ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት፡ ሓጐስ ኪሰፍን ይኽእል
“ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧”—1 ቈረ. 7:16።
መልሱ ኽትረኽቦ ትኽእልዶ፧
ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ቤቶም ሰላም ንኼስፍኑ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
ሓደ ክርስትያን ንዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤቱ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኪቕበሉ ኺሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ክርስትያናት ነቶም ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
1. ሓደ ሰብ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ምላሽ ኣብ ዚህበሉ እዋን፡ ካብ ስድራ ቤቱ እንታይ ኬጋጥሞ ይኽእል፧
ኣብ ሓደ እዋን፡ የሱስ ንሃዋርያቱ ኺልእኮም ከሎ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ፡ ኢልኩም ስበኹ” በሎም። (ማቴ. 10:1, 7) እዚ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዚ፡ ነቶም ብናይ ሓቂ ሞሳ ዚቕበልዎ ሰባት፡ ሰላምን ሓጐስን የምጽኣሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዚገብርዎ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚጻረርዎ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:16-23) ብፍላይ ኣባላት ስድራ ቤት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይምቕባሎም ዜጋጥም ምጽራር፡ ኣመና ዜጕሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 10:34-36 ኣንብብ።
2. እቶም ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧
2 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እቶም ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ሓጐስ ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ኻብ ስድራ ቤት ዚመጽእ ምጽራር ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ሳዕ ከምኡ እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ እቲ ምጽራር ቀጻሊ ኸይከውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤት ንምጽራር ወይ ንዘይምግዳስ ዚህብዎ ምላሽ እዩ ዚምርኰስ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ የሆዋ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ሰባት፡ ጽንኩር ኵነታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ሕጉሳት ንኪዀኑ ብምሕጋዝ ይባርኾም እዩ። ሓደ ክርስትያን፡ (1) ኣብ ቤቱ ሰላም ንኼስፍን ብምጽዓር፡ ከምኡውን (2) ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤቱ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኪቕበሉ ዚከኣሎ ብምግባር፡ ሕጉስ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ቤትካ ሰላም ከተስፍን ጽዓር
3. ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብር ክርስትያን፡ ኣብ ቤቱ ሰላም ንኼስፍን ኪጽዕር ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
3 ሓንቲ ስድራ ቤት ፍረ ጽድቂ ምእንቲ ኽትፈሪ፡ ሰላማዊ ዅነታት ኪህሉ ኣለዎ። (ያእቆብ 3:18 ኣንብብ።) ሓደ ክርስትያን፡ ስድራ ቤቱ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ዘይሓብርዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ቤቱ ሰላም ንኼስፍን ኪጽዕር ኣለዎ። ብኸመይ፧
4. ክርስትያናት ውሽጣዊ ሰላሞም ኪዕቅቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
4 ክርስትያናት ውሽጣዊ ሰላሞም ኪዕቅቡ ኣለዎም። ከምኡ ንምግባር፡ ልባዊ ጸሎት ኪጽልዩ ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ መወዳድርቲ ዘይብሉ “ሰላም ኣምላኽ” ኬምጽኣሎም ይኽእል እዩ። (ፊል. 4:6, 7) ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ እናፈለጥና እንተ ኼድና፡ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ከኣ ኣብ ህይወትና ንትግብሮ እንተ ዄንና፡ ሓጐስን ሰላምን ክንረክብ ኢና። (ኢሳ. 54:13) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብምስታፍን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ብቕንኣት ብምክፋልን እውን፡ ሰላምን ሓጐስን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ገሊኡ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ኪካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ነታ ኢንዛa እትብሃል ሰብኣያ ኣመና ዚጻረራ ሓብቲ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ዕዮ ቤታ ምስ ወድአት፡ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ትካፈል እያ። “ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዘካፍለሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ የሆዋ ጽቡቕ ውጽኢት ብምሃብ ንጻዕረይ ኣብዚሑ ይባርኾ እዩ” በለት። ከምዚ ዓይነት በረኸት ከኣ፡ ሰላምን ዕግበትን ሓጐስን እዩ ዜምጽእ።
5. ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት፡ መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ዜጋጥሞም፧ ካበይከ እዮም ሓገዝ ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧
5 ምስ ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤትና ሰላማዊ ርክብ ምእንቲ ኺህልወና፡ ልባዊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚደልዩና ነገራት፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚጋጮ፡ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅኑዕ ስርዓታት ክንስዕብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ንገሊኦም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤትና ኬቘጥዖም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ ሰላም ከም ዚሰፍን ኪገብር ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ገሊኡ ነገራት ንቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዘይጥሕስ ክነሱ ድርቕ ንብል እንተ ዄንና፡ ዘየድሊ ምስሕሓብ ኬስዕብ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 16:7 ኣንብብ።) ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዜውጽኦ ጽሑፋት ኰነ ኻብ ሽማግለታት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኸነናዲ ኣገዳሲ እዩ።—ምሳ. 11:14።
6, 7. (ሀ) ገሊኦም ሰባት ነቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ዝጀመሩ ኣባላት ስድራ ቤቶም ዚጻረርዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ሓደ ክርስትያን ነቲ ኻብ ስድራ ቤቱ ዜጋጥሞ ምጽራር ብኸመይ ምላሽ ኪህበሉ ኣለዎ፧
6 ኣብ ስድራ ቤትና ሰላም ከነስፍን እንተ ደሊና፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ንስምዒት እቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤትና ኽንርድኦን ኣሎና። (ምሳ. 16:20) ሓደስቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ምስትውዓል ኬንጸባርቑ ኣለዎም። ገሊኦም ዘይኣምኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ መጻምድቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማሩ ኣይጻረርዎን ይዀኑ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን፡ እቲ መጽናዕቲ ንስድራ ቤቶም ከም ዚጠቕማ ይገልጹ እዮም። ገሊኣቶም ግና፡ ንመጻምድቶም ይጻረርዎ ይዀኑ። ሕጂ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ኤስተር፡ ሰብኣያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመረ፡ “ኣዝያ ተቘጥዐት።” ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንጽሑፋቱ እድርብዮ ወይ አንድዶ ነበርኩ” በለት። ሃዋርድ እውን፡ ሰበይቱ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመረት፡ ይጻረራ ነበረ፣ “ብዙሓት ሰብኡት፡ ኣንስቶም ተታሊለን ናብ ሃይማኖታዊ ኣንቆራ ዝኣተዋ እዩ ዚመስሎም። እዚ ኣዝዩ ስለ ዜስግኦም ድማ፡ ኪጻረርወን ይጅምሩ” በለ።
7 መጻምድቱ ንዚጻረሮ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ዚገብሮ ዘሎ መጽናዕቲ ኼቋርጾ ኸም ዘይብሉ ንኺርዳእ ክንሕግዞ ኣሎና። መብዛሕትኡ እዋን፡ ዓቃል ብምዃንን ነቲ ዘይኣምን መጻምድቱ ብምኽባርን ነቲ ጕዳይ ኪፈትሖ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 3:15) ሃዋርድ፡ “ሰበይተይ ዘርኣየቶ ህድኣትን ትዕግስትን ኣሐጒሱኒ እዩ” በለ። ሰበይቱ እውን እንተ ዀነት፡ “ሃዋርድ ነቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከቋርጾ ሓቲቱኒ ነይሩ እዩ። ኣእምሮይ ብሓሶት ዚምላእ ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖ። ኣብ ክንዲ ዝከራኸሮ፡ እቲ ዝበሎ ቕኑዕ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዓይ ግና ኸምኡ ኸም ዘይስምዓኒ ነገርክዎ። ነቲ ዘጽንዖ ዝነበርኩ መጽሓፍ ኬንብቦ ኸኣ ሓተትክዎ። ምስ ኣንበቦ፡ ዘይሰማምዓሉ ነጥብታት ኪረክብ ኣይከኣለን። እዚ ድማ ንኣረኣእያኡ ኣዝዩ ጸለዎ” በለት። ዘይኣምኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ መጻምድቶም ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ንምክፋል ኪኸይድ ከሎ፡ እተጠንጠኑ ወይ ከኣ ሓዳሮም ኣብ ሓደጋ ዚወድቕ ኰይኑ ኺስምዖም ከም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን፣ ስለዚ፡ ብሕያውነትን ብፍቕርን ከነዘራርቦም እንተ ፈቲንና፡ ስግኣቶም ኪጠፍእ ይኽእል እዩ።
ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኪቕበሉ ሓግዞም
8. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ዘይኣምን መጻምድቲ ዘለዎም ክርስትያናት እንታይ ኢሉ እዩ ምዒድዎም ዘሎ፧
8 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ መጻምድቶም ዘይኣማኒ ስለ ዝዀነ ጥራይ ካብኡ ኺፍለዩ ኸም ዘይብሎም መዓዶም።b (1 ቈረንቶስ 7:12-16 ኣንብብ።) ሓደ ኣማኒ፡ እቲ ዘይኣምን መጻምድቱ ክርስትያን ኪኸውን ከም ዚኽእል ብምዝካር፡ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት እናነበረ ኽነሱ፡ ሓጐሱ ኺዕቅብ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ስዒቡ ተገሊጹ ዘሎ ተመክሮ ዚሕብሮ፡ ንዘይኣምን መጻምድቲ ብዛዕባ መልእኽቲ ሓቂ ኽንነግሮ ኸለና፡ ክንጥንቀቕ ኣሎና።
9. ንዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤትና ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንነግሮም ከለና፡ እንታይ ጥንቃቐ ኽንገብር ኣሎና፧
9 ጄሰን፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ ፈለጠ ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንዅሉ ሰብ እየ ኽነግር ዝደሊ ነይረ” በለ። ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተማህሮ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ምስ ተገንዘበ፡ ኣመና ኻብ ምሕጓሱ እተላዕለ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባኡ ጥራይ ይዛረብ ይኸውን። ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤቱ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኡብኡ ኪቕበልዎ እኳ እንተ ተጸበየ፡ ብኣንጻሩ ግና ኪጻረርዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ ጄሰን ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ውዕዉዕ ስምዒት ንሰበይቱ ብኸመይ ጸለዋ፧ “መእተውን መውጽእን ከልኣኒ” በለት። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ሓቂ ኻብ ዚቕበል 18 ዓመት ጸኒሓ ንሳ እውን ሓቂ ተቐበለት፣ “ቀስ ኢለ ኽመሃር ነበረኒ” ድማ በለት። መጻምድቱ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘይሓብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልዩካ፡ ብዛዕባ ሓቂ ንመጻምድቱ ብኸመይ ብሜላ ኺነግሮ ኸም ዚኽእል ምእንቲ ኽትሕግዞ፡ ንምንታይ ኣዘውቲርኩም ልምምድ ዘይትገብሩ፧ ሙሴ፡ “ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፡ ዘረባይ ከኣ ከም ዛዕዛዕ ይውረድ፡ ከም ጥሚቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም” በለ። (ዘዳ. 32:2) ካብ ምስ ብርቱዕ ዝናም ኪመሳሰል ዚኽእል መንፈሳዊ ነገራት ንላዕሊ፡ ምስ ዚኻፊ ዝናም ዚመሳሰል ብዚግባእ እተመርጸ ሒደት ቃላት ሓቂ፡ ብዙሕ ኬስልጥ ይኽእል እዩ።
10-12. (ሀ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ዘይኣምን መጻምድቲ ዘለዎም ክርስትያናት እንታይ ምኽሪ ሃቦም፧ (ለ) ሓንቲ ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ዚርከብ ምኽሪ ኽትትግብሮ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧
10 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ነተን ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብራ ክርስትያን ኣንስቲ፡ “ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ኢሉ መኸረን። (1 ጴጥ. 3:1, 2) ሓንቲ ሰበይቲ፡ ዋላ እኳ ሰብኣያ ሕያውነት ብዝጐደሎ መገዲ ዚሕዛ እንተ ዀነ፡ እዝዝቲ ብምዃንን ኣኽብሮት ብምርኣይን፡ ንሰብኣያ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚቕበል ክትገብሮ ትኽእል እያ። ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ሰብኣይ እውን፡ ዋላ እኳ እታ ዘይትኣምን ሰበይቱ እንተ ተጻረረቶ፡ ብመገድታት ኣምላኽ ኪመላለስን ፈቃር ርእሲ ስድራ ቤት ኪኸውንን ኣለዎ።—1 ጴጥ. 3:7-9።
11 ንምኽሪ ጴጥሮስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ብዙሕ ዘመናዊ ኣብነታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ንሰልማ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምስ ጀመረት፡ ስቲቭ ሰብኣያ ኣይተሓጐሰን። “ሓረቕኩን ቀናእኩን ፈራህኩን” ድማ በለ። ሰልማ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዛዕባ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጠይ እውን እንተ ዀነ፡ ጠባይ ስቲቭ ተነቃፊ እዩ ነይሩ። ኣዝዩ ሓራቕ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ እሞ ኸኣ፡ መሊሱ ገደዶ” በለት። እሞኸ እንታይ ሓገዛ፧
12 ሰልማ ነቲ ኻብታ መጽናዕቲ እትመርሓላ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር እተማህረቶ ትምህርቲ ኣይትርስዖን እያ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ምሸት ንስቲቭ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ከረድኦ ኽጽዕር ከለኹ ስለ ዝሃረመኒ፡ ብሰንኩ ኸኣ ኣዝየ ስለ ዝጐሃኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ኣይደለኹን ነይረ። ነታ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገርን ከመይ ከም እተሰምዓንን ምስ ነገርክዋ፡ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-7 ከንብብ ሓተተትኒ። ነታ ጥቕሲ ምስ ኣንበብክዋ ድማ፡ ‘ስቲቭ እኮ ኻብቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ፍቕራዊ ነገራት ዋላ ሓንቲ ኣይገብረለይን እዩ’ ኢለ ነገርክዋ። እታ ሓብቲ ግና፡ ‘ንስኺኸ ንሰብኣይኪ ኻብቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ተግባራት ፍቕሪ ኽንደይ ዚኣክል ኣርኢኽዮ፧’ ኢላ ብምሕታት፡ ነቲ ጕዳይ ብኻልእ ሸነኽ ከም ዝሓስበሉ ገበረትኒ። ኣነ ኸኣ፡ ‘ምስኡ ምንባር ኣመና ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ፡ ዋላ ሓንቲ ኣየርኣኽዎን’ ኢለ መለስኩላ። ድሕሪኡ እታ ሓብቲ ብህድኣት፡ ‘ሰልማ፡ መንኩም እዩ ክርስትያን ኪኸውን ዚጽዕር ዘሎ፧ ንስኺ ዲኺ ንሱ፧’ በለትኒ። ኣተሓሳስባይ ከዐሪ ኸም ዘሎኒ ስለ እተገንዘብኩ፡ ንስቲቭ ብዝያዳ ኸፍቅሮ ምእንቲ ኺሕግዘኒ፡ ንየሆዋ ለመንክዎ። ቀስ ብቐስ ከኣ፡ ነገራት ኪቀያየር ጀመረ።” ድሕሪ 17 ዓመት፡ ስቲቭ ሓቂ ተቐበለ።
ካልኦት ኪሕግዙ ዚኽእሉሉ መገዲ
13, 14. ካልኦት ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቶም ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት፡ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧
13 ልክዕ ከምቲ ዚኻፊ ዝናም ንመሬት ዜለስልሶን ንኣትክልቲ ምሹእ ዝዀነን፡ ብዙሓት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ውልቀ ሰባት እውን፡ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት ሕጉሳት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣበርክቶ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ብራዚል እትነብር ኢልቪና፡ “ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዘርኣዩኒ ፍቕሪ፡ ኣብ ሓቂ ንኽጸንዕ ሓጊዙኒ እዩ” በለት።
14 ገሊኦም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ነቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤት ኪልውሁሎምን ኪግደሱሎምን ከለዉ፡ ልቦም ኪትንከፍ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ሓቂ ኻብ እትቕበል ድሕሪ 13 ዓመት፡ ንሱ እውን ሓቂ ተቐበለ፣ ከምዚ ድማ በለ፦ “ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ክጐዓዝ ከለኹ፡ ማኪናኡ ተሰብረት። ኣብቲ ኸባቢ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾቱ ኣናድዩ ረኸቦም እሞ፡ ምስኣቶም ኣሕደሩና። ልክዕ ካብ ቍልዕነትና ኸም እንፋለጥ ገይሮም እዮም ተኸናኺኖምና። ሽዑ ንሽዑ ድማ፡ ነቲ ሰበይተይ ኵሉ ሳዕ እትዛረበሉ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ረኣኽዎ።” ሓንቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ሰበይቲ እውን፡ ሰብኣያ ሓቂ ኻብ ዚቕበል ድሕሪ 18 ዓመት፡ ንሳ እውን ሓቂ ተቐበለት፣ “እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽልቴና ይዕድሙና ነበሩ። ተጋይሸ ድማ ኣይፈልጥን እየ” በለት።c ኣብ መወዳእታኡ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ካልእ ሓው እውን፡ “ኣሕዋትን ኣሓትን ይበጽሑና፡ ወይ ከኣ ናብ ቤቶም ይዕድሙና ነበሩ፣ ብዛዕባ ኻልእ ሰብ ከም ዚሓልዩ ኸኣ ተገንዘብኩ። ብሕልፊ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተኹ፡ ብዙሓት ከኣ ኪበጽሑኒ ምስ መጹ፡ ብዛዕባ ኻልእ ከም ዚሓልዩ ብዝያዳ ነጸረለይ” በለ። ንስኻኸ ንዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤት ተገዳስነት ከተርእዮም ትኽእልዶ፧
15, 16. እቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እኳ እንተ ዘይተቐበልዎ፡ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ሕጉሳት ንኪዀኑ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
15 ሓደ ክርስትያን ንብዙሕ ዓመታት ብተኣማንነት ይመላለስን ነቶም ዘይኣምኑ ብሜላ ኺምስክረሎም ይጽዕርን ይኸውን፣ ይኹን እምበር፡ ኵሎም ዘይኣምኑ መጻምድትን ውሉዳትን ወለድን ካልኦት ኣዝማድን ኣይኰኑን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚቕበልዎ። ገሊኣቶም ዘይግደሱ፡ ገሊኣቶም ከኣ ሓያላት ተጻረርቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 10:35-37) ክርስትያናት ኣምላኻዊ ባህርያት ዜርእዩ እንተ ዀይኖም ግና፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ድሕሪ ሰበይቱ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እተቐበለ ሓው፡ “እቲ ኣማኒ ዝዀነ መጻምድቲ ዜንጸባርቖ ዚፍቀር ባህርያት፡ ንኣእምሮን ንልብን እቲ ዘይኣምን መጻምድቲ ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚኽእል ኣይትፈልጡን ኢኹም። ስለዚ፡ በቲ ዘይኣምን መጻምድትኹም ተስፋ ኣይትቝረጹ” በለ።
16 ዋላ እኳ እቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እንተ ዘይተቐበልዎ፡ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ግና ሕጉሳት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓንቲ ሓብቲ ንሰብኣያ ን21 ዓመት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትምስክረሉ እኳ እንተ ጸዓረት፡ ሓቂ ኣይተቐበለን፣ ከምዚ ድማ በለት፦ “ንየሆዋ ኸሐጕሶ፡ ንዕኡ ዘሎኒ ተኣማንነት ክሕሉ፡ መንፈሳውነተይ ከኣ ከደልድል ስለ ዝጽዕር፡ ሕጕስቲ እየ። ብመንፈሳዊ ንጥፈታት፡ ማለት ብብሕታዊ መጽናዕትን ብኣኼባታትን ብወፍሪ ኣገልግሎትን ንኻልኦት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብምሕጋዝን ትሕዝቲ ምዃነይ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኸም ዝቐርብ ገይሩንን ንልበይ ሓልይዎን እዩ።”—ምሳ. 4:23።
ኣይትተሓለል!
17, 18. ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ንዚነብር ክርስትያን፡ ተስፋ ንኸይቈርጽ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧
17 ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት እትነብር እሙን ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ኣይትተሓለል። “እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ።” (1 ሳሙ. 12:22) ናብኡ ኽሳዕ ዝጠበቕካ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ። (2 ዜና መዋእል 15:2 ኣንብብ።) ስለዚ፡ “ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ።” ብዘይካዚ፡ “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፡ ኣብኡ ተወከል።” (መዝ. 37:4, 5) ‘ጸሎት ኣዘውትር፣’ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንዝዀነ ይኹን ኣጸጋሚ ዅነታት ንኽትክእሎ ኸም ዚሕግዘካ ድማ ተኣማመን።—ሮሜ 12:12።
18 ኣብ ቤትካ ሰላም ንኸተስፍን ዜኽእለካ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺህበካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። (እብ. 12:14) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኺትንክፍ ዚኽእል ሰላማዊ ዅነታት ከተስፍን ትኽእል ኢኻ። ነቲ፡ “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል ምዕዶ እንተ ስዒብካዮ፡ ሓጐስን ናይ ልብን ኣእምሮን ሰላምን ክትረክብ ኢኻ። (1 ቈረ. 10:31) ኣብ ኵሉ ጻዕርኻ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከም ዚሕግዙኻ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ነቲ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ብሕጋዊ መገዲ ዚግበር ምፍልላይ ዚኽልክል ኣይኰነን። ንምፍልላይ ዚምልከት ጕዳይ፡ ብውልቂ ዚግበር ረዚን ውሳነ እዩ። ኣብታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 220-221 ርአ።
c ምስ ዘይኣምኑ ምብላዕ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተኸልከለን።—1 ቈረ. 10:27።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ብዛዕባ እምነትካ ንምግላጽ ግቡእ ግዜ ምረጽ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ዘይኣምን መጻምድትኻ ኸም እትግደሰሉ ኣርኢ