መደበ 20 ሰነ እትጅምር ሰሙን
20 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 6 ሕ.ጽ. 10-18 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 45-51 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መዝሙር 48:1–49:9 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ td 3ሐ እታ እተኸልከለት ፍረ ዘይምእዛዝ ደኣ እምበር፡ ጾታዊ ርክብ ኣይኰነትን(5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ህይወት ውህበት ካብ ኰነት፡ ንምድሓንና ኽንፍጽም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧—ሮሜ 6:23፣ ፊል. 2:12 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሓምለ ዚዕደል ጽሑፍ። ምይይጥ። ንትሕዝቶ እቲ ኣብ ሓምለ ዚዕደል ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ፣ ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባ ድማ ብመርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ካብ ኣፍ ቈልዑ። (ማቴ. 21:15, 16) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2011 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 53፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ኸምኡውን ኣብ ገጽ 58፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ምስ ተመያየጥኩምሉ፡ ሰማዕቲ ኻብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ውጽኢታዊ ምስክርነት መገዲ።” ሓላው ኣገልግሎት ዜቕርቦ ሕቶታትን መልስታትን። ነቲ ትምህርቲ ምስ ከባቢኹም ብዚሰማማዕ መገዲ ኣቕርቦ። ነቲ ኣብቲ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ነጥብታት ተጠቂምካ፡ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 50ን ጸሎትን