ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/11 ገጽ 28-31
  • ንየሆዋ እንህቦ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ እንህቦ ስለምንታይ ኢና፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣገዳሲ ክፍሊ
  • ስለምንታይ ከም እንህብ
  • ናይ ምሃብ መንፈስ ብምርኣይ ዝርከብ በረኸት
  • ‘በቲ ኽቡር ነገራትካ ንየሆዋ ኣኽብሮ’—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “እቲ ገንዘብ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ፧”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ልግሲ ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/11 ገጽ 28-31

ንየሆዋ እንህቦ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ሓንቲ ንእሽቱ ኣብ ሲዶና እትርከብ ሰራጵታ እትብሃል ንእሽቶ ከተማ ጸሓይ መራር ኣብ ዝነበረትሉ ሰዓታት ሓንቲ መበለት ዕንጨይቲ ትኣሪ ነበረት። ንሳን ንእሽቶ ወዳን ምናልባት ንመወዳእታ ግዜ ዝበልዕዎ ሒደት መግቢ እተብስለሉ ሓዊ ክትኣጕድ ደለየት። ንሳን ወዳን ኣብቲ ዝነበረ ናይ ነዊሕ ግዜ ደርቅን ጥሜትን ብህይወት ምእንቲ ክነብሩ ተቓሊሳ ኢያ: ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብዚ ሕማቕ ኵነታት በጽሐት። ኣብ ዓጸባ ኢዮም ወዲቖም ነይሮም።

ሓደ ሰብኣይ ናብኣ ቅርብ በለ። ስሙ ድማ ኤልያስ ነበረ: እታ መበለት ከኣ ናይ የሆዋ ነብዪ ምዃኑ ቀልጢፋ ተረድአት። ብዛዕባ እዚ ኣምላኽ እዚ ሰሚዓ ዝነበረት ኢያ እትመስል። የሆዋ ካብቲ ኣብ ዓዳ ማለት ኣብ ሲዶና ዝነበረ በዓል እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። በዓል: ኣምልኾኡ ጭከና ዝመልኦን ብልሹውን ኣብ ኵሉ ኸኣ ልሙድን ነበረ። ስለዚ ኤልያስ ማይ ክትህቦ ምስ ሓተታ: ንኽትህቦ ቅርብቲ ኢያ ነይራ። ምናልባት ከምኡ ምግባራ ስምረት የሆዋ ከም ዘውህባ ተሰሚዕዋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 10:41, 42) ድሕርዚ ግን ኤልያስ ንእሽቶ መግቢ ክትህቦ እውን ሓተታ። ንመወዳእታ ግዜ ዝበልዕዎ መግቢ ጥራይ ከም ዘለዋ ገለጸትሉ። ኤልያስ ግን ልመናኡ ኣየቋረጸን: የሆዋ እቲ ድርቂ ክሳዕ ዝውዳእ ከጻንሖም ዝኽእል መግቢ ከዳልወሎም ምዃኑ ኣረጋገጸላ። እንታይከ ገበረት፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት” ይብለና። (1 ነገስት 17:10-​15) እዚ ብቐሊሉ ክትርድኦ እትኽእል ቃላት: ዓቢ እምነት ዝገልጽ ተግባር ኢዩ! ብሓቂ ዓቢ ብምዃኑ’ኳ የሱስ ክርስቶስ ነዛ መበለት እዚኣ ዳርጋ ሓደ ሽሕ ዓመታት ጸኒሑ ወዲስዋ ኢዩ።​—ሉቃስ 4:​25, 26

እንተዀነ ግን የሆዋ ካብ ሓንቲ ድኻ ሰበይቲ ብዙሕ ምሕታቱ ዘይትጽበዮ ነገር መሲሉ ይርአ ይኸውን። እዚ ብፍላይ ከምኡ ክመስለና ዝኽእለሉ ምኽንያት ከኣ ሓደ እዋን ሓደ ኣዝዩ ውሩይ ዝዀነ ሰብኣይ ዘቕረቦ ጸሎት ክንሓስብ ከሎና ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ወዱ ሰሎሞን ኣብ ምህናጽ ቤተ-መቕደስ ምእንቲ ክጥቀመሉ ኢሉ ውጽኢታት ምእካቡ: ዓቢ ልግሲ ንኽግበር ኣተባቢዑ ኢዩ። በዚ ሎሚ ዘሎ ገንዘብ ክግመት ከሎ: እቲ እተዋጽአ ህያባት ቢልዮናት ዶላራት ኢዩ ዝኸውን! ይኹን እምበር: ዳዊት ንየሆዋ ብጸሎት “ከምዚ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ: ኵሉ ኻባኻ ደኣ እዩ: ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ: ኣነ መን እየ፧ እዞም ህዝብይከ እንታይ እዮም፧” በሎ። (1 ዜና መዋእል 29:14) ከምቲ ዳዊት ዝበሎ ኵሉ ናይ የሆዋ ኢዩ። በዚ ኸኣ ጽሩይ ኣምልኾ ከነደንፍዕ ኢልና ምስ እንህብ: ንየሆዋ ነቲ ድሮ ናቱ ዝዀነ ኢና እንህቦ ዘሎና። (መዝሙር 50:10) ስለዚ እምበኣር: የሆዋ ብቐዳማይ ደረጃ ክንህብ ዝደልየና ስለምንታይ ኢዩ፧ ዝብል ሕቶ ይለዓል።

ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣገዳሲ ክፍሊ

እቲ ዝቐለለ መልሲ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ቅድም ኣትሒዙ: ምሃብ ናይ ጽሩይ ኣምልኾ ኣገዳሲ ክፍሊ ገይርዎ ስለ ዝጸንሐ ኢዩ። እቲ እሙን ሰብኣይ ኣቤል ገለ ካብተን ክቡራት ጥሪቱ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕሪቡሉ ኢዩ። ከም እኒ ኖህ: ኣብርሃም: ይስሃቕ: ያእቆብ: ከምኡውን እዮብ ዝኣመሰሉ ርእሲ ኣቦታት እውን ተመሳሳሊ መስዋእትታት ኣቕሪቦም ኢዮም።​—ዘፍጥረት 4:4፣ 8:​20፣ 12:7፣ 26:25፣ 31:54፣ እዮብ 1:5

ሕጊ ሙሴ ንየሆዋ ውጽኢታት ብዛዕባ ምሃብ ኣዚዙ: ናይ ኣወሃህባ ስርዓት እውን ከይተረፈ ኣውጺኡ ኢዩ። ንኣብነት: ኵሎም እስራኤላውያን ዕሽር ወይ ካብ ፍረ ምድሮምን ካብተን ዝስስና ዝነበራ ጥሪቶምን ዓስራይ ኣፍ ክህቡ ተኣዚዞም ነበሩ። (ዘሁልቍ 18:25-​28) እቲ ካልእ ውጽኢታት ግን ብጽኑዕ እተሰርዐ ኣይነበረን። ንኣብነት: ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ካብ ፍርያቱን ጥሪቱን ንየሆዋ በዅራት ክህብ ይሕተት ነበረ። (ዘጸኣት 22:⁠29, 30፣ 23:⁠19) ይኹን እምበር: እቲ ውልቀ-ሰብ ካብቲ ዝበለጸ ጥራይ ድኣ ይሃብ እምበር: ካብቲ በዅሪ ፍርያቱ ክንደይ ዝኣክል ክህብ ከም ዘለዎ እቲ ሕጊ ናብኡ ኢዩ ገዲፍዎ። እቲ ሕጊ ነቲ ምሉእ ብምሉእ ብፍታው ዝግበር ዝነበረ ናይ ምስጋናን ናይ መብጽዓን ህያባት እውን ኣቚሙ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 7:​15, 16) የሆዋ ንህዝቡ ብመጠን እቲ ዝባረኾም: ህያባት ክህቡ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። (ዘዳግም 16:⁠17) እቲ ማሕደር ጸኒሑ ኸኣ እቲ ቤት መቕደስ ክህነጽ ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደረኾ ኢዩ ሂቡ። (ዘጸኣት 35:⁠21፣ 1 ዜና መዋእል 29:⁠9) ከምዚ ዝኣመሰለ ብፍታው ዝግበር ውጽኢታት ንየሆዋ ኣዝዩ ከም ዘሐጕሶ እተረጋገጸ ኢዩ!

ኣብ ትሕቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ኵሉ እቲ ዝግበር ህያባት ብፍታው ክኸውን ነበሮ። (ገላትያ 6:2፣ 2 ቈረንቶስ 9:7) እዚ ክበሃል ከሎ ግን ሰዓብቲ ክርስቶስ ምሃብ ኣቋሪጾም ወይ ከኣ ሒደት ሂቦም ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ኢዩ ዝነበረ! የሱስን ሃዋርያቱን ኣብ እስራኤል ምስ ሰበኹ: ሓያሎ ኣንስቲ ሰዓብኦም ብገንዘበን ድማ ኣገልገላኦም። (ሉቃስ 8:⁠1-3) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ: ነቲ ናይ ሚስዮናዊ ዕዮኡ ዝድግፍ ህያባት ተቐቢሉ ኢዩ: ንሱውን ብወገኑ ንገለ ጉባኤታት ንኻልኦት ኣብቲ ዘድልዮም እዋናት ብገንዘብ ክሕግዛኦም ኣተባቢዕወን ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 8:⁠14፣ ፊልጲ 1:⁠3-5 NW) እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል: እቲ እተኣከበ ውጽኢታት ነቶም ዘድልዮም ሰባት ምብጽሑ ዘረጋግጹ ሓላፍነት እተሰከሙ ሰብኡት መደበ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:​2-4) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንጽሩይ ኣምልኾ በዚ መገዲ እዚ ክድግፉ መሰል ገይሮም ከም ዝረኣይዎ ንጹር ኢዩ።

እንተዀነ ግን የሆዋ ንምሃብ ክፍሊ ናይ ኣምልኾ ከም ዝኸውን ዝገበሮ ስለምንታይ ኢዩ ብምባል ንግረም ንኸውን። ኣርባዕተ ምኽንያታት ንመርምር።

ስለምንታይ ከም እንህብ

ቀዳማይ: የሆዋ ንምሃብ ክፍሊ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝገበረሉ ምኽንያት ከምኡ ምግባር ንሰናይና ስለ ዝዀነ ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ሰናይ ምዃኑ ዘሎና ሞሳ ኣጸቢቑ ዘርኢ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ቘልዓ ንሓደ ወላዲ ሓደ ህያብ ምስ ዝገዝኣሉ ወይ ምስ ዝህቦ: እቲ ወላዲ ተሓጒሱ ፍሽኽ ዝብል ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ህያብሲ ነቲ ወላዲ ብዘይ ብእኡ ክዀነሉ ዘይክእል ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ዘማልኣሉ ድዩ፧ ከምኡ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን: እቲ ወላዲ ውላዱ ናይ ሞሳን ናይ ምሃብን መንፈስ ከማዕብል ክርእዮ ባህ ስለ ዝብሎ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ምኽንያት ከኣ ኢዩ የሆዋ ክንህብ ዘተባብዓና: ክንህብ ከሎና ኸኣ ይሕጐስ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢና ንዅሉ እቲ ደረት ዘይብሉ ሕያውነቱን ልግሱን ብሓቂ ከም ዘማሰናሉ ከነርእዮ እንኽእል። ንሱ ወሃቢ ናይ ኵሉ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን እዩ:” ስለዚ ንዕኡ ካብ ምምስጋን ፈጺምና ድሕር እንብለሉ ምኽንያት የብልናን። (ያእቆብ 1:​17) ልዕሊ ዅሉ ድማ: የሆዋ ንዘለኣለም ምእንቲ ክንነብር ኢሉ ነቲ ፍቑር ወዱ ኣብ ክንዳና ክመውት ፍቓደኛ ብምዃን ሂቡና ኢዩ። (ዮሃንስ 3:​16) ብሓቂዶ እኹል ምስጋና ክንህቦ ንኽእል ኢና፧

ካልኣይ: ናይ ምሃብ ልምዲ እንተድኣ ኣጥሪና: ብእኡ ኣቢልና ንየሆዋን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ብዝበለጸ መገዲ ምቕድሖም ክንማሃር ኢና። የሆዋ ብዘይምቍራጽ ኢዩ ዝህብ: እወ ብዘይምቍራጽ ለጋስ ኢዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ: “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን” ሂቡና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:25) በቲ እነስተንፍሶ ኣየር: እነስተማቕሮ ዝዀነ ይኹን መግቢ: በቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ዘሐጕስን ዘዕግብን ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ከነመስግኖ ግቡእ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠17) የሱስ: ከም ኣቦኡ ናይ ምሃብ መንፈስ ኣርእዩ ኢዩ። ንገዛእ ርእሱ ብልግሲ ሂቡና ኢዩ። የሱስ ትእምርትታት ክገብር ከሎ: ካብ ገዛእ ርእሱ ገለ ነገር የጕድል ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ዝኸውን: ሕሙማት ሰባት ምስ ኣሕወየ: ሓይሊ ‘ካብኡ ወጸ’ ይብለና። (ሉቃስ 6:⁠19፣ 8:⁠45, 46) የሱስ ኣዝዩ ለጋስ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ገዛእ ነፍሱ: ማለት ህይወቱ እውን ከይተረፈ ክሳዕ ንሞት ዝኣክል ሂቡ ኢዩ።​—ኢሳይያስ 53:12

ስለዚ እምበኣር ግዜና: ሓይልና: ወይ ጥሪትና ክንህብ ከሎና ንየሆዋ ንቐድሖ ንልቡ ኸኣ ነሐጕሶ። (ምሳሌ 27:11፣ ኤፌሶን 5:1) ንጠባይ ወድሰብ ፍጹም ኣብነት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝገደፈልና ኣርኣያ እውን ንስዕብ።​—1 ጴጥሮስ 2:​21

ሳልሳይ: ምሃብ ናይ ሓቅን ኣገዳስን ድልየታት የማልእ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: የሆዋ ከምቲ ንቓሉ ክንሰብኽ ብኣና ኣብ ክንዲ ዝጥቀም ብኣእማን ክጥቀም ዝኽእል ከምኡ ድማ ብዘይ ናትና ሓገዝ ንረብሓታት እታ መንግስቲ ዘድሊ ነገራት ብቐሊሉ ከማልኦ ይኽእል ኢዩ። (ሉቃስ 19:⁠40) እንተዀነ ግን በዚ መሰላት እዚ ገይሩ ከኽብረና መረጸ። ስለዚ እምበኣር ጥሪትና ነቲ ናይታ መንግስቲ ረብሓታት ንምድንፋዕ ንጥቀመሉ እንተድኣ ኴንና: ኣብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፍጸም ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ናይ ሓቂ እጃም ነበርክት ከም ዘሎና ብምፍላጥና ዓቢ ዕግበት ክንረክብ ኢና።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምክያድ ገንዘብ ከም ዘድሊ ፍሉጥ ኢዩ። ማሕበር ኣብቲ ናይ 1995 ዓመት ኣገልግሎት: ንፍሉያት ፓይነራት: ሚስዮናውያን: ከምኡውን ገየሽቲ ተዓዘብቲ ነቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት መደቦም ዝሕግዞም: ዳርጋ 60 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ኣውጺኣ ኢያ። ይኹን እምበር: እዚ ምስቲ ንጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈትን ንናይ ሕትመት መሳለጥያታት ዝኸውን ህንጻታትን መተዓየዪታትን ዝወጽእ ወጻኢታት ብተዛማዲ ክርአ ከሎ ሒደት ኢዩ። ጌና ግን: ኵሉ እዚ ብፍታው ካብ እተዋህበ ውጽኢታት ኢዩ ክርከብ ተኻኢሉ!

ህዝቢ የሆዋ: ኣብ ሽግር እንተድኣ ወዲቖም: ነቲ ጾር ካልኦት ክስከሙሎም ጥራይ ኣይጽበዩን ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ: ነዚ ናይ ኣምልኾና መዳይ እዚ ዕላምኡ ንኽንስሕቶ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዝበሎ መሰረት: እቶም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ጥልቂ ብዝዀነ ድኽነት’ ይሳቐዩ ነይሮም ኢዮም። ጌና ግን: ነቲ ናይ ምሃብ መሰል ክጥቀሙሉ ለሚኖም ኢዮም። ጳውሎስ ከም ዝመስከሮ ድማ: እቲ ዝሃብዎ ህያብ ‘ሓለፋ ዓቕሞም’ ኢዩ ነይሩ!​—2 ቈረንቶስ 8:​1-4

ራብዓይ: ምሃብ ሕጕሳት ክንከውን ስለ ዝሕግዘና: የሆዋ ንምሃብ ክፍሊ ሓቀኛ ኣምልኾ ገይርዎ ኢዩ። የሱስ እውን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ:” NW ]” ኢሉ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) የሆዋ ከምኡ ገይሩ ኢዩ ሰሪሑና። እዚ: ጌና ዝሃብና እንተሃብናዮ: ነቲ ንዕኡ ዘሎና ልባዊ ሞሳ ስለምንታይ ክንትክኦ ከም ዘይንኽእል ኰይኑ ከም ዝስምዓና ዝገልጽ ካልእ ምኽንያት ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን: የሆዋ ካብቲ ክንህቦ እንኽእል ንላዕሊ ኣይጽበየናን ኢዩ። ነቲ ክንህቦ እንኽእል ብሓጐስ እንተድኣ ሂብናዮ ከም ዝሕጐስ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና!​—2 ቈረንቶስ 8:​12፣ 9:7

ናይ ምሃብ መንፈስ ብምርኣይ ዝርከብ በረኸት

ናብቲ ናይ መጀመርታ ኣብነትና ንመለስ እሞ: እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ንኤልያስ ዘድልዮ መግቢ ካልእ ሰብ ክሓልየሉ ኢዩ ዝብል ምኽንያት ሂባ ኢልና ንሕሰብ። ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን መምለጣ ነይሩ!

የሆዋ ነቶም ናይ ምሃብ መንፈስ ዘርእዩ ከም ዝባርኾም ኣየተሓትትን ኢዩ። (ምሳሌ 11:25) እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ነቲ ናይ መወዳእታ መግባ ኢላ ዝሓሰበቶ ብምሃባ ኣይተሸገረትን። የሆዋ ብተኣምራት ገይሩ ዓስባ ሂብዋ ኢዩ። ከምቲ ኤልያስ እተመባጽዖ ኸኣ እቲ ደርቂ ክሳዕ ዝሓልፍ እቲ መትሓዝ ሓርጫን ዘይታን ኣይተወደአን። አረ ዝዓበየ ዓስቢውን ረኺባ ኢያ። ወዳ ሓሚሙ ምስ ሞተ: ኤልያስ እቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ሰብ ናብ ህይወት መለሰላ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብመንፈስ ሃኒጽዋ ክኸውን ዝኽእል!​—⁠1 ነገስት 17:⁠16-⁠24

ሎሚ ብተኣምራት ክንባረኽ ኣይንጽበን ኢና። (1 ቈረንቶስ 13:⁠8) እንተዀነ ግን የሆዋ ነቶም ብምሉእ ነፍሶም ዘገልግልዎ ከናብሮም ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:​33) ስለዚ እምበኣር የሆዋ ከም ዝሓልየልና እምንቶ ኣሕዲርና ብልግሲ ብምሃብ: ከምታ ኣብ ሰራጵታ ዘላ መበለት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ: ንሕናውን ዓቢ መንፈሳዊ ዓስቢ ከነስተማቕር ንኽእል ኢና። እቲ ምሃብና ሓሓሊፉ ወይ ከኣ ሃንደበታዊ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ስርዓታዊ ልማድ ኰይኑ ምስ ዝርከብ ኣዒንትና ከምቲ የሱስ እተላበወና ናብ ረብሓታት እታ መንግስቲ ከም ዘተኵራ ክንገብረን ኢና። (ሉቃስ 11:34፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 16:​1, 2 ኣረኣእዮ።) ከም መተዓይይቶም መጠን ናብ የሆዋን የሱስን ዝያዳ ዝቐረብና ኰይኑ ከም ዝስምዓና ብምግባር ክሕግዘና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠9) ነቲ ድሮ መለለዪ ናይቶም ዓለምለኻዊ ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀነ ለጋስ ናይ ምሃብ መንፈስ ከኣ ከሰስኖ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኦም ህያብ ንምሃብ ዝመርጽሉ መገድታት

ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት

ብዙሓት ኣብቲ “ነቲ ናይ ማሕበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት—ማቴዎስ 24:14” ዝብል እተጻሕፎ ሳጹናት ዘቐምጥዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ። ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ወይ ናብቲ ናይቲ ከባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ።

ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ ናብ Treasurer’s Office, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ክለኣኽ ወይ በቲ ኣብ ሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኣቢሉ ክስደድ ይከኣል ኢዩ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብግልጺ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።

ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

እቲ ለጋሲ ሰብ ክሳዕ ዝመውት ብሕድሪ መልክዕ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ: ንብሕቲ ጕዳይ ምስ ዝድለ ድማ ናብቲ ለጋሲ ይምለስ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ በጃኻ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ተራኸብ።

ብመደብ ዝግበር ምሃብ

ብጀካ እቲ ብግልጺ ዝዋሃብ ናይ ገንዘብ ህያብን ኣብ ኵነታት እተመርኰሰ ናይ ገንዘብ ወፈያ ምግባርን: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ንምጥቃም ዝሕግዝ ካልእ ናይ ምሃብ ኣገባባት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ኢዩ:-

መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ገይርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዝዀነ ዓይነት መደብ ምስ ዝግበር ማሕበር ክትንገር ኣለዋ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ: ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ብሓደራ ክቕመጥ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝኽፈል ምዃኑ ብምግላጽ ክወሃባ ይከኣል ኢዩ። ማሕበር ከምዚ ዝበለ ዝዀነ ዓይነት መደባት ምስ ዝግበር ክትንገር ኣለዋ።

ኣክሲዮናትን ናይ ልቃሕ ሰነዳትን:- ኣክሲዮናትን ናይ ልቃሕ ሰነዳትን ብግልጺ እተዋህበ ህያብ ተባሂሉ ወይ ድማ እቲ እቶት ነቲ ለጋሲ ምኽፋል ዝቕጽለሉ መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብግልጺ እተዋህበ ህያብ ወይ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ክሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ሓደ ሰብ ናይ ዝዀነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ናይ ስምምዕ ሰነድ ቅድሚ ምግባሩ ምስ ማሕበር ክራኸብ ኣለዎ።

ኑዛዜን ሕድርን:- ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ብዘለዎ ኑዛዜ ገይርካ ከተውርሳ ይከኣል ኢዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዘገልግል ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ናይቲ ኑዛዜ ወይ ሕድሪ ስምምዕ ቅዳሕ ናብ ማሕበር ክለኣኽ ኣለዎ።

እቶም ኣብ ዝዀነ ካብዚ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ኣቢሎም ክውፍዩ ዝደልዩ ሰባት: በቲ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ከኣ በቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ገይሮም: ምስቲ ኣድራሽኡ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ክፍሊ ርክብ ክገብሩ ኣለዎም። ዝዀነ ይኹን ምስ እዚ መደባት እዚ እተኣሳሰረ ሰነዳት ዝሓዘ ቅዳሕ ናብዚ ክፍሊ እዚ ክለኣኽ ይግባእ።

ማሕበር ብመደብ ዝግበር ምሃብ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ: ብቛንቋ እንግሊዝኛ ብሮሹር ኣዳልያ ኣላ። እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ: ንማሕበር ሕጂ ፍሉይ ህያብ ክህቡ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ከውርሱ ዝምድቡ ሰባት ነዚ ሓበሬታ እዚ ሓጋዚ ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ብፍላይ ናይ ስድራቤት ሸቶ ክፍጽሙ ወይ ናይ ንብረት መደብ ክገብሩ ከለዉ: ነቲ ንውርሻ ወይ ድማ ንህያብ ዝኽፈል ቀረጽ ብሕጋዊ መገዲ ከም ዝጐድል ክገብርዎ ምስ ዝደልዩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። እቲ ብሮሹር በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ገይርካ ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ክሕተት ይከኣል ኢዩ።

PLANNED GIVING DESK

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive, Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (914) 878-7000

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ