ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/12 ገጽ 28-31
  • “እቲ ገንዘብ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እቲ ገንዘብ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥንታውያን እስራኤል ዝገደፍዎ ኣብነት
  • ሎሚ ዘሎ ዘድሊ ነገር
  • እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ኢዩ ዝውዕል፧
  • የሆዋ ዓስቢ ክህበካ ኢዩ
  • ‘በቲ ኽቡር ነገራትካ ንየሆዋ ኣኽብሮ’—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንየሆዋ እንህቦ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣብዚሕካ ምልጋስ ሓጐስ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብሕጉስ ልቢ ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/12 ገጽ 28-31

“እቲ ገንዘብ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ፧”

እቶም ነታ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር​—⁠እታ ብድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር” እትበሃል ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ዝረኣዩ ሰባት ተመሲጦም ኢዮም። ካብ እተፈላለየ ዓሌታትን መበቈልን ዝመጹ ውጁሃት ሰብኡትን ኣንስትን: ክስሕቁን ሰሚሮም ብሓንሳብ ክዓዩን ርእዮም ኢዮም። እቶም ኣሽሓት ሕጕሳት ሰራሕተኛታት ጥራይ ዘይኰኑስ እቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ማሕበር ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዓበይቲ ህንጻታትን ኣብ ዎልኪል: ኒው ዮርክ: ዘሎ ሕርሻኦምን እውን ንቈላሕታኦም ስሒብዎ ኢዩ። እታ ቪድዮ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻታት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ​—⁠ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዙሕ ሚልዮናት ጽሑፋት ከፍሪ ዝኽእል ቅልጡፍ ናይ ሕትመትን መጠረዝን መሳርሒታት: ምሉእ ናይ ኮምፒዩተር መሳርሒታት: ከምኡውን ብዙሕ ነቲ ናይ ሕትመት ዕዮ ደገፍ ዝህብ ኣገልግሎታት​—⁠ክርከብ ከም ዝኽእል ኢያ እተርኢ።

እዚ ብዙሕ ናይ ገንዘብ ወጻኢታት ከም ዝግበር ዘርኢ ኢዩ። ስለዚ ገሊኦም: “እቲ ገንዘብ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ፧” ብምባል ይሓቱ ኢዮም።

እቶም ነቲ ናይ ማሕበር ናይ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ዝበጽሑ ድማ ብተመሳሳሊ ይምሰጡ ኢዮም። ኣብኡ ንዝዓዩ ልዕሊ 3,000 ዝዀኑ ወለንተኛታት ኣገልገልቲ: ንመንበሪ ካብ ዝጠቕሙ ህንጻታት: ሓደ 30 ደርብታት ዘለዎ ሓድሽ መንበሪ ህንጻ ክርእዩ ክሳውዶም የንቃዕርሩ። ነቲ ካብ ብሩክሊን 110 ኪ.ሜ. ንሰሜን ርሒቑ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ምብጻሕውን ንብዙሓት የደንጽዎም ኢዩ። ጌና እናተሃንጸ ኸሎ: ን1,200 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ዝኸውን መንበሪ ኣለዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክልተ ናይ ሚስዮናውያን ክፍልታት ኣብኡ ሰልጢኖም ናብቲ እተመደብዎ ንወጻኢ ክለኣኹ ኢዮም። ነተን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዋ ልዕሊ 10,000 ዝዀና ጉባኤታት እውን መምርሒ ዝወሃበን ካብዚ ቦታ እዚ ኢዩ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከባ ብዙሓት ጨናፍር እውን ኣብዚ ዝሓለፈ ቐረባ ግዜ ንመሳለጥያታተን ኣስፊሐናኦ ኢየን ወይ ኣብ ምስፋሕ ይርከባ ኣለዋ። ንዅሉ እዚ ዕዮታት እዚ ንምፍጻም ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት ኢዩ። ሰባት: “እቲ ገንዘብ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ፧” ኢሎም ይሓቱ።

እቲ መልሲ: ካብ ከማና ዝኣመሰሉ ተራ ውልቀ⁠-​ሰባት ይመጽእ: ዝብል ኢዩ። ንሳቶም ኣብ ምልእቲ ዓለም ዝርከቡ: ነቲ ናይ ክርስትያን ናይ ስብከትን ትምህርትን ኣገዳሲ ዕዮ ንምስፋሕ ዝከኣሎም ኵሉ ንምግባር ዝብህጉ: ሰባት ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ፍቓደኛ መንፈስ ብዘይ ቅድመ-ፍጻሜ ኣይኰነን።

ጥንታውያን እስራኤል ዝገደፍዎ ኣብነት

ልዕሊ 3,500 ዓመታት ይገብር: ለጋስ ወፈያታት ክግበር ኣድልዩ ነበረ። የሆዋ ኣብ ኣምልኾኡ ንኽጥቀሙሉ ማሕደር: ወይ “ድንኳን ምርኻብ:” ክሃንጽ ንሙሴ ኣዚዝዎ ነበረ። እዚ ብመለኮታዊ መገዲ እተዋህበ ንድፊ ብዙሕ ዝዓይነቱ ክቡር ኣቕሑ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ከምዚ ኢሉ ኣዘዘ:- “ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ።” (ዘጸኣት 35:​4-9) እቲ ህዝቢ ብኸመይ መለሸ፧ እቲ ጸብጻብ “ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ: ኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽኤ” ብምባል ይነግረና። እዚ ‘ናይ ፍታው ህያብ’ በብቕሩብ እናዓበየ ስለ ዝኸደ “ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝአዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ” ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 35:​21-29፣ 36:​3-5) እቲ ህዝቢ ከመይ ዝበለ ስስዐ ዘይብሉ: ለጋስ መንፈስ ኰን ኢዩ ዘርኣየ!

ጸኒሑ ድማ 500 ዓመታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ካብ እስራኤላውያን እንደገና ለጋስ ወፈያ ተደልዩ ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ንየሆዋ ዝኸውን ቀዋሚ ቤት ንምህናጽ ዝነበረ ናይ ዳዊት ባህጊ ብወዱ ሰሎሞን ኣብ ግብሪ ክውዕል ነበሮ። ዳዊት ባዕሉ ናይቲ ዘድሊ ዝነበረ ዓቢ ክፋል: ኣኪቡን ኣበርኪቱን ኢዩ። ዳዊት “[ንየሆዋ ህያብ ትሓዓ ]” ከምጽኡ ጻውዒት ምስ ገበረ: ካልኦት ድማ ሓበሩ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ “ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ስለ ዝሀብዎ: እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሐጐሰ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሰ።” (1 ዜና መዋእል 22:14፣ 29:​3-9) እቲ ወርቅን ብሩርን ጥራይ በዚ ሕጂ ዘሎ ዋጋ 50 ቢልዮን ዶላር ኣቢሉ ምዀነ ነይሩ!​—⁠2 ዜና መዋእል 5:⁠1

ካብዚ ኣብነታት እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ንኽህብ ከም ዘይተገደደ ኢና እንርኢ። ብንጹር: ናይ “ፍታው” ከምኡውን “ብፍጹም ልቢ” እተዋህበ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ በቲ ብምሉእ ልቢ ዝብርከት ጥራይ ኢዩ ዝሕጐስ። ብተመሳሳሊ: ነቶም ስኡናት ክርስትያናት ንምሕጋዝ ገንዘብ ክዋጻእ ምስ ተደልየ: ሃዋርያ ጳውሎስ “[ብሓይሊ ትሓዓ ]” ኸይከውን ጸሓፈሎም። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ:” ብምባል ከኣ ወሰኸ።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:​5, 7

ሎሚ ዘሎ ዘድሊ ነገር

ሎሚኸ ወፈያታት የድሊ ድዩ፧ ብርግጽ የድሊ: እኳ ድኣ ምስ ምቕጻል ግዜስ ዝያዳ እውን ከድሊ ኢዩ። ስለምንታይ፧

ክርስትያናት ነዚ ግዜ መወዳእታ ዝኸውን ንጹር መምርሒ ተዋሂቦም ኢዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቂ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም።​—⁠ማቴዎስ 28:​19, 20

ናብ “መወዳእታ ኣገባብ” እናቐረብና ብዝኸድና መጠን: ነዚ ዓቢ ናይ ትምህርትን ስብከትን ዕዮ ምፍጻም: ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ዝሓትት ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምብጻሕ ዘጠቓለለ ስለ ዝዀነ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) መብዛሕትኦም ሰባት: ከምቲ እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣይሁድ ዝነበርዎ: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ፍልጠት የብሎምን። ብሓቂ እኳ ድኣ: ብዝሕ ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ተቐማጦ ምድሪ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ የብሎምን: ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ድማ ኣይርእይዎን ኢዮም። ዝሰብኩ ሰባት ክለማመዱን ናብ ርሑቕ ሃገራት ድማ ክለኣኹን ኣለዎም። (ሮሜ 10:​13-15) ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እቱው ዝኸውን ናይ ቋንቋታት ቍጽሪ እሞ ሕሰብ! እቶም እተሰብከሎም ድማ ብቛንቋኦም መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋትን ከንብቡን ከጽንዑን ከድልዮም ኢዩ። ንዅሎም ብሜላ ንምብጻሕ ንኻልኦት ክሕ​ግዙ ምእንቲ ክኽእሉ ድማ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ንምዕባዮም ልዑል ደረጃ ምምሕዳር ይደሊ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:⁠2

የሱስ እዚ “ወንጌል መንግስቲ” መጀመርታ ግድን “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ ነዚ ኣድላዪ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ዝከኣለና ኵሉ እንውፍየሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ስጋዊ ሃብቲ ዋጋ ዘይብሉ ቅድሚ ምዃኑ ገንዘብና ኣብዚ ዕዮ እዚ ብዝበለጸ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 7:19፣ ሉቃስ 16:⁠9

እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ኢዩ ዝውዕል፧

ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብልዕሊ 230 ዝኸውን ቋንቋታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ትሓትም: ከምኡውን ንዕዉራት ዝኸውን ብረይልን ብናይ ምልክት ቋንቋ ድማ ንጸማማት ዝኸውን ቪድዮን ተዳሉ። ነዚ ንምግባር ከኣ ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ናይ ተርጐምትን ኣረምትን ጕጅለታት ይደሊ ኢዩ። ነዚ ዅሉ ስራሕ ክትዓዪ: ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብ121 ቋንቋታት ካብዚ ድማ 101 ቋንቋታት ብሓደ ግዜ ዝሕተም መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ክትሓስብ ከሎኻ ዘደንቕ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ሓደ ዓይነት ሓበሬታ ክረኽቡን ከንብቡን ምእንቲ ክኽእሉ እዚ ኣድላዪ ኢዩ። ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብጽሑፍ መልክዕ ወይ ብድምጺ ወይ ብቪድዮ መሊእካ ንምድላው ዝጠቅም ናይ ወረቐትን ካልእ ነገራትን ዋጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኢዩ ዝውስኽ። እዚ ወጻኢታት እዚ በቲ ካብ ኣሕዋት ዝርከብ ህያባት ገይርካ ክኽፈል ኣለዎ።

እቲ ናይ ስብከትን ትምህርትን ዕዮ ኣብቲ በተን ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘለዋ ልዕሊ 75,000 ዝዀና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት እተሸፈነ ዞባታት ኢዩ ዝግበር። ሕብረት ንኽህልዎምን ክተባብዑን ተባሂሉ: እተለማመዱ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኣብ ዓመት ዳርጋ ክልተ ግዜ ይበጽሕወን። ኣሰምብሊታት እውን መምርሒታት ኣብ ምምሕልላፍ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ነቶም ንእምነት ኣዝዮም ዘበራ⁠ትዑ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝኸውን መሳለጥያታት ብኽራይ ክርከብ ኣለዎ። ወፈያታትካ ነዚ ዕላማ እዚ እውን ኢዩ ዝጠቅም።

ሽሕ’ኳ ኣሰምብሊታት ብሓፈሻኡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ጥራይ ዝግበር እንተዀነ: ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ሓሙሽተ ሰሙናዊ ኣኼባታት ክገብራ ይእከባ ኢየን። (ምስ ዘጸኣት 34:​23, 24 ኣረኣእዮ።) ዋሕዚ ናይቶም ነቲ ብስራት ዝምልስሉ ዘለዉ ሓደስቲ ሰባት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓደስቲ ጉባኤታት ምውሳኽ ማለት ኢዩ። ብሓገዝ ናይቲ ብመልክዕ ለቓሕ ካብ ማሕበር ዝወሃብ ሚልዮናት ዶላራት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣማእታት ሓደስቲ ጉባኤታት ይህነጻ: ብዙሓት ካልኦት ድማ ይሕደሳን ይሰፍሓን ኢየን። ሽሕ’ኳ እዚ ብተደጋጋሚ እትጥቀመሉ ዝዘውር ገንዘብ እንተዀነ: እቲ ዝድለ ነገራት ግን ይውስኽ ኢዩ ዘሎ።

ዘይተሓስበ ዕብየት እተራእየሉ ሓደ ከባቢ: ኣብተን ግዝኣት ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበራ ሃገራት ምብራቅ ኤውሮጳ ኢዩ። ኣብዚ ቦታታት እዚ እቲ ዕዮ ከም እተኸፍተ ዝነግር ቀጻሊ ዝዀነ ዜና ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ ነይሩ! ሕጂ ሚስዮናውያን ናብ ብዙሓት ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ይለኣኹ ኣለዉ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ሓደስቲ ጨናፍር ብምቛሙ: ንቝጽሪ ናይቶም ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከብ ናይ ቤትኤል ስድራቤት ዘቝሙ ወለንተኛታት ኣገልገልቲ ናብ ልዕሊ 15,000 ከም ዝውስኽ ገይርዎ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ንዕኦም መንበሪ ዝኸውን ናይ ጨንፈር ህንጻታት ክዕደግ ወይ ክህነጽ ኣለዎ። ወፈያታትካ ነዚ ድልየት እዚ ንምምላእ ይሕግዝ ኢዩ።

እዚ ዅሉ ዕዮ ብሰይጣንን ኣጋንንቱን ከይተስተብሃለሉ ዝሓልፍ ኣይኰነን። ነቲ ናይቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ጻዕሪ ከሰናኽልዎ ወይ ግድላት ክፈጥርሎም ዝከኣሎም ኵሉ ኢዮም ዝጽዕሩ። (ራእይ 12:17) እዚ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክሰብኩን ምስቲ ጻድቕ ሕግታቱ ተሰማሚዖም ክነብሩን ዘለዎም መሰል ንምጥባቕ ሕጋዊ ቃልስታት ናይ ምግባር ጾር ዝውስኽ ኢዩ። ብተወሳኺ: እዚ ኣብ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዘሎ ናይ ውግእ መቕዘፍቲ: ከምኡውን ባህርያዊ ሓደጋታት: ነቶም እተሃስዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካልኦት ምስኦም ዘለዉን ምእንቲ ክኸውን ናይ ረድኤት ምድላዋት ምግባር ማለት ኢዩ። ወፈያታትካ ነዚ ኣገዳሲ ሓገዝ እዚ እውን ይድግፍ ኢዩ።

የሆዋ ዓስቢ ክህበካ ኢዩ

ንዕዮ ጐይታ ምእንቲ ከነዕቢ ግዜናን ገንዘብናን ብልግሲ ምጥቃም ዓበይቲ በረኸታት የምጽእ ኢዩ። ብኸመይ፧ ምኽንያቱ: እቲ ኵሉ ነገራት ናቱ ዝዀነ ኣምላኽ: ዓስቢ ክህበና ኢዩ። ምሳሌ 11:25 ከምዚ ትብል:- “ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ: እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።” ኣምልኾኡ ንምስፋሕ ግዴና ምስ እንገብር የሆዋ ብርግጽ ይሕጐስ ኢዩ። (እብራውያን 13:​15, 16) ንሱ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን ዝድለ ዝነበረ ወፈያታት ዘምጽኡ ጥንታውያን እስራኤል “ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም: በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም: በዚ ተዐዘቡኒ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ኢሉ ተመባጺዕሎም ኢዩ። (ሚልክያስ 3:10) እዚ ሎሚ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ብልጽግና ኣምላኽ መብጽዕኡ ከም ዝሕሉ ኢዩ ዘረጋግጽ።

እዚ ንዅሎም ሰባት መዓልቲ ድሕነት ናይ ምእዋጅን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ድማ ነታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ክረኽቡ ናይ ምሕጋዝን ዓቢ ዕዮ ንዘለኣለም ዝቕጽል ኣይኰነን። (ማቴዎስ 7:14፣ 2 ቈረንቶስ 6:⁠2) ይኹን እምበር: ኵሎም ናይ ጐይታ “ካልኦት ኣባጊዕ” ክእከቡ ኣለዎም። (ዮሃንስ 10:16) ነቲ ብድሆ እቲ ሎሚ ምግጣም ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ኰን ኢዩ! ካብታ ናይ ጽድቂ ሓዳስ ዓለም ንድሕሪት ምልስ ኢልና ‘ኣብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ምእካብ ዕዮ ምሉእ ግደ ነይሩኒ ኢዩ’ ኢልና ብምዝካር ነፍሲ ወከፍና ክሳዕ ክንደይ ክንሕጐስ ኰን ኢና!​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

[ኣብ ገጽ 30, 31 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኦም ነቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ወፈያታት ከም ዝገብሩ

ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት:- ብዙሓት ኣብቲ “ነቲ ናይ ማሕበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት​—⁠ማቴዎስ 24:14” ዝብል እተጻሕፎ ሳጹናት ዘቐምጥዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ። ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ወይ ናብቲ ናይቲ ከባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ።

ህያባት:- ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ ናብ Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483: ኢልካ ክለኣኽ ወይ በቲ ኣብ ሃገርካ ዘገልግል ናይ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ክስደድ ይከኣል ኢዩ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብግልጺ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።

ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ:- እቲ ለጋሲ ሰብ ክሳዕ ዝመውት ብሕድሪ መልክዕ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ: ንብሕቲ ጕዳይ ምስ ዝድለ ድማ ናብቲ ለጋሲ ይምለስ።

ኢንሹራንስ:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት ኢንሹራንስ ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ገይርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ማሕበር ከምዚ ዝበለ ዝዀነ ዓይነት መደብ ምስ ዝግበር ክትንገር ኣለዋ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ: ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ብሓደራ ክቕመጥ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝኽፈል ምዃኑ ብምግላጽ ክወሃባ ይከኣል ኢዩ። ማሕበር ከምዚ ዝበለ ዝዀነ ዓይነት መደባት ምስ ዝግበር ክትንገር ኣለዋ።

ኣክሲዮናትን ናይ ልቃሕ ሰነዳትን:- ኣክሲዮናትን ናይ ልቃሕ ሰነዳትን ብመልክዕ ግልጺ እተዋህበ ህያብ ወይ ድማ እቲ እቶት ነቲ ለጋሲ ምኽፋል ዝቕጽለሉ መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት ብግልጺ እተዋህበ ህያብ ወይ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ክሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ሓደ ሰብ ናይ ዝዀነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ናይ ስምምዕ ሰነድ ቅድሚ ምግባሩ ምስ ማሕበር ክራኸብ ኣለዎ።

ኑዛዜን ሕድርን:- ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ብዘለዎ ኑዛዜ ገይርካ ከተውርሳ ይከኣል ኢዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዘገልግል ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ናይቲ ኑዛዜ ወይ ሕድሪ ስምምዕ ቅዳሕ ናብ ማሕበር ክለኣኽ ኣለዎ።

ብመደብ ዝግበር ምሃብ:- ማሕበር “ብመደብ ዝግበር ምሃብ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ: ብቛንቋ እንግሊዝኛ ብሮሹር ኣዳልያ ኣላ። እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ: ንማሕበር ሕጂ ፍሉይ ህያብ ክህቡ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ከውርሱ ዝምድቡ ሰባት ነዚ ሓበሬታ እዚ ሓጋዚ ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ብፍላይ ናይ ስድራቤት ሸቶ ክፍጽሙ ወይ ናይ ንብረት መደብ ክገብሩ ከለዉ: ነቲ ንውርሻ ወይ ድማ ንህያብ ዝኽፈል ቀረጽ ብሕጋዊ መገዲ ከም ዝጐድል ክገብርዎ ምስ ዝደልዩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ንዝዀነ ጕዳያት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: Treasurer’s Office, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ: ወይ ናብቲ ኣብ ሃገርካ ዘገልግል ናይ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ጽሓፍ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ