ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/9 ገጽ 5-7
  • እታ ናብ ናጽነት እትወስድ ጸባብ ደገ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ ናብ ናጽነት እትወስድ ጸባብ ደገ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እታ ጸባብ መገዲ ብኸመይ ሓራ ተውጽእ
  • ሓገዝ ኣምላኽ ተረጋጊጹልና ኣሎ
  • በታ ገፋሕ ደገ ምምልላስ ኣቋረጹ
  • ሒደት ናጽነት ዘለዋ ርሕብቲ ደገ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኵለን ሃይማኖታት ድየን ቅኑዓት፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ወትሩ “ንዕኡ ስምዕዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • የሆዋ ናብቲ ናይ ሓቂ ሓርነት ይምራሕካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/9 ገጽ 5-7

እታ ናብ ናጽነት እትወስድ ጸባብ ደገ

ኣድማስ ብተፈጥሮኣዊ ሕጊ ከም ዝግዛእ ዝጠራጠሩ መስተውዓልቲ ሰባት ሒደት ጥራይ ኢዮም። እዞም ሕግታት እዚኣቶም ንዅሉ: ካብቲ ዝደቐቐ ኣቶም ክሳብ እቲ ቢልዮናት ከዋኽብቲ ሒዙ ዘሎ ዓበይቲ ጋላክሲታት ይቈጻጸሩ ኢዮም። እዚኣቶም እንተዘይህልዉ ነይሮም: ምውጣንን ምርድዳእን ዝበሃል ኣይምሃለወን፣ ህይወት ንባዕላውን ክትነብር ኣይምኸኣለትን። ሰብ ነዞም ናይ ተፈጥሮ ሕግታት እዚኣቶም ብምርዳእን ምስኦም ተሰማሚዑ ብምኻድን ከም ኣብ ወርሒ ምዛር ከምኡውን ኣብ ምድሪ ካብ ዘሎ ዝዀነ ቦታ አረ ካብቲ ክንዮ ሃዋሁ ምድሪ ዘሎውን ከይተረፈ ሕብራውያን ስእልታት ናብቲ ኣብ ኣባይትና ዘሎ ቴለቪዥናት ምፍናው ዝኣመሰለ መስደመም ዝዀነ ዓበይቲ ስራሓት ክፍጽም ክኢሉ ኢዩ።

እንተዀነ ግና: ብዛዕባ ናይ ስነ-ምግባር ሕግታትከ፧ ጠቢቕካ ምስዓቦም ጠቓምን ፍረ ዘለዎን ድዩ፧ ብዙሓት ናይ ስነ-ምግባር ሕግታት ዘየለዉ ኰይኑ እተሰምዖም ይመስሉ ከምኡውን ምስ ባህግታቶም ዝሰማማዕ ዘይጽኑዕ ፍልስፍና ወይ ሃይማኖት ይመርጹ።

ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ግን: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ በታ “ናብ ህይወት እትወስድ ደገ” ክኣትዉ ካልእ መገዲ ዝመረጹ ኣለዉ። የሱስ ብዛዕባ እታ ጸባብ መገዲ “እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” ስለ ዝበለ: ናይቶም ውሑዳት ምርጫ እንተዀነት ክንግረም የብልናን። (ማቴዎስ 7:14) ስለምንታይ ግን ውሑዳት ጥራይ ዝመርጽዋ፧

ምኽንያቱ እታ ጸባብ መገዲ ብሕግታትን መምርሒታትን ኣምላኽ እተሓጽረት ኢያ። ነቲ ብቕንዕና ናብራኡ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ክሰማማዕ ባህጊ ዘለዎ ሰብ ጥራይ ኢያ እትኸውን። ምስታ ናይ ናጽነት ምህውታት ዘለዋ ብሓቂ ግን ኣብ ባርነት እተእቱ ገፋሕ ደገ ኣነጻጺርካስ እዛ ጸባብ ደገ: ቀያዲት እትመስል: ብዅሉ ኣገደስቲ መዳያት ንሓደ ሰብ ናጻ ተውጽኦ ኢያ። ዶባታ በቲ “ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት” እተሓጽረ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠25

እታ ጸባብ መገዲ ብኸመይ ሓራ ተውጽእ

ሓቂ ኢዩ: ኵሉ ግዜ ኣብታ ጸባብ መገዲ ክትነብር ቀሊል ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ህያው ሰብ ዘይፍጹም ኢዩ ከምኡውን: እተወርሰ ጌጋ ናይ ምግባር ዝንባለ ኣለዎ። ስለዚ ሓደ ሰብ ቁሩብ ይዘብል ይኸውን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ምስታ ‘ቀጣን መገዲ’ ጠቢቕካ ናይ ምኻድ ጥቕሚ ካብቲ ካብ ካልእ ዝርከብ ነፍስኻ ምቕጻዕ ወይ ምትዕርራይ ዝበልጽ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣምላኽ ‘እቲ ዝጠቅም ኢዩ ዝምህረና።’​—⁠ኢሳይያስ 48:17፣ ሮሜ 3:⁠23

ብኣብነት ንምግላጽ:- ለባማት ወለዲ ንደቆም ‘ቀጢን መገዲ’ ናይ ኣመጋግባ መደብ ይገብሩሎም ኢዮም። እዚ ድማ ሓድሓደ ግዜ መግቢ ክቕረብ ከሎ ጽኑዕ ምዃን ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ቈልዑ ምስ ዓበዩ: ነቲ ናይ ወለዶም ፍቕራዊ መቕጻዕቲ ከማስዉሉ ኢዮም። ከም ዓበይቲ መጠን ንጥዕና ዝኸውን መግቢ ናይ ምስትምቓር ልምዲ ከማዕብሉ ኢዮም። ብዙሕ ማኣዛ ዘለዎ መግቢ ብምህላዉ ድማ ነቲ ከም እተኸልከሉ ኰይኑ ክስምዖም ዝኽእል ስምዒት ክከላኸለሎም ኢዩ።

ብመንፈሳዊ መገዲ ድማ: ኣምላኽ ምስቶም ኣብታ ናብ ህይወት እትመርሕ ጸባብ ደገ ዘለዉ ከምኡ ኢዩ ዝገብር። ኣብ ውሽጢ እቶም ትሑታት: ናብ ሓጐስን ናይ ሓቂ ናጽነትን ዝመርሕ ምሉእ ባህጊ ኢዩ ዘዕቢ። ነዚ ድማ ንቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብምሃብ ኢዩ ዝገብሮ። ብተወሳኺ ድማ: መንፈሱ ንኽሕግዘና ክንጽሊ ዓዲሙና ኣሎ: ከምኡውን ምስቶም በታ ጸባብ መገዲ ንኽንጐዓዝ ክሕግዙና ዝኽእሉ ክርስትያናት ብጾትና ክንሓብር ኣዚዙና ኣሎ። (እብራውያን 10:​24, 25) እወ: ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ: ኵሉ ዕላማኡን ኣገባቡን ድማ ኣብዛ ዝለዓለት ባህርይ እዚኣ እተመስረተ ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 4:⁠8

ፍቕሪ: ሰላም: ሕያውነት: ነፍስኻ ምግታእ: ከምኡውን ካልእ ፍረ መንፈስ ምስ ዝሰፍን: እታ ጸባብ ደገ ቀያዲት ኣይትመስልን ኢያ። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ “ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።” (ገላትያ 5:​22, 23) “ኣብቲ መንፈስ [የሆዋ ትሓዓ ] ዘለዎ ድማ: ኣብኡ ሓርነት አሎ።” (2 ቈረንቶስ 3:17) ሕጂውን ከይተረፈ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ናይዚ ናጽነት እዚ ቅማሶ ይረኽቡ ኣለዉ። ካብቲ ሎሚ ንሰባት ዝጐድኦም ዘሎ: ከም ፍርሂ ብዛዕባ መጻኢ ከምኡውን ማሪታዊ ፍርሂ ሞት ዝኣመሰለ: ናጻ ኢዮም። በቲ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ዝብል ብዛዕባ መጻኢ ከተስተንትንስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! (ኢሳይያስ 11:⁠9) ሽዑ: ንገበን ምፍራህ እውን ከይተረፈ ኣይክህሉን ኢዩ። መሸጐሪታትን ተገዳማትን ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም። ኵሎም​—⁠ብመዓልቲ ይኹን ብለይቲ: ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ወጻኢ​—⁠ናጽነትን ዕቝባን ክስምዖም ኢዩ። እቲ ናይ ሓቂ ናጽነት ከምዚ ኢዩ ክኸውን!

ሓገዝ ኣምላኽ ተረጋጊጹልና ኣሎ

ሓቂ ኢዩ: ብመለክዒታት ኣምላኽ ምንባር ጻዕሪ ይሓትት ኢዩ: እንተዀነ ግና: ነቶም ዘይፍጹማት ሰባት እውን ከይተረፈ ‘ትእዛዛቱ ኣይከቢድን ኢዩ።’ (1 ዮሃንስ 5:⁠3) ምስታ ጸባብ መገዲ ምስ እንሰማማዕ ከምኡውን ብኣኣ ምምልላስ ዘምጽኦ ጥቕሚ ምስ ዝስመዓና: ነቲ ኣብታ ገፋሕ መገዲ ንዘለዉ መለለይኦም ዝዀነ ተግባራትን ኣተሓሳስባን እናዓበየ ዝኸይድ ጽልኢ ከነሕድር ኢና። (መዝሙር 97:10) ሕግታት ኣምላኽ ምእዛዝ ነቲ ኣብ ኵልና ዘሎ ተፈጥሮ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ብዙሓት ዘሎ ‘ጓሂ ልቢ’ ከምኡውን ‘እተሰብረ መንፈስ’ ዝህልወና: ኣምላኽ “እንሆ: ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ” ኢዮም ኢሉ ይመባጻዕ። እወ: ብየሆዋ እተዓለመ ልቢ ሕጕስን ናጻን ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠14

የሱስ ንዓና ናይ ሓቂ ናጽነት ክውን ንኽገብር ኢዩ ሞይቱ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) ሕጂ: ከም ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን: የሱስ ንረብሓታት ናይቲ መስዋእቲ ኢዩ ዘመሓድር ዘሎ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ: ድሕሪ “እቲ ዓቢ ጸበባ:” እታ ገፋሕ መገዲ ከምኡውን ኣብኣ ዘለዉ ሰባት ምስ ጠፍኡ: ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ናብቲ ዝተረፈ ናይታ ጸባብ መገዲ መወዳእታ​—⁠ሰብኣዊ ፍጽምና​—⁠ገጹ ብትዕግስቲ ክመርሖም ክጅምር ኢዩ። (ራእይ 7:​14-17 ትሓዓ ፣ ማቴዎስ 24:​21, 29-31) ኣብ መወዳእታ ምግሃድ ናይቲ “እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ” ዝብል ዓቢ ተስፋ ክንርኢ ኢና። እዚ ብኣምላኽ እተዋህበ ናጽነት ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኰነን። ሞት እውን ከይተረፈ ክጠፍእ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 8:21፣ ራእይ 21:​3, 4

እታ ጸባብ ደገ ናበይ ከም እትመርሕ ኣነጺሩ ብምርኣይን ብምርዳእን: ሓደ ሰብ ነዛ መገዲ እዚኣ ክመርጽን ብኣኣ ክመላለስን ጽቡቕ ገይሩ ክኽእል ኢዩ። ናእሽቱ ብፍላይ ኣሕጺሮም ዝጥምቱ ከይኰኑ ከምኡውን በቲ ንሳቶም ስርዓታት ኣምላኽ እተጻዕነ ቀይድታት ገይሮም ዝሓስብዎ ከይቍጥዑ ይሕገዙ ኣለዉ። ነዚ: መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽን ካብቲ ናይታ ገፋሕ ደገ ክፍኣት ድማ መከላኸልን ገይሮም ክርእይዎ ይማሃሩ። (እብራውያን 12:​5, 6) ልክዕ ኢዩ: ከምቲ ሓንቲ ፍረ ኦም ጽቡቕ ፍረ ከተፍሪ ግዜ ዝወስደላ ከምኡ ድማ ሓደ ሰብ ኣምላኻዊ ባህርያትን ባህግታትን ከማዕብል ግዜ ከም ዘድልዮ ብምዝካር ዕጉስ ክኸውን ከድልዮ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እታ ኦም እንተድኣ ተዀስኲሳን ማይ ሰትያን ክትፈሪ ኢያ።

ስለዚ ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕ: ምስ ካልኦት ክርስትያናት ሕበር: መንፈስ ቅዱስ ክትረክብ ድማ ‘ከየባተኽካ ጸሊ።’ (1 ተሰሎንቄ 5:17) ‘ኣካይዳኻ ከተቕንዕ’ ክሕግዘካ ኣብ ኣምላኽ ተወከል። (ምሳሌ 3:​5, 6) እንተዀነ ግን: እዚ ዅሉስ ተግባራዊ ድዩ፧ ብሓቂኸ ይጠቅም ድዩ፧ እወ: ነቶም ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ እተጠቕሱ ቶምን ሜርን ጠቂምዎም ኢዩ።

በታ ገፋሕ ደገ ምምልላስ ኣቋረጹ

ቶም ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ኣብ መፋርቕ ናይ 70’ታት ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዛና ምስ ኳሕኰሐ: ምስኦም ተራኸብና። እቲ ምይይጥ ድማ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምርሐ። ቀስ ብቐስ ናብራይ ከጽፍፍ ጀመርኩ። ብ1982 ተጠመቕኩ: ሕጂ ድማ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ጉባኤ አገልግል ኣሎኹ። ኣብዚ ግዜ እዚ ወድና እውን ጥሙቕ ኢዩ። ነቲ ቅድሚ ሓቂ ምፍላጠይ ዝነበረ ኵሉ ዓመታት ስለ እተዓገሰትኒ ንበዓልቲ ቤተይ አመስግና። ልዕሊ ዅሉ ግን: ንየሆዋን ንወዱ ክርስቶስ የሱስን ስለ እቲ ኵሉ ዝሃቡናን ስለ እቲ ንዝመጽእ ዘሎና ተስፋን አመስግኖም።”

ሜሪኸ እንታይ ትብል፧ ርግጽ ኢዩ: ኣምላኽ ፈጺሙ ይቕረ ዘይብለላ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዋ: እንተዀነ ግን ምእንቲ ደቃ ክትብል ብዛዕባኡ ክትማሃር ደለየት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረቤታ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህርዋ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠት: ንሳውን ሓገዝ ሓተተት። ይኹን እምበር: እቲ ዝነበራ ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ኣመላት ለውጢ ንኽትገብር ጸገም ኰና። እቲ መጽናዕቲ ውረድ ደይብ ዘለዎ ተለዋዋጢ ኰነ። እታ ንእሽቶ ጓል ሸውዓተ ዓመት ጓላ ግን ብቐጻሊ “ኣጆኺ ማማ። ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ!” ብምባል ተተባብዓ ነበረት። ሽዑ ሜሪ ኣበርቲዓ ትፍትን።

እቲ ብባህላዊ ስርዓት እተመርዓወቶ ሓሽሽ ብዘይ ግቡእ ዝጥቀም ዝነበረ ሰብኣያ: ንገዛ ተመልሰ ኣብቲ መጽናዕቲ ኸኣ ሓበራ። ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲኦም ነቲ ዝነበሮም ሕማቕ ኣመላት ሰዓርዎ። ብድሕሪኡ: መርዓኦም ሕጋዊ ገይሮም ምስ ተጠምቁ: ዓቢ ሓጐስ ኣስተማቐሩ: ንመጀመርያ ግዜ ድማ ናይ ሓቂ ስድራቤት ምዃኖም ተሰምዖም። ዘሕዝን ግን: ኤይድስ ህይወት ሜሪ ወሰደ: እንተዀነ ግን: ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ትንሳኤን ኣብታ ካብ ኵሉ ኣሰር ናይዛ ቀታሊት ገፋሕ መገዲ ዝጸረየት ገነታዊት ምድሪ ዝህሉ ህይወትን ልባ ኣንቢራ ኢያ ሞይታ።

እወ: ካብታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ገፋሕን ርሕብትን ደገ ክትወጽእ ይከኣል ኢዩ። ክርስቶስ የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:⁠3) እሞ ንምንታይ ደኣ ኣብዛ ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ መገዲ ዘይትመላለስ፧ ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ እተማሃርካዮ ብምስትውዓልን ኣብ ተግባር ብምውዓልን: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ልቢ ዘምውቕ ተስፋ ብብሕትኻ ክትሙኰሮ ትኽእል ኢኻ:- “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ።”​—⁠ዮሃንስ 8:⁠32

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ