ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ቅሩብ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። (እዮብ 1:11፣ 2:4, 5) ንሱን ኣጋንንቱን: ዝሃድምሉ ቦታ ስለ ዘይብሎም: ከምቲ ነድሩ ናብቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ጭፍራ ወድሰብ ዘውጽእ ዝነደረ ዕስለ ንህቢ ኢዮም።—ኢሳይያስ 57:20
3. ሰይጣን ኣብ ግዜና ምድርባዩስ እቲ ሳዕቤናቱ እንታይ ነበረ?
3 እዞም ብዓይኒ ሰብ ዘይረኣዩ ፍጻሜታት እዚኣቶም ነዚ ኣብ መንጐ ወድሰብ ዘሎ ሓፈሻዊ ምውዳቕ ናይ ሞራል ዝገልጹ ኢዮም። እዚ ነተን ብሓደ ሰሚረን ክነብራ ብዘይምኽኣለን ዝመቓቐላ ዘለዋ ሃገራት ለቓቒብካ ንምሕባር ዝግበር ዘሎ ዓወት ዘይብሉ ናይ ሰባት ዕቡድ ጻዕርታት እውን ይገልጽ ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣህዛብ ገዛ ዘይብሎምን ዝተመዛበሉን ክሳዕ ዝገብሮም: ቀቢላውን ዓሌታውን ጉጅለታት ብጭካነ ኣብ ንሓድሕዶም ይዋግኡ ኣለዉ። ዓመጽ ብኣዝዩ ዘደንጹ ዓቐን በዚሑ ምህላዉ ዘገርም ኣይኮነን! ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ‘ፍቕሪ ናይ ብዙሓት ሰባት ትዝሕል ኢያ ዘላ።’ ኣብ ዝኾነ ይኹን እንተ ተዓዘብና ስምረት ዘይምህላውን ፍቕሪ ኣልቦነትን ምልክት ናይዚ ሎሚ ዘሎ ርግኣት ዘይብሉ ሕብረተሰብ ኰይኖም ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:12
4. ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ፍልይ ዝበለ ሓደጋ ዘለዉስ ስለምንታይ ኢዩ?
4 ነዚ ናይ ዓለም ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ የሱስ ምእንቲ ሰዓብቱ ዝጸለዮ ጸሎት ዓሚቍ ኣገዳስነት ኣለዎ:- “ካብቲ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” (ዮሃንስ 17:15, 16) ሎሚ: “እቲ እኩይ” ቍጥዕኡ ብፍላይ ኣብቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ኢዩ ዘውጽኦ ዘሎ። (ራእይ 12:17) የሆዋ ሓለውኡን ፍቕራዊ ሓልዮቱን እንተዘይህብ ነይሩ: እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ምጠፍኡ ነይሮም። ህይወትና ካብቲ ኣምላኽ ንመንፈሳዊ ዕቑባናን ድሕነትናን ዘዳለዎ ምስንዳእ ኣብ ምጥቃምና ዝተጸግዐት ኢያ። እዚ ከምቲ እቲ ሃዋርያ ኣብ ቈሎሴ 1:29 ተማሕጺንዎ ዘሎ ምስቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝዓዪ ዘሎ ሓይሉ ተሰማሚዕና ምጽዓር ዘጠቓልል ኢዩ።
5, 6. ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ክርስትያናት ሰብ ቈሎሴ ከመይ ተሰመዖ: እታ ቀንዲ ኣርእስቲ ጥቕሲ ናይ 1995 ግብእቲ እትኸውንከ ስለምንታይ ኢያ?
5 ምንም እኳ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ምናልባት ገጽ–ንገጽ ርእይዎም ዘይፈልጥ እንተነበረ ንሱስ ኣፍቀሮም ድኣ። ከምዚ ድማ በሎም:- “ብዛዕባኹም ዓሚቍ ዝኾነ ጭንቀት ከም ዘሎኒ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።” (ቈሎሴ 2:1 ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ ብጀይ. ቢ. ፊሊፕስ) ናይ የሱስ ሰዓብቲ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዘይኰኑ: “እቲ እኩይ” ኣብ መንጎኦም መንፈስ ናይዛ ዓለም ብምዝራእ: ሓድነት ናይቶም ኣሕዋት ክብትን ካብ ምፍታን ኣይከቋርጽን ኢዩ። እቲ ኤጳፍራስ ካብ ቈሎሴ ዘምጸኦ ወረ እዚ ነገር እዚ ብዝተወሰነ ደረጃ ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ።
6 ሓደ ካብቲ ጳውሎስ ነቶም ከርስትያናት ኣሕዋቱ ዝነበሮ ቀንዲ ሓልዮት በተን:- ‘ብፍቕሪ ብሓደ ስመሩ’ ዝብላ ቃላት ጌርካ ክጠቓለል ይኽእል ኢዩ። ኣብዛ ብምፍልላይን ፍቕሪ–ኣልቦነትን መሊኣ ዘላ ዓለም: ሎሚ እዘን ቃላቱ ፍልይ ዝበለ ትርጕም ኣለወን። ነዚ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ኣብ ልብና እንተድኣ ሒዝናዮ: ነቲ ናይ የሆዋ ሓልዮት ከነስተማቕሮ ኢና። ነቲ ጸቕጢ ናይ ዓለም ክንቃወሞ ክሕግዘና ነቲ ሓይሊ ናይቲ መንፈሱ ኣብ ህይወትና ክንምኮሮ ኢና። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ጥበባዊ ምኽሪ ኢዩ! ስለዚ ቈሎሴ 2:2 ናይ 1995 ቀንዲ ኣርእስቲ ጥቕስና ክትከውን ኢያ።
7. ኣብ መንጎ ሓቀኛታት ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ስምረት ኢዩ ክህሉ ዘለዎ?
7 ኣብታ ኣቐዲማ ንሰብ ቈረንቶስ እተጻሕፈት ደብዳበ: እቲ ሃዋርያ ነቲ ናይ ወዲ ሰብ ኣካል ከም ምሳሌ ተጠቕመሉ። ኣብታ ጉባኤ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ” እምበር “ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 12:12, 24, 25) ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ምሳሌ ኮን ኢዩ! እቲ መሓውርና ኣብ ንሓድሕዱ ይደጋገፍ ኢዩ: ነፍሲ ወከፉ ድማ ምስ ካልእ ክፍሊ ናይ ኣካልና ይተሓሓዝ። እዚ ኣብቲ ብቕቡኣት ተረፍን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ክነብሩ ተስፋ ዝገብሩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩን ዓለምለኻዊ ሕብረት ናይ ኣሕዋት ዝውዕል ኢዩ። ብብሕትና ክንነብር ኢልና: ንገዛእ ርእስና ካብ ክርስትያናት ብጾትና ክንፈልያ የብልናን! ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ብምዕያይ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብቲ ሕብረት ናይ ኣሕዋትና ብብዝሒ ክውሕዝ ኢዩ።
ስምረት ምስ ፍልጠት ይዛመድ
8, 9. (ሀ) ንናይ ጉባኤ ስምረት ዘሎና ኣበርክቶ መሰረቱ እንታይ ኢዩ? (ለ) ብዛዕባ ክርስቶስ ዘሎካ ፍልጠት ብኸመይ ረኺብካዮ?
8 ሓደ ካብቲ ናይ ጳወሎስ ቀንዲ ነጥብታት: ክርስትያናዊ ስምረት: ብፍላይ ምስቲ ንክርስቶስ ዝምልከት ፍልጠት: ይዛመድ ኢዩ። ጳውሎስ ክርስትያናት ‘ብኹሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን: ንፍልጠት እቲ [ቅዱስ ትሓዓ ] ምስጢር ኣምላኽ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ: ብፍቕሪ ብሓደ ስመሩ’ ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 2:2) ካብቲ ቃል አምላኽ ከነጽንዕ ዝጀመርናሉ ግዜ ኣትሒዙ ፍልጠት—ጭብጥታት—ክንድልብ ጸኒሕና ኢና። ብዙሓት ካብዞም ጭብጥታት እዚኣቶም ብኸመይ ኣብ ዕላማ አምላኽ ከም ዝውዕሉ እናተረዳእና ብዝኸድና መጠን: ነቲ ናይ የሱስ ኣገዳሲ ግደ ክንርድኦ ኢና። “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ ኣሎ።”—ቈሎሴ 2:3
9 ንዓኻኸ ብዛዕባ የሱስን ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደን ከምኡ ይስምዓካዶ ኢዩ? ብዙሓት ኣብ ህዝበ–ክርስትያን ንየሱስ ከም እተቐበልዎን ብእኡ ከም ዝደሓኑን ይዛረቡ ኢዮም። ግን ብሓቂ ገይሮም ይፈልጥዎዶ ኢዮም? ኣይፈልጥዎን ኢዮም: ከመይሲ ዳርጋ ኵሎም ኣብቲ ዘይጽሑፋዊ ናይ ስላሴ ሰረተ–እምነት ኢዮም ዝኣምኑ። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት እቲ ሓቂ ትፈልጦ ጥራይ ዘይኮነስ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ሰፊሕ ፍልጠት ኣሎካ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ በቲ መሃሪ መጽናዕቲ ናይታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል ናይ እንግሊዘኛ መጽሓፍ: ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ፍልጠት ክረኽብዎ ተሓጊዞም ኢዮም። ይኹን እምበር ነቲ ብዛዕባ የሱስን መገድታቱን ዘሎና ፍልጠት ከነዕምቖ ከድልየና ኢዩ።
10. እቲ ስዉር ፍልጠት ብኸመይ ኢዩ ንዓና ተዳልዩልና ዘሎ?
10 እቲ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን” ኣብ የሱስ “ተሰዊሩ” ኣሎ ዝብል ሓሳብት: እዚ ፍልጠት እዚ ካብ ምርዳእና ንላዕሊ ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ ልክዕ ከምቲ ክፉት መዐደኒ ኢዩ። ኣብ ሓደ ገፊሕ ቦታ በየን ምኹዓት ከም እንጅምር ኮለል ምባል ዘድልየና ኣይኮነን። ድሮ ፈሊጥናዮ ኢና—ናይ ብሓቂ ፍልጠት: በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝገልጾ ኢዩ ዝጅምር። ነቲ የሱስ ዕላማ የሆዋ ኣብ ምፍጻም ዘለዎ ግደ እናኣማሰናሉ ምስ ከድና: ነቲ መዝገብ ናይ ሓቂ ጥበብን ርጡብ ፍልጠትን ንረኽቦ። ስለዚ እቲ ዘድልየና ዘሎ ከየቋረጽና ኣዕሚቑና ክንኩዕትን ካብቲ ዝዃዓትናዮ ድማ ክቡር ኣእማን ወይ ክቡር ነገራት ምውሳድን ኢዩ።—ምሳሌ 2:1-5
11. በቲ የሱስ ዝገበሮ ብምስትንታንና ፍልጠትናን ጥበብናን ብኸመይ ከነዕብዮ ምኸኣልና? (በቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እግሮም ምሕጻቡ ወይ ካልእ ኣብነት ገይርካ ኣብርሃዮ።)
11 ንኣብነት: የሱስ ኣእጋር ደቂ መዛሙርቱ ከም ዝሓጸበ ንፈልጥ ንኸውን። (ዮሃንስ 13:1-20) ይኹን እምበር ኣብቲ ዝምህሮ ዝነበረ ትምህርትን ዘንጸባረቖ ኣረኣእያን ኣስተንቲንናዶ ንፈልጥ? ከምዚ ምግባርና ምስቲ ቅድም ባህሪኡ ንነዊሕ ግዜ ቀጨውጨው ዘብለና ዝነበረ ሓው ወይ ሓብቲ ኣካይዳና ክንልውጥ ዘኽእለና—እወ ዘለዓዕለና—መዝገብ ጥበብ ክንወስድ ንኽእል ንኸውን። ወይ ድማ ኣጸቢቕና ዘይንፈትዎ ዕዮ ምስ ዝወሃበና: ምሉእ ትርጕሙ ናይ ዮሃንስ 13:14, 15 ምስ ተረዳእናዮ ብጽቡቕ ንምልሰሉ ንኸውን። በዚ’ዩ እቲ ፍልጠትን ጥበብን ዝትንክፈና። ምስቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፍልጠት ናይ ክርስቶስ ጠቢቕና እናቐዳሕናዮ ምስ እንኸይድ: ኣብ ካልኦት እንታይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል? ምናልባት እተን መጓሰ ‘ብፍቕሪ ብሓደ ይሰምራ’ ይኾና።a
ኣቓልቦ ምዝምባል ንስምረት ክሃስዮ ይኽእል
12. ብዛዕባ ንምንታይ ዝምልከት ፍልጠት ኢና ክንጥቀቕ ዘድልየና?
12 ርጡብ ፍልጠት ‘ብፍቕሪ ብሓደ ክንሰምር’ ዘቀላጥፍ ካብ ኰነ: ካብቲ “ብሓሶትሲ ‘ፍልጠት’ ተባሂሉ ዘሎ” እንታይ ፍረ ኢዩ ዝርከቦ? እቲ ብኣንጻሩ ዘሎ ኢዩ—ክርክር: ዘይምውህሃድን ካብ እምነት ምልጋስን። ስለዚ ከምቲ ጳወሎስ ንጢሞቴዎስ ኣጠንቂቕዎ ዘሎ ካብቲ ናይ ሓሶት ፍልጠት ክንጥንቀቕ ይግብኣና። (1 ጢሞቴዎስ 6:20, 21 ትሓዓ) ብተወሳኺ ጳወሎስ ከምዚ ኢሉ ጽሓፈ:- “ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቑልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ።”—ቈሎሴ 2:4, 8
13, 14. (ሀ) ብፍልጠት ዝመጸስ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም? (ለ) ሎሚ ዘለዉ ገለ ሰባት ኣብ ተማሳሳሊ ሓደጋ ከም ዘየለዉ ዝስምዖምሲ ስለምንታይ ኢዩ?
13 እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት በቲ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ ሰላሕታዊ ዝኾነ ጽልዋ ተኸቢቦም ኢዮም ነይሮም። እቶም ኣብ ቈሎሴን ከባቢኣን ዝነበሩ ነቲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍናታት ዝለዓለ ክብሪ ኢዮም ዝህብዎ ነይሮም። ነቶም ክርስትያናት ነቲ ናይ ሙሴ ሕጊ: ከም ናይ በዓል መዓልትታትን ናይ መግቢ ሕግታትን: ክሕልውዎ ዝደልዩ ኣብ ኣይሁድነት ዝኣምኑ እውን ነይሮም ኢዮም። (ቈሎሴ 2:11, 16, 17) ጳውሎስ ነቶም ኣሕዋቱ ናይ ሓቂ ፍልጠት ከይረኽቡ ይቃወሞም ኣይነበረን: ኣብ ክንድኡስ በቲ ቓል ቅብጥር ገይሮም ከይማርኽዎም እሞ ኣብ ህይወቶምን ተግባራቶምን ብሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ከይከዱ ክጥንቀቑ ይደልዮም ነበረ። ገለ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ንኣታሓሳስባኦምን ውሳኔኦምን በቲ ዘይጽሑፋዊ ኣምራትን ኣገባባትን ናይ ህይወት ምስ ዝመርሕዎ: ኣንጻር ስምረትን ፍቕርን ኣባላት ናይታ ጉባኤ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ።
14 ‘እወ: ነቲ ሰብ ቈሎሴ ዘጓንፎም ዝነበረ ሓደጋ እርድኦ ኢየ: ይኹን እምበር በቲ ተጽዕኖ ናይ ግሪኽ ኣምራት ማለት ዘይትመውት ነፍሲ ወይ ድማ ስላስያዊ ኣምላኽ ከይጽሎ ኣብ ሓደጋ የለኹን: በቲ ዘምለጥኩሉ ጣኦታዊ በዓላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እውን ከይሰድዕ ኣብ ሓደጋ የለኹን’ ትብል ትኸውን። እዚ ጽቡቕ ኢዩ። ብልዕልነት ናይቲ ብየሱስ እተገልጸን ኣብ ጽሑፋት ዘሎን መሰረታዊ ሓቂ ኣጸቢቕካ ርግጸኛ ክትከውን ሰናይ ኢዩ። ይኹን እምበር: በቶም ሕጂ ሰፊኖም ዘለዉ ካልኦት ፍልስፍናታት ወይ ናይ ሰባት ርእይቶታት ኣብ ሓደጋ ኢና ዘሎና ክንብል ኣይንኽእልንዶ?
15, 16. ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ናይ ህይወት ኢዩ ንሓደ ክርስትያን ክትንክፎ ዝኽእል?
15 ሓደ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ርእይቶ:- “ተስፋ ምጽኣቱ ድኣ ኣበይ ኣሎ? ኣቦታትና ደቂሶም ኢዮም: ገና ግን ኵሉ ልክዕ ከምቲ ኵሉ ግዜ ዝነበሮ ኢዩ ዘሎ” ዝብል ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:4 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) እዚ ስምዒት እዚ ብኻልእ ቃላት ክግለጽ ይኽእል ይኸውን: ይኹን እምበር እቲ ኣረኣእያ ኣይተቐየረን። ንኣብነት ሓደ ሰብ ‘ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር ንሓቂ ክመሃራ ከሎኹ መወዳእታ “ኣብ ቀረባ ግዜ” ኢዩ እብል ነይረ። ግን ጌና ኣይመጸን: ድሓር ከኣ መዓስ ከም ዝመጽእሲ መንዶ ይፈልጥ ኢዩ?’ ኢሉ ክሓስብ ይኽእል ኢዩ። ሓቂ’ዩ መወዳእታ መዓስ ከም ዝመጽእ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እንተኾነ ግን: ነቲ የሱስ ክህልወና ዝተማሕጸኖ ርእይቶ ኣስተብህልሉ:- “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ንቕሑን ጸልዩን።”—ማርቆስ 13:32, 33
16 እቲ መወዳእታ መዓስ ከም ዝኾነ ስለ ዘይፍለጥ: ምሉእ ከምኡውን “ንቡር” ተባሂሉ ዘሎ ህይወት ክንነብር ኢልና መደብ ክንገብርሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ኮን ኢዩ! እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብቲ ‘ንዓይ (ወይ ንደቀይ) ጽቡቕ ኣታዊ ዘለዎን ምቹእ ህይወት ከነስተማቕርን ዘኽእለኒ ክብረት ዘለዎ ስራሕ ክህልወኒ ስጉምትታት ክወስድ ቅቡል ኢዩ። ልክዕ’ዩ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈልን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ድማ ገለ እጃም ክህልወንን ኢዩ: ይኹን እምበር ክጽዕርን ዓቢ መስዋእትታት ክገብርን ምንም ምኽንያት የብለይን’ ዝብል ኣተሓሳስባ ክርአ ይከኣል ኢዩ።—ማቴ. 24:38-42
17, 18. የሱስን ሃዋርያቱን ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ክህልወና ኢዮም ዝተማሕጸኑና?
17 ይኹን እምበር: የሱስን ሃዋርያቱን በነባብራና እቲ ወንጌል ክስበኽ ህጹጽ ምዃኑ ክስመዓና ክንጽዕርን መስዋእትታት ክንገብር ድልዋት ክንከውንን ከም ዝተላበዉና ዝከሓድ ኣይኮነን። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጽሓፈ:- “ኣሕዋተየ: እዚ ግና እነግር አሎኹ: እቲ ዘመን ሓጺር እዩ: እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕረዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ . . . እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ: እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ።”—1 ቈረንቶስ 7:29-31፣ ሉቃስ 13:23, 24፣ ፊልጲ 3:13-15፣ ቈሎሴ 1:29፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:10፣ ራእይ 22:20
18 ጳውሎስ ሸቶና ምቹእ ህይወት ክህልወና ክኸውን ዘይኮነስ: ብመንፈስ ተመሪሑ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጸእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና . . . ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል: ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሓዛ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:7-12
19. እቶም ነቲ የሱስ ዘተባብዖ ኣረኣእያ ናይ ህይወት ዝቕበሉ ዘለዉዋ ጉባኤ ብኸመይ ትትንከፍ?
19 ሓንቲ ጉባኤ በቶም ‘ጽቡቕ ህዝባዊ ምስክርነት ክህቡ’ ኣዝዮም ዝጽዕሩ ቐናኣት ክርስትያናት ዝቖመት እንተድኣ ኰይንና: ስምረት ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ። ነቲ “ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝኣኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ: ብልዒ: ስተዪ: ተሓጐሲ” ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይማረኹሉን ኢዮም። (ሉቃስ 12:19) ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ዘይድገም ዕዮ ብዝከኣሎም ምሉእ ተሳታፍነት ክህልዎም መስዋእቲ ክገብሩ ፍቓደኛታት ኰይኖም ኣብ ሓደ ዓይነት ጻዕሪ ሓቢሮም ኣለዉ።—ምስ ፊልጲ 1:27, 28 ኣነጻጽሮ።
ብዛዕባ ቃል ቅብጥር ተጠንቀቕ
20. ክርስትያናት ክታለሉሉ ዝኽእሉ ካልእ መዳይ እንታይ ኢዩ?
20 ክርስትያናት ‘ብፍቕሪ ብሓደ ሓቢሮም ክሰምሩ’ ክዕንቅፎም ዝኽእል ‘ብቓል ቅብጥር ክስሕትሉ’ ወይ ድማ ብኸንቱ ክጥበርሉ ዝኽእሉ ካልእ መገድታት እውን ኣለዉ። እቲ ኣብ ጀርመን ዘሎ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓደ ኵነታት ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት: ብዛዕባ እቲ ሓደ ሓው ዘዘውትሮም ዝነበረ ዓይነታት ፍወሳ ኣስፋሕትን ሽማግለታትን እውን ከይተረፈ ወገን ክሳዕ ዝወስዱ ናብ ሰፊሕ ክርክር ኣምርሐ። ከምዚ ብምባል ይውስኹ:- “ብዙሓት ዓይነት ኣገባባት ዝውቱራት ብምዃኖምን ቁጽሪ ሕሙማት ምብዝሑን ነቲ ኵነታት ንኽርክር ክፉት ይገብሮ: ብተወሳኺውን እቶም ናይ ፍወሳ ኣገባባት ናይ ሓተታ መናፍስቲ ሰላሕታ ምስ ዝህልዎ እዚ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ኤፌሶን 6:12
21. ብኸመይ ኢዩ ሓደ ክርስትያን ሎሚ ነቲ ቅኑዕ ዒላማ ክስሕት ዝኽእል?
21 ክርስትያናት ንኣምላኽ ምእንቲ ከምልኽዎ ጥዑያት ኰይኖም ብህይወት ክነብሩ ኢዮም ዝደልዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ስርዓት እዚ ነቲ ናይ ዘይፍጽምና ውጽኢት ዝኾነ እርጋንን ሕማምን ተገዛእቲ ኢና። ኣብ ናይ ጥዕና ጉዳያት ካብ ምትኳር ናብቲ ንዓናን ንኻልኦትን ሓቀኛ ፍታሕ ዘምጽእ ከነስተብህል ዝሓሸ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ክርስቶስ ከምቲ ኣብታ ንሰብ ቈሎሴ ዝተጻሕፈት ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ቀንዲ ዕላማ ዝነበረ: ንሱ ቀንዲ መፍትሒ ናይዚ ኢዩ። ግን ጳውሎስ ገሊኦም “ብቓል ቅብጥር” ገይሮም ካብ ክርስቶስ ኣርሒቖም ኣቓልቦና ናብ ናይ ምርመራ ኣገባባት: ሕክምናዊ ክንክን ወይ ድማ ናይ ኣመጋግባ ኣገባባት ከም ዘድህብ ክገብርዎ ክመጹና ይኽእሉ ኢዮም።—ቈሎሴ 2:2-4
22. ብዛዕባ እቶም ዝተፈላለዩ ኣገባባት ናይ ሕክምናዊ ምርመራታትን ክንክናትን ዝምልከት ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልወና ዘለዎ?
22 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ኵሎም ዓይነት ሕክምናዊ ክንክናትን ናይ ሕክምናዊ ምርመራታት ስልትን ብረክላማትን መብጽዓታትን ተጎልቢቦም ኢዮም ዘለዉ። ገለ ካብዚኣቶም ብብዝሒ ዝዝውተሩ ኢዮም: እቶም ካልኦት ድማ ብሰፊሑ ይንቀፉን ኣብ ጥርጠራ ወዲቖምን ኣለዉ።b ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንጥዕንኡ ብዝምልከት እንታይ ከም ዝገብር ክውስን ሓላፍነት ኣለዎ። እቶም ነቲ ኣብ ቈሎሴ 2:4, 8 ዝርከብ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ዝቕበሉ ግና: በቲ ንብዙሓት ተስፋ መንግስቲ ዘይብሎምን ዕረፍቲ ንኽረኽቡ ኸኣ ተስፋ ዝቖረጹ ሰባት: ናብ ጌጋ ዝመርሕ ዘሎ ‘ቓል ቅብጥር’ ወይ ድማ ‘ኸንቱ ምጥባር’ ንኸይህውትቱ ይከላኸለሎም። ሓደ ክርስትያን ሓደ ሕክምናዊ ክንክን ንዕኡ ጽቡቕ ኰይኑ እኳ እንተ ረኸቦ: ነዚ ኣብቲ ክርስትያናዊ ሕውነት ከማዕብሎ የብሉን: ከመይሲ እዚ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ መዛረብን ክርክርን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብኸምዚ ነቲ ኣገዳስነት ናይ ስምረት ኣብታ ጉባኤ ብኽብሪ ከንጸባርቖ ይኽእል።
23. ንኽንሕጐስ ፍልይ ዝበለ ምኽንያት ዘሎናስ ስለምንታይ ኢዩ?
23 ጳውሎስ ክርስትያናዊ ስምረት መሰረት ናይ ሓቀኛ ሓጐስ ምዃኑ ኣጋኒኑ ኣሎ። ኣብ ግዜኡ ቍጽሪ ናይተን ጉባኤታት ካብዚ ናይ ሎሚ ዝወሓደ ከም ዝነበረ ዝተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር ንሰብ ቈሎሴ ከምዚ ኢሉ ጽሓፈሎም:- “ብሰጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ: ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ: ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩምን ብክርስቶስ እናርኤኹውን እሕጐስ ኣሎኹ።” (ቈሎሴ 2:5 ከምኡውን ቈሎሴ 3:14 ርአ።) እቲ ናይ ሓጐስና ምኽንያትሲ ኣየ ክንደይ ዓቢ ኢዩ! ኣብ ጉባኤና ነቲ ሓፈሻዊ ኵነታት ናይ ህዝቢ አምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘንጸባርቕ መረጋገጺ ናይ ሓቂ ስምረት: ጽቡቕ ስርዓትን ኣብ እምነት ጽንዓትን ክንርእዮ ኪኢልና ኢና። ስለዚ ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ሓጺር ግዜ ናይዚ ኣገባብ እዚ ‘ብፍቕሪ ብሓደ ክንሰምር’ ቆሪጽና ንለዓል።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ክንማሃረሎም እንኽእል ብዙሓት ጸብጻባት እኳ እንተለዉ: ካብዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብነታት: ጉባኤኻ ክትሰምር ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ብብሕትኻ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ክትማሃር ከም እትኽእል ርአ:- ማቴዎስ 12:1-8፣ ሉቃስ 2:51, 52፣ 9:51-55፣ 10:20፣ እብራውያን 10:5-9
b ነታ ናይ 15 ሰነ 1982 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22–9 ረአ።
ኣስተብሂልካሎምዶ?
◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ 1995 ዓመታዊት ጥቕሲ እንታይ ኢያ?
◻ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ብፍቕሪ ብሓደ ክሰምሩ ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዩ: ሎሚ ንዓና ከምኡ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ካብ እንታይ ከስድዕ ዝኽእል ኣረኣእያ ናይ ህይወት ኢዮም ክርስትያናት ብፍላይ ሎሚ ክጥንቀቑ ዘድልዮም?
◻ ክርስትያናት ብዛዕባ ጥዕናን ስልትታት ናይ ሕክምናዊ ምርመራን ዝምልከት: ብቓል ጥበራ ከይታለሉ ንቑሓት ክኾኑ ዘለዎምሲ ስለምንታይ ኢዮም?
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ናይ መጻኢ መደባትካ ኣብ ናይ የሱስ ህላዌ ዘተኰሩ ድዮም?