ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ
“ኣምላኽ . . . ኣገልገልቲ . . . ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።”—2 ቈረንቶስ 3:5, 6
1, 2. ሓድሓደ ግዜ ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ጻዕርታት ኢዩ ዝግበር: መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዝፈሽል ስለምንታይ ኢዩ፧
ዘይትኽእሎ ስራሕ እንተ ዝወሃበካ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ:- እቲ ዘድልየካ ኣቝሑ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ ኣሎ: ኣብ ኢድካ ድማ መሳርሒታት ሒዝካ ኣለኻ። ነቲ ዕዮ ብኸመይ ከም እትፍጽሞ ግን ኣፋፍኖት እኳ የብልካን። እቲ ዝገደደ ኸኣ: እዚ ዕዮ እዚ ብህጹጽ ክዕየ ኣለዎ። ሰባት ንዓኻ ኢዮም ዝጽበዩ ዘለዉ። ክሳዕ ክንደይ ዘጨንቕ ጕዳይ ኰን ኢዩ!
2 ከምዚ ዝኣመሰለ መዋጥር ኣብ ኣእምሮ እተሳእለ ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን። ሓደ ኣብነት ርአ። ሓድሓደ ግዜ ገሊአን ኣብያተ-ክርስትያን ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ንምውዳብ ይፍትና ኢየን። እዚ ጻዕርታት እዚ ግን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ስለ ዝቋረጽ መብዛሕትኡ ግዜ ይፈሽል ኢዩ። ስለምንታይ፧ ህዝበ-ክርስትያን ንሰዓብታ ነቲ ዕዮ ንምፍጻም ብቕዓት ከም ዝህልዎም ኣይገበረትን። እቶም ኣቕሽሽቲ እውን ከይተረፉ መብዛሕትኡ እዋን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዓለማውን ሃይማኖታውን ኣብያተ-ትምህርቲ ኣትዮም እኳ እንተ ተማህሩ: ንዕዮ ስብከት ብቑዓት ኣይኰኑን። ስለምንታይ ኢና ኸምዚ እንብል፧
3. ኣብ 2 ቈረንቶስ 3:5, 6 ብዛዕባ እንታይ ዝገልጽ ቃላት ኢዩ ተደጋጊሙ ተጠቒሱ ዘሎ: እንታይ ማለትከ ኢዩ፧
3 ቃል ኣምላኽ ሓደ ናይ ሓቂ ሰባኺ እቲ ብስራት እንታይ ብቕዓት ከም ዘድልዮ ይገልጸልና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ:- “ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር: ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና: ሓንቲ እኳ ኽንሐስብ ኣይከአለናን እዩ። . . . ንሱ ኸኣ . . . ኣገልገልቲ . . . ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።” (2 ቈረንቶስ 3:5, 6) እዚ ኣብዚ ተደጋጊሙ ዘሎ ብዛዕባ “ክእለት” ዝገልጽ ቃላት እሞ ኣስተብህለሉ። እንታይ ማለት ኢዩ፧ ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ቢብሊካል ዎርድስ “እዛ ናይ ግሪኽ ቃል እዚኣ ብዛዕባ ነገራት ክትከውን ከላ ‘እኹል’ ንምባል ኢያ እተመልክት . . .፣ ብዛዕባ ሰባት ክትከውን ከላ ኸኣ ‘ክኢላ’ ወይ ‘ብቑዕ’ ማለት ኢያ” በለ። ስለዚ: ሓደ “ክኢላ” ሰብ እተዋህቦ ዕማም ንምፍጻም ብቑዕ ኢዩ። እወ: ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ብስራት ነዚ ዕዮ እዚ ንኽፍጽሙ ብቑዓት ኢዮም። ነዚ ዕዮ እዚ ዝኸውን ክእለት ወይ ብቕዓት ኣለዎም።
4. (ሀ) ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብቕዓት ዝረኽቡ እተወሰኑ ምርኡያት ሰባት ጥራይ ዘይምዃኖም ካብ ኣብነት ጳውሎስ ብኸመይ ክንግዘብ ንኽእል፧ (ለ) የሆዋ ከም ኣገልገልቲ መጠን ብቕዓት ከም ዝህልወና ዝገብረሉ ሰለስተ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
4 እቲ ብቕዓት ግን ካበይ ኢዩ ዝርከብ፧ ተውህቦ ድዩ፧ ብሉጽ ኣእምሮ ካብ ምህላው ድዩ፧ ወይስ ኣብ ጽቡቕ ቤት ትምህርቲ ኣቲኻ ካብ ዝርከብ ትምህርቲ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብርግጽ ነዚ ዅሉ ረኺብዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:3፣ ፊሊጲ 3:4, 5) እንተዀነ ግን: እቲ ኸም ኣገልጋሊ መጠን ዘለዎ ክእለት ኣብ ዝለዓለ ኣብያተ-ትምህርትታት ካብ እተማሃሮ ትምህርቲ ዘይኰነስ: ካብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ብትሕትና ኣፍልጦ ሂቡ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብቕዓት ግን ሒደት ምርኡያት ሰባት ጥራይ ድዮም ዝረኽብዎ፧ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ንጉባኤ ቈረንቶስ “ክእለትና” ኢሉ ኢዩ ጽሒፉሎም። እዚ ኸኣ የሆዋ: ኵሎም እሙናት ኣገልገልቱ ነቲ ዝሃቦም ዕዮ ንኽፍጽሙ ከኣልቲ ዝገብሮም ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። ሎሚ የሆዋ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ብቑዓት ዝገብሮም ብኸመይ ኢዩ፧ ነቲ ዝጥቀመሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንመያየጠሉ። እዚ ድማ:- (1) ቃሉ (2) መንፈስ ቅዱሱ (3) ምድራዊት ማሕበሩ ኢዩ።
ቃል የሆዋ ብቕዓት ከም ዝህልወና ይገብር
5, 6. ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧
5 ብቐዳምነት: ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ኸም ኣገልገልቲ መጠን ብቕዓት ንኽህልወና ዝሕግዝ፧ ጳውሎስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ስለዚ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ንሰባት ቃል ኣምላኽ ብምምሃር ዝግበር ‘ሰናይ ግብሪ ፈጺምና እተዳሎና: ፍጹማት’ ንኽንከውን ይሕግዘና ኢዩ። ብዛዕባ ምእመናን ህዝበ-ክርስትያን ደኣኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ንሳቶም እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም። እንተዀነ ግን: ሓደ መጽሓፍ ንገሊኣቶም ሰባት ከኣልቲ ኣገልገልቲ ክዀኑ እናሓገዘ ንኻልኦት ዘይሕግዞም ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ዝውስኖ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ኣረኣእያ ኢዩ።
6 እቲ ዘሕዝን ድማ መብዛሕትኦም ቤተ-ክርስትያን ዝሳለሙ ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ” ገይሮም ኣይቅበልዎን ኢዮም። (1 ተሰሎንቄ 2:13) በዚ ዝመጸ ህዝበ-ክርስትያን ዘሕፍር ታሪኽ ኢዩ ዘለዋ። ኣቕሽሽቲ ኣብ ናይ ስነ-ሃይማኖት ኣብያተ-ትምህርቲ ኣትዮም ሓያሎ ዓመታት ምስ ተማህሩ: ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን እተዓጥቁ ድዮም ዝዀኑ፧ ፈጺሞም ኣይኰኑን ኢዮም። አረ ገሊኣቶም ተማሃሮ እሞ ኸኣ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኽጅምሩ ኸለዉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣምኑ እኳ እንተ ነበሩ: ክምረቑ ኸለዉ ግን ተጠራጠርቲ ኢዮም ዝዀኑ! ድሕሪኡውን: ቃል ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝሰብኩ መገዶም ብምቕያር ኣብ ፖለቲካዊ ኽትዓት ንሓደ ወገን ይሕግዙ: ኣብ ማሕበራዊ ጸገማትን ቍጠባዊ ሳዕቤናቱን ዘተኰረ ወንጌል የስፋሕፍሑ: ወይ ኣብ ስብከቶም ናይዛ ዓለም ፍልስፍናታት የጕልሑ፣ ከመይሲ መብዛሕትኦም ንቓል ኣምላኽ ኣይኣምንሉን ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 4:3) ብኣንጻሩ ግን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ኢዮም ዝስዕቡ።
7, 8. የሱስ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኻብቲ ናይቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
7 የሱስ ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንኣተሓሳስባኡ ኽቐርጽዎ ኣይፈቐደሎምን። ከም ሃዋርያቱ ንዝኣመሰሉ ሒደት ሰባት ኰነ ንብዙሓት ሰባት ክምህር ከሎ: ቅዱሳት ጽሑፋት ይጥቀም ነበረ። (ማቴዎስ 13:10-17፣ 15:1-11) እዚ ድማ ኻብቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ፍልይ የብሎ ነበረ። ንሳቶም ነቶም ተራ ሰባት ንመዓሙቝ ኣምላኽ ንኸይምርምሩ የሳንፍዎም ነበሩ። አረ ሽዑ ዝነበሩ መምህራንሲ ገሊኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኣዝዩ ዓሚቝ ትርጕም ኣለዎ ኢሎም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ ምስ ዝፈትዉዎ ተማሃራዮም እንተ ዘይኰይኑ ምስ ካልእ ሰብ ኣይመያየጡሉን ኢዮም ነይሮም፣ ምስኡ እውን እንተዀነ: ብትሑት ድምጽን ርእሶም ተጐልቢቦምን ኢዮም ዝመያየጡ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እቲኣቶም ልክዕ ከምቲ ንመለኮታዊ ስም ምድማጽ ዘፍርሆም: ንገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ እውን የፍርሆም ነበረ!
8 ክርስቶስ ግን ከምኦም ኣይነበረን። ሒደት እተመርጹ ሰባት ጥራይ ዘይኰኑስ: ሰባት ብሓፈሻ ‘ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ኵሉ ቃል’ ክምርምሩ ኸም ዘድልዮም ይኣምን ነበረ። ነቲ ኣገዳሲ ፍልጠት ንእተወሰኑ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ሊቃውንቲ ጥራይ ክህቦም ኣይኰነን ዝደሊ ነይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ: ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ” በሎም። (ማቴዎስ 4:4፣ 10:27) ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምክፋል ብርቱዕ ባህጊ ነበሮ።
9. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንታይ ኢዮም ዝጥቀሙሉ፧
9 ቃል ኣምላኽ ሕመረት ትምህርትና ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት: ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርርብ ክንህብ ከሎና: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ጥቕስታት ጥራይ ምንባብ እኹል ኣይኰነን። ነቲ ጥቕስታት ክንገልጾ: ከነብርሆ: ከምኡውን ምስቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ብምትሕሓዝ ኣወዓዕላኡ ኸነርኢ የድሊ ይኸውን። ሸቶና ነቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቢ ሰማዕቲ ምስራጽ ኢዩ። (ነህምያ 8:8, 12) ሓደ ሰብ ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ክህብ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀም ኣለዎ። ህዝቢ የሆዋ እተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡን እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎምን እኳ እንተዀኑ: ኵላቶም ነቲ ኻብ መጻሕፍቲ ሓለፍ ዝበለ መጽሓፍ ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ የኽብርዎ ኢዮም።
10. እቲ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣባና እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል፧
10 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ብኣኽብሮት ምስ እንጥቀመሉ ሓይሊ ይህልዎ ኢዩ። (እብራውያን 4:12) ሰባት ኣብ ህይወቶም ለውጢ ንኽገብሩ ይድርኾም ኢዩ፣ ንኣብነት ገሊኣቶም ከም ምንዝር: ዝሙት: ኣምልኾ ጣኦት: ስኽራን: ከምኡውን ስርቂ ዝኣመሰለ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባራት ገዲፎም ኢዮም። ንብዙሓት ሰባት ነቲ ኣረጊት ሰብነት ቀንጢጦም ሓድሽ ሰብነት ንኽለብሱ ሓጊዝዎም ኢዩ። (ኤፌሶን 4:20-24) እወ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ኣረኣእያ ወይ ስርዓታት ኣበው ንላዕሊ ኣኽቢርና ንርእዮን ብተኣማንነት ንጥቀመሉን እንተድኣ ዄንና: ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ከኣልትን ምሉእ ብምሉእ እተዓጠቕናን ንኽንከውን ክሕግዘና ኢዩ።
መንፈስ የሆዋ ብቕዓት ከም ዝህልወና ይገብር
11. ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ “ሓጋዚ” ኽበሃል ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ካልኣይ: እቲ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሊ ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ ኣብ ምግባርና ዘለዎ ግደ ንመያየጠሉ። መንፈስ የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሓይሊ ዝበርትዐ ምዃኑ ኣይንረስዕ። የሆዋ: እቲ ፍቑር ወዱ ነዚ ዘደንቕ ሓይሊ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንምድጋፍ ምእንቲ ኽጥቀመሉ ኢሉ ሂብዎ ኢዩ። ስለዚ የሱስ ንመንፈስ ቅዱስ “ሓጋዚ” ኽብሎ ሓቁ ኢዩ። (ዮሃንስ 16:7 NW ) ንሰዓብቱ ድማ የሆዋ እዚ መንፈስ እዚ ንኽህቦም ክልምንዎ ተማሕጸኖም: የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዝህቦም ከኣ ኣረጋገጸሎም።—ሉቃስ 11:10-13፣ ያእቆብ 1:17
12, 13. (ሀ) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎትና ንኽሕግዘና ኽንጽሊ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ፈሪሳውያን መንፈስ ቅዱስ ኣባታቶም ከም ዘይዓዪ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
12 ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ንኽወሃበና መዓልታዊ ኽንጽሊ ኣሎና። እዚ ንጡፍ ሓይሊ እዚ ኣባና እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል፧ ንኣእምሮናን ኣልባብናን ብምትንካፍ ለውጢ ከም እንገብር: ብመንፈስ ከም እንዓቢ: ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ብሓድሽ ሰብነት ከም እንቕይሮ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። (ቈሎሴ 3:9, 10) ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ባህርያት ንኸነጥሪ ይሕግዘና ኢዩ። መብዛሕትና ንገላትያ 5:22, 23 ብቓልና ኽንወጻ ንኽእል ኢና። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ኢያ እትዝርዝር። እታ ቐዳመይቲ ፍቕሪ ኢያ። እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ኣገልግሎትና ኣገዳሲት ኢያ። ስለምንታይ፧
13 ፍቕሪ ብርቱዕ ድራኸ ኸተለዓዕል ትኽእል ኢያ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋን ንሰባትን ዘላቶም ፍቕሪ ነቲ ብስራት ንኸካፍሉ ትድርኾም ኢያ። (ማርቆስ 12:28-31) ብዘይ እዛ ፍቕሪ እዚኣ: መምህራን ቃል ኣምላኽ ንምዃን ብቕዓት ኣይህልወናን ኢዩ። ኣብ መንጎ የሱስን ፈሪሳውያንን ዝነበረ ፍልልይ እሞ ርአ። ማቴዎስ 9:36 ብዛዕባ የሱስ “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም” ትብል። እቶም ፈሪሳውያንከ ነቶም ተራ ሰባት ብኸመይ ይርእይዎም ነበሩ፧ ሓደ ግዜ “እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ” ኢሎም ተዛሪቦም ኢዮም። (ዮሃንስ 7:49 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቶም ፈሪሳውያን ነቶም ህዝቢ የፍቅርዎም ዘይኰነስ ኣጸቢቖም ይንዕቕዎም ኢዮም ነይሮም። መንፈስ የሆዋ ኣባታቶም ይዓዪ ኸም ዘይነበረ ንጹር ኢዩ።
14. የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝገደፈልና ኣብነት ብኸመይ ኢዩ ኽድርኸና ዘለዎ፧
14 የሱስ ነቶም ህዝቢ ይድንግጸሎም ነበረ። ስቓዮም ይርድኦ ነበረ። ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ውጹዓትን ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ምንባሮም ይፈልጥ ነበረ። ዮሃንስ 2:25 የሱስ ‘ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ነበረ’ ትብለና። የሆዋ ኽፈጥር ከሎ ሰራሕተኛ ዀይኑ ምስኡ ይዓዪ ስለ ዝነበረ: ብዛዕባ ተፈጥሮ ደቅሰብ ዓሚቝ ምርዳእ ነበሮ። (ምሳሌ 8:30, 31) እዚ ምርዳእ እዚ ድማ ዓሚቝ ፍቕሪ ኸም ዝህልዎ ገበሮ። እዚ ፍቕሪ እዚ ኣብ ዕዮ ስብከትና ወትሩ ይደርኸና! ኣብዚ መዳይ እዚ ኸነመሓይሽ ዘሎና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ክወሃበና ንጸሊ: ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ድማ ንመላለስ። የሆዋ ኸኣ ኽምልሰልና ኢዩ። ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ብስራት ንምስባኽ ብቕዓት ዝነበሮ ክርስቶስ ብዝያዳ ኽንመስሎ ምእንቲ ኽሕግዘና ነቲ ዓጋቲ ዘይብሉ ሓይሉ ኽሰደልና ኢዩ።
15. ኣብ ኢሳይያስ 61:1-3 ዝርከብ ቓላት ኣብ የሱስ ክውዕል ከሎ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግን ዘቃልዖም ብኸመይ ኢዩ፧
15 የሱስ ብቕዓቱ ዝረኸቦ ኻበይ ኢዩ፧ “መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:17-21) እወ: የሆዋ ባዕሉ ኢዩ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ንየሱስ ዝሾሞ። ስለዚ የሱስ ተወሳኺ መርትዖ ኸቕርብ ኣየድለዮን። እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖትከ ብመንፈስ ቅዱስ ድዮም ተሸይሞም፧ ኣይፋልን። ነቲ የሱስ ዓው ኢሉ ዘንበቦን ኣብ ገዛእ ርእሱ ኸም ዝውዕል ዝገለጾን ኣብ ኢሳይያስ 61:1-3 ዝርከብ ትንቢት ንምፍጻም ብቕዓት ኣይነበሮምን። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣንብባ እሞ እቶም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከም ዘየማልእዎ ኽትግንዘብ ኢኻ። ንድኻታት ዝንገር ብስራት ኣይነበሮምን። ከመይ ገይሮምከ ኢዮም ንምሩኻት ምምላስ: ንዕዉራት ከኣ ምርኣይ ክሰብኩ ዝኽእሉ፧ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ: ንሳቶም ባዕላቶም ዕዉራትን ባሮት ናይቲ ሰብ ዘቘሞ ስርዓታትን ኢዮም ነይሮም! ንሕናኸ ከምኣቶም ዘይኰነስ ንሰባት ንምምሃር ብቑዓት ዲና፧
16. ህዝቢ የሆዋ ከም ኣገልገልቲ መጠን ንዘለዎም ብቕዓት ብዝምልከት እንታይ ምትእምማን ኢዩ ኽህልዎም ዝኽእል፧
16 ልክዕ ኢዩ: ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ዝለዓለ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣቲና ኣይተመሃርናን። ካብ ናይ ስነ-ሃይማኖት ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምምህርና መዝነት ኣይተቐበልናን። እሞኸ ብቕዓት ይጐድለና ድዩ፧ ኣይጐድለናን ኢዩ! መሰኻኽሩ ንኽንከውን መዝነት ዝህበና የሆዋ ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:10-12) መንፈሱ ንኽወሃበና እንተ ጸሊናን ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና እንተ ተመላሊስናን ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ብቕዓት ኣሎና። ልክዕ ኢዩ: ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት ከነማልኦ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ብቕዓት ንኽህልወናን እተዓጠቕና ንኽንከውንን የሆዋ መንፈሱ ዝጥቀም ምዃኑስ ከነመስግንዶ ኣይግብኣናን፧
ማሕበር የሆዋ ብቕዓት ከም ዝህልወና ትገብር
17-19. እቲ ብማሕበር የሆዋ እተዳለወ ሓሙሽተ ሰሙናዊ ኣኼባታት ከም ኣገልገልቲ መጠን ብቑዓት ንኽንከውን ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
17 ሕጂ ነቲ የሆዋ ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ምሉእ ብምሉእ እተዓጠቕና ንኽንከውን ዝሕግዘሉ ሳልሳይ መገዲ ንርአ፣ እዚ ድማ እታ ኣገልገልቲ ንኽንከውን እተሰልጥነና ምድራዊት ጉባኤኡ ወይ ማሕበሩ ኢያ። ብኸመይ፧ ነቲ ዝወሃበና ዓይነት ትምህርትታት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንገብር። (እብራውያን 10:24, 25) በቲ ማሕበር የሆዋ ዘዳለወትልና መጻሕፍቲ ገይርና ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኣብ ንኣሽቱ ጕጅለታት ብምዃን ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ነካይድ ኢና። ጽን ኢልና ብምስማዕን ሓሳብ ብምሃብን ከኣ ንሓድሕድና ንመሃሃርን ንተባባዕን ኢና። እቲ ተዓዛቢ ትምህርቲ መጽሓፍ እውን ብውልቂ ዝጠቕመና ትምህርቲ ይምህረናን ሓልዮቱ የርእየናን ኢዩ። ካብ ህዝባዊ ኣኼባ ከምኡውን ካብ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ተወሳኺ መንፈሳዊ መግቢ ንረክብ ኢና።
18 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትና እውን ብኸመይ ከም እንምህር ንኽሕግዘና ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። ነቲ ናይ ተማሃራይ ዝርርባት ብምድላው: ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት ንቓል ኣምላኽ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ንመሃር ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:15) ብዛዕባ ሓደ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ዀይኑ ዝስምዓካ ዝነበረ ኣርእስቲ ኽፍሊ ኸተቕርብ ምስ ተዋህበካ: ሓድሽ ትምህርቲ ረኺብካሉዶ ትፈልጥ፧ እዚ ንብዙሓት ዘጋጥሞም ኢዩ። ከም ንኻልኦት ምምሃር ገይሩ ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ዘሎና ፍልጠት ዘዕምቝ የለን። ክፍሊ እውን እንተ ዘይብልና: ዝሓሽና መምህራን ንኽንከውን ንማሃር ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ገለ መዳይ ናይ ኣመሃህራ ኽእለት ንርኢ: ነዚ ብኸመይ ከም እንቐድሖ ኸኣ ከነስተንትን ንኽእል ኢና።
19 ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እውን ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ንኸዕጥቐና ኢዩ ተዳልዩ። ኣብ ሰሰሙን ኣብ ኣገልግሎትና ዘተኰረ ህያው ዝርርባት: ምይይጣት: ከምኡውን መርኣያታት ይቐርበልና ኢዩ። እንታይ ዓይነት ኣቀራርባ ኢና ኽንጥቀም፧ ኣብ ኣገልግሎትና ንዘጋጥመና ፍሉይ ብድሆ ብኸመይ ንዋጽኣሉ፧ ብዝያዳ ኽንዓየሉ ዘሎና እንታይ ናይ ኣገልግሎት መዳያት ኢዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕን ከሎና ንፉዓት መምህራን ንኽንከውን ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧ (1 ቈረንቶስ 9:19-22) እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባና ይቐርብን ብዝርዝር ምይይጥ ይግበረሉን ኢዩ። ዝበዝሕ ክፍልታት ናይዚ ኣኼባ እዚ: ኣብቲ ማሕበር የሆዋ ነቲ ኣገዳሲ ዕዮና ንኸተዕጥቐና እትጥቀመሉ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጽእ ዓንቀጻት እተመርኰሰ ኢዩ።
20. ካብ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ብኸመይ ኢና ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀም እንኽእል፧
20 ንኣኼባታትና ብምድላውን ኣብኡ ብምክፋልን: ድሕሪኡ ድማ ነቲ እተመሃርናዮ ኣብቲ ኸም መምህራን መጠን ዘሎና ዕዮ ብምጥቃም ብዙሕ ስልጠና ንረክብ ኢና። ካልእ ምድላዋት እውን ኣሎ። ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን እተዓጠቕና ዝገብረና ዓበይቲ ኣኼባታት ማለት ኣሰምብሊታትን ኣውራጃዊ ኣኼባታትን ኣሎና። ነቲ ኣብኡ ዝቐርብ ምዕዶ ተጠንቂቕና ንኽንሰምዖን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብሃንቀውታ እንጽበ!—ሉቃስ 8:18
21. እተዋህበና ስልጠና ውጽኢታዊ ኸም ዝዀነ ዘርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ: በዚኸ ዝምስገን መን ኢዩ፧
21 እቲ የሆዋ ዘዳለዎ ስልጠና ውጽኢታዊ ዀይኑዶ ተረኺቡ፧ መርትዖታት እስከ ንርአ። ዓመት ዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት መሰረታዊ ሰረተ-እምነታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽማሃሩን ነቲ ኣምላኽ ዝሓቶም ብቕዓታት ንኸማልኡን ተሓጊዞም ኢዮም። ቍጽርና ይውስኽ ኣሎ: ዋላ ሓደ ኻባና ግን በዚ ወሰኽ እዚ ምስጋና ኽቕበል ኣይግባእን ኢዩ። ልክዕ ከም የሱስ ንነገራት ብኽውንነት ክንርእዮ ኣሎና። ንሱ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሃዋርያት: መብዛሕትና ዘይተመሃርና ተራ ሰባት ኢና። (ዮሃንስ 6:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:13) እንረኽቦ ኣሳልጦ ኣብቲ ቕኑዕ ንዝልቦም ሰባት ናብ ሓቂ ዝስሕብ የሆዋ እተመርኰሰ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ: ኣምላኽ ግና ኣብቈለ” ብምባል ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 3:6
22. ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ ተስፋ ኸቝርጸና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
22 እወ: ኣብቲ ኸም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን እንፍጽሞ ዕዮ: የሆዋ ኣምላኽ ንጡፍ ግደ ኣለዎ። መምህራን ንምዃን ብቕዓት ዘይብልና ዀይኑ ዝስምዓና እዋን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንሰባት ናብኡን ናብ ወዱን ዝስሕቦም የሆዋ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ብቓሉ: ብመንፈስ ቅዱሱ: ከምኡውን ብምድራዊት ማሕበሩ ኣቢሉ ንሓደስቲ ሰባት ንኸነገልግሎም ብቑዓት ዝገብረና የሆዋ ኢዩ። ስለዚ ነቲ የሆዋ ሕጂ ኸም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን እተዓጠቕና ንኽንከውን ዘዳለወልና ሰናይ ነገራት ብምጥቃም ንዝህበና ስልጠና ንቀበሎ!
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• መጽሓፍ ቅዱስ ንዕዮ ስብከት ዘዕጥቐና ብኸመይ ኢዩ፧
• መንፈስ ቅዱስ ከም ኣገልገልቲ ቓል ኣምላኽ መጠን ብቑዓት ኣብ ምግባርና እንታይ ግደ ኣለዎ፧
• ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ከም ሰባኺ እቲ ብስራት መጠን ብቕዓት ንኽህልወካ ዝሓገዘትካ ብኸመይ ኢያ፧
• ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከሎና ምትእምማን ክሓድረና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ከም መምህር ቃል ኣምላኽ መጠን ንሰባት ፍቕሪ ኣርኣየ