ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/9 ገጽ 30
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንትምህርትኻ ተጠንቀቕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ካብቲ ንእሽቶ ሓዉ ንየሱስ ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/9 ገጽ 30

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ወደ መዝሙር ያእቆብ “ኣሕዋተየ: ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም: ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ ​—⁠ያእቆብ 3:⁠1

ብርግጽ: ያእቆብ ክርስትያናት ንኻልኦት ሓቂ ንኸይሰብኩ ኣይኰነን ዘተባብዖም ዘሎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ኣብ ማቴዎስ 28:⁠19, 20 “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዚዝዎም ኢዩ። ስለዚ ድማ: ኵሎም ክርስትያናት መምህራን ክዀኑ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ እብራውያን ዝነበሩ ክርስትያናት: ገና መምህራን ብዘይ ምዃኖም መኺርዎም ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገባኣኩም ነይሩ: ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ . . . ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ።”​—⁠እብራውያን 5:⁠12

እሞ: ያእቆብ ደኣ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ፍሉይ ናይ ምምሃር መሰል ዝነበሮም ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። ኣብ ኤፌሶን 4:​11 ከምዚ ነንብብ:- “ንሱ [የሱስ ክርስቶስ: ርእሲ ናይታ ጉባኤ] ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት: ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን: ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።” ከምዚ ሎሚ ዘሎ: ኣብተን ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ጉባኤታት ፍሉይ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ይውክል ከምኡውን ነቲ ኣብተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ዝግበር ትምህርቲ ናይ ምዕዛብ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:45 ትሓዓ ) ገየሽቲ ተዓዘብትን ናይ ጉባኤ ሽማግለታትን እውን ፍሉይ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ኣለዎም።

ያእቆብ ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ክርስትያን ሰብኡት ዝገደደ ፍርዲ ኣምላኽ ምእንቲ ከይቅበሉ ብምፍራህ: ነቲ ናይ መምህር ግደ ምቕባል ክኣብዩ ድዩ ዝነግሮም ዝነበረ፧ ፈጺሙ: ከምኡ ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:​1 “ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ: ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ” ዝብሎ መዓርግ ሽምግልና ዓቢ መሰል ኢዩ። ናይ ጉባኤ ሽማግለ ንምዃን ሓደ ካብቲ ብቕዓታት: “ንምስትምሃር ብቑዕ” ክኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠2) ያእቆብ: ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ጳውሎስ ኣይተጻረ⁠ሮን።

ይኹን እምበር: ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ገለ ሰባት መምህራን ክዀኑ ዘይበቕዑ ከምኡውን ዘይተሸሙ ክነሶም: ንነብሶም ብምዕባይ መምህራን ክዀኑ ዝደልዩ ነይሮም ኢዮም። ነቲ ቦታ ከም ብልጫ ዘለዎ ገይሮም ዝርእዩ: ከምኡውን ናይ ብሕቶም ክብሪ ዝብህጉ ኢዮም ነይሮም። (ምስ ማርቆስ 12:​38-40፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:17 ኣነጻጽሮ።) ሃዋርያ ዮሃንስ: ድዮትሬፌስ ‘ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሊ እንተዀነ ግና ካብ ዮሃንስ ምንም ክብሪ ከም ዘይተቐበለ’ ጠቒስዎ ኣሎ። (3 ዮሃንስ 9) ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 1:7 ብዛዕባ እቶም ‘ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶም: መምህራን ሕጊ ኪዀኑ ዚደልዩ’ ትዛረብ ኢያ። ናይ ያእቆብ 3:1 ቃላት: ብፍላይ ነቶም መምህራን ክዀኑ ዚደልዩ እንተዀነ ግና ጌጋ ድራኼ ዝነበሮም ሰብኡት ዝሰማማዕ ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነተን መጓሰ ኣዝዮም ክጐድኡ ዝኽእሉ: ከምኡውን ዝገደደ ፍርዲ ዝቕበሉ ኢዮም።​—⁠ሮሜ 2:​17-21፣ 14:⁠12

ያእቆብ 3:1 ነቶም ብቑዓት ዝዀኑን ከም መምህራን ኰይኖም ዘገልግሉን ሰናይ መዘኻኸሪ ኢዩ። ብዙሕ ስለ እተዋህቦም ካብኦም ድማ ብዙሕ ይድለ ኢዩ። (ሉቃስ 12:48) የሱስ “ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም” በለ። (ማቴዎስ 12:36) እዚ ብፍላይ ኣብቶም ዘረባኦም ዝያዳ ጽልዋ ዘለዎ: እተሸሙ ሽማግለታት: ዝውዕል ኢዩ።

ሽማግለታት ነቲ ምስተን ኣባጊዕ የሆዋ ዚገብርዎ ምምልላስ ጸብጻብ ክህቡሉ ኢዮም። (እብራውያን 13:17) ዝብልዎ ዘበለ ህይወት ዝትንክፍ ኢዩ። ስለዚ: ሓደ ሽማግለ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባት ከየቐድም ወይ ድማ ከምቲ ፈሪሳውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ነተን ኣባጊዕ ከይሃስየን ክጥንቀቕ ኣለዎ። ከምቲ የሱስ ዘርኣዮ ዓሚቝ ፍቕሪ ከንጸባርቕ ክጽዕር ኣለዎ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ምምሃር ኣጋጣሚ: ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ፍርዲ ጕዳያት ዝምልከት ሓደ ሽማግለ ዘውጽኦ ቃላት ክጥንቀቐሉ: ለመጭ ከይከውን ወይ ምሉእ ብምሉእ ናይ ብሕቱ ሓሳባት ከይህብ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ኣብ የሆዋን ቃሉን ከምኡውን ኣብቲ ብማሕበሩ ገይሩ ዝህቦ መምርሒ ምስ ዝውከል እቲ ጓሳ “ዝገድድ ፍርዲ” ዘይኰነስ ሃብታም በረኸታት ኣምላኽ ክረክብ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ