ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/9 ገጽ 27-30
  • ካታሪ ክርስትያን ሰማእታት ድዮም ነይሮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካታሪ ክርስትያን ሰማእታት ድዮም ነይሮም፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃይማኖታዊ ዘይምቅዳው ኣብታ ናይ ማእከላይ ዘበን ኤውሮጳ
  • ገየሽቲ ሰበኽቲ
  • ካታሪ እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣረኣእያ
  • ክርስትያን ኣይኰኑን
  • ሓደ ዘይቅዱስ መስቀላዊ ዘመተ
  • እቲ ፍርዲ መናፍቓን ሞት ኣውረደ
  • ዋልደንሳውያን ካብ መናፍቓን ናብ ፕሮተስታንት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/9 ገጽ 27-30

ካታሪ ክርስትያን ሰማእታት ድዮም ነይሮም፧

“ንዅሎም ሕረዶም፣ ኣምላኽ ነቶም ናቱ ከለሊ ኢዩ።” ኣብ እዋን ክረምቲ ናይ 1209: ኣብ ደቡብ ፈረንሳይ ዝርከብ: ህዝቢ በዘይርስ: ብጃምላ ተቐትለ። እቲ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ካቶሊክ መስቀለኛታት ከም ወኪለ-ጳጳስ ኰይኑ እተሾመ: ፈላሲ ኣርኖልድ ኣማልረክ: ምሕረት ኣየርኣየን። እቶም ኣገልገልቱ ንካቶሊክን መናፍቓንን ከመይ ገይሮም ከም ዝፈልይዎም ምስ ሓተቱ: ብመሰረት ጸብጻብ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነውራም መልሲ ሃበ። ናይ ካቶሊክ ጸሓፍቲ ታሪኽ ከምዚ ዝስዕብ ገይሮም ኣፋዂሶምዎ ኢዮም:- “ኣይትጨነቑ። ዝልወጡ ኣዝዮም ሒደት ምዃኖም እኣምን ኢየ።” እቲ ልክዕ መልሱ ብዘየገድስ: እቲ ውጽኢት ብናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጳጳስ እተመርሐ በቶም 300,000 ዝኣኽሉ መስቀለኛታት እተፈጸመ ማሕረድቲ ናይቶም ብውሕዱ 20,000 ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኢዩ ነይሩ።

እዚ ጃምላዊ መቕተልቲ እዚ እንታይ ኣለዓዓለ፧ እዚ ምጅማር ናይቲ ጳጳስ ኢኖሰንት III ኣንጻር እቶም ኣብ ኣውራጃ ላንጉዌዶክ: ደቡባዊ ማእከል ፈረንሳይ ዝርከቡ መናፍቓን ዝበሃሉ ዝጀመሮ መስቀላዊ ዘመተ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ ምውድኡ 20 ዓመታት ጸኒሑ: ሓደ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ​—⁠ካታሪ: ዋልዴንስስ: አረ ብዙሓት ካቶሊክ እውን ከይተረፉ​—⁠ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ሃይማኖታዊ ዘይምቅዳው ኣብታ ናይ ማእከላይ ዘበን ኤውሮጳ

እቲ ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተራእየ ቅልጡፍ ናይ ንግዲ ዕብየት: ኣብቲ ማሕበራውን ቁጠባውን መዋቕራት ናይታ ኣብ ማእከላይ ዘበን ዝነበረት ኤውሮጳ ዓቢ ለውጥታት ኣምጸአ። ከተማታት መንበሪ ናይቶም ብቝጽሪ ዝውስኹ ዝነበሩ ሰብ ሞያን ሸቃጦን ኰና። እዚ ንሓደስቲ ኣተሓሳስባታት ዓውዲ ኸፈተ። ኣብ ላንጉዌዶክ: ኣብቲ ካብ ካልእ ክፍልታት ናይ ኤውሮጳ ብዝበለጸ ዝጻወርን ምዕቡልን ስልጣነ ዝነገሶ ቦታ: ሃይማኖታዊ ዘይምቅዳው ሱር ሰደደ። እታ ኣብ ላንጉዌዶክ እትርከብ ከተማ ቶሉወሰ ኣብ ኤውሮጳ ሳልሰይቲ ሃብታም ከተማ ኢያ ነይራ። ገለ ካብቲ ግጥምታቶም ንፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኣርእስትታት ዝትንክፍ: ሓሜናት ዝሰሰንሉ ዓለም ኢዩ ነይሩ።

እቲ ራቩየ ዲስትዋር ኤ ደ ፌሎሶፌ ረለዝዮዝ እተባህለ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ኣብ መበል 11 ከምኡውን 12 ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ሃይማኖታዊ ኵነታት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘበን: ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት: እቲ ናይ ኣቕሽሽቲ ስነ-ምግባር: ሃብቲ: ብላዕ: ከምኡውን ርኽሰት: ብቐጻሊ ዘተሓታትት ኰነ: ይኹን እምበር ብቐንዱ ሃብቶምን ሓይሎምን: ምስ ዓለማውያን ሰበ ስልጣናት ምግጫዎምን መተዓየዪ ምዃኖምን ኢዩ ዝንቀፍ ነይሩ።”

ገየሽቲ ሰበኽቲ

ጳጳስ ኢኖሰንት III እውን ከይተረፈ: በቲ ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳይን ሰሜናዊ ኢጣልያን ዝውስኽ ዝነበረ ቁጽሪ ናይቶም ተቓወምቲ ገየሽቲ ሰበኽቲ ዝውቀስ: እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ግኑን ብልሽውና ምዃኑ ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ። ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም ካታሪ ወይ ዋልደንስስ ኢዮም ነይሮም። “እቶም ውሉዳት እቲ ንስኻትኩም ክትመቕልዎም ዘይትደልዩ እንጌራ ይስእኑ ኣለዉ” ብምባል ነቲ ህዝቢ ብዘይምምሃሮም ነቶም ኣቕሽሽቲ ወቐሶም። እንተዀነ ግን: ኢኖሰንት ነቲ ህዝቢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዝጅምር: “ይትረፍ ተራን ዘይምሁራትን: እቶም መስተውዓልትን ምሁራትን እውን ምርድኡ ክፍትኑ ምሉእ ክእለት ስለ ዘይብሎም እቲ መለኮታዊ ቅዱስ ጽሑፋት ክሳዕ ክንድዚ ኢዩ ዕምቈቱ” ይብል ነበረ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጀካ ነቕሽሽቲ ንዅሉ ተኣገደ: ድሕርዚ ድማ ብቛንቋ ላቲን ጥራይ ተፈቕደ።

ነቲ ናይ ዙረት ስብከት ናይቶም ተቓወምቲ ንምጽራር: እቲ ጳጳስ ምምስራት ስርዓት ናይ ፈለስቲ ሰበኽቲ: ወይ ዶመኒካውያን ፈቐደ። ምስቶም ሃብታማት ናይ ካቶሊክ ኣቕሽሽቲ ብምንጽጻር: እዞም ፈለስቲ እዚኣቶም ነቲ ናይ ካቶሊክ ቅቡል ትምህርቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ዝነበረ “መናፍቕነት” ንምክልኻል ገየሽቲ ሰበኽቲ ክዀኑ ነበሮም። እቲ ጳጳስ ናብቲ ናይ ካቶሊክ ደምበ ምእንቲ ክምለሱ ምስ ካታሪ ንኽረዳድኡ ወኪለ-ጳጳሳት እውን ከይተረፈ ልኢኹ ኢዩ። እዚ ጻዕርታት እዚ ስለ ዝፈሸለ: ከምኡውን ሓደ ካብቶም ወኪ⁠ለ-ጳጳሳት ምናልባት በቶም መናፍቓን ብምቕታሉ: ኢኖሰንት III ብ1209 ነቲ ኣልቢጀንሲያን መስቀላዊ ዘመተ ክግበር ኣዘዘ። ኣልቢ ብፍላይ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ካታሪ ዝነበርወን ከተማታት ኢያ: ስለዚ ናይ ቤተ ክርስትያን መዝገብቲ ፍጻመታት ንካታሪ ከም ኣልቢጀንስስ (ብፈረንሳይ: ኣልቢገዮስ) ኢዮም ዝጠቕስዋ ከምኡውን ነታ ስያመ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ “መናፍቓን”: ንዋልደንስስ ሓዊስካ: ንምምልካት ተጠቕሙላ። (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሳጹን ርአ።)

ካታሪ እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧

እታ “ካታር” እትብል ቃል ካብታ “ጽሩይ” ዝትርጕማ ካ·ታ·ሮስʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ። ካብ መበል 11 ክሳዕ መበል 14 ክፍለ ዘበን ናይ ካታሪ እምነት ብፍላይ ኣብ ሎምባርዲ: ሰሜናዊ ጣልያን: ከምኡውን ኣብ ላንጉዌዶክ ኣስፍሕፈሐ። ናይ ካታር እምነታት ምናልባት ብወጻእተኛታት ነጋዶን ሚስዮናውያንን ዝመጸ ክኸውን ዝኽእል: ሕውስዋስ ናይ ምብራቓዊ ጽምዳውነትን ግኖስቲሲዝምን ኢዩ። ዘ ኤንሳይክሎፐድያ ኦቭ ረልጅን ነቲ ናይ ካታር ጽምዳውነት ከም ኣብ “ክልተ መምርሒታት:- ሓደ ጽቡቕ: ንዅሉ መንፈሳዊ ነገር ዝገዝእ: እቲ ካልእ ድማ ክፉእ: ኣካል ሰብ ሓዊስካ ነቲ ስጋዊ ዓለም ሓላፍነት ዝስከም” እምነት ኢዩ ዝገልጾ። ካታሪ ሰይጣን ነቲ ናብ ዘይልወጥ ጥፍኣት እተዀነነ: ስጋዊ ዓለም ፈጢሩ ኢሎም ይኣምኑ። ተስፋኦም ካብቲ ክፉእ: ስጋዊ ዓለም ምእንቲ ክድሕኑ ኢዩ።

ካታሪ ኣብ ክልተ ክፍልታት ተመቕሉ: ፍጹማትን ምእመናንን። እቶም ፍጹማት ኮንሶላሜንቱም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ መንፈሳዊ ጥምቀት ጽምብል ምስ ገበሩ ኢዮም ከምኡ ዝዀኑ። እዚ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ትዕዝብቲ ኢድ ብምንባር ዝግበር ኢዩ። እዚ ጽምብል እዚ ነቲ ሕጹይ ካብ ግዝኣት ሰይጣን ናጻ ንምግባር: ካብ ኵሉ ሓጢኣት ንምንጻህ: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ንክትሓላለፈሉ ተሓሲቡ ኢዩ ዝግበር። ነቶም ንኣመንቲ ከም ኣገልገልቲ ኰይኖም ዝዓዩ: ብተዛማዲ ሒደት ምሩጻት ሰባት: ዝውዕል “ፍጹም” ዝብል መዓርግ ዝውሃብ በዚ ኢዩ። እቶም ፍጹማት ናይ ምሕራም: ንጽህና: ከምኡውን ድኽነት ማሕላ ይገብሩ። ካታሪ: ጾታዊ ርክብ እቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ኢዩ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ: እቲ ፍጹም ምርዕው እንተድኣ ዀይኑ: ብጸይቱ ክገድፍ ኣለዎ ወይ ብጻያ ክትገድፍ ኣለዋ።

ምእመናን ነቲ ናብራ ህይወት ባሕታውያን እኳ እንተ ዘይተቐበሉ: ንትምህርትታት ካታር ግን እተቐበሉ ውልቀ ሰባት ኢዮም። ኣብቲ መሊዮራሜንቱም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጽምብል: እቲ ኣማኒ ንኽብሪ እቲ ፍጹም ኣብ ቅድሚኡ ብምምብርካኽ ይቕሬታን በረኸትን ይሓትት። ምእመናን ተራ ናብራ ክነብሩ ምእንቲ ክኽእሉ ነቲ ናይ መንፈሳዊ ጥምቀት ምምሕዳር ዓራት ሞት ወይ ከኣ ኮንሶላሜንቱም ዝኸውን ብምስንዳእ ምስቶም ፍጹማት ኮንቬነንሳ ወይ ስምምዕ ይገብሩ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣረኣእያ

ሽሕ’ኳ ካታሪ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ዝጠቕሱ እንተዀኑ: ብቐዳምነት ከም ምንጪ ናይ ምሳልያዊ ዛንታታትን ጽውጽዋያትን ኢዮም ዝርእይዎ። እቲ ዝዓበየ ክፍሊ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ሰይጣን ከም ዝመጸ ኢዮም ዝሓስቡ። ነቲ ጽምዳዊ ፍልስፍናኦም ንምድጋፍ: ንስጋ ምስ መንፈስ ዘነጻጽር: ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሕፋት ክፍልታት ኢዮም ዝጥቀሙ። ስጋዊ እንጌራ ኣብ ኣዒንቶም ክፉእ ብምዃኑ: ኣብቲ ናይ ጐይታ ጸሎት “ናይ ዕለት እንጌራና” ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝጽልዩ “ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ እንጌራና” (ማለት “መንፈሳዊ እንጌራና”) ኢሎም ኢዮም ዝጽልዩ።

ብዙሕ ናይ ካታር እምነት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ዝጻረር ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ናይ ነፍሲ ዘይሙማትን ዳግመ-ልደትን ይኣምኑ ኢዮም። (ምስ መክብብ 9:​5, 10፣ ህዝቅኤል 18:​4, 20 ኣነጻጽሮ።) እምነታቶም ኣብቲ ግሉላት መጻሕፍቲ እውን መስሪቶምዎ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ካታሪ ንገለ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ክፍልታት ናብቲ ዞባዊ ቋንቋታት ብምትርጓም: ብገለ መገዲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማእከላይ ዘበን ኣጸቢቑ ከም ዝፍለጥ ገይሮምዎ ኢዮም።

ክርስትያን ኣይኰኑን

እቶም ፍጹማት ንገዛእ ርእሶም ናይ ሃዋርያት ሕጋውያን ተካእቲ ገይሮም ይሓስቡዋ: በዚ ኸኣ: “ናይ ሓቂ” ወይ “ሕያዋይ” ወሲኾም ብምግናን ንርእሶም “ክርስትያናት” ኢሎም ይጽውዕዋ። ይኹን እምበር: ብሓቂ ክረአ እንተድኣ ኰይኑ: ናይ ካታር እምነታት ንክርስትና ጋሻ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ካታሪ ንየሱስ ከም ወዲ ኣምላኽ ዝፈልጥዎ እንተዀኑ: ነቲ ከም ስጋ ኰይኑ ምምጽኡን በጅነታዊ መስዋእቱን ይነጽግዎ ኢዮም። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስጋን ዓለምን ምዅናኑ ዘይትርጕሙ ብምሃብ ንዅሉ ስጋዊ ነገር ካብ እከይ ከም ዝምንጭ ገይሮም ይሓስብዎ። ስለዚ የሱስ መንፈሳዊ ኣካል ጥራይ ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል: ኣብ ምድሪ ኸሎ ድማ ስጋዊ ኣካል ዘለዎ መሲሉ ጥራይ ኢዩ ዝርአ ነይሩ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። ካታሪ ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ከሓድቲ “የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ” ሰባት ኢዮም ነይሮም።​—⁠2 ዮሃንስ 7

ኤም. ዲ. ላምበርት ኣብታ ሜዲቫል ሄረሲ እተባህለት መጽሓፉ: ካታሪዝም “ንክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ብግዴታዊ ባሕታውነት ተከኦ . . . ነቲ [ናይ ክርስቶስ ሞት] ናይ ምድሓን ሓይሊ ምቕባል ብምእባይ ድማ ንበጅነት ኣልገሶ” ኢሉ ጸሓፈ። ንሱ “እቲ ናይቶም ፍጹማት ኣገባብ ብሓቂ ምስ ናይ ምብራቕ ባሕታውያን መምህራን: ፈለስቲ ቡድሃን ሰረይትን ናይ ቻይና ወይ ህንዲ: ናይ ኦርፌዩስ ምስጢር ክኢላታት: ወይ ምስ ናይ ግኖስትሲዝም መምህራን ምምስሳል ዘለዎ ኢዩ” ይብል። ኣብ ናይ ካታር እምነት: ድሕነት ዝርከብ በቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ዘይኰነስ: በቲ ኮንሶላሜንቱም ወይ ብጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ስለዚ ሞት ነቶም ዝነጽሁ: ካብ ስጋ ናጻ ይገብሮም።

ሓደ ዘይቅዱስ መስቀላዊ ዘመተ

እቲ ተራ ህዝቢ: በቲ ዘራፊ ጠለባት ናይቶም ኣቕሽሽትን ግኑን ዝነበረ ሕስረትን ሰልክዩ ብምንባሩ: በቲ ኣገባብ ኣነባብራ ናይቶም ካታሪ ተሳሕበ። እቶም ፍጹማት ንካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን መዓርጋታን ከምቲ ኣብ ራእይ 3:⁠9 ከምኡውን 17:⁠5 ዘሎ “ማሕበር ሰይጣን” ከምኡውን “ኣደ ኣመናዝር” ኢሎም ይጽውዕዋ ነበሩ። ናይ ካታሪ እምነት ነታ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ኣበልጺግዋን ለዊጥዋን ኢዩ። ናይ ጳጳስ ኢኖሰንት III ምላሽ: ነቲ ናይ ኣልቢጀንሲያን መስቀላዊ ዘመተ ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ኣብ ውሽጢ ህዝበ ክርስትያን ኣንጻር እቶም ክርስትያን ኢና ዝበሉ እተኻየደ ናይ መጀመርታ መስቀላዊ ዘመተ: ምጅማሩን ብገንዘብ ምድጋፉን ኢዩ ነይሩ።

እቲ ጳጳስ ብደብዳበታትን ወኪለ-ጳጳሳትን ገይሩ ንካቶሊካውያን ነገስታት: ልዑላት: መሳፍንቲ: ከምኡውን ፈረሰኛ ወተሃደራት ናይ ኤውሮጳ ኣጨነቖም። ንዅሎም እቶም ነቲ ኑፋቐ “ብዝዀነ መገዲ” ንምልጋሱ ዝቃለሱ: ስርየት ሓጢኣትን ናይ ላንጉዌዶክ ሃብትን ተመባጽዓሎም። ጻውዒቱ ጸማም እዝኒ ኣይረኸበን። ብናይ ካቶሊክ ኣቡናትን ፈለስትን እተመርሐ: ናይ መስቀለኛታት ጉራምራ ሰራዊት ካብ ሰሜን ፈረንሳ: ፍላንደርስ: ከምኡውን ጀርመን ተበጊሱ ብስንጭሮ ሮን ኣቢሉ ንደቡብ ገጹ ኣቕንዐ።

እቲ ናይ ቤዚየርስ ጥፍኣት ንምጅማር ናይቲ ንላንጉዌዶክ ኣብ ፈንጠዝያ ናይ ሓውን ደምን ኣእትዩ ዘጽነታ ናይ ወራር ውግእ ኣመልከተ። ኣልቢ: ካርካሶነ: ካስትረስ: ፎይክስ: ናርቦነ: ተርመስ: ከምኡውን ቶለውሰ ብምሉአን ኣብ ኢድ እቶም ደም ዝጸምኡ መስቀለኛታት ወደቓ። ኣብተን ናይ ካታር ዕርድታት: ከም በዓል ካሳ: መነርቨ: ከምኡውን ላቮር ዝነበሩ ኣማእታት ካብቶም ፍጹማት ኣብ ዕንጸይቲ ብምስቃል ነዲዶም ኢዮም። ብመሰረት እቲ ፈላሲ መዝጋቢ ፍጻመታት: ፕየር ዴቮደሰርና: እቶም መስቀለኛታት ‘እናተሓጐሱ ነቶም ፍጹማት ብህይወቶም ኣንደድዎም።’ ብ1229: ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ግጭትን ዕንወትን: ላንጉዌዶክ ኣብ ትሕቲ ንግስነት ፈረንሳ ኣተወት። ይኹን እምበር እቲ ማሕረድቲ ገና ኣየብቅዐን።

እቲ ፍርዲ መናፍቓን ሞት ኣውረደ

ብ1231: ጳጳስ ገሬጎሪ IX ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምእንቲ ክድግፍ: ነቲ ጳጳሳዊ ፍርዲ መናፍቓን ኣቘመ።a እቲ ናይ ፍርዲ መናፍቓን ኣገባብ መጀመርታ ኣብ ምውጋዝን ምፍርራህን: ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ስሩዕ ስቓይ እተመስረተ ኢዩ ነይሩ። ዕላምኡ ነቲ ሴፍ ከጥፍኦ ዘይከኣለ ንምምሓው ኢዩ ነይሩ። ናይ ፍርዲ መናፍቓን ዳኛታት​—⁠መብዛሕትኦም ዶመኒካውያንን ፍራንቸስካውያንን ፈለስቲ⁠—​ተሓታትነቶም ነቲ ጳጳስ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ኣቃጺልካ ምቕታል: ንሓደ ኑፋቐ ወግዓዊ መቕጻዕቲ ኢዩ ነይሩ። እቲ እምነተ ድርቅናን ጭካነን ናይቶም መሳቐይቲ ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝነበረ: ካብ መንጎ እተን ካልኦት ቦታታት: ኣብ ኣልቢ ከምኡውን ቶሎውሰ ናዕብታት ተላዒሉ ኢዩ። ኣብ ኣቪንዮና: ኵሎም ኣባላት መጋባእያ ናይቲ ፍርዲ መናፍቓን ተቐቲሎም ኢዮም።

ብ1244 እቲ መወዳእታ ዕቝባ ናይ ብዙሓት ፍጹማት ዝነበረ: ናይ ሞንትሳጉር ናይ ከረን ዕርዲ ኢዱ ምስ ሃበ: ንእምነት ካታሪ ናይ ሞት ደወል ኣስምዐ። ዳርጋ 200 ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቲ ጃምላዊ ምንዳድ ናይ ዕንጸይቲ ጸነቱ። ንልዕሊ ብዙሕ ዓመታት እቲ ፍርዲ መናፍቓን ነቶም ዝተረፉ ካታሪ ደደልዩ ረኸቦም። ብመሰረት ጸብጻብ: እቲ ናይ መወዳእታ ሰዓቢ እምነት ካታር ብ1330 ኣብ ላንጉዌዶክ ኣብ ዕንጸይቲ ተቓጸለ። እቲ መዴቫል ሄረሲ እተባህለ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ምውዳቕ እምነት ካታሪ እቲ ዝዓበየ ዓወት ፍርዲ መናፍቓን ኢዩ ነይሩ።”

ካታሪ ብርግጽ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣይነበሩን። ይኹን እምበር ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብምንቃፎም በቶም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ዝወረዶም ጨካን ማህለቕቲኸ ምኽኑይ ድዩ፧ እቶም ካቶሊካውያን ኣሳደድቶምን ቀተልቶምን እውን ንዓሰርተታት ኣሽሓት ተቓወምቲ ክቐትሉ ከለዉ ንኣምላኽን ክርስቶስን ኣየኽበሩን ንሓቀኛ ክርስትና ኸኣ ብጌጋ ኢዮም ወኪሎምዎ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ናይ ማእከላይ ክፍለ ዘበን ፍርዲ መናፍቓን ተወሳኺ ዝርዝር ንምርካብ: ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እትሓትመ ናይ 22 ሚያዝያ 1986 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) “እቲ ዘርዕድ ናይ መናፍቓን ፍርዲ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ገጽ 20-3 ርአ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ዋልደንስስ

ኣብ ጥቓ መወዳእታ ናይ መበል 12 ክፍለ ዘበን: ፒየር ቫልደስ ወይ ድማ ፔተር ዋልዶ: እተባህለ ሃብታም ነጋዳይ በዓል ልዮንስ: ነቲ ናይ መጀመርታ ትርጕማት ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ክፍልታት ናብቲ ኣብ ደቡባውን ደቡብ ምብራቕን ፈረንሳ ዝዝረብ ዝነበረ ዞባዊ ቋንቋ ፕሮቬንካልን ናብቲ እተፈላለየ ከባብያዊ ቋንቋታትን ንኽትርጐም ብገንዘብ ሓጊዙ ኢዩ። እዚ ቅኑዕ ካቶሊክ እዚ: ስርሑ ገዲፉ: ወንጌል ምእንቲ ክሰብኽ ገዛእ ርእሱ ወፈየ። ነቲ ብልሽውና ናይ ኣቕሽሽቲ ዝፈንፈኑ ብዙሓት ካቶሊክ ሰዓብዎ ገየሽቲ ሰበኽቲ ድማ ኰኑ።

ዋልዱ ሽዑ ንሽዑ በቶም ነቲ ህዝባዊ ስብከቱ ምእንቲ ክእግዶ ነቲ ጳጳስ ዝሓባበልዎ ናይቲ ከባቢ ኣቕሽሽቲ ምጽባእ ኣጋጠሞ። ዝና ዘትረፈ መልሱ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግበኣና” ዝብል ኢዩ ነይሩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 5:29 ኣነጻጽሮ።) ዋልዱ ብምኽንያት ጽንዓቱ ተቐትለ። ዋልደንስስ ወይ ናይ ልዮንስ ድኻታት ሰባት ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰዓብቱ: ኣብ ኣባይቲ ሰባት በብኽልተ ኰይኖም ብምስባኽ: ብቅንኢ ኣብነቱ ክስዕቡ ጽዒሮም ኢዮም። እዚ ኣብ ምሉእ ደቡባዊ: ምብራቓዊ: ከምኡውን ክፋላት ናይ ሰሜናዊ ፈረንሳ: ምስኡ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ቅልጡፍ ምስፍሕፋሕ ናይ ትምህርትታቶም ኣፍረየ።

ዝያዳ ናብቲ ናይ መጀመርታ ክርስትና እምነታትን ልምድታትን ንምምላስ ኢዮም ተጣቢቖም። ካብ መንጎ እቲ ካልእ ትምህርትታት ንመንጽሂ ቦታ: ጸሎት ንምዉታት: ኣምልኾ ማርያም: ናብ “ቅዱሳት” ዝቐርብ ጸሎታት: ንመስቀል ምምላኽ: ስርየት ሓጢኣት: ቅዱስ ቁርባን: ከምኡውን ንጥምቀት ቈልዑ በዲሆሞ ኢዮም።b

ናይ ዋልደስስ ትምህርቲ ምስቲ ክርስትያናዊ ዘይኰነ ጽምዳዊ ትምህርትታት ናይቶም መብዛሕትኡ ግዜ ምስኣቶም ዝደናገሩ ካታሪ ንጹር ፍልልይ ኢዩ ዘለዎ። እዚ ምድንጋር እዚ ብቐንዱ ብምኽንያት እቶም ኰነ ኢሎም ንስብከት ዋልንደስስ ምስ ትምህርትታት ናይ ኣልቢጀንስስ: ወይ ካታሪ ሓደ ከም ዝዀነ ንምምሳል ዝፈተኑ ናይ ካቶሊክ ተኸራኸርቲ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

b ብዛዕባ ዋልደንስስ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ነሓሰ 1981 (እንግሊዝኛ) “ዋልደንስስ​—⁠መናፍቓንዶ ወይስ ደለይቲ ሓቂ፧” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ ገጽ 12-15 ርአ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ መስቀለኛታት 20,000 ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝቐተልሉ: ኣብቲ ኣብ በዘይርስ ዝርከብ ናይ ቅድስተ ማርያም መግደላዊት ቤተ ክርስትያን ሸውዓተ ሽሕ ሞቱ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ