ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/10 ገጽ 1
  • ንኽሰብኽ ብቑዕ ድየ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኽሰብኽ ብቑዕ ድየ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኽሰብኽ ብቑዕ ዝዀነ መን ኢዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ጠቢቕካ ዝሰዓብ ኣርኣያ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ‘ኣስኣሰሩ ስዓብ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 1/10 ገጽ 1

ንኽሰብኽ ብቑዕ ድየ፧

1. ንኽንሰብኽ ብቕዓት ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

1 ንኽትሰብኽ ብቕዓት ዘይብልካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ከመይሲ፡ ብቑዕ ኣገልጋሊ ኽትከውን እትኽእል፡ ስሩዕ ትምህርቲ ስለ እተመሃርካ ወይ ከኣ ፍሉይ ተውህቦ ስለ ዘሎካ ኣይኰነን። ገሊኦም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ እውን እንተ ዀኑ፡ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኪስዕቡ ቘሪጾም ስለ ዝነበሩ፡ ውጽኢታውያን ሰበኽቲ እቲ ብስራት እዮም ነይሮም።—ግብ. 4:13፣ 1 ጴጥ. 2:21።

2. የሱስ ብኸመይ ይምህር ነበረ፧

2 የሱስ ዝመሃረሉ መገዲ፦ ትምህርታት የሱስ፡ ቀሊልን ግብራውን ንኽትርድኦ ዘየጸግምን እዩ ነይሩ። ንጹር መእተዊታትን ሕቶታትን ምሳሌታትን ተጠቒሙ ንኣቓልቦ ሰማዕቱ ይስሕብ ነበረ። (ማቴ. 6:26) ንኻልኦት ሰባት እውን ብሓቂ ይግደሰሎም ነበረ። (ማቴ. 14:14) ብዘይካዚ፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኺፍጽም ዜኽእሎ መዝነትን ሓይልን ካብ የሆዋ ኸም ዝረኸቦ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ብተኣማንነትን ብስልጣንን እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ሉቃ. 4:18።

3. ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም የሆዋ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3 የሆዋ ይሕግዘና፦ እቲ ዓብዪ መምህርና ዝዀነ የሆዋ፡ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ፡ ነቲ ብስራት ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንሰብኽ ዜኽእለና ስልጠና ይህበና እዩ። (ኢሳ. 54:13) ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚምህረሉ ዝነበረ መገዲ ዚገልጽ ጸብጻብ ኣብ ቃሉ ስለ ዘስፈረልና፡ ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላታት ኣመሃህራ ኽንምርምሮን ክንቀድሖን ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ይህበና፡ ብኣኼባታት ጉባኤ ኣቢሉ ድማ የሰልጥነና እዩ። (ዮሃ. 14:26) ውጽኢታውያን ክንከውን ኪሕግዙና ዚኽእሉ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ እውን ሂቡና ኣሎ።

4. ንኽንሰብኽ ብቕዓት ከም ዘሎና ምሉእ ምትእምማን ከነሕድር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 “ክእለትና ኻብ ኣምላኽ” ምዃኑ ስለ እንፈልጥ፡ ንኽንሰብኽ ብቕዓት ከም ዘሎና ምሉእ ምትእምማን ከነሕድር ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 3:5) እምበኣር፡ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና ተዳሊና፡ ፍጹማት ምእንቲ ኽንከውን፡’ ኣብ የሆዋ ኽንውከል፡ ነቲ ፍቕራዊ መሰናድዎኡ ድማ ብተኣማንነት ክንጥቀመሉ ኣሎና።—2 ጢሞ. 3:17።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ