ዋልደንሳውያን ካብ መናፍቓን ናብ ፕሮተስታንት
እዋኑ ብ1545 ኰይኑ ፕሮቫንስ ኣብ ዝበሃል ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ዝርከብ ባህ ዘብል ዞባ ልዩባሮን እተፈጸመ ነገር ኢዩ። ካብ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት እተላዕለ ሓደ ሰራዊት ሓደገኛ ወፍሪ ኣካየደ። ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ምፍሳስ ደም ሰዓበ።
ኣቝሻት ተወረ: ተቐማጦ ኸኣ ገሊኦም ተኣስሩ ገሊኦም ተቐትሉ። ጨካናት ወተሃደራት ብዝፈጸምዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ንኣውሮጳ ብደም ኣዕለቕለቕዋ። ብዘይካ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣንስትን ቈልዑን ዝወረደ ብርቱዕ ስቓይን መከራን: ገለ 2,700 ሰብኡት ተቐትሉ: 600 ዝዀኑ ድማ ኣብ መርከብ ክሽቅሉ ተወስዱ። ነዚ ናይ ምፍሳስ ደም ወፍሪ ዘካየደ ኣዛዚ ሰራዊት ብንጉስ ፈረንሳን በቲ ጳጳስን ተወደሰ።
እቲ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ዝነበረ ናይ ፈረንሳ ንጉስ ፍራንሲስ ቀዳማይ ብምስፍሕፋሕ ፕሮተስታንት ተሻቒሉ ብዛዕባ እቶም ኣብ መንግስቱ ዝነበሩ መናፍቓን ዝብሎም ሰባት ከጻሪ ኸሎ እቲ ተሃድሶ ንጀርመን ድሮ ጐጃጂልዋ ነበረ። ኣብ ፕሮቫንስ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ግን መናፍቓን ዝዀኑ ሒደት ውልቀ-ሰባት ዘይኰነስ: ብምሉኦም ተቐማጦ ገሊአን ኣቝሻት ምዃኖም ፈለጡ። ነዞም መናፍቓን ንምጽናት ኣዋጅ ወጸ እሞ ብ1545 ኣብ እተገብረ ጃምላዊ ቕትለት ከኣ ኣብ ግብሪ ወዓለ።
እዞም መናፍቓን እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም፧ ዒላማ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት ኰይኖም ዝነበሩኸ ስለምንታይ ኢዮም፧
ካብ ሃብቲ ናብ ድኽነት
እቶም ብጃምላ እተቐትሉ ኣባላት ናይቲ ኣብ መበል 12 ዘመን ዝጀመረ ንመብዛሕትኡ ሃገራት ኣውሮጳ ዝሓቍፍ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ታሪኽ ሃይማኖታዊ ምግርጫዋት ክርአ ኸሎ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ምዝርግሑን ንዘመናት ዝኣክል ምቕጻሉን ፍሉይ ኢዩ ዝገብሮ። መብዛሕትኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ 1170 ኣቢሉ ከም ዝጀመረ ይሰማምዑ ኢዮም። ኣብ ፈረንሳ: ከተማ ልዮን: ሓደ ቮደ እተባህለ ሃብታም ነጋዳይ ንኣምላኽ ከሐጕሰሉ ዝኽእል መገድታት ንኽመሃር ዓሚቝ ተገዳስነት ኣሕደረ። ቮደ ምናልባት በቲ የሱስ ክርስቶስ ንሓደ ሃብታም ሰብኣይ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ንድኻታት ክህብ ዝመዓዶ ማዕዳ ተደሪኹ ኢዩ ዝኸውን ንስድራቤቱ ዘድሊ ምስ ኣማልአ: ወንጌል ንኽሰብኽ ኢሉ ሃብቱ ጠንጠነ። (ማቴዎስ 19:16-22) ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ዳሕራይ ዋልደንሳውያን እተባህሉ ሰዓብቲ ረኸበ።a
ቮደ ልቡን ቀልቡን ድኽነት: ስብከት: መጽሓፍ ቅዱስ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ካህናት ዝርአ ስጋዊ ብልጽግና ምቅዋም ሓድሽ ነገር ኣይነበረን። ንገለ ግዜ ዝኸውን ብዙሓት ተቓወምቲ ኽህነት ነቲ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዝርአ ብልሽውናን ንስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ወጊዞምዎ ነበሩ። ይኹን እምበር: ቮደ ዀነ መብዛሕትኦም ሰዓብቱ ካብ ካህናት ኣይነበሩን። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ እቶም ህዝቢ ዝዛረብሉ ናይታ ሃገር ቋንቋ ኽትርጐም ኣድላዪ ዀይኑ እተሰምዖ ምኽንያት ዝገልጸልና ኢዩ። እታ ቤተ-ክርስትያን እትጥቀመሉ ዝነበረት ናይ ላቲን ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ካህናት ጥራይ ኢዮም ዝሕዝዎ ነይሮም: ቮደ ንወንጌላትን ነቲ ኻልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍትን ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ፈረንሳ ዝነበሩ ህዝቢ ዝርድእዎ ቛንቋ ፍራንኮ ፕሮቬንሳል ከም ዝትርጐም ገበረ።b ድኻታት ልዮን ነቲ የሱስ ብዛዕባ ስብከት ዝሃቦ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንመልእኽቶም ኣብ ጐደናታት ሰበኽዎ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ጸሓፍ ታሪኽ ጋብሪኤል ኣውዲስዮ ከም ዝገለጾ እቲ ዋልደንሳውያን ብግልጺ ዝገብርዎ ዝነበሩ ስብከት እታ ቤተ-ክርስትያን ንዓታቶም ኣብ ዘለዋ ኣረኣእያ ወሳኒ ግደ ነይርዎ ኢዩ።
ካብ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ናብ መናፍቓን
ኣብቲ እዋን እቲ ኻህናት ጥራይ ኢዮም ዝሰብኩ ነይሮም: እታ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ንምስባኽ ስልጣን ናይ ምሃብ መሰል ነበራ። እቶም ካህናት ንዋልደንሳውያን ደናቝርትን መሃይምን ገይሮም ኢዮም ዝቝጽርዎም ነይሮም: ብ1179 ግን ቮደ ካብ ጳጳስ ኣለክሳንደር ሳልሳይ ንኽሰብኽ ወግዓዊ ፍቓድ ክወሃቦ ሓተተ። ፍቓድ እኳ እንተ ተዋህቦ: ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል ግን ናይቲ ዓዲ ኻህናት እንተድኣ ተሰማሚዖምሉ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ጸሓፍ ታሪኽ ማልከም ላምበርት እዚ “ዳርጋ ፍቓድ ዘይምሃብ ኢዩ ነይሩ” በለ። ናይ ልዮን ሊቀ-ጳጳሳት ዣን በለስመይንስ ከኣ ምእመናን ንኸይሰብኩ ብወግዒ ኸልከለ። ቮደ ነታ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” እትብል ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:29 እትርከብ ጥቕሲ ብምጥቃስ መለሰሉ። ቮደ ምስቲ እገዳ ስለ ዘይተሰማምዐ ብ1184 ካብታ ቤተ-ክርስትያን ተወገዘ።
ሽሕኳ ዋልደንሳውያን ካብቲ ናይ ልዮን ሰበኻ ኣቡን ተወጊዞም ካብታ ኸተማ እንተ ተሰጉ: ኣብ ፈለማ ግን እቲ ናይ ኵነኔ ኣዋጅ ብዙሕ ጸቕጢ ኣይተገብረሉን። ብዙሓት ተራ ሰባት ንዋልደንሳውያን ብቕንዕናኦምን ኣነባብርኦምን የድንቕዎም ነበሩ: ኣቡናት እኳ ኸይተረፉ ምስኣቶም ይዘራረቡ ነይሮም ኢዮም።
ብመሰረት እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ኤዋን ካሜሮን ዝበሎ ዋልደንሳውያን ሰበኽቲ “ንሮማዊት ቤተ-ክርስትያን ኣይተጻረርዋን። ክሰብኩን ክምህሩን” ጥራይ ኢዮም “ዝደልዩ ነይሮም።” እዚ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ እዚ በቲ በብቕሩብ ኣብ መወዳእታ ከም ዝዳኸም ዝገበሮ እተፈላለየ ኣዋጃት ናብ መናፍቕነት ክቕየር ከም እተገደደ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይሕብሩ ኢዮም። እቲ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ኵነኔ ኣብቲ ብ1215 እተገብረ ራብዓይ ናይ ላተራን ዋዕላ ንዋልደንሳውያን ብምውጋዝ ተዛዘመ። እዚ ንስብከቶም ብኸመይ ኢዩ ተንኪፍዎ፧
ክሕብኡ ጀመሩ
ቮደ ብ1217 ሞተ: ሰዓብቱ ኸኣ ብምኽንያት ስደት ናብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ስንጭሮታት: ናብ ጀርመንን ሰሜናዊ ኢጣልያን ከምኡውን ናብ ማእከላይን ምብራቓውን ኣውሮጳ ተበተኑ። ብዘይዚውን እቲ ስደት ኣብ ገጠራት ንኽነብሩ ኣገዲድዎም ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ነቲ ናይ ስብከት ዕዮኦም ቀይድዎ ኢዩ።
ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ዝነበሩ ካታሪ ወይ ኣልቢጀንሳውያን ንምጽናት ዝገበረቶ ውግእ ብ1229 ተዛዘመ።c ድሕሪ እዚኣቶም ዒላማ ናይዚ መጥቃዕቲ እዚ ዝዀኑ ዋልደንሳውያን ኢዮም። እቲ ፍርዲ-መናፍቓን ብኡንብኡ ንዋላ ሓደ ኻብቶም ተቓወምቲ ቤተ-ክርስትያን ዘየናሕሲ ዀነ። ፍርሂ ንዋልደንሳውያን ክሕብኡ ኣገደዶም። ብ1230 ብግልጺ ምስባኽ ኣቋሪጾምዎ ነበሩ። ኣውዲስዮ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ሓደስቲ ኣባጊዕ ኣብ ክንዲ ዝደልዩ . . . ነቶም ድሮ እምነቶም ዝቐየሩ ሰባት ካብ ካልኦት ጸቕጥን መስጐጕትን ክወርዶም ከሎ ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ብምትብባዕ ኣብ ምሕብሓቦም ተዋፈሩ።” ወሲኹ ድማ “ስብከት ከም ኣገዳሲ እኳ ይቝጸር እንተ ነበረ ብተግባር ግን ምሉእ ብምሉእ ተቐይሩ ኢዩ” በለ።
እምነቶምን ልምድታቶምን
ኣብ መበል 14 ዘመን ዋልደንሳውያን: ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋል ኣቋሪጾም ኣብ መንጎ ሰበኽትን ኣመንትን ፍልልይ ከም ዝህሉ ገበሩ። ሽዑ እቶም ግቡእ ስልጠና እተዋህቦም ሰባት ጥራይ ኢዮም ኣብ ዕዮ ጕስነት ዝካፈሉ ነይሮም። እቶም ገየሽቲ ኣገልገልቲ ድሕሪ ገለ ግዜ ባርበስ (ሓወቦታት) ተባሂሎም ክጽውዑ ጀመሩ።
እቶም ንዋልደንሳውያን ስድራቤታት ኣብ ኣባይቶም ዝበጽሕዎም ዝነበሩ ባርበስ ነቲ ምንቅስቓስ ከም ዝስፋሕፋሕ ዘይኰነስ ከም ዝቕጽል ንምግባር ጽዒሮም ኢዮም። ኵሎም እቶም ባርበስ ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእሉ ኢዮም ነይሮም: እቲ ንሽዱሽተ ዓመት ዝጸንሕ ስልጠንኦም ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ብቛንቋ እቲ ህዝቢ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃሞም ከኣ ንመጓሰኦም ክገልጹሎም ኣኽኢልዎም ኢዩ። ዋልደንሳውያን: እንተላይ ደቆም: ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምዕቡላት ከም ዝነበሩ እሞ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ብዙሕ ሓሳባት ክጠቕሱ ይኽእሉ ከም ዝነበሩ ተጻረርቲ እኳ ከይተረፈ ተኣሚኖምሉ ኢዮም።
እቶም ቀዳሞት ዋልደንሳውያን ንሓሶት: መንጽሂ ቦታ: ፍትሓት: ብጳጳስ ዝፍጸም ሕድገት ሓጢኣትን ስርየትን: ኣምልኾ ማርያምን “ቅዱሳንን” ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሰረተ እምነታት ነጸግዎ። ድራር ጐይታ እውን ከይተረፈ ዓመት ዓመት የብዕሉ ነበሩ። ብመሰረት እቲ ላምበርት ዝበሎ ኣገባብ ኣምልኾኦም “ሃይማኖት ናይቶም ተራ ምእመናን ኢዩ ዀይኑ።”
“ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ”
ማሕበረሰብ ዋልደንሳውያን ተቐራሪቦም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ንሓድሕዶም ከኣ ይመራዓዓዉ ነበሩ። እዚ ኸኣ ድሕሪ ገለ ዘመናት ዋልደንሳውያን ብናይ ስድራቤት ኣስማቶም ከም ዝልለዩ ገበሮም። ይኹን እምበር: ከይቕተሉ ይፈርሁ ስለ ዝነበሩ ኣረኣእያኦም ንምሕባእ ጸዓሩ። እቲ ብምስጢር ዝገብርዎ ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ትምህርትታቶምን ልምድታቶምን ንተጻረርቲ ጽዩፍ ክስታት ንኽኸስዎም መገዲ ኸፈተሎም። ገለ ኻብቲ ኽሲ ኣብ ናይ ድያብሎስ ኣምልኾ ተጸሚዶም ዝብል ነበረ።d
ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽስታት እዚ ንምፍሻል እተጠቕምሉ መገድታት ከምቲ ጸሓፍ ታሪኽ ካሜሮን ዝበሎ ምስ ኣምልኾ ካቶሊክ “ብመጠኑ ዘሰማምዖም” ነገራት ብምግባርን ብምልምማጥን ኢዩ። መብዛሕትኦም ዋልደንሳውያን ኣብ ቅድሚ ኣቕሽሽቲ ካቶሊክ ቀሪቦም ሓጢኣቶም ይናዘዙ: ኣብ ቅዳሴ ይካፈሉ: ጸበል ይገብሩ: ንግደት እውን ከይተረፈ ይኸዱ ነበሩ። ላምበርት “ካቶሊካውያን ጐራባብቶም ዝገብርዎ ብዙሕ ነገራት ገበሩ” በለ። ኣውዲስዮ ኣግሂዱ ኸም ዝገለጾ ኸኣ መወዳእትኡ “ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ” ክነብሩ ጀመሩ። ወሲኹ እውን ከምዚ በለ:- “በቲ ሓደ ሸነኽ: ነቲ ብተዛማዲ ረኺቦምዎ ዝነበሩ ሰላም ምእንቲ ኽሕልዉ ኢሎም ብደጊኦም ንካቶሊካውያን ክመስሉ ኸለዉ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቲ ማሕበረ ኮም ምእንቲ ኸይጠፍእ ኢሎም ዘኽብርዎ እተወሰነ ጽምብላትን ልምድታትን ዓቂቦም ነበሩ።”
ካብ መናፍቕነት ናብ ፕሮተስታንት
ኣብ መበል 16 ዘመን: እቲ ተሃድሶ ኣብቲ ናይ ኣውሮጳ ሃይማኖታዊ ዅነታት መሰረታዊ ለውጢ ገበረ። እዞም ግዳያት ናይዚ ዘይተጻዋርነት ዝነበሮም ኣማራጺ ድማ ሓደው ኣብ ሃገሮም ሕጋዊ ተፈላጥነት ክወሃቦም ክጽዕሩ: ወይ ዝያዳ ምሹእ ኵነታት ናብ ዝረኽብሉ ሃገር ምስዳድ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ጥንቲ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ኣብ ሕቶ ከእትውዎ ስለ ዝጀመሩ ናይ መናፍቕነት ኣተሓሳስባ እውን ኣገዳስነቱ እናሃሰሰ ኸደ።
ብ1523 ኣቢሉ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ መራሒ ተሃድሶ ማርቲን ሉተር ንዋልደንሳውያን ጠቒስዎም ኢዩ። ብ1526 ሓደ ኻብቶም ናይ ዋልደንሳውያን ባርበስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝካየድ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ዕቤት ዝገልጽ ዜና ሒዝሎም ናብ ኣልፕስ ተመልሰ። ደድሕርዚ ኸኣ ማሕበረሰባት ፕሮተስታንት ምስ ዋልደንሳውያን ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጥሉ መዋእል ተጀመረ። ፕሮተስታንት ንዋልደንሳውያን ካብቲ በዅሪ ቛንቋታት ናብቲ ናይ መጀመርታ ትርጕም ፈረንሳይኛ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ደገፎም ክገብሩ ኣተባብዕዎም። ብ1535 ተሓትመ እሞ ዳሕራይ ናይ ኦሊቬታን መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀመረ። እቲ ዘገርም ግን መብዛሕትኦም ዋልደንሳውያን ፈረንሳይኛ ዘይርድኡ ምዃኖም ኢዩ።
ካብ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ዝመጽእ መስጐጕቲ እናቐጸለ ብዝኸደ መጠን: ብዙሓት ዋልደንሳውያን ልክዕ ከምቲ ስደተኛታት ፕሮተስታንት ዝገበርዎ: ኣብቲ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ዝርከብ ህዱእ ዞባ ፕሮቫንስ ሰፈሩ። ሰበ-ስልጣን ከኣ ነዊሕ ከይጸንሑ ነዚ ዋሕዚ ስደተኛታት እዚ ኸስተብህልሉ ጀመሩ። ብዛዕባ ኣነባብራን ስነ-ምግባርን ዋልደንሳውያን ብዙሕ ኣወንታዊ ጸብጻብ እኳ እንተ ሃለወ: ገለ ሰባት ነቲ ተኣማንነቶም ኣብ ሕቶ ኣውደቕዎ: ነቲ ጽቡቕ ስርዓት ሕብረተሰብ ዘስግኡ ከም ዝዀኑ ገይሮም ድማ ኸሰስዎም። ኣዋጅ መሪንዶል ወጸ እሞ ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ዘስካሕክሕ ቅትለት ኣስዓበ።
ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ዋልደንሳውያንን ዝነበረ ርክብ ከኣ እናማህመነ ኸደ። ዋልደንሳውያን ነቲ ዝወርዶም ዝነበረ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ክብሉ ኣብ ዕጡቓት ሰራዊት ክምርኰሱ ጀመሩ። እዚ ምግርጫው እዚ ኸኣ ናብ ደምበ ፕሮተስታንት ንኽኣትዉ ኣገደዶም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ምስ ፕሮተስታንት ሓድነት መስረቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ማለት ካብ ፈረንሳ ጀሚርካ ክሳዕ ኡራጋይን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ዋልደንሳውያን ኣብያተ-ክርስትያን ተመስሪተን ኢየን። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ ምስቲ “እምነት ዋልደንሳውያን ኣብ እዋን ተሃድሶ” ብፕሮተስታንት “ምስ ተዋሕጠ ኣብቂዑ ኢዩ:” ዝበለ ኣውዲስዮ ይሰማምዑ ኢዮም። ኣብቲ ናይ ዋልደንሳውያን ምንቅስቓስ ኣብ መጀመርታ ዝንጸባረቕ ዝነበረ ቅንኢ ቅድሚ ዘመናት ኢዩ ጠፊኡ። እዚ ድማ እቶም ኣባላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ስብከትን ትምህርትን ብፍርሂ ምስ ጠንጠንዎ ኢዩ ኣብቂዑ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ቮደ እተፈላለየ ኣጸዋውዓ ኢዩ ዘለዎ: እዚ ድማ ቫልደስ: ቫልደሲየስ: ወይ ከኣ ዋልዶ ኢዩ። ዋልዶ መበቆል ናይታ “ዋልደንሳውያን” እትብል ስያመ ኢዩ። ዋልደንሳውያን: ድኻታት ልዮን ተባሂሎም እውን ይጽውዑ ነይሮም ኢዮም።
b ብ1199 ኣቡን ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፈረንሳ እትርከብ መትስ: ውልቀ-ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቍኦም የንብብዎን ይመያየጥሉን ኣለዉ ብምባል ንጳጳስ ኢኖሰንት ሳልሳይ ጥርዓን ኣቕረበሉ። እቲ ኣቡን ብዛዕባ ዋልደንሳውያን ይዛረብ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።
c “ካታሪ ክርስትያን ሰማእታት ድዮም ነይሮም፧” እትብል ናይ 1 መስከረም 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27-30 ርአ።
d ካብቲ ንዋልደንሳውያን ዝግበር ዝነበረ ክቱር ጸለመ እተላዕለ ቫውደሪ (ካብታ ቮድዋ እትብል ናይ ፈረንሳይኛ ቓል እተወስደት) ስያመ ወጸ። መናፍቓን ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ ወይ ከኣ ኣምለኽቲ ድያብሎስ ንዝበሃሉ እትውዕል ስያመ ኸኣ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
(For fully formatted text, see publication)
ዋልደንሳውያን ጽልዋ ዝገበርሉ ቦታታት
ፈረንሳ
ልዮን
ፕሮቫንስ
ልዩባሮን
ስትራዝቡግ
ሚላኖ
ሮማ
በርሊን
ፕራግ
ቪየና
[ስእሊ]
ነቲ ብ1535 እተተርጐመ ናይ ኦሊቬታን መጽሓፍ ቅዱስ ደገፎም ብምሃብ ከም ዝትርጐም ዝገበሩ ዋልደንሳውያን ኢዮም
[ምንጪ ስእሊ]
Bible: © Cliché Bibliothèque nationale de France, Paris
[ኣብ ገጽ 20,21 ዘሎ ስእሊ]
ቮደ
ክልተ ብዕደመ ዝደፍኣ ዋልደንሳውያን ብሓዊ ኽነዳ ኸለዋ
[ምንጪ ስእሊ]
Pages 20 and 21: © Landesbildstelle Baden, Karlsruhe