ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/11 ገጽ 1
  • ኣብ ኣገልግሎትና ዕጉሳት ንኹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎትና ዕጉሳት ንኹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንትዕግስቲ የሆዋ ቕድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ካብ ትዕግስቲ የሆዋን የሱስን ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ትዕግስቲ ብኸመይ ተጥሪ፧
    ንስድራ ቤት
  • ዕጉስ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 6/11 ገጽ 1

ኣብ ኣገልግሎትና ዕጉሳት ንኹን

1. የሆዋ ንደቂ ሰብ እተዓገሶም ብኸመይ እዩ፧

1 ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ዕጉስ እዩ። (ዘጸ. 34:6፣ መዝ. 106:41-45፣ 2 ጴጥ. 3:9) ሓደ ኻብቲ ትዕግስቱ ዜርእየሉ መዳይ፡ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ዘሎ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ንደቂ ሰብ ንኣስታት 2,000 ዓመት እኳ እንተ ተዓገሶም፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ናብኡ ይስሕቦም ኣሎ። (ዮሃ. 6:44) ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ኣብ ኣገልግሎትና ንትዕግስቲ የሆዋ ኽንቀድሖ እንኽእል፧

2. ኣብ ክልና ኣብ እንዓይየሉ እዋን፡ ትዕግስቲ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት፦ ኣብቲ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሎም ውልቀ-ሰባት ዚነብሩሉ ኽሊ ‘ኸየብኰርና’ ብምስባኽ ንትዕግስቲ የሆዋ ኽንቀድሖ ንኽእል ኢና። (ግብ. 5:42) ነቲ ዜጋጥመና ዘይምግዳስን ላግጽን ምጽራርን እውን ብትዕግስቲ ንጾሮ ኢና። (ማር. 13:12, 13) ብዘይካዚ፡ ዋላ እውን ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ቤቶም ኣይንርከቦም፡ ደኺመ ኸይበልና ነቲ ዝዘራእናዮ ዘርኢ ሓቂ ማይ ብምስታይ፡ ትዕግስቲ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

3. ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ እንገብረሉ እዋን ክንዕገስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ተኽሊ ምዕባይ፡ ትዕግስቲ ይሓትት እዩ። ክንኵስኵሶን ክንኣልዮን ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ንዕቤቱ ኸነቀላጥፎ ግና ኣይንኽእልን ኢና። (ያእ. 5:7) ብተመሳሳሊ፡ መንፈሳዊ ዕቤት፡ ቀስ ብቐስን በብደረጃን እዩ ዚመጽእ። (ማር. 4:28) እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት፡ ንእምነታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ንዘይኰነ ልምድታት ኪሓድግዎ የጸግሞም ይኸውን። ንተመሃሮና ለውጢ ኺገብሩ ኸነገድዶምን ንዕቤቶም ከነቀላጥፎ ኽንፍትንን የብልናን። መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቲ ተመሃራይ ክሳዕ ዚዓዪ፡ ንእተወሰነ እዋን ክንዕገስ ኣሎና።​—1 ቈረ. 3:6, 7።

4. ንዘይኣምኑ ኣዝማድና ብውጽኢታዊ መገዲ ምእንቲ ኽንምስክረሎም፡ ትዕግስቲ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

4 ዘይኣምኑ ኣዝማድ፦ እቶም ዘይኣምኑ ኣዝማድና ብዛዕባ ሓቂ ኺፈልጡ ንህንጠ እኳ እንተ ዀንና፡ ምስኦም ብዛዕባ እምነትና እንዘራረበሉ ግቡእ ግዜ ኽሳዕ እንረክብ ክንዕገስ ኣሎና፣ ብብዙሕ ሓበሬታ ኸይንዕብልሎም እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። (መክ. 3:1, 7) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ከመይ ዓይነት ሰባት ምዃንና ብግብርና ኸነርኢ ንኽእል ኢና፣ ብዛዕባ እምነትና ብዓቕልን ብኣኽብሮትን ንኽንገልጽ ከኣ እተዳለና ንኸውን። (1 ጴጥ. 3:1, 15) ብርግጽ እምበኣር፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዕጉሳት እንተ ዄንና፡ ብዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውንን ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸነሐጕሶን ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ