ኣምላኻዊ ምእዛዝ ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት
“ካብ ዝዀነ ይኹን ኣካላዊ ማህረምቲ ዝያዳ ዝሃሲ ኢዩ። . . . ኣብ ኵሉ ኣካላተይ ስምብራት ዘሎ ኰይኑ ይስማዓኒ: እንተዀነ ግና: ዝዀነ ይኹን ሰብ ክርእዮ ኣይክእልን ኢዩ።” “ሓድሓደ ግዜ ምንባር ከቋርጽ . . . ወይ ካብ ገዛ ምውጻእ ፈጺምካ ድማ ዘይምምላስ ዝብል ስምዒት ይመጸኒ።” “ሓድሓደ ግዜ ቅኑዕ ክትሓስብ ከቢድ ኢዩ።”
እዞም ስምዒት እተሓወሶም ቃላት: ናይ ዓቕሊ ጽበትን ጽምዋን ስምዒት ዝገልጹ ኢዮም። እዚ ካብቶም ብናይ መርዓ ብጻዮምን ስድራቤቶምን ናይ ቃላት ማህሰይቲ—ክስታት: ምፍርራህ: ዘዋርድ ጸርፊ: ምግላል—ከምኡውን ናይ ኣካላዊ ማህሰይቲ ከይተረፈ ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ዝመጽእ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዮም እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኽፉእ ዝተሓዙ? ብሓጺሩ: ብምኽንያት ፍልልይ ናይ ሃይማኖታዊ እምነት ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት እናነበርካ ንየሆዋ ከተምልኽ ናይ ሓቂ ብድሆ ኢዩ። እንተዀነ ግና: ብዙሓት ኣደዳ ከምዚ ዝበለ ነገራት ዝዀኑ ክርስትያናት: ብዓወት ኣምላኻዊ ምእዛዝ የንጸባርቑ ኢዮም።
እቲ ዘሐጕስ: ከምዚ ዝኣመሰለ መከራን ጭንቅን ኣብ ኵለን እተን ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ስድራቤታት ኣይኰነን ዘሎ። ይኹን እምበር: ኣሎ ኸኣ። ስድራቤትካ ምስ እዚ መግለጺ እዚ ትመሳሰል ድያ? ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ: ንናይ መርዓ ብጻይካ ወይ ወለድኻ ኣኽብሮት ከተርኢ ከቢድ ኰይኑ ረኺብካዮ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እትርከቢ ሰበይቲ ወይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዘሎኹም ውሉዳት እንተደኣ ኰይንኩም: ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ገዛ ኣምላኻዊ ምእዛዝ ኣብ ምርኣይ ብኸመይ ክትዕወቱ ትኽእሉ? ካልኦትከ እንታይ ሓገዝ ኢዮም ክህቡ ዝኽእሉ? ከምኡውን ኣምላኽ ነቲ ነገር ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ?
ምእዛዝ ኣዝዩ ዝኸብድ ስለምንታይ ኢዩ?
እቲ ናይ ዓለም ጥቕሚ ርእስኻ ምድላይን ናይ ዘይምምስጋን ተግባራትን ምስቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይፍጹም ዝምባሌ ተደሚሩ ነቲ ኣምላኻዊ ምእዛዝ ቀጻሊ ቃልሲ ከም ዝኸውን ይገብሮ። ሰይጣን ነዚ ይፈልጦ ኢዩ: መንፈስካ ንኽሰብር ከኣ ኢዩ ዝጽዕር። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ: በቶም ንኣምላኻዊ ስርዓታት ቍሩብ ወይ ድማ ምንም ሞሳን ክብርን ዘየርእዩ ኣባላት ስድራቤት ኢዩ ዝጥቀም። እቲ ናትካ ክብ ዝበለ መንፈሳውን ስነ–ምግባርውን ክብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ናይቶም ዘይኣመንቲ ስድራቤትካ ፍልይ ዝበለ ኢዩ። እዚ ድማ: ብዛዕባ ጠባይን ስራሕን ዝምልከት ተቓራኒ ኣረኣእያታት ኣሎ ማለት ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 4:4) ነቲ “ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ” ዝብል ሕጊ ስለ እትእዘዞ: ካብቲ ክርስትያናዊ ስርዓታት ንኸውጽኡኻ ዝገበርዎ ጸቕጢ ጽዑቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 5:11) ብናቶም ኣረኣእያ: እትገብሮ ኵሉ ቅኑዕ ኣይኰነን። እዚ ዅሉ ኸኣ ብምኽንያት ሃይማኖትካ ኢዩ። ሓንቲ ኣደ በቶም ዝሓመሙ ውሉዳት ስለ እተጸገመት ንሰብኣያ ክሕግዛ ምስ ሓተተቶ “ንሃይማኖትኪ ዝኸውን ግዜ ካብ ዝህልወኪ: ሓገዝ ኣየድልየክን ኢዩ” ዝብል ናይ ምሕጫጭ መልሲ ረኸበት። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባታት ነቲ እዙዝ ናይ ምዃን ብድሆ ይውስኸሉ ኢዩ።
ብዛዕባ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐጥታ ዘይጻረሩ ነገራት ዝምልከት ዘይትሰማምዓሉ ግዜያት ድማ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግና: ክፍሊ ናይቲ ስድራቤት ከም ምዃንካ መጠን ገለ ክትገበሮ ዘሎካ ሓላፍነታት ከም ዘሎ ድማ ተገንዘብ። ኮኒ “ኣቦይ ጽምዋ ከም ዝስምዖ ስለ ዝርዳኣኒ: ከመይ ገይሩ ከም ዝሕዘና ክሓስብ ከሎኹ ኣዝየ ኢየ ዝጒሂ። ዝበዝሕ ግዜ በቲ ናይ ኣቦይ ምጽራር ከይምረር ንነፍሰይ ከዘክራ ኣሎኒ። ንኣቕዋምና ከምኡ ዝበለ መልሰ–ግብሪ ንኸርኢ ወይ ንኽነጽግ ጽኑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ ንነፍሰይ ክነግራ ኣሎኒ። ሰይጣን ናይዚ ኣገባብ እዚ ገዛኢ ኢዩ” ትብል። ሱዛን: ንሓደ ዘይኣማኒ እተመርዓወት ድማ “መጀመርያ ካብ ሰብኣየይ ክፍለ እደሊ ነይረ—ሕጂ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ሰይጣን ክፍትነኒ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ተረዳኣኒ” ብምባል ትእመን።
እቲ ሰይጣን ከም ዘይትጠቅም ኰይኑ ንኽስማዓካ ዝገብሮ ጻዕርታት ዳርጋ ዘየቋርጽ ኰይኑ ክረኣየካ ይኽእል ኢዩ። ምስ ናይ መርዓ ብጻይካ ከይተዘራረብካ መዓልትታት ይሓልፍ ይኸውን። ህይወት ኣዝያ ጽምዋ ክትከውን ትኽእል። እዚ ምትእምማንን ርእሰ–ክብረትን የጥፍእ: ከምኡውን ነቲ ዘሎካ ኣምላኻዊ ምእዛዝ ይፍትኖ ኢዩ። ውሉዳት እውን ስምዒታውን ኣካላውን ምምሳን ይስምዖም ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሰለስተ መንእሰያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ዋላ እኳ ወለዶም እንተ ተቓወምዎም ብተኣማንነት ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኻፊሎም ኢዮም። ሓንቲ ካብኦም: ሕጂ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ዘላ: “ድንዙዛትን ድኹማትን ከም ዝዀንና ይስመዓና፣ ክንድቅስ ኣይከኣልናን፣ ኣዚና ጉሁያት ኢና ነይርና” ብምባል ትእመን።
ኣምላኽ ካባኻ እንታይ ኢዩ ዝጽበ?
ኵሉ ግዜ: ንኣምላኽ ምእዛዝ ቀዳማይ ቦታ ኢዩ ዝሕዝ: እቲ ተዛማዲ ምእዛዝ ንናይ ሰብኣይ ርእስነት ድማ ኵሉ ግዜ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) እዚ ምናልባት ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ጌና ግን ዝከኣል ኢዩ። ሓገዝ ንኽትረክብ ንኣምላኽ ምጽባይ ቀጽል። “ብመንፈስን ብሓቅን [ከተምልኾ ትሓዓ]” ከምኡውን ክትሰምዖን ንመምርሒታቱ ድማ ክትግዝኦን ኢዩ ዝደልየካ። (ዮሃንስ 4:24) እቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ነቲ ቅኑዕ ልቢ ምስ መልኦ: ፍቓደኛ ዝዀነ ምእዛዝ የለዓዕል። ዋላ እኳ ብሕታዊ ኵነታትካ ዝለዋወጥ እንተዀነ: የሆዋ ይኹን ቃሉ ግን ፈጺሞም ኣይልወጡን ኢዮም። (ሚልክያስ 3:6፣ ያእቆብ 1:17) የሆዋ ንሰብኣይ ርእስነት ሂብዎ ኢዩ። እዚ ድማ: ናይ ክርስቶስ ርእስነት ይቀበሎ ኣይቀበሎ ብዘየገድስ ኵሉ ግዜ ሓቂ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ቀጻሊ ማህሰይትን ውርደትን ከጋጥመካ ኸሎ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ርእስነት ክትቅበሎን ክትጽመሞን ከቢድ እኳ እንተዀነ: ወደ መዝሙር ያእቆብ ግን ‘እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ሰማዕ ኢያ’ ኢዩ ዝብል። (ያእቆብ 3:17) ነዚ ርእስነት እዚ ብዘይጥርጥር ኣፍልጦ ክትህበሉን ክትቅበሎን መንፈስ ኣምላኽ: ብፍላይ ድማ እቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ፍቕሪ የድሊ ኢዩ።—ገላትያ 5:22, 23
ንሓደ ሰብ ምስ እተፍቅሮ: ነቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመ ስልጣን: ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት ንኸተርኢ ቀሊል ኢዩ ዝኸውን። ኤፌሶን 5:33 “ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ: እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ [ዓሚቝ ክብሪ ይሃልዋ ትሓዓ]” ብምባል ይመክር።
ንየሱስ እሞ ዘክሮ። ብቓልን ብኣካላዊ መገድን ተሃስዩ ኢዩ: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ግን ኣይረገመን። ኣበር ዘይብሉ መዝገብ ድማ ዓቂቡ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:22, 23) የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ውርደት ከሕልፍ ሓያል ትብዓትን ዘየቋርጽ ፍቕሪ ንየሆዋ ኣቦኡን ኣድልይዎ ኢዩ። እንተዀነ ግና ፍቕሪ “ኵሉ ትጽመም” ኢያ።—1 ቈረንቶስ 13:4-8 ትሓዓ
ጳውሎስ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኣዘኻኺርዎ ኢዩ: ሎሚ እውን ንዓና “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን [ናይ ኣእምሮ ጥቅውናን ትሓዓ] እምበር: መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን” እናበለ የዘኻኽረና ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 1:7) እቲ ንየሆዋን ንየሱስ ክርስቶስን ዘሎካ ዓሚቝ ፍቕሪ: እቲ ኵነታት ንኽትጽመሞ ዘይከኣል ምስ ዝመስል እውን ኣምላኻዊ ምእዛዝ ከተርኢ ከነቓቕሓካ ኢዩ። ናይ ኣእምሮ ጥቅውና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክትሕዝን ኣብቲ ምስ የሆዋን ምስ የሱስ ክርስቶስን ዘሎካ ርክብ ከተተኵርን ክሕግዘካ ኢዩ።—ምስ ፊልጲ 3:8-11 ኣነጻጽሮ።
ኣምላኻዊ ምእዛዝ ኣብ ምርኣይ እተዓወቱ ናይ መርዓ ብጾት
ሓድሓደ ግዜ: የሆዋ ንጸገማትካ ብኸመይ ከም ዝፈትሖም ንኽትርኢ ነዊሕ ግዜ ክትጽበ ኣሎካ። እንተዀነ ግን: ኢዱ ሓጻር ኣይኰነትን። ሓንቲ ኣምላኻዊ ምእዛዝ ኣብ ምርኣይ ትዕወት ዘላ “ኵሉ ግዜ ነቲ የሆዋ ኣብ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ከተምልኾ: ከተጽንዕ: ኣገልግሎት ክትከይድ ከምኡውን ክትጽሊ ዝሃበካ መሰልን ሓለፋን ዕየየሉ” ብምባል ምኽሪ ትህብ። የሆዋ ንዓወታትካ ጥራይ ዘይኰነስ: ንጻዕርታትካ ድማ ይባርኾ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣብ 2 ቈረንቶስ 4:17 ‘እቲ ሽዓ ዝሓልፍ ጸበባና ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ክብሪ የዳልወልና ኢዩ’ በለ። ነዚ እሞ ኣስተንትኖ። ንዓኻ ዘህድእ ሓሳባት ክኸውን ኢዩ። ሓንቲ ሰበይቲ “ናብራ ስድራቤተይ እናተመሓየሸ ኣይኰነን ዝኸይድ ዘሎ: ሓድሓደ ግዜ ድማ የሆዋ ብኣይ ይሕጐስ ደዀን ይኸውን ኢለ እሓስብ። እንተዀነ ግና: ንኸምዚ ዝበለ ጸገማት ካብ ሰብኣየይ ብዝሓሸ ኣገባብ ስለ ዝዋጽኣሉ ከም በረኸት ኢየ ዝወስዶ። ስጕምትታትና ንየሆዋ ከም ዘሐጕሶ ምፍላጥና ነቲ ዘሎና ኵሉ ቃልሲ ክቡር ይገብሮ” እናበለት ሓሳባታ ትገልጽ።
የሆዋ ልዕሊ እቲ ክትጽመሞ እትኽእል ነገራት ክትፍተን ከም ዘይገድፈካ ተመባጺዑ ኣሎ። እመኖ። ካባኻ ንላዕሊ ይፈልጥ ኢዩ: ከምኡውን ንነብስኻ ካብቲ ንስኻ እትፈልጣ ንላዕሊ ይፈልጣ ኢዩ። (ሮሜ 8:35-39፣ 11:33፣ 1 ቈረንቶስ 10:13) ኣብ ከቢድ ዝዀነ ኵነታት ናብ የሆዋ ምጽላይ ይሕግዝ ኢዩ። ብፍላይ: እንታይ ከም እትገብር ምስ ዝጠፍኣካ ወይ ድማ ንዅነታት ብኸመይ ከም እትጋጠሞ ምስ ዝጽግመካ: መንፈሱ ክመርሓካ ጸሊ። (ምሳሌ 3:5፣ 1 ጴጥሮስ 3:12) ነቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትካ ዘሎ ስልጣን ምእንቲ ክትእዘዞ ትዕግስቲ: ርእሰ–ግትኣት: ከምኡውን ትሕትና ክህበካ ከየቋረጽካ ለምኖ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ: ዕርደይ: መናገፍየይ” ኢዩ በለ። (መዝሙር 18:2) ነዚ ምዝካር: ነቶም ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ቤት ዘለዉ ከበርትዖም ዝኽእል ደገፍ ኢዩ።
ልዕሊ ዅሉ ድማ: መርዓኻ ሕጕስ ንኽትገብሮ ብዘሎካ ኵሉ ጸዓር። እወ: የሱስ እቲ ብስራት ምፍልላይ ከም ዘምጽእ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ምፍልላይ ብናትካ ኣረኣእያን ጠባይን ዝመጸ እኳ እንተ ዘይኰነ: ጸሊ። (ማቴዎስ 10:35, 36) ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ምትሕግጋዝ ንናይ መርዓ ጸገማት የቃልሎ ኢዩ። ነዚ ቅኑዕ ኣረኣእያ እዚ እተንጸባርቕ ንስኻ ጥራይ እኳ እንተዀንካ: ጸገማት ኣብ ምስሕሓብን ባእስን ንኸይበጽሑ ኣብ ምክልኻል ብዙሕ ክሰርሕ ይኽእል ኢዩ። ትዕግስትን ፍቕርን ኣዝየን ኣድለይቲ ኢየን። “ለዋህ” ኩን: ከምኡውን “ካብ ክፉእ ርሓቕ” [ትሓዓ]።—2 ጢሞቴዎስ 2:24
ሃዋርያ ጳውሎስ “ንዅላቶም [ዓይነት ሰባት ትሓዓ] ኵሉ” ኰይኑ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:22) ብተመሳሳሊ: ነቲ ክርስትያናዊ ሓላፍነትካ ከይገደፍካ: ሓድሓደ ግዜ ምስ ናይ መርዓ ብጻይካ ወይ ስድራቤትካ ግዜ ምእንቲ ከተሕልፍ መደባትካ ከተተዓራሪ የድልየካ ይኸውን። ምስቲ መማቕልቲ ህይወትካ ክኸውን ዝመረጽካዮ ሰብ: ብዝከኣል መጠን ግዜ ኣሕልፍ። ክርስትያናዊ ሓልዮት ኣርኢ። እዚ መግለጺ ናይ ኣምላኻዊ ምእዛዝ ኢዩ።
ሓንቲ ተዓጻጻፊትን ርህርህትን ዝዀነት ንኣምላኽ እትፈርህን እትግዛእን ሰበይቲ: ኣምላኻዊ ምእዛዝ ከተንጸባርቕ ቀሊል ኰይኑ ኢያ እትረኽቦ። (ኤፌሶን 5:22, 23) “ብጨው እተቓመመ” ጥዑም ቃላት: ነቲ ናብ ምግርጫዋት ክዓቢ ዝኽእል ነገር ንምንካይ ይሕግዝ ኢዩ።—ቈሎሴ 4:6፣ ምሳሌ 15:1
ኣምላኻዊ ጥበብ: ‘ኰሪኻ ከሎኻ’ ኣብ ክንዲ እትድቅስ: ፍልልያት ቀልጢፍካ ከተደቅሶምን ብዝሃንጽ ሰናይ ቃላት ገይርካ ድማ ሰላም ክትመልስን ኢያ እትላበወካ። (ኤፌሶን 4:26, 29, 31) እዚ ኸኣ ትሕትና ይሓትት። ሓይሊ ክትረክብ ኣበርቲዕካ ኣብ የሆዋ ተወከል። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ብትሕትና:- “ውዕዉዕ ጸሎት ድሕሪ ምግባር: መንፈስ የሆዋ: ኣእዳወይ ዘርጊሔ ንናይ መርዓ ብጻየይ ክሓቝፎ ከም ዝሓገዘኒ ተሞኪረዮ ኢየ” ኢላ ትእመን። ቃል ኣምላኽ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ: . . . ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ” እናበለ ይመኽረና። (ሮሜ 12:17-21) እዚ ጥበበኛ ምኽርን ናይ ኣምላኻዊ ምእዛዝ መገድን ኢዩ።
ኣምላኻዊ ምእዛዝ ዘርእዩ ውሉዳት
ኣቱም ኣብ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት ዘለኹም ውሉዳት: ምኽሪ የሆዋ “እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ: ንወለድኹም ብዅሉ ተአዘዝዎም” ኢዩ ዝብለኩም። (ቈሎሴ 3:20) ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ነገር ኣትዩ ምህላዉ ኣስተብህሉ። ስለዚ ንወለዲ ምእዛዝ ደረት ዘይብሉ ኣይኰነን። ብገለ መገዲ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:29 ዘሎ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝብል ምኽሪ ንክርስትያናት መንእሰያት እውን ይምልከት ኢዩ። ብመሰረት እቲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትፈልጦ ኣየናይ ቅኑዕ ምዃኑ ንኽትውስን ዝድለየሉ ኣጋጣሚታት ክለዓል ኢዩ። ኣብ ግብሪ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብዘይምስታፍካ መቕጻዕቲ የስዕበልካ ይኸውን ኢዩ። እዚ ዘየሐጕስ ኵነታት እኳ እንተዀነ: ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ: ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ስለ ዝገበርካ ትሳቐ ምህላውካ ስለ እትፍልጥ ክትሕጐስ እውን ትኽእል ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 2:19, 20
ሓሳባትካ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝምራሕ ስለ ዝዀነ: ኣብ ገለ ጕዳያት ካብቲ ናይ ወለድኻ ክፍለ ይኽእል ኢዩ። እዚ ጸላእትኻ ክገብሮም ኣይክእልን ኢዩ። ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ እኳ እንተ ዘይኰኑ: ግቡእ ክብሪ ይግብኦም ኢዩ። (ኤፌሶን 6:2) ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ: ኣዴኻ ምስ አረገት ከኣ ኣይትንዐቃ።” (ምሳሌ 23:22) ነቲ ንዓታቶም ሓድሽ ዝመስል እምነት ብምስዓብካ ዝስምዖም ጓሂ ክትርድኦ ፈትን። ምስኦም ተዘራረብ: ከምኡውን ‘እቲ ለውሃትካ ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።’ (ፊልጲ 4:5) ስምዒታትካን ድሌታትካን ኣካፍሎም። ንኣምላኻዊ ስርዓታት ጽኑዕ ኵን: ገና ግን ‘ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻ ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበር።’ (ሮሜ 12:18) ሕጂ ናይ ወለዲ መምርሒ ምእዛዝካ: ንየሆዋ ከም ተገዛኢ ናይታ መንግስቲ መጠን እዙዝ ኰይንካ ክትቅጽል ከም እትብህግ ዘርኢ ኢዩ።
ካልኦት እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ
እቶም ኣብ ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ስድራቤታት ዝነብሩ ክርስትያናት: ካብቶም ኣምለኽቲ ብጾቶም ደገፍን ምርዳእን የድልዮም ኢዩ። እዚ ድማ ካብቲ “ዝዀነ ይኹን ሰብ ክገብረለይ ዝኽእል ነገር ስለ ዘይነበረ: ከምኡውን ባዕለይ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ስለ ዘየለ: ፈጺመ ተስፋ ዘይብለይን እተወጻዕኩን ኰይኑ ተሰማዓኒ። ንዝዀነ ይኹን ነገር: ኣብ ስድራቤትና ፍቓዱ ምእንቲ ክፍጽም ኣብ የሆዋ ኢየ ዝውከል ዘለኹ” ዝብል ቃላት ናይ ሓንቲ ሰብ ክረጋገጽ ይኽእል ኢዩ።
ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምሕባር ዑቕባ ኢዩ። እዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሰብ ንህይወታ “ክልተ እተፈላለያ ዓለም። እታ ሓንቲ ሕጂ ዘለኹዋ: እታ ሓንቲ ድማ ኣብኣ ክህሉ ዝፈቱ ዓለም” እናበለት ትገልጾ። ነዞም እተወጽዑ ከም ዝጽመሙን ኣብ ኵሉ ኵነታት ድማ ከም ዘገልግሉን ክገብሮም ዝኽእል እቲ ፍቕሪ ሕውነት ኢዩ። ኣብ ጸሎትካ ዘክሮም። (ኤፌሶን 1:16) ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ስርዓታዊ ኰይንካ ዘተባብዕን: ኣወንታውን: ከምኡውን ዘጸናንዕን ቃላት ተዛረቦም። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ተግባራውን ግቡእን ምስ ዝኸውን: ኣብቲ ቲኦክራቲካውን ማሕበራውን ንጥፈታትካ ተማልኣዮም።
በረኸታትን ጥቕምታትን ናይ ኣምላኻዊ ምእዛዝ
መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ቤት ኣምላኻዊ ምእዛዝ ብምርኣይ ዝርከብ በረኸታትን ጥቕምታትን ኣስተንትን። እዙዝ ንኽትከውን ብትግሃት ጸዓር። ‘ኣይትሰልኪ።’ (ገላትያ 6:9) ‘ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ’ ኢልካ ዘይምቹእ ኵነታትን ዘይፍትሓውነትን ምጽማም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ቅቡል” ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:19, 20) ናይ የሆዋ ጻድቕ ስርዓታትን ሕግታትን ክሳዕ ዘይተጣሕሱ: እዙዝ ኵን። እዚ ነቲ ናይ የሆዋ ምድላው ዘሎካ ተኣማንነት ዝገልጽ ኢዩ። እቲ ኣምላኻዊ ጠባይካ ንናይ መርዓ ብጻይካ: ናይ ውሉዳት: ወይ ድማ ናይ ወለዲ ህይወት እውን ዘድሕን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 7:16፣ 1 ጴጥሮስ 3:1
ምስቲ ድሌታትን ትጽቢታትን ናይ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት ክትጋጠም ከሎኻ: ኣድላይነት ናይቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ንጽህናኻ ምሕላው ዘክሮ። ባእሲ ከልዕል ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ክትገድፍ ትኽእል ኢኻ: ንጽህናኻ ምግዳፍ ግን ህይወትውን ሓዊስካ ኵሉ ምግዳፍ ማለት ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ . . . ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና” በለ። ነዚ “ኽንድዚ ዚአክል ምድሓን” ኣፍልጦ ምሃብ ድማ እዙዝ ንኽትከውን ከጽንዓካ ኢዩ።—እብራውያን 1:1, 2፣ 2:3
እቲ ንቑኑዕ ዝዀነ ስነ–ምግባርን ክብርን ዘሎካ ዘየቋርጽ ምእዛዝን ጽንዓትን: ንዓኻን ነቲ ዘይኣማኒ ናይ መርዓ ብጻይካን ጥዑይ ዝዀነ መከላኸሊ ኢዩ። ተኣማንነት ጽኑዕ ዝዀነ ናይ ስድራቤት ምትእስሳር ኢዩ ዝሃንጽ። ምሳሌ 31:11 ብዛዕባ ሓንቲ ደገኛን እምንትን ሰበይቲ “ልቢ ሰብኣያ ይእመና” ይብል። እቲ ንጹህ ጠባይክን ዓሚቝ ክብርን ንኣዒንቲ ሰብኣይኪ ክኸፍቶ ይኽእል ይኸውን። ሓቂ ክቕበል እውን ክመርሖ ይኽእል ኢዩ።
ብርግጽ እምበኣር: ኣምላኻዊ ምእዛዝ ክቡርን ህይወት ዘድሕንን ኢዩ። ኣብ ናብራ ስድራቤትካ ክህልወካ ጸሊ። ናይ ኣእምሮ ሰላም ከምኡውን ንየሆዋ ምስጋና ከምጽእ ኢዩ።