ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w22 ሓምለ ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓቂ፡ “ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ” ተምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት፡ ሓጐስ ኪሰፍን ይኽእል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣምላኽ ኣብ ስድራቤትካ ቀዳማይ ቦታ ድዩ ዘለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንዘይኣማኒ መጻምድቲ ሓቂ ንኺፈልጥ ክትሕግዞ ትኽእልዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
w22 ሓምለ ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ፡ “ኣብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” ኪብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

የሱስ መልእኽቲ ሰላም እዩ ኣዊጁ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግና ንሃዋርያቱ ኸምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ኣብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፣ ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ ኸምጽእ እየ መጺአ። ከመይሲ፡ ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ ሰበይቲ ወዲ ኻብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ መጺአ።” (ማቴ. 10:34, 35) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

የሱስ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ፍልልያት ኬእቱ ኣይደልን እዩ፡ እንተዀነ ግና፡ ትምህርትታቱ ኣብ ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤት ክፍፍል ከም ዜምጽእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑን ኪጥመቑን ዚደልዩ፡ ብዛዕባ እቲ ውሳነኦም ዜስዕቦ ሳዕቤናት ኪፈልጡ ነይርዎም። ካብ ዘይኣማኒ መጻምድቶም ወይ ካብ ካልእ ኣባል ስድራ ቤቶም ተቓውሞ እንተ ኣጋጢምዎም፡ ንትምህርትታት ክርስቶስ እሙናት ኰይኖም ምቕጻል ኬጸግሞም ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ኢሉ እዩ ዜተባብዖም። (ሮሜ 12:18) ትምህርትታት የሱስ ግና ኣብ ገሊኡ ስድራ ቤታት ከም “ሰይፊ” ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ንትምህርትታት ክርስቶስ እናተቐበሎ ኸሎ፡ እቶም ካልኦት እንተ ነጺጎምዎ ወይ እንተ ተጻሪሮምዎ፡ ከምኡ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ፡ እቶም ቤተ ሰብ ነቲ ሓቂ ዝፈለጠ ሰብ “ጸላእቱ” እዮም ዚዀኑ።—ማቴ. 10:36።

ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ገጻ ርእሰ ምትእምማን እናተነብበ ነታ እትልምና ዘላ ኣዲኣ ሓዲጋታ ትኸይድ። እታ መንእሰይ፡ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ዘርእስታ መጽሓፍ ሒዛ ኣላ።

ሓድሓደ ግዜ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤተ ሰብ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ነቲ ንየሆዋን ንየሱስን ዘለዎም ፍቕሪ ዚፍትን ኵነታት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት፡ ሃይማኖታዊ በዓል ኬብዕሉ ካብ ዘይኣመንቲ ቤተ ሰቦም ጸቕጢ ይወርዶም ይኸውን። እሞ ደኣ ኺፍተኑ ኸለዉ ንመን እዮም ባህ ኬብሉ፧ የሱስ፡ “እቲ ኻባይ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዜፍቅር፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 10:37) የሱስ መሸም፡ ደቀ መዛሙርቱ ንዕኡ ብቑዓት ምእንቲ ኪዀኑ ንወለዶም ዝነበሮም ፍቕሪ ኺንክዩ ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ግቡእ ኣረኣእያ ኺሕዙ እዩ ዜጕልሕ ነይሩ። ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራ ቤትና ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ዚጻረርዎ እንተ ዀይኖም ንዕኦም ዘሎና ፍቕሪ ዚቕጽል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ቐዳምነት ክንህቦ ኸም ዚግባእ ግና ኣይንስሕቶን ኢና።

ልክዕ እዩ፡ ካብ ስድራ ቤት ዜጋጥም ተቓውሞ ኣዝዩ ዜሳቒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ጐይታኦም፡ “ጕንዲ ስቅያቱ ተቐቢሉ ዘይስዕበኒ ዘበለ፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ኣይርስዕዎን እዮም። (ማቴ. 10:38) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ክርስትያናት ነቲ ኻብ ስድራ ቤት ዜጋጥሞም ተቓውሞ፡ ከም ክፍሊ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብፍታው ዚቕበልዎ መከራ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ሰናይ ኣካይዳኦም ነቶም ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራ ቤቶም ተቓውሞኦም ንምሕዳግን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምርማርን ድራኸ ኼሕድረሎም እውን ተስፋ ይገብሩ እዮም።—1 ጴጥ. 3:1, 2።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ