ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwhf ዓንቀጽ 8
  • ትዕግስቲ ብኸመይ ተጥሪ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዕግስቲ ብኸመይ ተጥሪ፧
  • ንስድራ ቤት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትዕግስቲ ስለምንታይ የድልየካ፧
  • ትዕግስቲ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
  • ኣብ ኣገልግሎትና ዕጉሳት ንኹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ዕጉስ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንትዕግስቲ የሆዋ ቕድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ካብ ትዕግስቲ የሆዋን የሱስን ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንስድራ ቤት
ijwhf ዓንቀጽ 8
ሓደ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ጫማ ኽትዕድግ ከላ ሰልክይዎ ይጽበያ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ትዕግስቲ ብኸመይ ተጥሪ፧

“ሰብ ሓዳር መዓልቲ መዓልቲ ትዕግስቶም ይፍተን እዩ። ከይተመርዓኻ ትዕግስቲ እምብዛ ኣገዳሲ ዀይኑ ኣይረኣየካን ይኸውን፣ ሓዳር ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን ግና ትዕግስቲ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።”—ጆን።

  • ትዕግስቲ ስለምንታይ የድልየካ፧

  • ትዕግስቲ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

  • “ትዕግስቲ ኣዝያ ኣድላዪት እያ”

ትዕግስቲ ስለምንታይ የድልየካ፧

  • ሓዳር ምስ ጀመርካ፡ ድኽመታት መጻምድትኻ ዝያዳ ኺርኣየካ ይጅምር እዩ።

    “ኣብ ሓዳር ንእተወሰነ እዋን ምስ ጸናሕካ፡ ኣብ ሕማቕ ባህርያት መጻምድትኻ ተተኵር ኢኻ። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኽትሕዝ ምስ እትጅምር ድማ ትዕግስትኻ ይጽንቀቕ እዩ።”—ጀሲና።

  • እንተ ዘይተዓጊስካ፡ ከይሓሰብካ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

    “እተሰምዓኒ ቐልጢፈ እየ ዝዛረብ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣመና እቕልጥፍ እየ። ቍሩብ እንተ ዝዕገስ ግና ዘየደሊ ዘረባታት ኣይምተዛረብኩን ነይረ።”—ካርመን።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 13:4) ስለዚ፡ ክልተ ዚፋቐሩ ሰባት ኪተዓጋገሱ ትጽበዮም ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኣይከውንን እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጆን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከም ዝዀነ ጽቡቕ ባህርይ፡ ትዕግስቲ ምምዕባል እውን ቀሊል ኣይኰነን። ጻዕሪ ይሓትት እዩ” ይብል።

ትዕግስቲ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

  • ዘይተጸበኻዮ ነገር ንትዕግስትኻ ምስ ዚፍትኖ።

    ኣብነት፦ መጻምድትኻ ጐዳኢ ዘረባ ይዛረበካ። ንስኻ እውን ዳርግ ዳርጋ ኽትምልሰሉ ትለዓዓል።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵራ መለለዪ ዓሻ እዩ እሞ፡ ንዅራ ኣይትተሃወኽ።”—መክብብ 7:9፡ እግረ ጽሑፍ።.

    ትዕግስቲ ብኸመይ ከም እተርኢ፦ ፈለማ ህዳእ። መልሲ ቕድሚ ምሃብካ፡ መጻምድትኻ ብዘረባኡ ኼጥቅዓካ ኸም ዘይሓሰበ ንርእስኻ ኸተእምና ፈትን። ነዚ ብዚምልከት፡ ፋይቲንግ ፎር ዩር ሜሬጅ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መብዛሕትና ነቲ መጻምድትና ኺብሎ ዝደለየን ዝበሎን ዘይኰነስ፡ ነቲ ንሕና እተረድኣና ጥራይ ኢና እንወስድ” ትብል።

    ሓደ ሰብኣይ ሰበይቱ ምስ ኣቘጥዓቶ ብቝጥዓ እንተ መሊሱላ፡ ኣብ ዚነድድ ሓዊ ዕንጨይቲ ኸም ምውሳኽ እዩ፣ ሓደ ሰብኣይ ሰበይቱ ምስ ኣቘጥዓቶ ርእሱ እንተ ገቲኡ፡ ንሓዊ ኸም ምጥፋእ እዩ

    መጻምድትኻ ኬቘጥዓካ ኢሉ እንተ ዀነ እውን፡ ምዕጋስካን ሕነ ኽትፈዲ ዘይምፍታንካን ነቲ ውጥረት ከም ዚፈኵስ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ” ይብል።—ምሳሌ 26:20።

    “ንሰበይትኻ ኸም ተጻባኢትካ ጌርካ ኽትርእያ እንተ ጀሚርካ፡ ደው ኢልካ ስለምንታይ ከም እተፍቅራ ሕሰብ፡ ጽቡቕ ነገር ክትገብረላ ድማ ፈትን።”—ኤታን።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

    • መጻምድትኻ ዚጐድእ ዘረባ እንተ ተዛሪቡ ወይ ዚጐድእ ነገር እንተ ገይሩ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧

    • ኣብ ዚቕጽል ከምዚ ምስ ዜጋጥም ብኸመይ ዝያዳ ትዕግስቲ ኸተርኢ ትኽእል፧

  • ሓደ ዚደጋገም ነገር ንትዕግስትኻ ምስ ዚፍትኖ።

    ኣብነት፦ መጻምድትኻ ዅሉ ሳዕ ስለ ዚድንጒ የጸብየካ እዩ፣ እዚ ድማ የበሳጭወካ እዩ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።”—ቈሎሴ 3:13።

    ትዕግስቲ ብኸመይ ከም እተርኢ፦ ነቲ ንሓዳርኩም ዜድልዮ ነገራት ካብቲ ንዓኻ ዜድልየካ ነገራት ኣቐድም። ንርእስኻ ድማ፡ ‘በዚ እዚ ነገር እዚ ምብስጫወይ፡ ንርክብና ይጠቕሞ ድዩ ወይስ ይጐድኦ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ብተወሳኺ፡ ‘ኵላትና ብዙሕ ሳዕ ንስሕት’ ምዃንና ኣይትረስዕ። (ያእቆብ 3:2) እዚ ማለት ድማ ንስኻ እውን ከተመሓይሾ ዚግብኣካ ነገራት ኣሎ።

    “ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ንሰብኣየይ፡ ንመሓዛይ ብዝያዳ እዕገሳ እየ። እዚ ዝዀነ ድማ፡ ምስ ሰብኣየይ ብዙሕ ግዜ ስለ ዜሕልፍን ጌጋታቱ ስለ ዚርኣየንን ይመስለኒ። ኰይኑ ግና፡ ትዕግስቲ ሓደ መዳይ ፍቕሪ እዩ፡ መርኣያ ኣኽብሮት እውን እዩ፣ ስለዚ ንሓዳረይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።”—ኒያ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

    • ንጌጋታት መጻምድትኻ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ እትዕገስ፧

    • ኣብ ዚቕጽል ብኸመይ ዝያዳ ትዕግስቲ ኸተርኢ ትኽእል፧

“ትዕግስቲ ኣዝያ ኣድላዪት እያ”

ጀሲናን ሰብኣያ ሄይደንን

“ሓዳር ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን፡ ትዕግስቲ ኣዝያ ኣድላዪት እያ። ኣብ መንጎ ኽልተ ዘይፍጹማት ሰባት እተፈላለየ ጸገማት ኪልዓል ይኽእል እዩ፣ ንቡር ባህርያት እኳ ቕጭ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። እንተ ዘይተዓጊስና፡ እዚ ጸገማት እዚ ኸም ፍልሖ ንሓዳርና ኼበዅብኾ ይኽእል እዩ።”—ጀሲናን ሰብኣያ ሄይደንን።

ክለሳ፦ ትዕግስቲ ብኸመይ ተጥሪ፧

ዘይተጸበኻዮ ነገር ንትዕግስትኻ ምስ ዚፍትኖ

መልሲ ቕድሚ ምሃብካ፡ መጻምድትኻ እተዛረቦ ነገር ኰነ ኢሉ ንዓኻ ንምጥቃዕ ከም ዘይተዛረቦ ጌርካ ሕሰብ።

ሓደ ዚደጋገም ነገር ንትዕግስትኻ ምስ ዚፍትኖ

ነቲ ንሓዳርኩም ዜድልዮ ነገራት ካብቲ ንዓኻ ዜድልየካ ነገራት ኣቐድም። ንስኻ እውን ከተመሓይሾ ዚግብኣካ ነገራት ከም ዘሎ ኣይትረስዕ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ