ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/11 ገጽ 2
  • ውጽኢታዊ ምስክርነት መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውጽኢታዊ ምስክርነት መገዲ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስሉጥ ዝኾነ ናይ መገዲ ምስክርነት ገይርካ ነቶም ተገደስቲ ምርካቦም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ስበኽዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ሓድሽ መገዲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣስላጢ ምስክርነት ምሃብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 6/11 ገጽ 2

ውጽኢታዊ ምስክርነት መገዲ

1. ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

1 የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ኣብ መገዲ ዀነ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምስ ዚረኽቦም ሰባት ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይብልን እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 9:57-61፣ ዮሃ. 4:7) ነቲ ኣገዳሲ መልእኽቱ ንብዙሓት ሰባት ኬካፍል እዩ ዚደሊ ነይሩ። ሎሚ እውን ምስክርነት መገዲ፡ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኻዊ ጥበብ ከነካፍል እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ እዩ። (ምሳ. 1:20) ተበግሶ እንተ ወሲድናን ኣስተውዓልቲ እንተ ዄንናን፡ ውጽኢታውያን ክንከውን ኢና።

2. ኣብ ምስክርነት መገዲ ኣብ እንካፈለሉ እዋን፡ ተበግሶ ኽንወስድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ተበግሶ ውሰድ፦ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ኢልካ ወይ ኮፍ ኢልካ ንሓለፍቲ መገዲ ናባኻ ኺመጹ ኣብ ክንዲ እትጽበ፡ ኬድካ ኸተዘራርቦም ይሓይሽ። ፍሽኽ ኢልካ ኽትጥምቶምን ብህዱእን ብምቕሉልን መገዲ ኽትዛረቦምን ኣሎካ። ምስ ካልኦት ኣስፋሕቲ ዄንካ ትዓዪ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ ፈለማ፡ ሓደ ኣስፋሒ እንተ ኣዘራረበ ይሓይሽ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንግዜኻ ኣብ ብሕታዊ ዕላል ዘይኰነስ፡ መልእኽትኻ ኣብ ምብጻሕ ንኸተተኵር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ተበግሶ ወሲድካ ነቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ክትከታተሎ ኣሎካ። እንተ ተኻኢሉ፡ ኣብ መወዳእታ ምይይጥኩም፡ ንኣድራሻ እቲ ሰብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣዘውቲሮም ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ኣብ ምስክርነት መገዲ ስለ ዚካፈሉ፡ ምስቶም ዘዘራረብዎም ሰባት ብተደጋጋሚ ኪራኸቡን ተገዳስነቶም ኪዅስኵሱን ክኢሎም እዮም።

3. ኣብ ምስክርነት መገዲ ኣስተውዓልቲ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ኣስተውዓሊ ኹን፦ ኣበይ ደው ክትብልን ንመን ከተዘራርብን ከም ዘሎካ ንምውሳን ከተመዛዝን ኣሎካ። ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ኸተዘራርብ ኣየድልን እዩ። ኣስተብሃሊ ኹን። ንኣብነት፡ ንዚህወኹ ሰባት እንተ ዘየዘራረብካዮም ይሓይሽ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንሰባት ከተዘራርብ ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ኣብ ምንዳይ ንቑሕ ኩን። ኣብ ጥቓ ቦታ ንግዲ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ ነቲ ሓላፊ ንግዲ ኸይትርብሾ ተጠንቀቕ። ናብቲ ቦታ ንግዲ ንዚኣትዉ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንዚወጹ ሰባት ክትምስክረሎም ይሓይሽ። ኣቀራርባኻ ዜፍርህን ዜሰንብድን ኪኸውን የብሉን። ጽሑፋት ከተበርክት ከለኻ እውን ኣስተውዓሊ ኹን። እቶም ሰባት ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሎም እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ክንዲ መጽሔት፡ ትራክት ከተበርክተሎም ትኽእል ኢኻ።

4. ምስክርነት መገዲ፡ ጠቓምን ዜሐጕስን መዳይ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ምስክርነት መገዲ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ዘርኢ ሓቂ ንኽንዘርእ ይሕግዘና እዩ። (መክ. 11:6) ንገለ ኻብቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ክንዓዪ ኸለና ዘይንረኽቦም ሰባት፡ ኣብ ምስክርነት መገዲ ኽንረኽቦም ንኽእል ንኸውን። ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ክንምስክረሎም ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ምስክርነት መገዲ ዜሐጕስን ውጽኢታውን መዳይ ኣገልግሎት ወፍሪ ኪዀነልና ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ