ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/4 ገጽ 26-31
  • እታ “ከም እቶን እትነድድ” መዓልቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ “ከም እቶን እትነድድ” መዓልቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ጨካን ኣምላኽ ድዩ?
  • “እታ ጸሓይ”ትበርቕ
  • ዓቢ ትምህርታዊ መደብ
  • በታ መዓልቲ የሆዋ ዝድሕን መን ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ካብ ትንቢት ሚልክያስ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እታ መፍርሂት መዓልቲ የሆዋ ቀሪባ ኢያ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ከም ኤልያስ እሙን ክትከውን ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/4 ገጽ 26-31

እታ “ከም እቶን እትነድድ” መዓልቲ

“እንሆ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ። ” ​—⁠ሚልክያስ 4:⁠1

1. ምስ ሚልክያስ 4:⁠1 እተተሓሓዘ እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል?

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: እቶም የሆዋ ኣስማቶም ኣብ መጽሓፍ መዘከርታኡ ክጽሕፎም ዝመርጾም ሕጕሳት ኢዮም። እንተኾነ ግን እቶም ነዚ መሰል እዚ ዘይበቕዑ ሰባትከ? ገዛእቲ ይኹኑ ተራ ሰባት: ንኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽን ንመልእኽቶምን ብንዕቀት ዝርእይዎም እንተድኣ ኾይኖም ብኸመይ ክሓልፍዎ ኢዮም? ሚልክያስ ብዛዕባ እታ መዓልቲ ምጽብጻብ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ምዕራፍ 4 ቍጽሪ 1 ከምዚ ነንብብ:- “እንሆ: እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ እሞ: ኵሎም ዕቡያትን ረሲእነት ዚገብሩ ዘበሉ [ኹ]ላቶምን ብርዒ ኪ[ኾ]ኑ እዮም: እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ንእኦም: ሱር ወይ ጨንፈር ከይሐደገት: ሞ[ኽ] ከተብሎም እያ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”

2. ህዝቅኤል ብዛዕባ ፍርዲ የሆዋ እንታይ ስእላዊ መግለጺ ኢዩ ዝሃበ?

2 ካልኦት ነብያት እውን ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዘውርዶ ፍርዲ ምስቲ ዘሽሉቕ ዋዒ ናይ እቶን ኢዮም ዘመሳስልዎ። እቲ ኣብ ህዝቅኤል 22:​19-22 ዘሎ ቃላትሲ ኣየወ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንቆራታት ናይ ህዝበ–ክርስትያን ዘውርዶ ፍርዲ ብልክዕ ዝውዕል! ከምዚ ኸኣ ይንበብ:- “ስለዚ እግዚአብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፤ ኵላትኩም ሓርኢ ሓጺን ኢኹም እሞ: ስለዚ እንሆ: . . . ክእክበኩም እየ። ከምቲ ኪመክኽ ኢሎም: ሓዊ ምእንቲ ኺነፍሕሉ: ንብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን ዓረርን ቈርቈሮን ኣብ ማእከል እቶን ዚእክብዎ: ከምኡ ኸኣ ብቑጥዓይን ብነድረይን ክእክበኩምን ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ። ክእክበኩም ሓዊ ነድረይ ድማ ክነፍሓልኩም እየ። ኣብ ማእከላውን ክትመኩ ኢኹም። ከምቲ ብሩር ኣብ ማእከል እቶን ዚመክኽ: ከምኡ ኣብ ማእከላ ኽትመኩ ኢኹም። ንስኻትኩምውን: ኣነ እግዚኣብሄር ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ: ክትፈልጡ ኢኹም።”

3, 4. (ሀ) ኣቕሽሽቲ እንታይ ግቡዝ ምንያት ኢዮም ዝገበሩ? (ለ) ናይ ሃይማኖት ሕሰማዊ መዝገብ እንታይ ኢዩ ሒዙ ዘሎ?

3 ብሓቂ ሓያል ምሳሌ! እቶም ንስም የሆዋ ከይጥቀሙሉ ዝኣብዩ: አረ ነቲ ቅዱስ ስሙ ዝጻረፉ ኣቕሽሽቲ: ምስታ መዓልቲ ምጽብጻብ ናይ ግድን ክጋጠሙ ኢዮም። ብትዕቢት ተደሪኾም ንሳቶምን እቶም ፖለቲካውያን መሻርኽቶምን ንመንግስቲ ኣምላኽ ባዕሎም ኣብ ምድሪ ከቑምዋ ወይ እንተወሓደ ንምድሪ ነታ እትመጽእ መንግስቲ እትበቅዕ ቦታ ክገብርዎ ምኽዋኖም ይንየቱ።

4 ከሓድቲ ህዝበ ክርስትያን ምስ ፖለቲካውያን ገዛእቲ ብምሕባር ኣብ ዘስካሕክሕ ውግኣት ይካፈሉ ኢዮም ዘለዉ። ነቲ ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘበን እተገብረ ናይ መስቀላውያን ውግእ: ብናይ እስጳኛ ናይ መናፍቓን ፍርዲ ዝግበር ዝነበረ ኣገዲድካ ሃይማኖት ምልዋጥ: እቲ ኣብ መበል 17 ክፍለ–ዘበን ንብዙሓት ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ዘዕነወ ናይ ሰላሳ ዓመታት ውግእን እቲ ንካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያን ኣብ እስጳኛ እግሪ ከትክል ዝዓለመ ናይ 1930ታት ሓድሕዳዊ ውግእ እስጳኛን ታሪኽ መዝጊቡዎ ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ምፍሳስ ደም ግን ኣብዚ ዘበንና ኣብቲ ክልተ ውግኣት ዓለም: ካቶሊካውያንን ፕሮተስታንትን ኣብቲ ዓይኒ–ብለይ ስኒ–ብለይ ዓይነት ውግእ ብምክፋል ነቶም ኣመንቲ ብጾቶምን ካልኦትን ብዘይ ኣፈላላይ ምስ ሓረድዎም ኢዩ እተፈጸመ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ: ኣብ ኣየርላንድ: ኣብ መንጐ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን: ኣብ ህንዲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታውያን ክፋላት: ከምኡውን ኣብ ዩጎዝላቭያ ነበር ኣብ መንጐ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ሓድሕዳዊ ኵናት ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ገጻት ናይ ሃይማኖታዊ ታሪኽ: ብሰማእትነት ናይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሙናት መሰኻኽር የሆዋ እውን ደም ተጸይቑ ኢዩ።​—⁠ራእይ 6:​9, 10

5. ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ፍርዲ ኢዩ ዝጽበዮ ዘሎ?

5 ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝኾነት ዓባይ ባቢሎንን እቶም ደገፍታን ዝወርድ: እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ፍትሓዊ ፍርዲ የሆዋ ሓንጐፋይ ኢልና ከነማስወሉ ንኽእል ኢና። እዚ ፍርዲ እዚ ኣብ ራእይ 18:​21, 24 ተገሊጹ ኣሎ:- “ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ: ከምዚ እናበለ: ባቢሎን: እታ ዓባይ ከተማ: ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ: ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ: በለ።”

6. (ለ) መን ኢዮም ብርዒ ክኾኑ ዘለዎም: ስለምንታይከ? (ለ) ነቶም ንየሆዋ ዝፈርሁ ሰባትከ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘለዎ?

6 ሓደ ግዜ ኵሎም ጸላእቲ ጽድቅን እቶም ሰዓብቶምን ‘ብርዒ ኪ[ኾ]ኑ ኣለዎም።’ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ማእከሎም ከም እቶን ኰይና ክትነድድ ኢያ። ‘ሱር ወይ ጨንፈር ኣይክትሓድገሎምን ኢያ።’ ኣብታ መዓልቲ ምጽብጻብ እቲኣ: ንኣሽቱ ቈልዑት: ወይ ጨንፈር: ብመሰረት እቲ የሆዋ ንሱራቶም: ማለት ነቶም ኣብ ልዕሊ እዞም ውሉዳት እዚኣቶም ሓላፍነት ዘለዎም ወለዶም: ዝህልዎ ገምጋም ብፍትሒ ክርኣዩ ኢዮም። እኩያት ወለዲ ነቲ እኩይ መገድታቶም ዝቕጽልዎ ዉሉዳት ኣይኪህልዉዎምን ኢዮም። እቶም ኣብ መብጽዓታት መንግስቲ ኣምላኽ እምነት ዘርእዩ ግን ኣይኪነቓነቑን ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: እብራውያን 12:​28, 29 ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ: ስለዚ . . . ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።”

የሆዋ ጨካን ኣምላኽ ድዩ?

7. ፍቕሪ የሆዋ ኣብቲ ፍርዱ ዝኣቱስ ብኸመይ ኢዩ?

7 እዚ ግን የሆዋ ጨካንን ቂመኛን ኣምላኽ ኢዩ ማለት ድዩ? ፈጺሙ ኣይኰነን! ኣብ 1 ዮሃንስ 4:​8 እቲ ሃዋርያ ነቲ መሰረታዊ ሓቂ ብኸምዚ ይገልጾ:- “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” ድሕሪ’ዚ ኣብ ቍጽሪ 16 ወሲኹ ከምዚ ብምባል የጕልሖ:- “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ: እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር: ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።” የሆዋ ንደቅሰብ ፍቕሪ ስለ ዘለዎ ኢዩ ንምድሪ ካብ ኵሉ እከይ ከጽርያ ዓሊሙ ዘሎ። እዚ ፈቃርን መሓርን ኣምላኽና ከምዚ ይብል:- “ኣነ ህያው እየ: . . . ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር: ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። . . . ስለምንታይከ እትሞቱ[?] ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ: ተመለሱ።”​—⁠ህዝቅኤል 33:​11

8. ዮሃንስ ንገዛእ ርእሱ ከም ወዲ ነጐዳ ተመሲሉ ኸሎ: ገና ግን ንፍቕሪ ዘጕልሓ ብኸመይ ኢዩ?

8 ዮሃንስ ንኣጋፐ: መትከል ዘለዋ ፍቕሪ: ካብ ናይቶም ሰለስተ ጸሓፍቲ ወንጌል ተደሚሩ ዝበዝሕ ግዜ ጠቒሱዋ ኣሎ: ይኹን እምበር ኣብ ማርቆስ 3:​17 ዮሃንስ ንገዛእ ርእሱ “ወዲ ነጐዳ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እዚ ወዲ ነጐዳ እዚ ኢዩ ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ ነቲ ኣብ ራእይ ኣብታ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ: ንየሆዋ ፍርዲ ዘውርድ ከም ዝኾነ ዝገልጾ: ራእያዊ መልእኽትታት ዝጸሓፈ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ከም በዓል “መጽሞቕ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ” “ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ” ከምኡውን ‘ቍጥዓ ናይቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ብዝብል ናይ ፍርዲ መግለጺታት ዝመልአት ኢያ።​—⁠ራእይ 14:​19፣ 16:​1፣ 19:⁠15

9. የሱስ ኣብቲ ናይ የሆዋ ፍርድታት እንታይ መግለጺታት ኢዩ ዝሃበ: እዞም ትንቢታት እዚኣቶምከ ብኸመይ ተፈጸሙ?

9 ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ:” ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸሎ ፍርድታት የሆዋ ብትብዓት ይእውጅ ነበረ። (ቈሎሴ 1:​15) ንኣብነት: ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ግቡዛት ሃይማኖታውያን ብጋህዲ ዝኣወጀሎም ሸውዓተ ወዮታት ኣሎ። ነዚ ናይ ኵነኔ ፍርዲ በዘን ዝስዕባ ቃላት ገይሩ ደምደሞ:- “የሩሳሌም: የሩሳሌም: ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ: ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ: ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። . . . እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ።” ሰላሳን ሾውዓተን ዓመታት ጸኒሑ: እቲ ፍርዲ በቶም ብጀነራል ቲቶስ ዝምርሑ ሰራዊት ሮሜ ተፈጸመ። እታ መዓልቲ እቲኣ መፍርሂት መዓልቲ ኢያ ነይራ: ንሳ ናይታ ኣብ ተመኵሮ ናይ ሰባት ኣዝያ መፍርሂት ክትከውን ዘለዋ መዓልቲ: እወ: ናይታ ቀልጢፋ ክትባራዕ ዘለዋ መዓልቲ የሆዋ ትንቢታዊት ጽላሎት ኢያ ነይራ።

“እታ ጸሓይ”ትበርቕ

10. እታ “ጸሓይ ጽድቂ” ንህዝቢ ኣምላኽ ሓጐስ እተምጽኣሎም ከመይ ገይራ ኢያ?

10 የሆዋ ካብታ መዓልቲ ዝድሕኑ ኪህልዉ ምኽዋኖም ኣፍሊጡ ኢዩ። ነዚኣቶም ኣመልኪቱ ኣብ ሚልክያስ 4:​2 ከምዚ ይብል:- “ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና: ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ: ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ።” እዚ ጸሓይ ጽድቂ እዚ ብዘይካ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ: ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንሱ መንፈሳዊ “ብርሃን ዓለም” ኢዩ። (ዮሃንስ 8:​12) ከመይ ገይሩኸ ኢዩ ዘብርህ? ቅድም: እዚ ሎሚውን ከይተረፈ ክንረኽቦ እንኽእል: መንፈሳዊ ምሕዋይ ብምሃብ: ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ከኣ ካብ ኵሎም ህዝብታት ንዝመጹ ሰባት ኣካላዊ ምሕዋይ ብምሃብ ኢዩ ናይ ምፍዋስ ኣኽናፍ ሒዙ ዝቐርብ። (ማቴዎስ 4:​23፣ ራእይ 22:​1, 2) ብምሳልያዊ መገዲ: ከምቲ ሚልክያስ ዝበሎ: እቶም ዝሓወዩ ከም ካብ ደምበ እተፈትሑ ‘ብተይ ኪወጹን ኪዕንድሩን’ ኢዮም። እቶም ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ኣብ ሰብኣዊ ፍጽምና ክበጽሑ ተስፋ ዝገብሩ ድማ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኪዓጽዱ ኢዮም!

11, 12. (ሀ) ነቶም ረሲኣን ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ? (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ ‘ንረሲኣን ዝረግጽዎም’ ብኸመይ ኢዮም?

11 ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቶም እኩያትከ? ኣብ ሚልክያስ 4:​3: ከምዚ ነንብብ:- “በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹም ሓሙ[ኹ]ስቲ ኪ[ኾ]ኑ እዮም እሞ: ንረሲኣን ክትረግጽዎም ኢኹም: ይብል እግዚአብሄር ጐይታ ሰራዊት።” እቲ ተዋጋኢ ኣምላኽና ነቶም ዘፍቅርዎ እናሓለወ: ነቶም ጨካናት ጸላእቲ ብምጥፋእ ንምድሪ ከጽርያ ኢዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከኣ ክእሰሩ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 145:20፣ ራእይ 20:​1-3

12 ህዝቢ ኣምላኽ ነቶም እኩያት ኣብ ምጥፋእ ኢዶም ኣይኪመልሱን ኢዮም። እሞ ከመይ ኢሎም ደኣ ኢዮም ‘ንረሲኣን ዚረግጽዎም[?]’ ኣብቲ ዝግበር በዓል ናይ ዓቢ ዓወት ብምክፋል ብምሳልያዊ መገዲ ኢዮም ነዚ ዝገብርዎ። ዘጽኣት 15:​1–21 ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ በዓል ይገልጽ ኢዩ። እዚ ድማ ፈርኦን ምስ ሰራዊቱ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምድምሳሱ ዝኾነ ኢዩ። ንፍጻሜ ትንቢት ኢሳይያስ 25:​3–9: ነቲ ምልጋስ ናይቶም “ጨካናት” ስዒቡ ዝመጽእ ምስ መብጽዓ ኣምላኽ እተኣሳሰረ ናይ ዓወት መኣዲ ኢዩ:- “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚአብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ: ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፤ እንሆ: ኣምላኽና እዚ እዩ: . . . እቲ እተጸቤናዮ እግዚአብሄር እዚ እዩ: ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና: ኪበሀል እዩ።” ኣብዚ ሓጐስ እዚ ናይ ሕነ ምፍዳይ ወይ ናይ ሕራይ ኰኑ ዝብል መንፈስ ኣይኰነን ዘሎ: ኣብ ክንዳኡስ ስም የሆዋ ብምቕዳሱን ምድሪ ድማ ሕቡራት ደቅሰብ ብሰላም ክነብሩዋ ብምጽራያ ዝርከብ ፍስሃ ኢዩ ዝህሉ።

ዓቢ ትምህርታዊ መደብ

13. ኣብታ “ሓዳስ ምድሪ” እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ኪዋሃብ?

13 ኣብ ሚልክያስ 4:​4: ኣይሁዳውያን ‘ነቲ ሕጊ ሙሴ ክዝክርዎ’ ተማዒዶም ነበሩ። ስለዚ ሎሚውን ከምቲ ኣብ ገላትያ 6:​2 ተጠቒሱ ዘሎ ን“ሕጊ ክርስቶስ” ክንስዕቦ ኣሎና። ደሓንቲ ኣርማጌዶን ብዘይጥርጥር ኣብዚ እተመርኰሰ ተወሳኺ መምርሒታት ኪወሃቦም ኢዩ: እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ክግንጸል ዘለዎ ኣብ ራእይ 20:​12 ዘሎ “መጽሓፍ” ዝጸሓፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣየወ እቲ ግዜ እትስ: እቶም ዝትንስኡ ምዉታት: ናይታ “ሓዳስ ምድሪ” ኣነባብራ ንኽስዕቡ ክማሃሩ ብምኽዋኖም: ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኰን ኪኸውን ኢዩ!​—⁠ራእይ 21:⁠1

14, 15. (ሀ) እቲ ዘመናዊ ኤልያስ ብኸመይ ኢዩ ዝልለ? (ለ) እቲ ክፍሊ ናይ ኤልያስ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ?

14 እዚ ድማ ናይቲ ኣብ ሚልክያስ 4:​5 ተመዝጊቡ ዘሎ “እንሆ: እታ ዓበይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚአብሄር ከይመጸት: ነብዪ ኤልያስ ክልእከልኩም እየ” ዝብል: የሆዋ ዝጠቐሶ ትምህርታዊ ዕዮ መቐጸልታ ኪኸውን ኢዩ። እዚ ዘመናዊ ኤልያስ መን ኢዩ? የሱስ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ‘ብመንግስቱ ምምጻእ’ ጠቒሱ: “ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ: ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ” በለ። ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣብቲ ከረን ምስ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ከሎ “ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ: ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ።” ኣብዚ ራእይ እዝስ ንበይኑ ድዩ ነይሩ? ኣይፋሉን: ከመይሲ “እንሆ ኸኣ: ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም።”​—⁠ማቴዎስ 17:​2, 3

15 እዚ እንታይ ማለት ኰን ይኸውን? የሱስ ኣብቲ ንፍርዲ ዝመጸሉ እዋን እቲ ዝዓበየ ሙሴ ኰይኑ ከም ዝመጽእ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 18:​18, 19፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:​19–23) ኣብቲ ዝመጸሉ እዋን: ቅድሚ እታ ዓባይን መፍርሂትን ዝኾነት መዓልቲ የሆዋ ምውቅዓ: ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣብ ኵላ ምድሪ ዝግበር ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ክፍጽም: ምስ ዘመናዊ ኤልያስ ክተሓባበር ኢዩ። ሚልክያስ 4:​6 ነቲ ናይዚ “ኤልያስ” እዚ ዕዮ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣነ መጺኤ ንምድሪ ብዜጽንት መርገም ከይወቕዓስ: ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ: ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ኪመልስ እዩ።” እምበኣር “ኤልያስ:” እቲ ጐይታኡ: የሱስ ኣብ ኵሉ ጥሪቱ ዝሾሞ: እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ናይቶም ክፍሊ ቅቡኣት ክርስትያናት ምኽዋኑ ኢዩ ዝፍለጥ። እዚ ኸኣ ነቶም ናይ እምነት ስድራቤት ዘድሊ መንፈሳዊ “ምግቦም በብጊዜኡ” ምሃብውን ዘጠቓለለ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:​45, 46

16. በቲ ዕዮ ናይ ክፍሊ ኤልያስ እንታይ ዘሐጕስ ፍረታት ኢዩ ዝመጸ?

16 ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም: ነቲ ዘሐጕስ ፍረ ናይዚ ናይ ምምጋብ መደብ እዚ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብ120 ቋንቋታት 16,100,000 እናወጸ: ካብኡ 97 ቋንቋታት ብሓደ እዋን እናተሓትመ በዚ“ብስራት መንግስቲ” ንምድሪ የጥለቕልቓ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:​14) ካልእ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝሕተም ጽሑፋት ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ እተፈላለየ መዳያት ናይ ስብከትን ትምህርትን ዕዮ ዝውዕል ኢዩ። እዚ ክፍሊ ኤልያስ: ማለት እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነቶም “ንመንፈሳዊ ድልየቶም ንምምላእ ዝነቕሑ” ኣዕዚዙ ሽሻይ ንክሰርዓሎም ንቑሕ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:​3 ትሓዓ) ብተወሳኺ: እቶም ንተስፋ ናይታ መንግስቲ ዝቕበሉን ምስኡ ተሰማሚዖም ዝመላለሱን ኣብቲ ዘደንቕ ዓለምለኻዊ ሕብረት ኢዮም ዝጥርነፉ። እዚ ነቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ [ቋ]ንቋታትን እተአከቡ” ዓቢ ጭፍራ ዝሓቍፍ ኢዩ። (ራእይ 7:​9) እቲ ዕዮ ከምቲ የሆዋ ዝደለዮ ኾይኑ ምስ ተፈጸመ: ሽዑ ኣብታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ የሆዋ: መወዳእታ ኪመጽእ እዩ።

17. መፍርሂት መዓልቲ የሆዋ መኣስ ኢያ ክትባራዕ?

17 መኣስ ኢያ እሞ እታ መፍርሂት መዓልቲ ብሃንደበት እትጅምር? ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ መልሲ ይህብ:- “መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ [ኾ]ይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ: . . . [ምናልባት ብፍልይ ዘበለ መገዲ] ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።”​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:​2, 3

18, 19. (ሀ) “ሰላምን ደሓንን” ዝእወጅ ብኸመይ ኢዩ? (ለ) ህዝቢ የሆዋ ቅሳነት ዚረኽቡ መኣስ ኢዮም?

18 እዞም ኣብዚ ትንቢት “ኣይከምልጡን እዮም” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም? ንሳቶም እቶም ካብዚ ስብርባር ናይዛ ዓመጸኛ ዓለም ገይሮም እተሓባበረ ሓድሽ ስርዓት ክሃንጹ ይኽእሉ ምኽዋኖም ዝዛረቡ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኢዮም። እተን ዘፍረይወን ዓበይቲ ትካላት ዝበሃላ: እተኣሳሰራ መንግስትታትን ሕቡራት ሃገራትን ነዚ ኽገብራኦ ኣይከኣላን። ሕጂውን እንተኾነ ከምቲ ነብዪ ናይ የሆዋ ኣቐዲሙ እተዛረቦ: “ሰላም ዜልቦስ: ሰላም ሰላም” እናበሉ ይዛረቡ ኣለዉ።​—⁠ኤርምያስ 6:​14፣ 8:​11፣ 14:​13–16

19 ክሳዕ ሽዑ ዘሎ ግዜ: ህዝቢ የሆዋ ነዚ ካብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ዝመጾም ጸቕጥታትን መስጐጕትን ክጽመሙ ኢዮም። ይኹን እምበር ብኡንብኡ: ከምቲ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 1:​7, 8 ተገሊጹ ዘሎ “በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።”

20. (ሀ) ጸፎንያስን ኣንባቆምን ብዛዕባ እታ “ከም እቶን እትነድድ” መዓልቲ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝንበዩ? (ለ) እዞም ትንቢታት እዚኣቶም እንታይ ምኽርን ምትብባዕን ኢዮም ዝህቡ?

20 እዚኸ ክሳዕ ክንደይ ብቕልጡፍ ኪኸውን ኢዩ? ብዙሓት ካባና ንነዊሕ ግዜ ክንጽበ ጸኒሕና ኢና። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ኪድሕኑ ዘለዎም ትሑታት ሰባት ነቲ ኣብ ጸፎንያስ 2:​2, 3 ዝርከብ መጸዋዕታ ይምልሽሉ ኣለዉ:- “ ንእግዚአብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ [ቍ]ጥዓ እግዚአብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።” ቀጺሉ ጸፎንያስ 3:​8 ከምዚ ዝብል መተሓሳሰቢ ሒዙ ይርከብ:- “እግዚአብሄር ከምዚ ይብል አሎ: ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትውሐጥሲ: ኵራይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም: ነህዛብ ክእክቦም: ንመንግስታት ከኣ ኽኣኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ: ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ።” እቲ መወዳእታ ቐሪቡ ኢዩ! እታ መዓልትን እታ ሰዓትን የሆዋ ኢዩ ዝፈልጣ: ነቲ ናይ ግዜ ሰሌዳኡ ድማ ኣይኪልውጦን ኢዩ። ብትዕግስቲ ንጸመም። “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” (ኣንባቆም 2:​3) መፍርሂት መዓልቲ የሆዋ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝቐልጠፈ ትቐርብ ኢያ ዘላ። እታ መዓልቲ ከም ዘይትድንጒ ዘክር!

ብድግማ መልክዕ

◻ ገዛእቲ ይኹኑ ተራ ሰባት ኣብታ መፍርሂት መዓልቲ የሆዋ ብኸመይ ክርኣዩ ኢዮም?

◻ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ኢዩ?

◻ ንህዝቢ ኣምላኽ እተገልጸሎም ትምህርቲ እንታይ ዝዓይነቱ ኢዩ?

◻ ብዛዕባ ምቕራብ መወዳእታ ዝምልከት ነብያት ኣምላኽ ብኸመይ ኢዮም ዘተባብዑና?

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ እዋን ናይ እስጳኛ ናይ መናፍቓን ፍርዲ ብዙሓት ሃይማኖቶም ናብ ካቶሊክ ክቕይሩ ተገዲዶም ኢዮም

[ምንጪ ስእሊ]

The Complete Encyclopedia of Illustration/ J. G. Heck

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ