ንሓዝን እኳ እንተዀንና ብዘይ ተስፋ ኣይኰናን
“ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ: ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።”—1 ተሰሎንቄ 4:13
1. ወድሰብ ወትሩ ዘሕልፎ ዘሎ ተመኵሮ እንታይ ኢዩ?
እተፍቅሮ ሰብ ብሞት ስኢንካዶ ትፈልጥ? መብዛሕትና: ዕድመ ብዘየገድስ: ብሞት ናይ ዘመድ ወይ ብጻይ ሓዚንና ኢና። ምናልባት ኣቦሓጎ ወይ እኖሓጎ: ወላዲ: ናይ መርዓ ብጻይ ወይ ውሉድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እርጋን: ሕማም ከምኡውን ሓደጋታት ወትሩ ሞት የስዕቡ ኢዮም ዘለዉ። ገበን: ዓመጻ ከምኡውን ውግእ ነቲ ሕሰምን ሓዘንን የግድድዎ። ኣብ ምልእቲ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብገምጋም ልዕሊ 50 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ይሞቱ። ኣብ 1993 መዓልታዊ ገምጋም ናይ ዝሞቱ ሰባት 140,250 ኢዩ ነይሩ። ናይ ሞት ጕድኣት ንኣዕርዅን ስድራ ቤትን ይትንክፍ: እቲ ናይ ሰብካ ምስኣን ስምዒት ከኣ ዓሚቝ ኢዩ።
2. ብዛዕባ ሞት ናይ ውሉድ ልሙድ ዘይኰነ ነገር እንታይ ኢዩ?
2 በቶም ኣብ ካሊፎርንያ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከቡ ብምኽንያት ሃንደበታዊ ናይ መኪና ድንገት ጥንስቲ ጓሎም ዝሰኣኑ ወለዲ ክንሓዝንዶ ኣይምኸኣልናን? ብዘይ ተጸበይዎ ፍጻመ: እታ ሓንቲ ጓሎምን ወዲ ጓሎም ክኸውን ዝነበሮ ህጻንን ሰኣኑ። በዓል ቤት ናይታ ግዳይ ከኣ በዓልቲ ቤቱ ከምኡውን በኹሪ ወዱ ወይ ጓሉ ሰኣነ። ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ: ወለዲ ብሞት ናይ ውሉድ ክሳቐዩ ባህርያዊ ኣይኰነን። ውሉዳት ቅድሚ ወለዶም ክሞቱ ንቡር ኣይኰነን። ኵልና ህይወት ነፍቅር ኢና። ስለዚ ሞት ናይ ሓቂ ጸላኢ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:26
ሞት ናብ ሰብኣዊ ስድራቤት ሓለፈ
3. ሞት ናይ ኣቤል ንኣዳምን ሄዋንን ብኸመይ ተንኪፍዎም ክኸውን ይኽእል?
3 ካብ ምዕላው ናይቶም ቀዳሞት ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ኣትሒዞም ሓጢኣትን ሞትን ንገለ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመታት ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ከም ነገስታት ኰይኖም ገዚኦም ኢዮም። (ሮሜ 5:14፣ 6:12, 23) ኣዳምን ሄዋንን: ኣቤል ወዶም ብቃየል ምስ ተቐትለ ብኸመይ ከም እተቐበልዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን ኢዩ። ብብዙሕ ምኽንያታት: እዚ ንዕኦም ሕማቕ ተመኵሮ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ: ንመጀመርታ ግዜ: ሰብኣዊ ሞት ኣብ ገጽ ወዶም ረኣይዎ። ፍረ ናይ ዕልወቶምን ናይቲ ዝቕጽል ዝነበረ ጌጋ ኣጠቓቕማ ናጻ ድሌቶምን ርእዮምዎ ኢዮም። ቃየል: ካብ ኣምላኽ መጠንቀቕታ ረኺቡ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ናይ መጀመርታ ቅትለተ–ሓው ክፍጽም መረጸ። ሄዋን ንሴት ክትወልድ ከላ “ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ” ስለ ዝበለት ብሞት ኣቤል ብዓሚቝ ተተንኪፋ ክትከውን ከም ዘለዋ ንፈልጥ ኢና።—ዘፍጥረት 4:3-8‚ 25
4. ብድሕሪ ሞት ናይ ኣቤል እቲ ጽውጽዋይ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ መጸናንዒ ክኸውን ዘይከአለ ስለምንታይ ኢዩ?
4 እቶም ቀዳሞት ወለድና ነቲ እንተ ዘይተኣዚዝኩም “ሞት ክትሞቱ ኢኹም” ዝብል ፍርዲ ኣምላኽ እውን ሓቅነቱ ርእዮምዎ ኢዮም። እቲ ጽውጽዋይ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ገና ዘይማዕበለ ስለ ዝነበረ: ካብቲ ናይ ሰይጣን ሓሶት ገለ ምጽንናዕ እኳ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣምላኽ ንኣዳም “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ. . . መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ኢልዎ ነበረ። ንመጻኢ ከም ዘይትመውት ነፍሲ ኴንካ ኣብ ሰማይ: ሲኦል: ሊምቦ: መንጽሂ ቦታ: ወይ ኣብ ዝዀነ ካልእ ስፍራ ብህይወት ምቕጻል ዝብል ኣይጠቐሰን። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:4 5, 19) ከም ዝሓጥኡ ህያዋን ነፍሳት መጠን: ኣዳምን ሄዋንን ኣብ መወዳእታ ክሞቱን ካብ ህላወ ከቋርጹን ነበሮም። ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ተደረኸ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ: ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን። ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ: ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝግበር ዘበለ ዅሉ ኸኣ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።”—መክብብ 9:5, 6
5. ንምዉታት ናይ ሓቂ ተስፋ እንታይ ኢዩ?
5 እዞም ቃላት እዚኣቶም ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ ኢዮም! ብሓቂ: ክልተ ወይ ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ዝገበሩ ኣባሓጎታት መን ክዝክሮም ይኽእል? መብዛሕትኡ ግዜ መቓብራቶም ኣይፍለጥን ወይ ከኣ ንነዊሕ ግዜ ሸለል እተባህለ ኢዩ። እዚ ግን ነቶም ዝሞቱ ፍቑራትና ተስፋ የብሎምን ማለት ድዩ? ፈጺሙ ኣይኰነን። ማርታ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሓዋ: ኣልኣዛር ኣመልኪታ ንየሱስ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” በለቶ። (ዮሃንስ 11:24) ህዝቢ ኣይሁድ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ግዜ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም ይኣምኑ ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር እዚ: ዘፍቅርዎ ሰብ ብምስኣኖም ካብ ምሕዛን ደው ኣየበሎምን።—እዮብ 14:13
ሓዚኖም ዝነበሩ እሙናት ሰባት
6, 7. ኣብርሃምን ያእቆብን ንሞት ብኸመይ ኢዮም እተቐበልዎ?
6 ኣርባዕተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ምስ ሞተት “ኣብርሃም ድማ ኺሓዝነላን ኪበኽየላን መጸ።” እዚ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዚ: ነታ ፍቕርትን እምንትን ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ዝነበሮ ዓሚቝ ስምዒት ኣርእዩ ኢዩ። ዕጡቕ ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ: ሓዘኑ ብንብዓት ክገልጽ ኣይሓፈረን።—ዘፍጥረት 14:11-16፣ 23:1, 2
7 ናይ ያእቆብ ነገር እውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ወዱ ዮሴፍ ብኣራዊት ከም እተቐትለ ንኽኣምን ምስ ተታለለ: እንታይ ኢዩ ዝገበረ? ኣብ ዘፍጥረት 37:34, 35 ከምዚ ነንብብ:- “ያእቆብ ድማ ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቖኡ ማቕ ተዓጥቀ: ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ። ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ አበየ: ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ: ድማ በለ። ኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ።” እወ: እተፍቅሮ ሰብ ክመውት ከሎ ሓዘንካ ምግላጽ ሰብኣውን ባህርያውን ኢዩ።
8. እብራውያን መብዛሕትኡ ግዜ ሓዘኖም ብኸመይ ኢዮም ዝገልጽዎ ዝነበሩ?
8 ገለ ሰባት በዚ ዘመናውን ናይ ኣከባብን ባህሊ ገይሮም እቲ ያእቆብ ዝገበሮ እተጋነነን ስምዒት ዝመልኦ ድራማን ኢዩ ነይሩ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ንሱ ኣብ እተፈልየ ግዜን ባህልን ዝነብር ዝነበረ ሰብ ኢዩ ነይሩ። እቲ መግለጺ ናይ ሓዘኑ—ማቕ ምዕጣቕ—ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕሰ ልምዲ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ከም ዘሎ: ሓዘን ብመልቀስ: ብቑዘማ: ከምኡውን ኣብ ሓሙኽሽቲ ኮፍ ብምባል ይግለጽ ነይሩ ኢዩ። በዚ ተገሊጹ ዘሎ: እብራውያን ናይ ሓቂ ሓዘኖም ንምግላጽ ኣይክልከሉን ኢዮም ነይሮም።a—ህዝቅኤል 27:30-32፣ ኣሞጽ 8:10
ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ሓዘን
9, 10. (ሀ) የሱስ ንሞት ናይ ኣልኣዛር ብኸመይ ተቐበሎ? (ለ) እቲ ዝገበሮኸ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ይምህረና?
9 ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስከ እንታይ ክንብል ንኽእል? ንኣብነት: ኣልኣዛር ምስ ሞተ: ኣሓቱ ማርታን ማርያምን ሓዘነን ብንብዓትን ብኽያትን ኢየን ገሊጸን። እቲ ፍጹም ሰብ የሱስ ኣብቲ ገዛ ምስ በጽሐ እንታይ ገበረ? ናይ ዮሃንስ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፍራ መጺኣ ምስ ረአየቶ: ኣብ እግሩ ተደፊኣ: ጐይታይ: ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ: ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ: በለቶ። ሽዑ የሱስ: ንሳ ክትበኪ ኸላ: እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ: ብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐ: ኣበይ ኣንቢርኩምዎ[?] በለ። ንሳቶም: ጐይታይ: ንዓ እሞ ርኤ: በልዎ። የሱስ ነብዔ።”—ዮሃንስ 11:32-35
10 “የሱስ ነብዔ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ብዛዕባ ሰብኣውነት: ድንጋጽ: ከምኡውን ስምዒት ናይ የሱስ ብዙሕ ኢየን ዝሕብራና። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እኳ እንተነበረ: “የሱስ ነብዔ።” (ዮሃንስ 11:35) እቲ ጸብጻብ በቲ እቶም ተዓዘብቲ ዝሃብዎ ርእይቶ ከምዚ ብምባል ይቕጽል “እስኪ ርአዩ: [ንኣልኣዛር] ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ።” ብርግጽ እምበኣር: እቲ ፍጹም ሰብ: የሱስ: ዓርኩ ብምስኣኑ ካብ ነብዔ: ሎሚ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ እንተ ሓዘነን እንተ በኸየን ዘሕፍር ኣይኰነን።—ዮሃንስ 11:36
ንምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም?
11. (ሀ) ካብቲ ንሓዘን ዝምልከት ኣብነታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል? (ለ) ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ዘይንሓዝን ስለምንታይ ኢና?
11 ካብዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት እዚ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል? ምሕዛን ሰብኣዊ ከምኡውን ባህርያዊ ምዃኑን ሓዘንና ክንገልጽ ከኣ ሕፍረት ክስምዓና ከም ዘይብሉን። ብተስፋ ትንሳኤ እኳ ትጸናናዕ እንተ ዀንካ ሞት ናይ ፍቑርካ ገና ኣዕሚቑ ዝስመዓካ ዘሰንብድ ጕድኣት ኢዩ። ንዓመታት: ምናልባትውን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ጥብቂ ዕርክነትን ሕብረትን ብሃንደበታውን ዘሐዝንን ፍጻመ የቋርጹ ኢዮም። ሓቂ ኢዩ: ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ወይ ድማ ከምቶም ናይ ሓሶት ተስፋ ዘለዎም ኣይንሓዝንን ኢና። (1 ተሰሎንቄ 4:13) ብተወሳኺ: በቲ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ወይ ድማ ብዳግመ–ልደት ምንባር ትቕጽል ኢያ ዝብል ዝዀነ ይኹን ጽውጽዋያት ኣይንታለልን ኢና። የሆዋ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ተመባጺዑ ከም ዘሎ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:13) ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4
12. ጳውሎስ ነቲ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮ እምነት ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ?
12 ንዝሞቱ ሰባት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም?b እቲ ክርስትያን ጸሓፊ ጳውሎስ ምጽንናዕን ተስፋን ምእንቲ ክህበና ብመንፈስ ተደሪኹ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ኣብ መወዳእታ ዚሰዓር ጸላኢውን ሞት እዩ።” (1 ቈረንቶስ 15:26) ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል “እቲ ዝጠፍእ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ሞት ኢዩ” ኢሉ ይገልጾ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ርግጸኛ ክኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ? ምኽንያቱ በቲ ካብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ስለ እተለወጠን እተማህረን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:3-19) በዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ “ስለዚ ኸኣ ሞት ብሓደ ሰብ [ኣዳም] መጸ: ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምዉታት ብሓደ ሰብ [የሱስ] እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ: ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ክጽሕፍ ዝኸኣለ።”—1 ቈረንቶስ 15:21, 22
13. እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነቲ ናይ ኣልኣዛር ትንሳኤ ብኸመይ ተቐበልዎ?
13 ናይ የሱስ ትምህርቲ ንመጻኢ ዓቢ ምጽንናዕን ተስፋን ኢዩ ዝህበና። ንኣብነት: ኣልኣዛር ምስ ሞተ እንታይ ኢዩ ዝገበረ? ናብቲ ስጋ ኣልኣዛር ንኣርባዕተ መዓልትታት ተነቢርሉ ዝነበረ መቓብር ኢዩ ዝኸደ። ጸሎት ከኣ ኣቕረበ “እዚ ምስ በለ: ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ: ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። እቲ ምዉት ብግኑዙ: ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ: ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ: በሎም።” እቲ ኣብ ገጽ ናይ ማርታን ማርያምን ዝነበረ ናይ ምግራምን ሓጐስን ትርኢት ክትግምቶዶ ምኸኣልካ? እቶም ጐረባብተን ነዚ ተኣምራት እዚ ምስ ረኣዩስ ክሳዕ ክንደይ ተደኒቖም ኰን ክዀኑ ኣለዎም! ብዙሓት ተዓዘብቲ ብየሱስ እንተ ኣመኑስ ዘገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እቶም ሃይማኖታውያን ጸላእቱ “ኪቐትልዎ ተማኸሩ።”—ዮሃንስ 11:41-53
14. እቲ ናይ ኣልኣዛር ትንሳኤ ናይ እንታይ መርኣዪ ኢዩ ነይሩ?
14 የሱስ ነቲ ዘይርሳዕ ትንሳኤ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢዩ ገይርዎ። እዚ መርኣዪ ናይቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ናይ ወዲ ኣምላኽ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ” ብምባል ተነብይዎ ዝነበረ ኣብ መጻኢ ክኸውን ዘለዎ ትንሳኤ ኢዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29
15. ጳውሎስን ሃናንያን ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዝነበሮም?
15 ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ እምነት ነይርዎ ኢዩ። ብምንታይ መሰረት? ንሱ ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ነውራምን ሰጓጕ ክርስትያናትውን ዝነበረ ሳውል ኢዩ ነይሩ። ስሙን ዝናኡን ኣብ መንጎ እቶም ኣመንቲ ፍርሂ ኣስዓበ። ደሓር ከኣ: ንሱዶ ኸይኰነ እቲ ክርስትያን ሰማእት እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ክቕተል ከሎ ሰሚሩ ዝነበረ? (ግብሪ ሃዋርያት 8:1፣ 9:1, 2, 26) ይኹን እምበር: ኣብ መገዲ ደማስቆ: እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ: ንሳውል ብግዝያዊ ዑረት ገይሩ ብምውቃዕ ናብ ቀልቡ መለሶ። ሳውል ከኣ “ሳውል: ሳውል ንምንታይ እትሰጐኒ[?]” ዝብሎ ድምጺ ሰምዐ። ንሱ ኸኣ “ጐይታይ: መን ኢኻ [?] በለ።” ክርስቶስ ድማ “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ” በሎ። እዚ ዝተንስአ ክርስቶስ እዚ ባዕሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነብር ዝነበረ ሃናንያ: ናብቲ ሳውል ኣዕሪፍሉ ዝነበረ ቦታ ከይዱ ዑረቱ ከሕውየሉ መምርሒ ሃቦ። ስለዚ ካብቲ ናይ ብሕቶም ተመኵሮ: ክልቲኦም ጳውሎስን ሃናንያን: ኣብ ትንሳኤ ክኣምኑ እኹል ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:4, 5, 10-12
16, 17. (ሀ) ጳውሎስ: ኣብቲ ነፍሲ ሰብ ዘይመውት ባህርይ ኣለዋ ዝብል ናይ ግሪኻውያን ኣምር ይኣምን ከም ዘይነበረ ከመይ ገይርና ንፈልጥ? (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ዝህብ? (እብራውያን 6:17-20)
16 ሳውል: ሃዋርያ ጳውሎስ: ከም እተሰጐ ክርስትያን መጠን ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ እቲ ኣመሓዳሪ ምስ ቀረበ ብኸመይ ከም ዝመለሰ ኣስተብህል። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ” ዝብል ነንብብ። ብርግጽ: ጳውሎስ ኣብቲ ነፍሲ ሰብ ዘይመውት ባህርይ ሒዛ ኣብ ገሊኡ ናይ ጽውጽዋይ ድሕሪ–ህይወት ወይ ኣብ ካልእ–ዓለም ኢያ እትነብር ዝብል ናይ ኣረማዊት ግሪኽ ኣምር: ኣይኰነን ዝኣምን ነይሩ። ኣብ ትንሳኤ ይኣምንን ብዛዕባኡ ኸኣ ይምህርን ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ንገለ ሰባት መንፈሳውያን ፍጡራት ብምዃን: ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ውህበት ናይ ዘይትመውት ህይወት ክረኽቡ: ንብዙሓት ከኣ ኣብ ፍጽምቲ ምድሪ ናብ ህይወት ክምለሱ ማለት ኢዩ።—ሉቃስ 23:43፣ 1 ቈረንቶስ 15:20-22, 53, 54፣ ራእይ 7:4, 9, 17፣ 14:1, 3
17 ስለዚ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ሰባት ብመገዲ ትንሳኤ ገይሮም ንፍቑራቶም እንደገና ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ፍሉይ ኵነታት ክርእይዎም ምዃኖም ንጹር መብጽዓን ጽኑዕ ተስፋን ኢዩ ዝህበና።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:1-4
ነቶም ዝሓዘኑ ዝኸውን ተግባራዊ ሓገዝ
18. (ሀ) ኣብቲ ናይ “ኣምላኻዊ ፍርሃት” ኣውራጃዊ ኣኼባ እንታይ ሓጋዚ መሳርሒ ኢዩ ዝወጸ? (ሳጹን ርአ።) (ለ) ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢዮም ክምለሱ ዘድልዮም?
18 ነፍሲ ወከፍና ተዘክሮታትን ሓዘንን ኣሎና። ነዚ ፈታንን ናይ ሓዘን እዋንን ክንዋጽኣሉ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ካልኦትከ ነቶም ዝሓዘኑ ንምሕጋዝ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? ብተወሳኺ: ነቶም ኣብ ግራት ኣገልግሎትና እንረኽቦም ናይ ሓቂ ተስፋ ዘይብሎምን ዝሓዝኑን ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ብዛዕባ እቶም ብሞት ደቂሶም ዘለዉ ፍቑራትናኸ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል? እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ገለ ሓሳባት ክትህበና ኢያ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ምሕዛን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ እትበሃል መጽሓፍ ጥራዝ 2 ገጽ 446–7 ርአ።
b ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተስፋ ትንሳኤ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ጥራዝ 2 ገጽ 783-93 ርአ።
ክትምልስዶ ምኸኣልካ?
◻ ሞት ጸላኢ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓዘኖም ብኸመይ ይገልጹ ነይሮም?
◻ ነቶም ዝሞቱ ፍቑራት ሰባት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም?
◻ ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ ክኣምን እንታይ ምኽንያት ኢዩ ዝነበሮ?
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ሳጹን]
ነቶም ዝሓዘኑ ዝኸውን ተግባራዊ ሓገዝ
ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብቲ ኣብ 1994-95 እተገብረ ናይ “ኣምላኻዊ ፍርሃት” ኣውራጃዊ ኣኼባ: እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ከሎ ዘርእስታ ሓዳስ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ኣውጺኣ ኢያ። እዛ መተባብዒት ጽሕፍቲ እዚኣ ንዅሎም ህዝብታትን ቋንቋታትን ንምጽንናዕ ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። ድሮ ርኢኻያ ክትከውን ከም እትኽእል: ብዛዕባ ሞትን ኵነታት ምዉታትን ቀሊል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ ኢያ እተቕርብ። ዝያዳ ዘገድስ ድማ: ነቲ ብክርስቶስ ገይርካ ኣብ ሓንቲ ዝጸረየት: ገነታዊት ምድሪ ናብ ህይወት ምትንሳእ ዝብል ናይ ኣምላኽ መብጽዓ እተጕልሕ ምዃና ኢዩ። ብሓቂ ነቶም ዝሓዘኑ ሰባት እተጸናንዕ ኢያ። ስለዚ እምበኣር: ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ሓጋዚት መሳርሒት ክትከውን ኣለዋ: ከምኡውን ተገዳስነት ብምልዕዓል ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍራይ: ክትጠቅም ኣለዋ። እቲ ናይ መጽናዕቲ ሕቶታት ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣብ ሳጹናት ብጥንቃቐ ተሰሪዑ ስለ ዘሎ: ምስ ዝዀነ ኣብ ሓዘን ዝርከብ ቅኑዕ ሰብ: ቀሊል ድግማ ናይቲ ኣብ ዝርርብ ዝነበረ ሓሳባት ክግበር ይከኣል ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ኣልኣዛር ምስ ሞተ የሱስ ነብዐ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንስኦ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ናይ መጀመርያ ሓዘን, by W. Bouguereau, from original glass plate in Photo-Drama of Creation, 1914