ሕጂ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እንፈርሆ ስለምንታይ ኢዩ፧
“እዚ ናይ ሰብ [ምሉእ ግዴታ ‘ትሓዓ’ ] እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”—መክብብ 12:13
1, 2. ቅኑዕ ፍርሂ ኣምላኽ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
ጥዑይን ኣኽብሮት ዘለዎን ፍርሃት ኣምላኽ ንሰብ ሰናይ ኢዩ። እወ: ሽሕ’ኳ ብዙሕ ሰብ ዘርእዮ ፍርሂ ንስሚዒት ዝርብሽ: አረ ንጥዕናና እውን ከይተረፈ ኣዕናዊ እንተዀነ: ንሕና ግን ንየሆዋ ኣምላኽ ክንፈርሆ ሰናይ ኢዩ።—መዝሙር 112:1፣ መክብብ 8:12
2 ፈጣሪ ነዚ ይፈልጦ ኢዩ። ካብቲ ንፍጥረቱ ዘለዎ ፍቕሪ እተለዓለ ድማ ኵሎም ክፈርህዎን ከምልኽዎን ይእዝዞም ኢዩ። ከምዚ ነንብብ:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፤ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን . . . ዝገበረ ስገዱሉ: በለ።”—ራእይ 14:6, 7
3. ፈጣሪ ነቶም ናይ መጀመርታ ወለድና እንታይ ኢዩ ዝገበረሎም፧
3 ብርግጽ ነቲ ናይ ኵሉ ነገር ፈጣርን ምንጪ ህይወትን ሸለል ክንብሎ ኣይግባእን: ከመይሲ ንሱ ንኣናን ነዛ ፕላኔትን ዝውንን ኢዩ። (መዝሙር 24:1) የሆዋ: ከም መግለጺ ናይቲ ዓቢ ፍቕሩ: ነቶም ምድራውያን ደቁ ህይወት ሃቦም: ክነብሩላ ኢሉ ድማ እተደንቕ ስፍራ—ውቅብቲ ገነት ቀረበሎም። እንተዀነ ግን: እዚ ኣደናቒ ውህበት እዚ ብሃንደበት ዝዀነ ነገር ኣይነበረን። ጭቡጥ ብዝዀነ መገዲ ሕድሪ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ኢዩ። ቀዳሞት ወለድና ነታ መንበሪቶም ክዓይዋን ንምልእቲ ምድሪ ክሳዕ ዝመልእዋን ዝመልክዋን ድማ ከስፋሕፍሕዋ ነበሮም። ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ምድርን ኣዕዋፍን ዓሳታትን—ኵሎም እቶም ምስኦምን ምስ ዘርኦምን ንምድሪ ዝካፈልዋ ካልኦት ህያዋን ፍጡራትን—መሰላትን ሓላፍነታትን ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ሕድሪ ድማ: ሰብ ተሓታቲ ክኸውን ነበሮ።
4. ሰብ ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍጥረት እንታይ ኢዩ ዝገበሮ፧
4 እዚ ከምዚ ዝበለ ዘደንቕ ኣጀማምራ እኳ እንተለዎ: ሰብ ነዛ ውቅብቲ ምድራዊት ቤቱ ንምብልሻው ዝገበሮ ነገራት እሞ ተዓዘቦ! ሰባት ንኣምላኽ ከም ዋና ናይዛ ክብርቲ ዕንቊ መጠን ግዲ ብዘይምግባር ንምድሪ ኣጋዕጊዖምዋ ኣለዉ። እዚ ምብልሻው እዚ ሕሉፍ ሓሊፉ: ንብዙሓት ዘርኢ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ዓሳታትን ንህላዌኦም ኣብ ዘስግእ ደረጃ ኢዩ በጺሑ ዘሎ። እዚ ፍትሐኛን ፈቃርን ዝዀነ ኣምላኽና: ነዚ ንሓዋሩ ኣይክጽመሞን ኢዩ። እቲ ናይ ምድሪ ምብልሻው ጸብጻብ ክግበር ይጠርዕ ኢዩ ዘሎ: እዚ ኸኣ ብዙሓት ክፈርሁ ምኽንያት ዘለዎም ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: እቶም ብኽብሪ ኣብ ኣምላኽ ዝውከሉ እንታይ ክፍጸም ከም ዘለዎ ምፍላጦም ዘጸናንዕ ኢዩ። የሆዋ ክጸባጸብ ኢዩ: ምድሪ ድማ ክትሕደስ ኢያ። እዚ ድማ ብሓቂ ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ዘሐጕስ ብስራት ኢዩ።
5, 6. የሆዋ ነቲ ወድሰብ ንፍጥረቱ ዝገበሮ ብኸመይ ክምልሰሉ ኢዩ፧
5 ኣምላኽ ብኸመይ ኣገባብ ኢዩ ፍርዱ ክፍጽሞ፧ በቲ ሕጂ ከም ናይ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኢዩ። በዚ ሰማያዊ ወዱ ገይሩ: የሆዋ ነዚ ሕጂ ዘሎ ርኹስን ዓለወኛን ኣገባብ መደምደምታ ክገብረሉ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-9፣ ራእይ 19:11) በዚ መገዲ እዚ ኢዩ ነቶም ዝፈርህዎ ቅሳነት ከምጽኣሎም: ምስኡ ድማ ነዛ ምድራዊት ቤትና ከድሕናን ከዕቁባን ኢዩ።
6 እዚኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክፍጸም? መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ኣርማጌዶን ውግእ ኣብ ዘለዓለ ጫፉ ዝበጽሕ ዓቢ ጸበባ ይዛረብ ኢዩ። (ራእይ 7:14፣ 16:16) እዚ ኣብ ልዕሊ እዚ እተበከለ ኣገባብን በከልቱን ክወርድ ዘለዎ ናይ የሆዋ ፍርዲ ኢዩ። ገለ ሰባትከ ብህይወት ክተርፉ ድዮም፧ እወ! ንሳቶም እቶም ሕሙምን ዘይጥዑይን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ዘይኰኑስ እቶም ናብኡ ኣድናቖትን ክብርን እተሓወሶ ፍርሂ ዘርእዩ ሰባት ኢዮም። ንሳቶም ክድሕኑ ኢዮም።—ምሳሌ 2:21, 22
ዘደንጹ መግለጺ ሓይሊ
7. ኣምላኽ ኣብ ግዜ ሙሴ ኣብ ክንዲ እስራኤል ጣልቃ ዝኣተወ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 እዚ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ቅጽበታዊ ስጕምቲ እዚ ኣብቲ ቅ.ኣ.ዘ. ገለ 1,500 ዓመታት ይገብር ኣብ ክንዲ ኣምለኽቱ ዝወሰዶ ሓያል ስጉምቲ ትንቢታዊ ጽላሎት ተራእዩ ነይሩ ኢዩ። እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ብርትዕቲ ዝነበረት ግብጺ ንሰራሕተኛታት ናይቶም ስደተኛታት ዝነበሩ እስራኤላውያን ባሮት ገይራቶም: አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ: መራሒኣ: ፈርኦን ንዅሎም ሓደስቲ እተወልዱ ተባዕትዮ ሕጻናት ክሞቱ ምስ ኣዘዘ ዘርኦም ከጽንት ፈቲኑ ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝገበሮ ዓወት: ንእስራኤል ካብቲ ጨቋኒ ፖለቲካዊ ኣገባብ ሓራ ዝገብሮም: እወ: ካብቲ ብናይ ብዙሓት ኣማልኽቲ ኣምልኾ እተበከለ ህዝቢውን ናጻ ዘውጽኦም ኢዩ ነይሩ።
8, 9. ሙሴን እስራኤላውያንን ነቲ ናይ ኣምላኽ ጣልቃ ምእታው ብኸመይ መለስሉ፧
8 ዘጸኣት ምዕራፍ 15: እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ወጹ ከመይ ከም እተሰምዖም ዝገልጽ ጸብጻብ ሒዛ ኣላ። ነዚ ጸብጻብ እዚ ምምርማር: ክርስትያናት ካብዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ብመንፈስን ብስጋን ዝረኸሰ ኣገባብ ከመይ ገይሮም ክናገፉ ከም ዝኽእሉ ንምግንዛብ ክሕግዘና ኢዩ። ንየሆዋ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ስለምንታይ ክንፈርህ ክንመርጽ ከም ዘሎና: ንኽንማሃር ኣብ እተመርጹ ቍጽርታት ብምትኳር እስከ ንዘጸኣት ምዕራፍ 15 ንመርምራ። ብቍጽሪ 1ን 2ን ንጀምር:-
9 “ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚአብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ: ንሱ ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ: ምድሓን ከኣ ኰነኒ።”
10. ኣምላኽ ነቲ ናይ ግብጺ ሰራዊት ንኸጥፍኦ ዝመርሖ ነገር እንታይ ኢዩ፧
10 ኣብ ከባቢ ዓለም ዘለዉ ሰባት ነቲ የሆዋ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ከመይ ገይሩ ሓራ ከም ዘውጽኦም ዝገልጽ ጸብጻብ ይፈልጥዎ ኢዮም። ፈርኦን ኣብ መወዳእታ ንእስራኤላውያን ክኸዱ ክሳዕ ዘፍቅደሎም: ኣብ ልዕሊ እታ ብርትዕቲ ሓይሊ ዓለም መዓት ኣውረደ። እንተዀነ ግን: ሽዑ ንሽዑ ሰራዊት ፈርኦን ደድሕሪ እቶም መከላኸሊ ዘይነበሮም ህዝቢ ሰዓበ: ኣብቲ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ድማ መውጽኢ ዘይብሎም ኣርኪቦም ዝሕዝዎም መሲሎም ተራእዩ። ደቂ እስራኤል ነቲ ሽዑ ድሮ ረኺቦሞ ዝነበሩ ሓርነት ብኡንብኡ ዝስእንዎ መሲሉ እኳ እንተ ተራእየ: የሆዋ ግን ኣብ ሓሳቡ ካልእ ነገር ነበሮ። ብተኣምራታዊ መገዲ ብማእከል እቲ ባሕሪ መገዲ ከፈተ እሞ ንህዝቡ ኣድሓኖም። እቶም ግብጻውያን ደድሕሪኦም ምስ ሰዓቡ: ነቲ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊኦም መለሶ እሞ: ንፈርኦንን ወተሃደራዊ ሓይሉን ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣጥሓሎም።—ዘጸኣት 14:1-31
11. ኣምላኽ ኣንጻር ግብጺ ዝወሰዶ ስጉምቲ እንታይ ኣስዓበ፧
11 የሆዋ ነቲ ናይ ግብጺ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምድምሳሱ: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምለኽቱ ክብ ከም ዝብልን ስሙ ድማ ክሳዕ ርሑቕ ከም ዝፍለጥን ገይርዎ ኢዩ። (እያሱ 2:9, 10፣ 4:23, 24) እወ: ስሙ ልዕሊ ኵሎም እቶም ንኣምለኽቶም ከናግፉ ከም ዘይክእሉ ዘረጋገጹ ሓይሊ ዘይብሎም ናይ ግብጺ ኣማልኽቲ ሓሶት: ኣዝዩ ክብ ኢሉ ኢዩ። ኣብ ኣማልኽቶምን ኣብ መዋቲ ወድሰብን ወተሃደራዊ ሓይልን ምእማኖም ኣብ መሪር ጓሂ ኣውዲቕዎም ኢዩ። (መዝሙር 146:3) እስራኤላውያን ናይቲ ንህዝቡ ብሓይሊ ዘድሓነ ኣምላኽ ጥዑይ ፍርሂ ከም ዝነበሮም ዘንጸባርቕ መዝሙር ምስጋና እንተ ዘመሩስ: ዘገርም ኣይኰነን!
12, 13. ካብቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተራእየ ናይ ኣምላኽ ዓወት እንታይ ክንመሃር ይግባኣና፧
12 ብተመሳሳሊ ድማ: ካብዞም ናይ ግዜና ሓሰውቲ ኣማልኽትን ልዕለ ሓያላንን: ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዘለዎም እውን ይኹኑ: ምስ የሆዋ ክወዳደር ዝኽእል ሓደ እኳ ከም ዘየለ ክንፈልጥ ይግባእ። ንሱ ንህዝቡ ከናግፎም ይኽእል ኢዩ: ከናግፎም ከኣ ኢዩ። “ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ንኢዱ ኪኽልክላ: ስለምንታይ እዚ እትገብር፧ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።” (ዳንኤል 4:35) ንትርጕም ናይዘን ቃላት እዚአን መሊእና ምስ ተረዳእናዮ ንሕናውን ተሓጒስና ምስጋንኡ ንምዝማር ክንለዓዓል ኢና።
13 እታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተዘመረት ናይ ዓወት መዝሙር: “የሆዋ ተዋጋኢ ሰብኣይ ኢዩ። የሆዋ ኢዩ ስሙ” ብምባል ትቕጽል። እዚ ዘይሰዓር ተዋጋኢ እዚ እምበኣር: ሓደ ብሓሳብ ሰብ እተፈጥረ ስም ኣልቦ ኣምላኽ ኣይኰነን። ስም ኣለዎ! ንሱ እቲ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን”: ‘[የሆዋ ትሓዓ ] ዝስሙ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል’ ዝዀነ ዓቢ ደኳኒ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:14 ትሓዓ፣ 15:3-5 ትሓዓ፣ መዝሙር 83:18) እቶም ጥንታውያን ግብጻውያን ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ዝቃወምዎ: ምኽንያታውን ኣኽብሮት ዘሎዎን ናይ ፍርሂ ስምዒት እንተ ዝነብሮም ጥበባዊ ምዀነ ነይሩ ኢልካዶ ኣይምተሰማማዕካሉን፧
14. ናይ ኣምላኻዊ ፍርሃት ዋጋ ብኸመይ ኢዩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተንጸባረቐ፧
14 ንምድሪ ዝነደፈ ከም ምዃኑ መጠን: እዚ ናይ ባሕሪ ደኳኒ ኣብ ልዕሊ ኵምራታት ማይ: ምሉእ ቍጽጽር ኣለዎ። (ዘጸኣት 15:8) ኣብ ልዕሊ ንፋስ ዘለዎ ምቍጽጻር ተጠቒሙውን ነቲ ክግበር ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ገይርዎ ኢዩ። ነቲ መዓሙቝ ማይ ኣብ ሓደ ቦታ ጨዲዱ: ኣብ ክልተ ሸነኽ ንድሕሪት ከም ዝእከብ ምስ ገበረ ንህዝቡ በቲ ብኽልተ ጐኑ ብማይ ተነዲቑ ዝነበረ መሕለፊ ኣስገሮም። ነቲ ዓውደ ፍጻመ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ሰኣሎ:- እስራኤል ዑቕባ ዝረኽብሉ መገዲ ብምኽፋት ብሚልዮናት ቶን ዝቝጸር ናይ ባሕሪ ማይ ማዕዶ ማዕዶ ከም መንደቕ ተጠማሚቱ ክሳዕ ላዕሊ ተኾመረ። እወ: እቶም ጥዑይ ፍርሂ ኣምላኽ ዘርኣዩ ሰባት ዕቝባ ረኺቦም ኢዮም። ድሕርዚ የሆዋ ንሓይልታት ፈርኦንን መሳርሒታቶምን ከም ዓቢ መጥለቕለቒ ኰይኑ ምእንቲ ክውሕጦም ነቲ ማይ ናብቲ ዝነበሮ ፈነዎ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ መግለጺ ናይ መለኮታዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ዋጋ ዘይብሎም ኣማልኽትን ናይ ሰብ ወተሃደራዊ ሓይልን ኰን ኢዩ! ብርግጽ: እቲ ክፍራህ ዘለዎ የሆዋ ኢዩ: ኣይኰነን ድዩ፧—ዘጸኣት 14:21, 22, 28፣ 15:8
ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ምንጽብራቑ
15. ነቲ ናይ ኣምላኽ ዓብዪ ናይ ምድሓን ተግባራት ምላሽና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
15 ድሒንና ምስ ሙሴ ጸኒዕና ደው ኢልና ነይርና እንተ ንኸውን: ብርግጽ “ዎ እግዚኣብሄር: ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ: ገባር ተኣምራት: ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧” ኢልና ክንዝምር ምተለዓዓልና ነይርና። (ዘጸኣት 15:11) ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ኵሉ ዘበናት ክቃላሕ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ መጽሓፍ: ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ጕጅለ እሙናት ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘መዝሙር ሙሴ እቲ ባርያ ኣምላኽን: መዝሙር እቲ ገንሸልን ይዝምሩ ኣለዉ’ ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ። እዚ ዓቢ መዝሙር እዚኸ እንታይ ኢዩ፧ “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ [ዘለኣለም ትሓዓ ]: መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧”—ራእይ 15:2-4
16, 17. ሎሚ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ምዕባለታት ክፍጸም ኢና እንርኢ ዘሎና፧
16 ሎሚውን ነቲ ፍጥረታዊ ግብርታት ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሕግታቱ እውን ዘማስዉ ሓራ ዝወጹ ኣምለኽቲ ኣለዉ። ካብ ኵለን ሃገራት ዝመጹ ህዝቢ: ነቲ ጻድቕ ሕግታት ኣምላኽ ስለ ዘለልይዎን ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዕልዎን ካብዛ ተበኪላ ዘላ ዓለም ተፈልዮም ብመንፈስ ሓራ ኰይኖም ኣለዉ። ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብዛ ብልሽውቲ ዓለም ኣምሊጦም ምስታ ንጽህትን ቅንዕትን ማሕበር ናይ ኣምለኽቲ የሆዋ ይነብሩ ኣለዉ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ: እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዝተረፈ እኩይ ኣገባብን ዝወርድ ርሱን ፍርድታት ኣምላኽ ምስ ተፈጸመ: ኣብታ ጻድቕ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም።
17 ምስ ራእይ 14:6, 7 ብምስምምማዕ: ሎሚ ደቅሰብ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ኰይኖም ዝእውጅዎ ዘለዉ ናይ ፍርዲ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ይሰምዕዎ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት: ገለ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን እታ ዝፈርደላ ሰዓትን ኣዊጆም ኢዮም። ነቶም ብጾቶም ደቅሰብ ንኽድሕኑ ምእንቲ ክምህርዎም እዞም መሰኻኽር ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እናመርሑ ናብ ናይ ሰባት ኣባይቲ ስርዓታዊ ምብጻሕ ገይሮም ኢዮም። በዚ ድማ ኣብ ዓዓመት በማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብምስትውዓል ምእንቲ ክፈርህዎ ብዝግባእ ተማሂሮም: ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም: ከምኡውን ተጠሚቖም ኢዮም። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ክፈርህዎ ብምብቅዖም ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኢዮም!—ሉቃስ 1:49-51፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:31፣ ምስ እብራውያን 11:7 ኣነጻጽሮ።
18. ኣብቲ ስብከትና መላእኽቲ እቱዋት ምዃኖም ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
18 ኣብዚ ዕዮ ስብከት እዚ መላእኽቲ እቱዋት ምዃኖም ሓቂ ድዩ፧ እወ: ብዙሕ ግዜ ናይ መልኣኽ መሪሕነት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቶም መንፈሳዊ ደገፍ ዝናፍቑን ክረኽቡዎ ኢሎም እውን ዝጽልዩ ጉሁያት: ነፍሳት ከም ዝመርሖም ርግጽ ኢዩ ዝመስል! ንኣብነት: ኣብ ደሴት ካሪብያን ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ተሰንየን ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዳ ብስራት ይነግራ ነበራ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኣኸለ: እተን ክልተ ዓበይቲ ኣሓት ናይታ መዓልቲ እቲኣ ዕዮአን ጠጠው ከብላ ወሰና። እቲ ቈልዓ ግን ቅድሚኡ ገይርዎ ዘይፈልጥ: ናብታ ቀጺላ ዘላ ገዛ ክበጽሕ ተሃንጠየ። እተን ኣሓት ከምኡ ክገብራ ድልየት ከም ዘይነበረን ምስ ረኣየ ግን: በይኑ ከይዱ ኳሕኵሐ። ሓንቲ መንእሰይ ወይዘሮ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ከፈተቶ። እተን ኣሓት ነዚ ምስ ረኣያ ከይደን ተዛረብኣ። ናብ ገዛ ክኣትዋ ዓደመተን: እቲ ማዕጾ ክኵሕኳሕ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክትማሃር: ኣምላኽ መሰኻኽር ክልእከላ ትጽሊ ከም ዝነበረት ድማ ነገረተን። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረላ ድማ መደብ ተገብረ።
19. ንኣምላኽ ካብ ምፍራህ ዝርከብ ጥቕሚ እንታይ ክንጠቅስ ምኸኣልና፧
19 ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ብተኣማንነት ከነብጽሖ ኸሎና: ነቲ ጻድቕ ሕግታቱውን ንምህር ኢና። እዚ ኣብ ህይወት ሰባት ኣብ ተግባር ክውዕል ከሎ: ስጋውን መንፈሳውን በረኸታት የፍሪ ኢዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዓይነት ጾታዊ ርኽሰት ብምኹናን ዝመጸ ኣዝዩ ንጹር ኢዩ። (ሮሜ 1:26, 27, 32) ሎሚ መለኮታዊ ስርዓታት ኣብ ዓለም ብዝኸድካዮ ተናዒቑ ኢዩ ዘሎ። ፍሪኡኸ እንታይ ኢዩ፧ ሓዳር ይበታተን ኣሎ። ካብ ስነ-ስርዓት ወጻኢ ዝዀነ ጠባይ ይውስኽ ኣሎ። ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዓለም–ክተት ኰይኑ ዘሎ ብጾታ ዝመሓላለፍ ዘሰንክል ሕማማት ኣብ ኵሉ ይላባዕ ኢዩ ዘሎ። ብሓቂ: እዚ ዘፍርህ ሕማም ኤይድስ ዝያዳ ብጾታዊ ርኽሰት ኢዩ ዝላባዕ። እንተዀነ ግን: ንኣምላኽ ኣኽብሮት እተሓወሶ ፍርሃት ምርኣይ ንሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዕቝባ ከም ዝዀነ ኣየረጋገጸን ድዩ፧—2 ቈረንቶስ 7:1፣ ፊልጲ 2:12፣ ከምኡውን ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ርአ።
ሕጂ ንኣምላኽ ምፍራህ ዘምጽኦ ጥቕምታት
20. ካልኦት ነቲ ጽቡቕ ስም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝፈልጥዎ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
20 ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርህዎን ሕግታቱ ዝሕልዉን እዅል በረኸት ኣለዎም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቶም ብስነ-ምግባር ቅኑዓት ዝዀኑ ክርስትያናት ኣቢሎም ሰላም ዝመልኦ ሕውነት ምቛሞም ቀጻሊ ተፈላጥነት ይረኽቡ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ፍጻመ ርአ። ናይ ሓደ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ልኡኻት መሰኻኽር: ኣብ ሓደ ሆቴል ኣዕሪፎም ከለዉ ሓደ ምሸት መሰኻኽር ዘይኰኑ ካልኦት: እቲ ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ዝርርብ ክህቦም ተኣኪቦምሉ ነበሩ። ጕጅለ ኣኽበርቲ ጸጥታ ነቲ ፕረዚደንት ናብ መደያየቢት ከደይብዎ እናተጓየዩ ኸለዉ: ሓንቲ ምስክር ኣብታ መደያየቢት መን ከም ዘሎ ከይፈለጠት ስሉኽ ኢላ ኣተወት: እቶም ኣኽበርቲ ጸጥታ ኸኣ ኣዝዮም ሰምበዱ! እታ ምስክር እንታይ ከም ዝገበረት ምስ ተረድኣ: ጣልቃ ምእታዋ ይቕሬታ ሓተተት። ነታ ከም ሓንቲ ምስክር መጠን እተፍልጣ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ባጅ ኣርኣየቶም: ነቲ ፕረዚደንት እተስግእ ሰብ ከም ዘይኰነት ድማ ገለጸትሎም። ሓደ ካብቶም ሓለውቲ ፍሽኽ እናበለ “ኵሎም ሰባት ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተዝዀኑ ነይሮም: እዚ ዓይነት ሓለዋ እዚ ኣይመድለየናን ነይሩ” በለ።—ኢሳይያስ 2:2-4
21. እንታይ ስጕምቲ ዝውሰደሉ መገድታት ኢዩ ሎሚ ንሰባት ክፉት ዘሎ፧
21 የሆዋ ካብቲ ነዚ ኣገባብ እዚ መደምደምታ ዝገብረሉ ‘ዓቢ ጸበባ ዝወጹ’ ሕጂ ዝእክቦምን ዘዳልዎምን ዘሎ እዞም ዓይነት ሰባት እዚኣቶም ኢዮም። (ራእይ 7:9, 10, 14) ከምዚ ዝኣመሰለ ድሕነት ናይ ዕድል ጕዳይ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ምእንቲ ክድሕን: ንየሆዋ ክፈርሆ: ዝለዓለ ገዛኢ ምዃኑ ኣፍልጦ ክህበሉን ናብኡ ክውፈን ይግባእ። እቲ ሓቂ ግን: ብዙሓት ከምዚ ዝበለ ዕቝባ ከውህቦም ዝኽእል ዓይነት ፍርሂ ኣይክዅስኵሱን ኢዮም። (መዝሙር 2:1-6) ብመሰረት እቲ ኹሉ እተረኽበ መርትዖ: የሱስ ክርስቶስ እቲ ብየሆዋ እተመረጸ ገዛኢ ካብታ ጽንክርቲ ዓመት ናይ 1914 ኣትሒዙ ከም ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ሰባት ጥዑይ ፍርሂ የሆዋ ከማዕብሉን ከንጸባርቑን ተሪፍዎም ዘሎ ግዜ ብቕልጡፍ ይጽንቀቕ ምህላዉ ዘርኢ ኢዩ። ገና ግን ፈጣሪና ንውልቀሰባት: ነቶም ኣብ ዝለዓለ ቦታ ዘለዉ እውን ከይተረፈ ነቲ “እምበኣርሲ ኣቱም ነገስታት: ለብሙ: ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን: ተአረሙ። ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ: ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ። ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ: ከይዅሪ: ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ: ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም” ዝብል ጻውዒት ክምልስሉ ኣፍቂዱሎም ኣሎ።—መዝሙር 2:7-12
22. ነቶም ሕጂ ንኣምላኽ ዝፈርህዎ ዘለዉ መጻኢ ግዜ እንታይ ሒዙሎም ኣሎ፧
22 ንሕና ድማ ካብቶም ከም ዘናግፈና መጠን ንፈጣሪና ዝውድሱ ሰባት እንኸውን ይግበረና። እዚ ግን ሕጂ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ክንፈርሆ ዝሓተና ኢዩ! (ምስ መዝሙር 2:11፣ እብራውያን 12:28፣ 1 ጴጥሮስ 1:17 ኣነጻጽሮ።) ነቲ ጽድቃዊ ሕግታቱ ምምሃርን ምእዛዝን ክንቅጽል ኣሎና። የሆዋ ነቲ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ እከይ ጸራሪጉ ንሰብን ነዛ ምድራዊት ቤቱን ድማ ካብቲ ዝብክል ሳዕቤን ናይ ሓጢኣት ክፍውሶም ምስ ጀመረ: እቲ ኣብ ራእይ 15:3, 4 ተመዝጊቡ ዘሎ መዝሙር ሙሴን እቲ ገንሸልን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ኢዩ። ብድሕርዚ ብምሉእ ልብና ከምዚ ኢልና ክንዝምር ኢና:- “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ [ዘለኣለም ትሓዓ ]: መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ . . . ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧”
ትዝክሮዶ፧
◻ የሆዋ ጥዑይ ፍርህና ከነርእዮ ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ በቲ ኣምላኽ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፈጸሞ ተግባራት እንታይ ኢዩ እተገልጸ፧
◻ ካብቲ ንየሆዋ ዘሎና ኣኽብሮታዊ ፍርሂ እንታይ ጥቕምታት ኢዩ ዝርከብ፧
◻ እቶም ሕጂ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝፈርህዎ ዘለዉ እንታይ መጻኢ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧