ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/9 ገጽ 3-4
  • ሒደት ናጽነት ዘለዋ ርሕብቲ ደገ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሒደት ናጽነት ዘለዋ ርሕብቲ ደገ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እተለወጠ ኣገባብ ናብራ
  • ብርግጽ ገፋሕ መገዲ
  • እታ ገፋሕ መገዲ ናብ ጥፍኣት ትመርሕ
  • እታ ናብ ናጽነት እትወስድ ጸባብ ደገ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ወትሩ “ንዕኡ ስምዕዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ኵለን ሃይማኖታት ድየን ቅኑዓት፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖቶም ጥራይ ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነት ድዮም ዚኣምኑ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/9 ገጽ 3-4

ሒደት ናጽነት ዘለዋ ርሕብቲ ደገ

ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ: እቲ ገዛ ሓዊ ክቃጸል ከሎ ሓንቲ ሰለስተ ኣባላት​—⁠ኣቦ: ኣደ: ከምኡውን ንእሽቶ ጓል​—⁠ ዘለውዋ ስድራቤት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ነበሩ። ብመስኮት ዘሊሎም ክወጹ ፈተኑ: እንተዀነ ግና ተሸጒሩ ነበረ። ብምኽንያት እቲ ናይ ዕቝባ ተገዳም እቶም መጥፋእቲ ሓዊ ከድሕንዎም ኣይከኣሉን። ኣደን ኣቦን ኣብቲ ትክን ሃልሃልታን ጠፍኡ። እታ ጓል ጸኒሓ ኣብ ሆስፒታል ሞተት።

እዛ ስድራቤት እዚኣ ብምኽንያት እቲ ንዕቝባኣ ተባሂሉ እተገብረ መሳርሒታት ክትጠፍእስ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! እዚ: ኣብዚ ግዜና ንገዝኣ ብመሸጐሪታትን ናይ ዕቝባ ተገዳማትን እትከላኸል ስድራቤት እዚኣ ጥራይ ከም ዘይኰነት ዘርኢ ኣብነት ኢዩ። ብዙሓት ካብቶም ጐረባብቲ እውን ዕርድታት ዝመስል ገዛውትን ንብረትን ዘለዎም ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ዕቝባን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ኢዮም ዝደልዩ ዘለዉ። ሰባት ኣብ ገዛኦም ከም እሱራት ክዕጸዉ ከለዉ ጥራይ ዕቝባ ክስምዖምስ ነዚ “ናጻ” ማሕበረሰብ ከመይ ዝበለ መቕዘፍቲ ኰን ኢዩ! ኣብ ብዙሕ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ከባቢታት: ቈልዑ ኣብቲ ኣብ ቀረባኦም ዘሎ መናፈሻ ብዘይ ገለ ጸገም ክጻወቱ ወይ ወለዶም ወይ ካልእ ዓቢ ሰብ ከየሰነዮም ንትምህርቲ ክኸዱ ፈጺሞም ኣይክእሉን ኢዮም። ኣብ ብዙሕ መዳያት ናብራ: ናጽነት ልክዕ ከም ኣውሊ ንግሆ ኢያ እትሃፍፍ ዘላ።

እተለወጠ ኣገባብ ናብራ

ናይ ኣቦሓጎታትና እዋን እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ከም ቈልዑ መጠን ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ብዘይ ፍርሂ ክጻወቱ ይኽእሉ ነይሮም። ከም ዓበይቲ መጠን ኣብ ሓንጎሎም ብመሸጐሪታትን ተገዳማትን እተቐርጸ ጭንቀት ኣይነበሮምን። ናጽነት ይስምዖም ነይሩ ኢዩ: እተወሰነ ደረጃ ናጽነት ድማ ነይርዎም ኢዩ። እንተዀነ ግና: ኣቦሓጎታትና: ብህይወቶም ከለዉ እቲ ናይ ማሕበረሰብ ኣንፈት ክልወጥ ከሎ ርእዮምዎ ኢዮም። ባህ ዘየብል: ዝያዳ ስሱዕ: ኢዩ ኰይኑ፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ድማ ፍቕሪ ጐረቤት ብፍርሂ ጐረቤት ኢዩ ተተኪኡ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣስተዋጽኦ ገበረ። ምስ እዚ ምስኣን ናጽነት ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ ድማ ቀጻሊ ምዕናው ናይ ስነ-ምግባር ክብርታት ኣሎ። ማሕበረሰብ “ሓድሽ ስነ-ምግባር” ኢዩ ፈትዩ ዘሎ: እንተዀነ ግና: ብሓቂ ክርአ ከሎ እቲ ኵነታት ምንም ዓይነት ስነ-ምግባራውነት ክትርእየሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ኢዩ በጺሑ ዘሎ።

ዶር. ሩፐርት ጉድማን: ኣብ ናይ ኲንስላንድ ዩኒቨርስቲ ክፍሊ ትምህርቲ: መምህር ዝነበረ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “መንእሰያት ሕጂ ናብ ሓደ እተፈልየ: ባህታ ዝደሊ . . . ዓንዲ ማእከሉ ‘ንርእሰይ’ ዝብል:- ርእስኻ ምርዋይ: ናይ ገዛእ ርእስኻ ምሕሳብ: ርእስኻ ምዕጋብ: ናይ ገዛእ ርእስኻ ምድላይ ዝኣመሰለ: ዝገነኖ ኣገባብ ናብራ ኢዮም ተቓሊዖም ዘለዉ።” ከምኡውን “ከም ርእስኻ ምግታእ: ርእስኻ ምኽሓድ: ኣበርቲዕካ ምስራሕ: ጥንቃቐ: ንስልጣን ምኽባር: ፍቕርን ንወለዲ ምኽባርን . . . ዝኣመሰሉ ክብርታት ዘይልሙዳት ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ” ይብል።

ብርግጽ ገፋሕ መገዲ

እቶም ምስ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ ዘለዎም: የሱስ ክርስቶስ ንሰማዕቱ “እታ ናብ ጥፍኣት እት​ወ⁠ስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳ​ውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” ኢሉ ከም ዘጠንቀቖም ስለ ዝፈልጡ: በቲ ሕጂ ዘሎ ልሙድ ናይ ንርእሰይ ይጥዓመኒ መንፈስ ኣይግረሙን ኢዮም። (ማቴዎስ 7:​13, 14) እታ ቀዳመይቲ መገዲ: ንብዙሓት ተጐዓዝቲ እኹል ቦታ ዘለዋ: በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ-ምግባርን መዓልታዊ ናብራን መምርሒታት ስለ ዘይትቕየድ “ገፋሕ” ኢያ። ነቶም ባህ ዘብሎም ክሓስቡን ከምቲ ድላዮም​—⁠ብዘይ መምርሒታትን ብዘይ መብጽዓታትን​—⁠ክነብሩ ዝደልዩን እትሰማማዕ ኢያ።

ሓቂ ኢዩ: እቶም በታ ገፋሕ መገዲ ክኸዱ ዝመረጹ ናጽነቶም የስተማቕሩ ከም ዘለዉ ኢዮም ዝዛረቡ። እንተዀነ ግና: መብዛሕትኦም በቲ ልሙድ መንፈስ ስሰዐ ኢዮም ዝድፍኡ ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ በቲ “መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ” ይማሓደሩ ኣለዉ ኢዩ ዝብል። እዚ መንፈስ እዚ: ‘ናይ ስጋ ድሌት እናገበሩ ብትምኒት ስጋ ክነብሩ’ ዘይስነ-ምግባራዊነት: ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ: ጭካነ እተሓወሶ ምድላይ ሃብቲ: ክብሪ: ወይ ስልጣን: ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ እናደለዩ ከም ዝነብሩ ገይሩ ይደፍኦም ኣሎ።​—⁠ኤፌሶን 2:​2, 3

እታ ገፋሕ መገዲ ናብ ጥፍኣት ትመርሕ

እቶም በታ ገፋሕ መገዲ ዝጐዓዙ ‘ናይ ስጋ ድሌት’ ክገብሩ ከም ዝድፍኡ ኣስተብህል። እዚ ጠሪሶም ናጻ ከም ዘይኰኑ​—⁠ጐይታ ከም ዘለዎም​—⁠ዘርኢ ኢዩ። ባሮት ስጋ ኢዮም። ነዚ ጐይታ እዚ ምግልጋል ከኣ ናብ ብዙሕ ግድላት: ገለ ንምጥቃስ:- ዓለምለኻዊ ዝዀነ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት: እተበታተነ ስድራቤታት: ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ዘስዕቦ እተበላሸወ ኣካላትን ኣእምሮን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ናይ ዓመጽን ስርቅን ምግሳስን ተግባራት ድማ ምንጩ ኣብዛ ብናይ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ኣተሓሳስባ እተዀስኰሰት ዘይጽንዕቲ ገፋሕ ደገ ኢዩ ዝርከብ። እዛ “ደገ” እዚኣ “ናብ ጥፍኣት እትወስድ” እኳ እንተዀነት: ጌና ክትቅጽል ኢያ: ፍሪኣ ኸኣ ዝያዳ ጐዳኢ እናዀነ ክኸይድ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 1:​22, 23፣ ገላትያ 5:​19-21፣ 6:​7

እስከ ክልተ ናይ ሓቂ ህይወት ኣብነታት ደቂ ኣውስትራልያ ርአ። ሜሪ: ወልፊ ዘትሕዝ ሓሽሽ ብዘይ ግቡእ እናተጠቕመት ከምኡውን ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት እናኣዘውተረት ንፈተና ተምበርከኸት።a እቲ ሓሲባቶ ዝነበረት ሓጐስ ግን ኣይተረኸበን። ክልተ ቈልዑ ምስ ወለደት እውን ከይተረፈ ናብራኣ ባዶ መሲሉ ተራእየ። ኤይድስ ከም ዝሓዛ ምስ ፈለጠት ድማ ኣብቲ ናይ መጨረስታ ደረጃ በጽሐት።

ቶም እውን ብኻልእ መገዲ ተጐዲኡ ኢዩ። ንሱ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ኣብ ሰሜናዊ ኲንስላንድ ኣብ ሓደ ናይ ሚስዮን ቤተ ክርስትያን ኢየ ዓብየ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ ሰታይ ክኸውን ጀመርኩ። ኣቦይ: ሓወቦታተይን ኣኮታተይን: ከምኡውን ኣዕሩኸይ ሰታያት ስለ ዝነበሩ: ልሙድ ኰይኑ ተራእየኒ። ኣብቲ ዝዀነ ይኹን መስተ: ካብ ቢራ ክሳብ እቲ ኣዝዩ ኣልኮል ዝበዝሖ መስተታት: ዝሰትየሉ ደረጃ በጻሕኩ። ሓድሓደ ግዜ: ክሳብ እቲ ዝበዝሕ ካብቲ ጽዒረ ዝረኸብክዎ ገንዘብ ዘጥፍእ: በፍራስ ክጣላዕ ጀመርኩ። ኣብቲ ቃንጫ ሽኮር ዝቝረጾ ስርሐይ ጽቡቕ እኽፈል ስለ ዘነበርኩ እቲ ዝጠፍእ ገንዘብ ውሑድ ኣይነበረን።

“ደሓር ተመርዓኹ: ክልተ ቈልዑ ድማ ወለድና። ሓላፍነተይ ኣብ ክንዲ ዝስከም ድማ ኣዕሩኸይ ዝገበርዎ​—⁠መስተ: ጠላዕ: ከምኡውን ባእሲ​—⁠ገበርኩ። ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ግዜ ኢየ ዝእሰር ነይረ። እንተዀነ ግን: እዚውን ምንም ለውጢ ኣየምጻኣለይን። ናብራይ እናንቈልቈለ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። ሕንፍሽፈሽ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።”

እወ: ንሕማቕ ባህግታት ብምምብርካኾም: ቶምን ሜርን ንርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ ንስድራቤቶም እውን ጐዲኦም ኢዮም። እቲ ዘሐዝን ግን: ካልኦት ብዙሓት መንእሰያት በቲ ኣብታ ገፋሕ መገዲ ዘሎ ፍኑው: ብዘይ ግቡእ እተመርሐ: መንፈስ ናይ ናጽነት ይሰድዑ ኢዮም ዘለዉ። ኣየ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ድሕሪ እቲ ናይ ቃላት ጕልባብ ዘሎ ክርእዩ እንተ ዝኽእሉ! ኣየ በታ ገፋሕ መገዲ ምኻድ ሓቅነቱ​—⁠እቶም ብኣኣ ዝጐዓዙ ኣብ መወዳእታ ክዓጽድዎ ዘለዎም ሕማቕ ሳዕቤን​—⁠ክርእይዎ እንተዝኽእሉ። ሓቂ ኢዩ: ገፋሕ ናብኣ ክትኣቱ ኸኣ ቀላል ኢያ። እንተዀነ ግና: እቲ ገፋሕ ምዃና መርገም ኢዩ። እቲ መገዲ ጥበብሲ ነቲ “እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ” ዝብል ዘይክሓድ ሓቂ ምስትውዓሉ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 6:⁠8

ይኹን እምበር: ዝሓሸ ምርጫ ኣሎ። እዚኣ እታ ጸባብ መገዲ ኢያ። እንተዀነ ግና: እዛ መገድስ ክሳዕ ክንደይ ቀያዲትን ቀጣንን ጸባብን ኢያ፧ ናበይ ኢያኸ እትመርሕ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተለዊጦም ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ