ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/96 ገጽ 1
  • ንኽሰብኽ ብቑዕ ዝዀነ መን ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኽሰብኽ ብቑዕ ዝዀነ መን ኢዩ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኽሰብኽ ብቑዕ ድየ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ነቲ ቓል ስበኽ”
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 8/96 ገጽ 1

ንኽሰብኽ ብቑዕ ዝዀነ መን ኢዩ፧

1 ብኣገልግሎት ዝመጸ ከምቲ ንሙሴ እተሰምዖ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ንሱ ከምዚ በለ:- “ኣየ ጐይታይ: . . . ትማሊ ዀነ: ቅድሚ ትማሊ ዀነ: ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን: ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን።” (ዘጸ. 4:​10) ከምዚ እንተድኣ ዝስመዓካ ኰይኑ: ካብ ምስባኽ ንድሕሪት ትምለስ ትኸውን። እንተዀነ ግን: የሱስ ‘ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዚዙና ኢዩ።’ (ግብ. 10:42) ስለዚ እምበኣር: ብኸመይ ኢና ብቑዓት ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት ክንከውን እንኽእል፧

2 ደረጃ ዓለማዊ ትምህርትና ኣይኰነን ንኣገልግሎት ብቑዓት ዝገብረና። ጳውሎስ “ብዙሓት ብስጋ ለባማት . . . ኣይተጸውዑን” ከምኡውን “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ” በለ። (1 ቈረ. 1:​26፣ 3:​19) የሱስ ንሃዋርያቱ ካብ መንጎ እቶም ርሂጸ በላዕ ኢዩ መሪጽዎም​—እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ካብኣቶም ስርሖም ምግፋፍ ዓሳ ኢዩ ነይሩ። እቶም ዕቡያት ሃይማኖታውያን መራሕቲ “ዘይተማህሩ ጭዋታት [“ተራ:” ትሓዓ ] ሰባት” ገይሮም ብምርኣይ ንዓቕዎም። ብናይ ዓለም መዐቀኒታ ክምዘኑ ከለዉ: እቶም ሃዋርያት ንኽሰብኩ ብቑዓት ኣይነበሩን። እንተዀነ ግን: እቲ ጴጥሮስ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዘቕረቦ ውሕሉል ዝርርብ 3,000 ሰባት ንኽጥመቑ ኣለዓዒልዎም ኢዩ!​—ግብ. 2:​14, 37-​41፣ 4:​13

3 የሆዋ ንኽንሰብኽ ብቑዓት ይገብረና:- ጳውሎስ “ክእለትና ኻብ ኣምላኽ . . . እዩ” በለ። (2 ቈረ. 3:⁠5) እቲ ምንጪ ናይ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ንሚልዮናት ሰባት ንኻልኦት ክሰብኩ ምሂርዎም ኢዩ። (ኢሳ. 54:13) ኣሳልጦን ፍረን ናይ ኣገልግሎትና: ኣብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተጠመቑ 338,491 ህያዋን ‘መማዕቈቢ ደብዳበታት’ ክርአ ይከኣል ኢዩ። (2 ቈረ. 3:​1-3) ብዛዕባ እቲ ካብ የሆዋ እተማሃርናዮ ነገራት ብትብዓትን ብእምነትን ንኽንሰብኽ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና።

4 ማሕበር ኣምላኽ ንኣገልግልቲ ዝኸውን ዓለምለኻዊ ናይ ልምምድ ፕሮግራም ኣዳልያ ኣላ። ብቕዱሳት ጽሑፋትን ብኣዝዮም ብዙሓት ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዙ ጽሑፋትን ተማሂርና ከምኡውን ንኽንሰብኽን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳሎና’ ንኽንከውንን ተለማሚድና ኢና። (2 ጢሞ. 3:​16, 17) ብዙሓት በቲ ካብ ናይ ማሕበር ጽሑፋት ዝርከብ ትምህርቲ ተመሲጦም ኢዮም። ንኣብነት: በብእዋኑ ዝወጽእ ናይ ሽወደን ጋዜጣ “እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝስበኽ እምነት: ዘገርም ዝለዓለ ትምህርትን ዓለምለኻዊ ፍልጠት ዝህብን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኢዩ” በለ።

5 ኣብቲ ሓሙሽቲኡ ሰሙናዊ ኣኼባታት ብዝወሃበና መሪሕነት: መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ከነጽንዕን ብዘሎና ፕሮግራም: ኣብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብዝወሃብ ምኽሪ: በቶም ካልኦት ተመክሮ ብዘለዎም ኣገልገልቲ ዝወሃብ ብሕታዊ ደገፍ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ደገፍ: የሆዋ ንኽንሰብኽ ኣጸቢቕና ብቑዓት ገይሩ ከም ዝርእየና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። “ብኣምላኽ ተደሪኽና . . . ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ አሎና።”​—2 ቈረ. 2:⁠17

6 ነቲ ኣምላኽ ብማሕበሩ ገይሩ ዘዳለዎ ቲኦክራሲያዊ ልምምድ መሊእና እንተድኣ ተጠቒምናሉ: እነድሓርሕረሉ ወይ ድማ እንሓንከሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። የሆዋ ንጻዕርታትና ከም ዝባርኾ ብምርግጋጽ: ብሓጐስ ንኻልኦት ክንሰብከሎም ንኽእል ኢና።​—1 ቈረ. 3:⁠6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ