ናይ ዘይምሕላል ዓስቢ
ኣብ ዓመት ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ፍንቄ እትነብር ግሪኻዊት ሰበይቲ ኢያ ነይራ። እታ ሰበይቲ ጓላ ኣዝያ ሓሚማ ብምንባራ: ፈውሲ ክትረክብ ኣዝያ ተጨኒቓ ነበረት። ሓደ ጋሻ—በቲ ሕሙማት ናይ ምሕዋይ ሓይሉ ጽቡቕ ስም ዘለዎ ወጻእተኛ—ኣብቲ ከባቢኣ ይበጽሕ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐት ክትርእዮን ክሕግዛ ክትልምኖን ወሰነት።
ምስ ረኸበቶ: ተምበርኪኻ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት: ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ: ምሐረኒ” ብምባል ለመነቶ። በዚ መገዲ እዚ ገይራ: እታ ግሪኻዊት ሰበይቲ ጓላ ከሕውየላ ንየሱስ ለመነቶ።
ነዚ ንምግባር ብወገና እተደልየ ትብዓትን ትሕትናንሲ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ የሱስ ሓይልን ጽቡቕ ስምን ዝነበሮ ፍሉጥ ሰብ ኢዩ ነይሩ: ከምኡውን ኣቐድም ኣቢሉ: ኣበይ ከም ዘሎ ክፍለጥ ከም ዘይደሊ ኣፍሊጡ ነይሩ ኢዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ፍንቄ ዝወሰዶም ኣድላዪ ዕረፍቲ ክረኽቡ ደኣ’ምበር ኣብ መንጐ እቶም ዘይኣምኑ ኣህዛብ ክዓዩ ኣይነበረን። ብተወሳኺ: ንሱ ኣይሁዳዊ ንሳ ኸኣ ካብ ኣህዛብ ኢያ ነይራ: ከምኡውን ብዘይጥርጥር ኣይሁድ ምስቶም ፉንፉናት ሰባት ናይ ኣህዛብ ክሕወሱ ዝነበሮም ጽልኢ ትፈልጥ ኢያ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ንጓላ ፈውሲ ምርካብ ዝብል ውሳኔኣ ጽንዕቲ ኢያ ነይራ።
የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ነታ ሰበይቲ ኣብቲ እዋን እቲ ሓገዝ ከይትሓትት ከእምንዋ ፈተኑ። ኣብ መጀመርያ: የሱስ ሓንቲ ቃል እኳ ትኹን ኣይተዛረባን። ብድሕሪኡ: ብምኽንያት እቲ ተደጋጋምን ዘይሕለልን ጥርዓና: እቶም ሃዋርያት ተቘጢዖም “ደድሕሬና ትጠርዕ አላ እሞ ኣፋንዋ” በልዎ።
ኣወንታዊ ምላሽ ክሳዕ እትረክብ ግን ኣየቋረጸትን። ኣብ ክንዳኡ እኳ ደኣ: “ጐይታይ ርድኣኒ” እናበለት ኣብ እግሪ የሱስ ተደፍአት።
ናይ መጀመርያ ሓላፍነቱ ናብ ደቂ እስራኤል ምዃኑ ብምሕባርን: በቲ ሓደ ወገን ድማ እምነታን ቈራጽነታን ብምፍታን: የሱስ ብድንጋጸ “እንጌራ ውሉድ [ናይ እስራኤል] ኣልዒልካ ነኽላባት [ኣህዛብ] ምሃብ ኣይግባእን እዩ” ብምባል ገለጸላ።
በቲ ንዓሌታ ንምጽዋዕ እተጠቕመሉ ኣሉታዊ ኣጸዋውዓ ኣብ ክንዲ እትዅሪ: ብትሕትና “እወ ጐይታይ: ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” ኢላ ብምምላስ ብትሕትና ንምሕታት ኣይተሓለለትን።
የሱስ እምነታ ብምንኣድን ንልመናኣ ኸኣ ፈትዩ ስጕምቲ ብምውሳድን ነቲ ናይታ ግሪኻዊት ሰበይቲ ዘይምሕላል :ዓስቢ ሂብዎ ኢዩ። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት: ጓላ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ሓውያ ምስ ጸንሓታ ዝነበራ ሓጐስ እሞ ገምቶ!—ማቴዎስ 15:21-28፣ ማርቆስ 7:24-30
ንየሆዋ ንምሕጓስን ስምረቱ ንምርካብን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ: ልክዕ ከምዛ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ሰበይቲ: ዘይንሕለል ክንከውን የድልየና ኢዩ። ከምቲ ኣብ ጕዳይ ናይዛ ግሪኻዊት ሰበይቲ እተራእየ: መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰናይ ግብሪ” እነርእዮ ዘይምሕላል ዓስቢ ክረክብ ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ።—ገላትያ 6:9
ዘይምሕላል እንታይ ኢዩ፧ ስለምንታይከ ኢዩ ዘድሊ፧ ነዚ ባህርይ እዚ ከነጥፍእ: ተስፋ ክንቈርጽ ወይ ድማ ኢድና ክንህብ ዝገብሩ ረቋሒታት ከመይ ዝበሉ ኢዮም፧ ንፈጣሪናን ኣቦናን: የሆዋ: ንምግልጋል ሕጂ እንተደኣ ዘይተሓሊልና እንታይ ዓስብታት ክንቅበል ኢና ክንጽበ እንኽእል፧
ሓደ መዝገበ ቃላት ነታ “ዘይምሕላል” እትብል ግሲ ከም “ኣብ ገለ ዕላማ: ኵነት: ምጥባቕን ምጽናዕን ወይ ከኣ ዕንቅፋታት: መጠንቀቕታታት: ወይ መሰናኽላት: እናሃለወ ከሎ ሓላፍነት ምውሳድ . . . ኣብ ህላዌ ምቕጻል፣ ምንባር” ኢሉ ኢዩ ዝገልጻ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንኣገልገልቲ የሆዋ ፍቓዱ ኣብ ምግባር ክጸንዑ ኢዩ ዘተባብዕ። ንኣብነት: ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ:’ ‘ነቲ ሰናይ ክንሕዝ:’ ‘ጸሎት ከነዘውትር:’ ሰናይ ዘበለ ንምግባር ‘ከይንስልኪ’ ተነጊርና ኢና።—ማቴዎስ 6:33፣ 1 ተሰሎንቄ 5:21፣ ሮሜ 12:12፣ ገላትያ 6:9
ዘይምሕላል: ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወት ምእንቲ ክንነብር: ከነጥርያን ከነዕብያን ዘሎና ባህርይ ኢያ። ብዘይ ብኣኣ ናይ ሓቂ: ነባሪ ረብሓ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንረክብ ኣይንኽእል ኢና። ኣብነት ናይ ሓደ ደው ክብል ዝፍትን እሞ በተን ናይ መጀመርያ ሰንከልከል ዝብላ ስጕምትታቱ ዝኸይድ ቈልዓ ርአ። ብሓንቲ መዓልቲ ብቐሊሉ ደው ምባልን ምኻድን ዝማሃር ህጻን ኣይርከብን ኢዩ። ኵልና ቈልዑ ከሎና: ኣብ መወዳእታ ጽቡቕ ገይርና ክንከይድ ቅድሚ ምኽኣልና ምናልባት ብዙሕ ግዜ ንፍትንን ንወድቕን ነይርና ኢና። ኣብ መጀመርያ ምስ ወደቕና: ምፍታን ከነቋርጽ እንተ ንውስን: እንታይ ምዀነ፧ ገና በእዳውናን ኣብራኽናን ፍሑኽ ንብል ምሃሎና! ኣብ ጠቓሚ ሸቶታት ንምብጻሕ ከምኡውን ምስኡ ዝመጣጠን ናይ ክእለትን ርእሰ-ምኽባርን ወሰኽ ንምርካብ: ዘይምሕላል ኣድላይ ኢዩ። ከምቲ ሓደ ፍሉጥ ብሂል ዝገልጾ: “ዝዕወቱ ፈጺሞም ኣየቋርጹን ኢዮም: ዘቋርጹ ኸኣ ፈጺሞም ኣይዕወቱን ኢዮም።”
ናይ ነዊሕ ግዜ ፓይነራት: ንዓወት ውሕስነት ዝህብ ፍሉይ ክእለታትን ተውህቦታትን ከም ዘይኰነ ይርድኡ ኢዮም። ግዝያዊ መሰናኸሊታት: ጭንቀት እውን ከይተረፈ ከጋጥም ከሎ: ጽንዓት: መሊእካ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ምቝራጽ: ከምኡውን ትብዓት ኢዩ ዘድሊ። እቲ ኣብ በረኸታት ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ምክፋል ሸቶ ንጹር ገይርካ ክተሓዝ ኣለዎ።
እወ: ኵልና እቶም ስምረት የሆዋ ክንረክብን ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ከኣ ክንዕወት እንደልን: ዘይምሕላል: ጽንዓት: ከምኡውን ምጽማም የድልየና ኢዩ። እዞም ባህርያት እዚኣቶም እንተዘይብልና: ስምረት የሆዋን ዓስቢ ናይቲ ናይ ሓቂ ህይወትን ክንስእን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 18:20፣ ማቴዎስ 24:13፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:18, 19
መብዛሕትኡ ግዜ: ንሓደ ክርስትያን ካብ ኣብ ካልእ ግዴታታት ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታቱ ዘይሕለል ክኸውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ሰብኣይ ንስድራቤቱ ብስጋ ዘድልዮም ክሓሊ ኣብ ዓለማዊ ስርሑ ምጽዓር ይቕጽል ኢዩ፣ ይኹን እምበር: ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ‘ኣዝዩ ይደክም’ ይኸውን። ንብዙሓት ሰባት ኣብ ክርስትያናዊ ዕዮታት ከይተሓለሉ ንኽቕጽሉ ዘሸግርዎም ረቛሒታት ከመይ ዝበሉ ኢዮም፧
ሓደ ረቋሒ ካብ ውልቃዊ ስንፍናናን ድኽመታትናን ዝመጽእ ተስፋ ምቝራጽ ኢዩ። ብዛዕባ ጌጋታትና ብቐጻሊ ንሓስብ እንተደኣ ኴንና: የሆዋ ንዅሉ ሓጢኣትና ፈጺሙ ይቕረ ክብለልና ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ስምዒት ብምምጻእ ተስፋ ክንቈርጽን ኢድና ክንህብን ንኽእል።
ካልእ ረቋሒ ድማ ርኽሰት: ብልሽውና: ከምኡውን ጽልኢ ዝመልኦ ዓለማዊ ሃዋሁ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:15, 16) ክርስትያናዊ ዘይምሕላል ሓደ ካብቲ ዓለማዊ ጽልዋታት ከበላሽዎ ወይ ድማ ከዕንዎ ዝኽእል “ጽቡቕ ልማድ” ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:33
ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ እነርእዮ ዘይምሕላል በቲ ንቕዱስ ኣገልግሎትና ዘጋጥሞ ግልጺ ተጻራርነት ወይ ዘይምግዳስ ክዳኸም ይኽእል ኢዩ። ካብ ጭንቀት እተላዕለ: እቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ሓቂ ኣይደልዩን ኢዮም ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና። እዚ ‘እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧’ ኢልና ከም እንሓትትን ነቲ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰልና ከም እንሓድግን ክገብረና ይኽእል ኢዩ።
በቲ ዓለማዊ ናይ ርእሰ-ምዕጋብ መንፈስ እውን ክንጽሎ ንኽእል ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕ ግዜ ከሕልፍ ወይ ኣቕሊሉ እናረኣዮ ከሎ: ስለምንታይ ኢና ንሕና ብዙሕ እንቃለስን እንሽገርን፧—ምስ ማቴዎስ 16:23, 24 ኣነጻጽሮ።
ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምግባር ምእንቲ ከይንሕለል: እቲ ክርስትያናዊ ባህርይ ክንለብስ ከምኡውን ብስጋ ዘይኰነስ ብመንፈስ ክንነብር የድልየና። (ሮሜ 8:4-8፣ ቈሎሴ 3:10, 12, 14) ብዛዕባ እቲ ኵነታት ኣረኣእያ የሆዋ ምሓዝ: ነቲ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ክንቅጽሎ ከኽእለና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 16:13
ናይ ዘይምሕላል ኣብነታት
የሆዋ: ብዙሕ ዘተባብዕ ኣብነታት ናይቶም ብብዙሕ ከቢድ ፈተናታት ሓሊፎም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ኣገልገልቲ ይህበና ኢዩ። ነዞም ኣብነታት እዚኣቶም ብምርኣይ: ክርስትያናዊ ዘይምሕላል ብኸመይ ከነዕብን ከነርእን ከም እንኽእል ከምኡውን ስለምንታይ ጠቓሚ ምዃኑ ክንርዳእ ኢና።
እቲ ዝዓበየ ኣብነት: እቲ ንስም የሆዋ ከኽብር ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈ የሱስ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዘይሕለል ናይ ወፈያኡ ግብርታት ተጠንቂቕና ከነጽንዖ ኢዩ ዘተባብዓና:- “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና: ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ: ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን: ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚአክል ምጽራር እተዐገሰ ዘክርዎ።”—እብራውያን 12:1-3
እቲ ናይ ህይወት ቅድድም: ሽኳ ወይ ሓጺር ጉያ ዘይኰነስ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ነቲ ናይ ክርስቶስ ዝመስል ዘይምሕላል ዘድልየና። እቲ ሸቶ: እቲ ናይ መወዳእታ መስመር: ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ጉያ ከይርአ ይኽእል ኢዩ። ንብምሉኡ እቲ ብዙሕ ዝሓትት ጕዕዞ ብኣተሓሳስባና ምእንቲ ክንበጽሖ: እቲ ሸቶ ኣብ ኣእምሮና ንጹር ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣብ ቅድሚኡ ከምዚ ዝበለ ናይ ሓሳብ ስእሊ ማለት “ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ” ነበሮ።
ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት: ኣብዚ ሓጐስ እዚ እንታይ ኢዩ ተጠቓሊሉ ዘሎ፧ ሓደ ካብኡ: ንሒደት ሰባት ኣብ ሰማይ ናይ ዘይትመውት ህይወት ዓስቢ: ንብዙሓት ሰባት ከኣ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ምድሪ ኢዩ። ከምኡውን እቲ ንልቢ የሆዋ ብምሕጓስን ኣብ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ድማ ግደ ከም ዘሎካ ካብ ምፍላጥን ዝመጽእ ናይ ዕግበት ስምዒት ኢዩ።—ምሳሌ 27:11፣ ዮሃንስ 17:4
ኣብዚ ሓጐስ እዚ ዝጠቓለል ድማ ምስ የሆዋ ጥብቂ: ባህ ዘብል ርክብ ምህላው ኢዩ። (መዝሙር 40:8፣ ዮሃንስ 4:34) ከምዚ ዝበለ ርክብ ዘበራትዕን ዘናብርን: ንሓደ ሰብ ድማ ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ተስፋ ከይቈረጸ ብምጽማም ምእንቲ ክጐዪ ሓይሊ ዝህብ ኢዩ። ብተወሳኺ: የሆዋ ብዝሒ ሓጐስን ሕጕስ ንጥፈታትን ዘፍሪ: ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ መንፈስ ቅዱሱ እናኸዓወ ነቲ ርክብ እቲ ይባርኾ ኢዩ።—ሮሜ 12:11፣ ገላትያ 5:22
ንኣብነት ናይቲ ዘይትሕለል እምነት ዝነበረቶ እዮብ ምርኣይ ጠቓሚ ኢዩ። ዘይፍጹምን ብዛዕባ ኵነታቱ ድማ ውሱን ፍልጠትን ኢዩ ነይርዎ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓድሓደ ግዜ ናብ ንገዛእ ርእስኻ ቅኑዕ ምግባርን ተስፋ ምቝራጽን ዝዝንብል ዝነበረ። ይኹን እምበር: ንየሆዋ ንጽህናኡ ክሕሉን ከይሓድጎን ዝነበሮ ቈራጽ ውሳኔ ብጽንዓት ኣርእዩ ኢዩ። (እዮብ 1:20-22፣ 2:9, 10፣ 27:2-6) የሆዋ: ንእዮብ መንፈሳውን ስጋውን በረኸታት ከምኡውን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሃብ በቲ ዘርኣዮ ዘይሕለል ተወፋይነት ክሒስዎ ኢዩ። (እዮብ 42:10-17፣ ያእቆብ 5:10, 11) ከም እዮብ: ንሕናውን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትና ብዙሕ ስቓይን ስእነትን ነሕልፍ ንኸውን፣ ይኹን እምበር: በቲ ተኣማንነት ዘለዎ ምጽማምና በረኸት የሆዋ ከም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብራውያን 6:10-12
ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓፈሻ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ክርስትያናዊ ዘይምሕላል የርእዩ ኢዮም ዘለዉ። ንኣብነት: እቲ ብዘይምሕላል ኣብ ቤተ-ቤትን ኣብ ካልእን ዝግበር ህዝባዊ ናይ ስብከት ዕዮኦም ንዕኦምን ነቲ መልእኽቶምን ዓለምለኻዊ ቈላሕታ ከም ዝረኽቡ ገይሩ ኢዩ። መራኸቢ ብዙሃን: ነቲ ምጽራርን ፈተናታትን እናኣጋጠሞም ከሎ ብዛዕባ እቲ ብስራት ንምስባኽ ዘለዎም ቅንእን ቈራጽነትን ብዙሕ ግዜ ኢየን ዝጠቕስኦ። ሓደ ካብዚኣቶም እኳ ነቲ “ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘምልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የሎን!” ዝብል ቀንዲ ሓሳባት ዝገልጽ ኢዩ።—ማቴዎስ 5:16
የሆዋ ኣብቲ ኣገልግሎት ብዙሕ ፍረ ብምሃብ ነቲ ዘይሕለል ጻዕሪ ናይ መሰኻኽሩ ይባርኾ ኢዩ ዘሎ። ንተመኵሮ ናይቶም ኣብ 1960’ታት ኣብ ዓዲ ጣልያን ንሓንቲ ልዕሊ 53,000,000 ህዝቢ ዝነበርዋ ሃገር ዝሰብኩ ዝነበሩ 10,000 ዝዀኑ ጻዕረኛታት መሰኻኽር ኣስተብህል። ኣብ ሓንቲ 6,000 ዝኣኽሉ ተቐማጦ ዝነበርዋ ከተማ መሰኻኽር ኣይነበሩን። እቶም በጻሕቲ ኣሕዋት ንኣገልግሎቶም ናይ ጽልኢ ምላሽ ተቐበሉ።
እቶም ኣሕዋት ናብኡ ክሰብኩ ኢሎም ኣብ ዝኸድሉ ነፍሲ ወከፍ ግዜ: ብዙሓት ካብተን ናይታ ከተማ ኣንስቲ: ሰብኡት እውን ከይተረፉ: ነቶም ኣወዳት ይእክብዎም እሞ ነቶም መሰኻኽር እናሰዓቡ ክፋጽዩሎምን ክርብሹዎምን የተባብዕዎም ነበሩ። ድሕሪ ቑሩብ ደቓይቕ: እቶም ኣሕዋት ብሰንኪ እዚ ንዓኣ ሓዲጎም ናብ ካልእ ከተማ ክኸዱ ይግደዱ። ንተቐማጦ ናይታ ከተማ እንተ ወሓደ ሓደ ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ: እቶም ኣሕዋት: በቶም መንእሰያት ኣይክንሽገርን ኢና ብዝብል ተስፋ ኣብቲ ከተማ ብዙሕ ማይ ኣብ ዝሃርመሉ መዓልትታት ጥራይ ክሰብኩ ወሰኑ። እቶም ተቐማጦ ናይታ ከተማ ነቶም ኣስፋሕቲ ምእንቲ ክርብሹ ኢሎም ክጥልቅዩ ከም ዘይደልዩ ኣስብሃሉ። ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ጽቡቕ ምስክርነት ተዋህበ። ተገደስቲ ሰባት ተረኽቡ። ሓደስቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣብዛ ንእሽቶ ከተማ እዚኣ ጕልዕቲ ጉባኤ ተመስሪታ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ናይ ስብከት ዕዮ ኣብቲ ጸሓይ ዝውዕለሉ መዓልትታት ከይተረፈ እውን ክግበር ተጀመረ። የሆዋ ኣብቲ ከባቢ እትን ኣብ ምሉእ ዓዲ ጣልያንን ነቲ ናይ ኣገልገልቱ ዘይሕለል ጻዕሪ ይባርኾ ኢዩ ዘሎ። ሕጂ ኣብቲ ሃገር እቲ ልዕሊ 200,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ።
ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዝርአ ዘይምሕላል ዓስቡ ብዙሕ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: በቲ ኣብ ኣፍ ደጌታትን ኣብ ካልእን ንሚልዮናት ሰባት ዝሰብክዎ ብስራት ናይታ መንግስቲ: ብሓይሊ መንፈስ ኣምላኽ: ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ መወዳድርቲ ዘይብሉ ውሕሉል ስራሕ ክፍጽሙ ክኢሎም ኢዮም። (ዘካርያስ 4:6) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ዘደንቕ ዕብየትን ክእለትን ናይታ ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ክፍጸም ከሎ ብሓጐስ ርእዮምዎ ኢዮም። (ኢሳይያስ 54:2፣ 60:22) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽሩይ ሕልና ይሕዙ: ከምኡውን በቲ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ይሕጐሱ ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ምስቲ ፈጣሪ: የሆዋ ኣምላኽ: ጥብቂ ርክብ የስተማቕሩ።—መዝሙር 11:7
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነቲ ትሕትና ዝመልኦ ዘይምሕላል ናይዛ ግሪኻዊት ሰበይቲ እዚኣ ዓስቢ ሂብዎ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ህይወት ኣብ ገነት: ኣብቲ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ክርስትያናት ተነቢሩ ዘሎ ሓጐስ እቱው ኢዩ