ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/99 ገጽ 1
  • ‘ተዓገሱ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ተዓገሱ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎትና ዕጉሳት ንኹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ዕጉስ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ካብ ትዕግስቲ የሆዋን የሱስን ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንትዕግስቲ የሆዋ ቕድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 1/99 ገጽ 1

‘ተዓገሱ’

1 መወዳእታ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣዝዩ ይቐርብ ከም ዘሎ ንርኢ ስለ ዘሎና: ነታ ናይ ድሕነት መዓልቲ የሆዋ ክንጽበ ከሎና ‘ክንዕገስ’ ኣድላዪ ኢዩ። ብሕልፊ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ እዚ እቶም እኩያት መናፍስቲ ንቘላሕታና ካብቲ ቐንዲ ጕዳይ ዝዀነ ናይ የሆዋ ሉዓላውነት ክኣልይዎ: ማእለያ ብዘይብሉ ብሕታዊ ጕዳያት ከኣ ከም እንተሓናዀል ክገብሩና ብቘራጽነት ተላዒሎም ኢዮም ዘለዉ። ሰይጣን በዚ መገዲ እዚ ኣታሊሉ ነቲ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ ከም እንጥንጥኖ ወይ ከም እንዝሕትል ይገብር ኢዩ። (ያእ. 5:⁠7, 8፣ ማቴ. 24:⁠13, 14) እሞ ደኣ ከመይ ገይርና ኢና ነዛ ኣዝያ ኣድላይት ዝዀነት ባህርይ ናይ ትዕግስቲ ከነንጸባርቓ እንኽእል፧

2 ጸዋራት ብምዃን:- ኣብ ኣገልግሎትና ሸለልትነት ናይ ሰባት ወይ ምጽራር ምስ ዘጋጥመና: ተጻዋሪ ምዃን ጸኒዕና ንኽንቅጽል ትድግፈና ኢያ። እቶም እንረኽቦም ሰባት ዘይምቕሉላት ወይ ዘይሕያዎት ምስ ዝዀኑ: ብቐሊሉ ኣይንሓፍርን ወይ ኣይንሓርቕን ኢና። (1 ጴጥ. 2:⁠23) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሽጣዊ ብርታዐ ኣብቶም ኣብ ዞባና ዝርከቡ ዘይግደሱ ወይ ንዕዮና ዝጸልኡ ሰባት ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ከይነሕድር ይሕግዘና። ከመይሲ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ምስ እነሕድር ንገዛእ ርእስናን ነቶም መገላግልትናን ተስፋ ዘቝርጽ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና።

3 ብትዕግስቲ ብምጽማም:- ምስ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ጽቡቕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባርና እንደገና ኣብ ገዝኡ ምስ ዘይንረኽቦ: ትዕግስትና ክትፍተን ትኽእል ኢያ። እቶም ጽንዓት እንገብረሎም ሰባት ዕቤት ኣብ ምርኣይ ወይ ኣቕዋሞም ብወገን ሓቂ ኣብ ምግባር ምስ ዝድንጕዩ እውን ብተመሳሳሊ ንፍተን ኢና። እንተዀነ ግን: ብትዕግስቲ እንተ ተጸሚምና ጽቡቕ ፍረ ክንዓጽድ ኢና። (ገላ. 6:⁠9) ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ሰበይቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምረላ ብዙሕ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ገበረትላ። ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ምብጻሕ: እታ ሰበይቲ ብኻልእ ጕዳያት ትሕዝቲ ነበረት። ኣብ ሻድሻይ ምብጻሕ እታ ሓብቲ ብርቱዕ ማይ ይወቅዕ ስለ ዝነበረ እናጠልቀየት ከደት: እንተዀነ ግን ኣብቲ ገዛ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: እታ ሓብቲ ሓንሳብ እንደገና ክትበጽሓ ወሲና ምስ ከደት: እታ ሰበይቲ ጽንዓት ንምግባር ተቐሪባ ረኸበታ። ድሕርዚ እታ ሰበይቲ ብቐጻሊ ዕቤት ገበረት እሞ ኣብ ሓጺር እዋን ህይወታ ንየሆዋ ወፈየት።

4 መዓልቲ የሆዋ ከም ዘይትድንጒ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ኸኣ መለኮታዊ ትዕግስቲ ጽቡቕ ፍረ ከም ዘፍሪ ብምፍላጥ: ነቲ ናይ የሆዋ ኣሰራርሓ ብትዕግስቲ ኢና እንጽበ። (ኣን. 2:⁠3፣ 2 ጴጥ. 3:⁠9-15) ልክዕ ከም የሆዋ ትዕግስቲ ከነርኢ: ኣብ ኣገልግሎት ከኣ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። የሆዋ ነቲ ዝገበርኩምዎ ጻዕሪ ዓስቡ ምእንቲ ኽህበኩም “ብእምነትን ብትዕግስትን” ተጸበዩ።​—⁠እብ. 6:⁠10-12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ